ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ መስከረም – 17.2018

ሉቃ.7.1-10

ኢየሱስ ኩሉ ዘረባኡ  ነቶም ሕዝቢ ኣስሚዑ ምስ ወድኣ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ።  ኣብኡ ኸኣ ሓሚሙ ንሞት ዝቐረበ ዚፈትዎ ጊልያ ዝነበሮ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ።  ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰመዐ፥ መጺኡ ንጊልያኡ ኪሕውየሉ ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰመዐ፥ ናብኡ ልኢኹ ለመኖ። ንሳቶም ድማ ናብ ኢየሱስ መጺኦም “ ንሱ ንሕዝብና ይፈቱ፥ ቤት ጸሎትና ዝሠርሓልና ኸአ ንሱ እዩ እሞ እዚ ኽትገብረሉ ይግበኦ እዩ፡ ኢሎም አጽኖዖም ለመንዎ። ኢየሱስ ከአ ምስ አቶም ከደ፥ ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ድማ እቲ ሓለቓ ሚእቲ አዕሩኹ ልኢኹ ከምዚ በሎ፦ “ ጎይታይ፥ ናብ ቤተይ ክትአቱ አይብቁዑን ኢየ እሞ አይትድከም። ስለዚ ድማ እየ ናባኻ ንምምጻእ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቆጸርኩ። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ ጊልያይ ከአ ኺሓዊ እዩ። አነ አብ ትሕቲ ስበ ሥልጣን ዘገልግል፥ አብ ትሕተይውን ጭፍራ ዘለዉኒ ሰብ እየ። ነዚ ኪድ እብሎ፥ ንሱ ኸአ ይኸይድ፥ ነቲ ድማ ነዓ እብሎ፥ ንሱ ኸአ ይመጽእ፥ ንጊልያይውን ‘ እዚ ግበር እብሎ ንሱ ኸአ ይገብር።” ኢየሱስ ነዚ ምስ ሰምዐ ተገረመ፥ ናብቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ግልጽ ኢሉ ኸአ ‘’ ከምዚ ዝበለ እምነት አብ እስራኤል እካ አይረ ኽብኩም፥ እብለኩም አሎኹ” በሎም። እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ ነቲ ጊልያ ሓውዩ ረኸብዎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *