አስተንትኖ ቃል አምላኽ ታኅሣሥ – 15. 2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ማቴ. 17፡10-13

ደቂ መዛሙርቱ ኸኣ “ንምንታይ ደኣ መምህራን ሕጊ፥ ‘ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ አለዎ’ ዚብሉ” ኢሎም ሓተትዎ።  ንሱ ኸአ መሊሱ “ እወ፥ ኤልያስ ቅድም ኪመጽእ እዩ፥ ንኹሉ ድማ ኼቃነዕ እዩ፥ ንሳቶም ግና ዝደለዩ ገበርዎ እምበር አይፈለጥዎን። ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ብአአቶም ሓሣረ መከራ ኪቕበል ከም ዘለዎ እብለኩም አሎኹ” በሎም።

አስተንትኖ

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ  ናይ ደቂ መዛሙርቱ “ንምንታይ ደኣ መምህራን ሕጊ፥ ‘ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ አለዎ’  ዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ “ እወ፥ ኤልያስ ቅድም ኪመጽእ እዩ፥ ይብሎም፡ እዚ ክብል ከሎ ብዛዕባ ዮሓንስ መጥምቕ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ዮሓንስ መጥምቕ ሓደ ንጹር ዝኾነ ተልእኾ ሒዙ ማለት ንምጽአት ክርስቶስ መገዲ ከዳሉ ኪመጽእ ነይሩዎ። መምህራን ሕጊ ነዚ ግን ክቕበሉዎን   ኪርድእዎ አይከአሉን።

ሓዋሪያት ሙሴን ኤሊያስን አብ እምባ ሚስ ክርስቶስ ኪዘራረቡ ረአዩዎም፡  ነዚ  ዝተዓዘቡ ኩሎም ኤሊያስ መገዲ ከዳሉ ኪምለስ ኢዩ ኢሎም ይአምኑ ነበሩ። ሓዋሪያት ነቲ ‘ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ አለዎ’  ዝብል ትምህርቲ መምህራን ሕጊ ክርድኡን ኪፈልጡን ይደሊዩ። ክርስቶስ ከም መሲሕ ጊና ዲሮ አብ መንጎኦም ነበረ። ከምኡውን  ኤሊያስ ዲሮ ከምዝመጸ ጊና ከምዘይሰምዕዎ ይዛረቦም። ኤልያስ ቅድም ኪመጽእ እዩ፥ ንኹሉ ድማ ኼቃነዕ እዩ፥ ንሳቶም ግና ዝደለዩ ገበርዎ እምበር አይፈለጥዎን። ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ብአአቶም ሓሣረ መከራ ኪቕበል ከም ዘለዎ እብለኩም አሎኹ” በሎም። አብዚ ሓዋሪያት ብዛዕባ ዮሓንስ መጥምቕ ይዛረብ ከምዘሎ ተረደኦም።

ዮሓንስ መጥምቕ “ አቱም ውሉድ ተመን፥ ካብቲ ዚመጽእ ቁጥዓ ክትመልቁኸ መን ሓበረኩም፧ እምበአር ንንስሓ ዝበቕዕ ፍረ ግበሩ”ሉቃ.  3፡7-14). እናበለ ተልእኾ ናይ ኤሊያስ ክፍጽም ተረኽበ። ንሱ ንእግዚአብሔር ብቑዕ ሕዝቢ ምእንቲ ኼዳሉ፥ ልቢ አቦታት ናብ ውሉድ፥ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ምእንቲ ኪመልስ፥ ብናይ ኤሊያስ መንፈስን ኃይልን ቀቅድሚ ጎይታ ኪኸይድ እዩ።”(Lc 1,17). እዚ ቃል እዚ ብየውሓንስ ይፍጸም። በዚ ምኽኒያት ከአ ንሞት ይፍረድ።

ክርስቶስ ነዚ ተልእኾ ዮሓንስ መጥምቕ  ይቕጽል። ማሕበራዊ ሕይወት ደቂ ሰባት ክሃንጽ ይጅሚር። ምኺኒያቱ እግዚአብሔር አቦ ንሕና ኩሉና አኅዋትን አኃትን ስለዚኾና። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕይወቱን ቃላቱን ክልተ ፍቕሪ ይምስርት፡ ፍቕሪ  እግዚአብሔርን ፊቕሪ ብጻይን። ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ብአአቶም ሓሣረ መከራ ኪቕበል ከም ዘለዎ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ ዝተነበዮ። በቲ ተልእኽኡ ዘይተሓጎሱ አይሁዳውያን ንመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስዊን እንተኾነ ከም ዮሓንስ መጥምቕ ንሞት አሕሊፎም ይህብዎ።

ዝኸበርኩም አሕዋትን አኃትን አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ እምበአር ንሕናዊን  ተልእኾ ክርስቶስ ጎይታና ቤተክርስቲያኑ እንታይ ምኻኑ አሚና ብእምነት ተቐቢልና ክርስቲያናዊ ሕይወትና ብቓል አምላኽ ክንመርሕ ይግበአና።

ብፍላይ በዚ ናይ ምጽአት ግዜ ስብከት ዮሓንስ መጥምቕ መሪሕ ሕይወትና ክንገብሮ ይግበአና።  ዮሓንስ መጥምቕ ንኽርስቶስ መንገዲ ክቕርበሉ ክሰብኽ ምስ ጀመረ እታ ቀዳመይቲ ቃሉ ወይ ስብከቱ  – ኣተሓሳስባኩም ቀይሩ ወይ ለውጡ – መንገድታት እግዚኣብሔር ኣቕንዑ፤ ስንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፣ እምባን ኵርባን ኩሉ ትሕት ይበል፤ ጥውይዋይ ዝኾነ ኩሉ ትኽ ይበል፤ ድንጉር ይተኻኸል። ሥጋ ዝለበሰ ኩሉ ከኣ ምድኃን ኣምላኽ ኪርኢ እዩ። አብዚ ግዜ እዚ እቲ ዓለማዊ ወይ ስጋዊ አተሓሳስባና ገዲፍና ብመንፈስ አምላኽ ጉዑዞ እንጅምረሉ፡ ካብቲ ጉጉይ መንገዲና ገዲፍና በቲ ቅኑዕ ዝኾነ መገዲ አምላኽ ክንጎዓዝ ንዕደም። ግዜኡ ግዜ ንስሓ ኢዩ፡ ግዜ ዕርቂ ኢዩ፡ ምሕረት አምላኽ እንቕበለሉ ግዜ ኢዩ፡ ሚስ አኅዋትናን አኃትና እንዕረቐሉ ግዜ ኢዩ።

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ታኅሣሥ – 14.2018

 

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ማቴ.11:16-19

“ እዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ኽምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቑልዑ እዩ ዚመስል። ከምዚ ኸኣ ዚብልዎም፦ ‘ እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፥ አልቀስናልኩም አይበኼኹምን።’ ዘይበልዕን ዘይሰትን ዮሓንስ እንተ መጸ ጋኒን አለዎ ይብሉ። ዚበልዕን ዚሰትን ወዲ ሰብ እንተ መጸ ኸአ፥ እንሆ በላ ዕን ሰታይን ወይንን ዓርኪ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥ አንን ይብሉ። ጥበብ ግና ብተግባራ ረትዐት።”

  • አስተንትኖ

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ዮሓንስ 11:13 “ከመይ ኩሎም ነቢያትን ሕግን ክሳዕ ዮሓንስ ተነብዮም እዮም። ክትቅበልዎም እንተ ደአ ደሊኹምሲ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ ዮሓንስ ኢዩ።  እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ። ድሕሪ ኢሉ መቐጸልታ ናይዚ ትምህርቲ እዚ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀጺሉ ነቶም ንኸይፈልጥዎን ከይቅበሉዎን ምኽኒያታት ዘብዝሑ “እዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ኽምስሎ እየ፧   ብምባል ክወቅሶም ይርከብ።

እግዚአብሔር ካብ መጀመርታ ንወዲ ሰብ ናብኡ ንምስሓብ ዘይገበሮ ነገር አይነበረን። ደቂ ሰባት በቲ ኩሉ ዝተገብረሎም ጸጋታት ንቃል አምላኽ ክአምኑን ክቕበሉን ስለዘይከአሉ።  “ነታኽልቲ ወይነይሲ ኃለፋ እቲ አነ ዝገበርክሉ እንታይ ኮን ምተገብረሉ ነይሩ፧ ዘቢብ የፍሪ ኢዩ ኢለ እናተጸበኽዎስ፥ ስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ፧ ኢሳ.5:4 ኣብ ወንጌል ዮሓንስ እንተረኤና – ዮሓንስ መጥምቕ ከም ጸራግ መንገዲ ወይ ንብርሃን ክምስክር መጸ ። ንብርሃን ይመስክር እምበር ንሱ ብርሃን ከምዘይነበረ ከኣ ይገልጽ።

እቲ ዘለዓለማዊ ቃል፡ ክርስቶስ ዓለም ብኣኡ ድሕሪ ተፈጢራ፣ ንፍጥረት ካብ ዝነበሮ ጸልማትን ባርነትን ንምልቃቕ፣ ኣብቲ ናይ ቀደም ናብራኡ ንምምላስን ሥጋ ለቢሱ፡ ከም ምንጪ ሕይወትን ብርሃንን ኮይኑ ናብ ዓለምና መጸ። ዓለም ግና አይተቐበለቶን ጸልማት መሪጻ።

ናይ ሎሚ  ቃል ወንጌል እምበአር  መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትሪ ልቢ ናይቶም ንስብከት ዮውሃንስ ይኹኑ ስብከቱ ስብከቱ ክሰምዑ ዘይከአሉ ከምቲ አቀዲምና ዝሰማዕናዮ “ እዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ኽምስሎ እየ፧ እናበለ ይዛረብ። ምኽንያቱ ነቲ እግዚአብሔር ዘቅርበሎም ዝነበረ ጸዋዕታ ወይ ዕድመ ናይ ንስሓ ናይ ድኅነት  ክርድእዎን ክቕበሉዎን አይከአሉን። ከምኡውን ሎሚ አብ ግዜና ነፍሲ ወከፍና፡ አብ ሕይወታን  ገዛእ ርእስና እሞ ንመርምር። ስጋብ ክንደይ ኢና ንቃል አምላኽ አብ ሕይወትና ቦታ እንህቦ፧  ቃል አምላኽ ብኸመይ ንሰምዖ ንቕበሎ፧ ስጋብ ክንደይ ኢዩ አብ ሕይወትና ንስሓ ለውጢ ንኽንገቢር ዝሕግዘና። ክርስቶስ ጎይታና ነቶም ናይቲ ግዜ ሰማዕቱ  ብምሳሌ ገሩ “ እምብልታ ነፋሕናልኩም አይሳዕሳዕኩምን፥ አልቀስናልኩም አይበኼኹምን ዝብል።’ ሕጂውን እንተኾነ አምላኽና ንነፍሲ ወከፍና በብስምና ንቃል አምላኽ ክንሰምዕ፡ አብ ትእዛዛቱ እሙናት ኮይና ክንርከብ፥ ሕይወትና ብሰላምን ቅሳነትን ክንብሮ ዕድምኡ የቅርብ አሎ ። ‘እምብልታ ይነፋሓልና አሎ – ነዚ ጸዋዕታ እዚ ክነጸጎ አይንኽእልን። ምክንያቱ ጸዋዕታ ድሕነት ኢዩ። የሱስ ካብቲ ናይ ዮሓንስ አምጻጽአ ዝተፈልየ አብ በረኻ ይሁዳ ዘይኮነስ፡ አብ ከተማታትን ሃገረሰባትን ወንጌል መንግሥቲ እናሰበኸ፡ ኩሉ ሕማምን፥ አብ ህዝቢ ዝነበረ ድናስን እናሕወየ ፥አብ ኩለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘውር ከምዝነበረ ባዕሉ ቃል ወንጌል የዘንትወልና።  ክርስቶስ አብ መንጎ ህዝቢ ይነብር  ነበረ  ምስ ሕዝቢ ይምገብ ይሰቲ፡ ምኽንያቱ ብኩሉ ንዓና ክመስል ነይሩዎ።

ዘይበልዕ ዘይሰቲን ዮሓንስ መጸ ጋኔን አለዎ ይብሉ። ነዚ ክነስተንትን ከለና ንገዛእ ርእስና ንጠምት። ንሕናኸ ንሕዋትና በቲ አብ ሕይወቶም ዝገብሩዎ ሰናይ ተበግሶታት ክንደይ ኢና ዘይንወቅሶም፡፡ ክንደይ ነገራትከ ዘይነልግበሎም። ብምስላ  ብዛዕባ እቶም ቖልዑ ክዛረብ ከሎ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “አብ ዕዳጋ ዝተቀመጡ” ይብሎም። እዞም ቖልዑ እዚኦም እንተ ብትህኪት እንተስ ብኻሊእ ምኽንያታት ካብቲ ኮፍ ኢሎሞ ዘለዎ ቦታ ክትስኡ አይደለዮን። ነቲ ዕድመ ጸዋዒት እምብልታ ይነጽግዎ አይቅበሉዎን። ልክዕ ፈሪሳውያንውን ነቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ቃል ሕይወት ክቅበልዎ አይርከቡን። እካ ደአ  ነቲ ቅዱስ ተግባራት ክርስቶስ ነጺጎም፡ ንክርስቶስ ከም ሓደ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ   ተቀበልቲ ቀረጽን፥ ኃጥአንን ገሮም የቅርብዎን ይኸስዎን። መንፈስ ቅዱስ ተቀቢሎም ሓድሽ ጉዑዞ ክጅምሩ አይደለዩን። እዚ ኩሉ አብ መዓልታዊ ህይወትና እንጥቀመሉ አገባብ ኢዩ። ነቲ ሓቀና ትምህርቲ ክርስቶስ፣ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን፡ ሕግታት ቤተክርስቲያን ክንቅበል ምስ ዝጽግመና ልክዕ ከም ፈሪሳውያን ኮይና ንርከብ።

ስለዚ እግዚአብሔር በዚ ናይ ሎሚ ቃል ወንጌል ገሩ ንነፍሲ ወከፍና፡ ንቃል ወንጌል ከም ማሪያም ብትሑት ልብን መንፈስን ክንቅበሎ ይጽወዓና አሎሞ – ነቲ ቤተክርስቲያና ብዝተፈላለየ መገዲ መዓልታዊ ቃል ሕይወት ንኽንሰምዕ ሰሚዕና ሕይወትና ቅንⷅር ሚስ ክርስቶስ አምላኽና ሕብረት ንኽህልወና ‘እምብልታት ትነፍሓልና አላ።  ነዚ ብሓቂ ዕውታት ኮይና ንኽንርከብ እግዚአብሔር ንነፍሲ ወእክፍና ይሓግዘና። አሜን!

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ታኅሣሥ – 13.2018

ማቴ.11:11-15

ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ዘበሉ ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እካ ከም ዘይተንሥአ፥ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። አብ መንግሥተ ሰማያት  ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዓቢ። ካብ ዘመነ ዮሓንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ መንግሥተ ሰማያት ትግፋዕ አላ፥ ገፋዕቲ ድማ ይዘርፍዋ አለዉ።

“ከመይ ኩሎም ነቢያትን ሕግን ክሳዕ ዮሓንስ ተነብዮም እዮም። ክትቅበልዎም እንተ ደአ ደሊኹምሲ እቲ ኺመጽ እ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ ዮሓንስ ኢዩ።  እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።

  • አስተንትኖ

ናይ ሎሚ ቃል ኣምላኽ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዮሓንስ መጥምቕ ኪዛረብ ንረኽቦ። ክርስቶስ ሚስ ኩሎም ደቂ ብሉይ ኪዳን ብምውድዳር ከአ ካብኡ ዝዓቢ ከምዘይተፈጥረ ይምስክር። ዮሓንስ መጥምቕ ካብ ኤርሚያስ አብርሃም፡ ኢሳይያስ ዝዓቢ ኮይኑ ይቐርብ። ምኽኒያቱ ዮሓንስ መጥምቕ ብዓይኒ ብሉይ ኪዳን እቲ ዝዓበ ተልእኾ ዝተቐበለ ኢዩ ነይሩ። እግዚአብሔር አምላኽ ሓደ ተልእኾ ይህቦ፡ ነቲ ዝመጽእ መሲሕ መገዲ ንከዳሉ። መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ እሞ ተነስሑ” እናበለ ከኣ ይሰብኽ።

ዮሓንስ አቀዲሙ ደቂ መዛሙርቱ ልኢኹ “እቲ ዚመጽእ ንስኻ ዲኻ ፥ ወይ ድማ እንጽበዮ ኻልእ አሎ፧” እናበለ ሓቲቱዎ ነይሩ ኢዩ። አብዚ ዮሓንስ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝተጠራጠረ ይመሲል። ምኽኒያቱ ተግባራት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስቲ ዮሓንስ ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዘለዎ መሲሕ  ዝሰበኾ ዝጋጮ ይመሲል ነይሩ። ዮሓንስ ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ክርስቶስ መድኅን “ ሓደ ሕሱም ፈራዳይ፡ ናብዚ ዓለም ዝመጽእ ዘሎ ብቕጥዓ ክፈርድን ክኹንን ምኻኑ፡ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኩሉ ኦም ዝቕርጽ፥ ናብ ሓዊ ድማ ዝድርቢ።  ዓውዲ ዘጽርየሉ መስአ አብ ኢዱ ዘለዎ ፥ ስርናይ አብ ቆፍኡ ዝእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኬንድድ” ምኻኑ ይሰብኽ።

ክርስቶስ ጊና ሓደ ሕሱምን ጨካንን ፈራዳይ ዘይኮነ ዓርኪ ወዲ ሰብ፡ ኩላትና ኮይኑ ይርከብ። “ለዋኅን ትሑትን ኮይኑ ይርከብ። ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን ኪበልዕን ኪሰትን ይርከብ፡ በዚ ተግባራት ዝተዓንቀፉ ፈሪሳውያን “ስለምንታይ ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን ዚበልዕን ዝሰቲን” ኢሎም ኪሓቱ ተረኽቡ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዘሚዑ “ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር ጥ ዑያት አየድልይዎን እዮም፤ አነ ኸአ ንኃጥአን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ አይመጻኹን” ማር.2:16-17 እናበለ ይምልሰሎም።

ዮሓንስ እቲ ናይ መጨርሽታ ብሉይ ኪዳን ኢዩ ነሩ። ንሱ እዩ ንመጀመርታ “እንሆ ገንሸል ኣምላኽ”ዮሓ. 1፡36 እናበለ ንደቂ ሰባት ዝሓበረ። እቲ  ብአብራሃም ዝጀመረ ነዊሕ ታሪኽ ብዮሓንስ  አብ ዕላማኡ ይበጽሕ።  ዮሓንስ ግና ህላዌ መንግስ ተሰማይ አብ ክርስቶስ ከምዘላ  ንኽርድኦ የጸግሞ፡ ይጠራጠር፡ ስለዚ ኢዩ ኸአ “እቲ ዚመጽእ ንስኻ ዲኻ ፥ ወይ ድማ እንጽበዮ ኻልእ አሎ፧” እናበለ ኪሓትት ዝተረኽበ። ምኽኒያቱ ታሪኽ ብሉይ ኪዳን ንበይኑ   ነቲ ብኽርስቶስ ዝመጻና ሰናይ ዜና እግዚአብሔር ንኽንርዳአና አይክእሊን። ቅዱስ አጎስጢኖስ እቲ ሓድሽ አብ ብሉይ ኪዳን ተሓቢኡ አሎ ይብል” ስለዚ ነቲ ሓድሽ ንምርዳእ ሓገዝ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶኢስ የድሊየና። እቲ አብ ክርስቶስ ብእምነት ዝመላለስ ምስኡ ሕብረት ዘለዎ ከአ ነቲ ኩሉ አብ ብሉይ ተሓቢኡ ዘሎ ሓቂ ንኽርዳእ ብርሃን ይርከብ።

“ከመይ ኩሎም ነቢያትን ሕግን ክሳዕ ዮሓንስ ተነብዮም እዮም። ክትቅበልዎም እንተ ደአ ደሊኹምሲ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ ዮሓንስ ኢዩ።  እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።  መንግሥተ ሰማይ መንግሥቲ ድኻታት፡ መንግሥቲ ትሑታት፡ ለዋሃት፡ ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ ኢያ።.

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ታኅሣሥ – 12.2018

ማቴ.11:25-30

‘’ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩ ፆር ዝኸበደኩምን፥ ናባይ ንዑ፥ አነ ኸአ ከዕርፈኩም እየ። አነ ለዋህ እየ፥ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ አርዑተይ ፁሩ፥ ካባይውን ተምሃሩ፥ ንነፍስኹም ከአ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይ  አርዑተይ ልዙብ ፆረይ ከአ ፈኩሽ እዩ።”

 

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ታኅሣሥ – 12.2018

ማቴ.11:25-30

‘’ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩ ፆር ዝኸበደኩምን፥ ናባይ ንዑ፥ አነ ኸአ ከዕርፈኩም እየ። አነ ለዋህ እየ፥ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ አርዑተይ ፁሩ፥ ካባይውን ተምሃሩ፥ ንነፍስኹም ከአ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይ  አርዑተይ ልዙብ ፆረይ ከአ ፈኩሽ እዩ።”

አስተንትኖ

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ክርስቶስ ነቶም ብሰንኪ ኃጢአትና አብ ትሕቲ ጸቕጥን ድካምን እንነብር ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩ ፆር ዝኸበደኩምን፥ ናባይ ንዑ፥ አነ ኸአ ከዕርፈኩም” እናበለ አብ እግሩ ሕቕፍኡ ብምምጻእ ንኽንዕርፍ ይዕድመና። እቲ መጀመርያ ክርስቶስ ዝሓተና ከም  ደቂ መዛሙርቱ ኮይና መዓልታዊ ክንስዕቦ ኢዩ።  ምስኡ ዕርክነት ሕብረት ክንምስርት። ካብዚ ሓሊፍና አብቲ ተልእኸኡ ተሳተፍቲ ክንከዊን። ክርስቶስ ከም መምህር አብ መንጎና ተረኺቡ እቲ ሓቀና መገዲ ናብ እግዚአብሔር አቦ ዝወስድ  ጥራይ አይኮነን ዝሓብረና።  እንታይ ደአ ነቶም ዝደኸምና ጾር ዝኸበደና አብኡ ንኽነዕርፍ፡ ሓይሊ ንኽንረክብ፡ ንኽንሓዊ ክንነጽሕ ማዕጾ ልባቱ ይኸፍተልና። ንሱ ልባትና ዝፈልጥ አምላኽ ኢዩ። አብ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ክንደይ ግዜ ኢና ንደኪም ንወድቕ ጉዑዞ ክርስቲያናዊ እምነትና ከምቲ ዝድለ ንኽንቅጽል ዕንቅፋት ዝኾነና፡ ንድሕሪት እንምለስ፡ ክርስቶስ ነዚ ይፈልጦ ኢዩ ስለዚ ኢዩ “ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩ ፆር ዝኸበደኩምን፥ ናባይ ንዑ፥ አነ ኸአ ከዕርፈኩም እየ” እናበለ አብቲ ጸጋማትና ተሳታፊ ክኸዊን ዝመርጽ።  ክርስቶስ ጸገማትና ጥራይ አይኮነ ተሳታፊ ዝከዊን – እንታይ ደአ እቲ ዘድሊየና ዕረፍቲ ከምዝህበና ተስፋ ይህበና።

ክርስቶስ ነፍሲ ወከፋን ናብኡ ክንመጽእ ይዕድመና፤ አብኡ ጥራይ ኢዩ ዝርከብ እቲ ሓቂ ምሕረት ድኅነት። “ ብዙኅ ሕዝቢ ምስ ረአየ፥ ጋሳ ከምዘይብለን አባጊዕ፥ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ ራኅርኃሎም”።

አነ ለዋህ እየ፥ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ አርዑተይ ፁሩ፥ ካባይውን ተምሃሩ፥  ንኽርስቶስ ንምኽታል  መዓልቲ መዓልቲ መስቀልና ክንጸዊር ይግበአና። በቲ ንሱ ዝኸዶ መንገዲ ክንመላለስ ክንከይድ ንዕደም። አሰር ክርስቶስ ብምኽታል ካብ መስቀል ንዝመጻና ውርደት ብትሕትና ክንቅበሎ ቅሩባት ክንከዊን የዲሊ። ክርስቶስ እምበአር ነዚ ምንጪ ድኅነት ዝኾነ መስቀል ክንጸዊር ኢዩ አርዑተይ ፁሩ፥ ካባይውን ተምሃሩ፥  እናበለ ሎሚ መስቀልና ክንሽከም ዝሓተና ዘሎ። ኢየሱስ መስቀሉ ኪሽከም ነቲ ሰማያዊ አብኡ ሕራይ ዝበለን ዝተ አዘዘን ንሕና ሕይወት ምእንቲ ክንረክብ ኢዩ፡፤ ንሕናዊን ብወገና ከም መህርና ምእንቲ ፍቕሪ ጎይታና ስቓይን ድካምን ብትሕትና ኪንቅበል ዕረፍቲን ታሕጋስን ክንረክብ ንዕደም። እግዚአብሔር አምላኽና ከአ ዕረፍቲ ክህበና ኢዩ። በቲ መወዳ እታ ዘይብሉ ፍቕሩን ምሕረቱን ካብ ኩሉ ሸኸምና ዕረፍቲ ሚስ ሃበና፡ ንሕናውን ብወገና ንኅዋትናን አኃትናን ካብ ኩሉ ጸገማቶምን ሽግራቶምን ክነውጽኦም ክነገላግሎም ዕረፍቲ ክንህቦም ንዕደም።

