አስትንትኖ ቃል አምላኽ መስከረም – 14.2018

  • ዮሓ.3:13-17

ብጀካ  እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እካ የልቦን። ብእኡ ዚአምን ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፥ ከምቲ ሙሴ አብ በረኻ ንተመን ዝሰቐሎ፥ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኺስቀል ይግባእ ኢዩ።

“በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለ ዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ኸይጠፍእሲ፥ አምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም አፍቀራ። ምኽኒያቱ አምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝለአኾ፥ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽትድኅን እምበር ንዓለም ኪፈርድ ኢሉ አይኮነን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *