አስተንትኖ ቃል አምላኽ ጥቅምቲ 10.2018

ሉቃ.11:1-4

ኢየሱስ አብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቂ መዛሙርቱ፥ “ ጎይታይ፥ ከምቲ ዮሓንስ ንደቂ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረና” በሎ። ንሱ ኸአ በሎም፦ ‘ክትጽልዩ ኸሎኹም ኸምዚ በሉ፥ ‘አብ ሰማያት እትነብር አቦና፥ ስምካ ይቀደስ፥ መንግሥትኻ ትምጻእ፥ ፍቃድካ ኸምቲ አብ ሰማይ ከምኡ ድማ አብ ምድሪ ይኹን። ንናይ ዕለት እንጌራና አብ ፅባሕ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና ኹሎም  ይቕረ ንብል ኢና እሞ ኃጢአትና ይቕረ በለልና፤ ካብ ክፉእ አድኅነና እምበር ናብ ፈተና አይተእትወና።’’