ትሕትናን ተግባራት ክርስቶስ ጎይታና ክንመሃሪን ክንስዕቢን እምበአር ንሕማማቱ ተመላሊስና ክነስተንትኖ ይግበአና።  እዚ ምስ እንፍጽም ነፍስና  ዕረፍቲ ኽረክብ ኢዩ። ነቲ ብሓቂ ነዚ ጸዋዕታ ሰሚዑ ብእምነት  መዓልታዊ መስቀሉ ዝሽከም አርዑት መስቀል ክርስቶስ ልዙብ  ፆሩ ከአ ፈኩሽ ምኻኑ ክርደአና ኢዩ።

 

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ታኅሣሥ – 11.2018

ማቴ.18:12-14

እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ አባጊዕ ዘለዋኦ ሰብአይ ካብአን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን አብ ጎበታት ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊዶ አይከይድን፧ እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍአ ብአአ አዝዩ ከም ዚሕጎስ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ከምኡ ድማ ኻብዞም ናእሽቱ ሓደ እካ ኺጠፍእ ፍቓድ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦኹም አይኮነን።

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ታኅሣሥ – 11.2018

ማቴ.18:12-14

እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ አባጊዕ ዘለዋኦ ሰብአይ ካብአን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን አብ ጎበታት ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊዶ አይከይድን፧ እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍአ ብአአ አዝዩ ከም ዚሕጎስ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ከምኡ ድማ ኻብዞም ናእሽቱ ሓደ እካ ኺጠፍእ ፍቓድ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦኹም አይኮነን።

አስተንትኖ

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሕያውነትን ፍቕሪ አምላኽ ንኽነስተንትን ይሕግዘና። ነቲ ኩሉ እግዚአብሔር አምላኽና ዝገበረልናን ዝገብረልና ዘሎን እናዘከርና ከአ ወትሩ  ክነመስግኖን ክንውድሶን ንዕደም።  መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ሓደ ታሪኽ የዘንቱ። ሓደ ሚእቲ አባጊዕ ዘለዋኦ ሰብአይ ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን አብ ጎበታት ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ይከይድ። ብዙሕ ግዜ ነፍስ ወከፍና አብዚ ዓለም እዚ ከምተን ዝጠፍአ አባጊዕ ኢና፡ ነፍሲ ወከፍና ብዙሕ ግዜ ካብዚ ናይዚ ዓለም እዚ ነገራት ነጻ ኪንከዊን ይጽገመና። ብዙሕ ግዜ እቲ ብሓቂ ሰናይ አብቲ ሓቂን ፍቕሪን ክርስቶስ አምላኽ ከምዝርከብ አይርደ አናን ወይ ንዝንግዖ።

ዝከበርኩም አኅዋትን አኃትን እዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ግዜ ምጽአት ኢዩ። ልደተ ክርስቶስ ንኽነብዕል ብጾልትን ጾምን እንቀራረበሉ ግዜ ኢዩ።   እቲ ሰናይ ዜና ናይ ልደተ ክርስቶስ እግዚአብሔር አምላኽ አብ መንጎና ምእንቲ ድኅነት ነፍሲ ወከፍና  ካብ ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ምላዱ ኢዩ። እግዚአብሔር ምስ ኩሉ ሓይሉ ጽጋታቱ ንኽዕድል ይመጽእ። ሓይሊ አምላኽ ፍቕሪ ኢዩ፡ ሓሊዮት፡ ድኅነት ኢዩ። ርሕራሔ ዝመልኦ ሓይሊ ኢዩ። ርሕራሔር ከምቲ ሕያዋይ ጋሳ ምስ አባጊዑ ዘለዎ ርሕራሔር እግዚአብሔር አምላኽናውን እቲ ምስ ነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ልክዕ ከምኡ ኢዩ። እግዚአብሔር ንወላሓደ አይርስዕን ኢዩ፡ ወላእካ ከምታ ዝጠፍአት በጊዕ እንተ ጠፋእና ወትሩ ምሳና አሎ፡ ናብቲ ሓቅኛ ጋሳናን ጎይታናን ንኽንምለስ ወትሩ ይደሊየናን – ይጽወዓናን፡

እቲ ሕያዋይ ጋሳ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ክትምለስ አይጽበን። ማለት ንሕና ነፍሲ ወከፍና ካብቲ ጋሳና ዝኮነ አምላኽና ከምቲ አቀዲምና ዝበልናዮ ብዝተፈላለየ ናይዚ ዓለም ጣዕሚ ካብኡ ምስ እንርሕቅ ምስ እንጠፍእ ክርስቶስ አምላኽና ናብኡ ንኽንምለስ መዓልታዊ ብዝተፈላለየ መገዲ ይደሊየና ።

እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ አባጊዕ ዘለዋኦ ሰብአይ ካብአን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን አብ ጎበታት ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊዶ አይከይድን፧ እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍአ ብአአ አዝዩ ከም ዚሕጎስ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ከምኡ ድማ ኻብዞም ናእሽቱ ሓደ እካ ኺጠፍእ ፍቓድ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦኹም አይኮነን።

እቲ ቃል አምላኽ ዝኾነ ኢየሱስ፡ ንዓና መለኮታዊ ባሕሪ ምእንቲ   ኬልብሰና ካብቲ ግጉይ መገዲ ንኽመልሰና  ነተን ዝጠፍአ አባጊዕ ንኽመልስ፡ ሰብ አዊ ስጋና ክለቢስ ክኢሉ። ንሕና ካብ ኩኔነ ንኽንድሕን ንሱ አገልጋሊ ኮነ። ንሕና ንኽንጸድቕ ንኃጢአትና አብ ዝባኑ ተሸከመ። ክርስቶስ ናብዚ ዓለም ዝመጸ እምበአር ምስኡ ሓቢርና ናብ ክብሪ መንግሥተ ሰማይ  ምእንቲ ክትድይብ ኢሉ ኢዩ።

 

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ታኅሣሥ – 10.2018

ሉቃ.5:17-26

ሓደ መዓልቲ  ኢየሱስ  ኪምህር ከሎ፥ ካብ ኩሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን ከምኡውን ካብ ከተማ ኢየሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን አብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ እቲ ሕሙማት ዜሕውየሉ ኃይሊ እግዚአብሔር ከአ ነበሮ።  እንሆ ኸአ ገለ ሰባት ሓደ መፃጉዕ ሰብአይ ብዓራት ፀይሮም አምጽኡ፥ አብ ቤት አእትዮም ከአ አብ ቅድሚኡ ኼንብርዎ ይደሊዩ ነበሩ። ካብ ብዝሒ ሰብ ዝአክል ከመይ  ገይሮም ከምዚ እትውዎ ምስ ጨነቖም ከአ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ፥ ጡብ አፍሪሶም ምስ ዓራቱ ናብ ማእከል አብ ቅድሚ ኢየሱስ አውረድዎ። ኢየሱስ ከአ እምነቶም ርእዩ ”አታ ሰብአይ ኃጢአትካ ተኃዲጉልካ እዩ” በሎ። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ “እዚ ንእግዚአብሔር ዚጸርፍ ዘሎ መን እዩ፧ ብዘይካ አምላኽ በይኑኸ ኃጢአት ኪኃድግ ዚኽ እል መን ኢዩ፧ “ እናበሉ ኪሓስቡ ጀመሩ። ኢየሱስ ከአ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዚ  ዚስዕብ በሎም፥  “ ስለምንታይ ብልብኹም ከምዚ ኢልኩም ትሓስቡ፧ አየናይ ይቐልል፧ ‘ኃጢአትካ ተኃዲጉልካ እዩ’ ምባልዶ ወይ ‘ ተንሥእ እሞ ኺድ ምባል፧ እምበአር፥ ወዲ ሰብ አብ ምድሪ ኃጢአት ኪኃድግ ሥልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ’’ ኢሉ፥ ነቲ ልሙስ፥ “ንዓኻ ግና እብለካ አሎኹ፥ ተንሥእ እሞ ዓራትካ አልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ’’ በሎ። ንሱ ድማ ብኡብኡ  አብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ፥ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት አልዒሉ ንአምላኽ እናመስገኖ  ናብ ቤቱ ኸደ። ኩሎም ተገረሙ፥ ፍርሃትውን ኃደሮም፥ “ ሎሚስ ግሩም ነገር ርኢና” እናበሉ ኸአ ንአምላኽ አመስገንዎ።

ዘመነ ምጽአት ንእምነትና እነንጽሓሉ ግዜ ስለዝኾነ ብዓለማዊ መንፈስ ክዕብለል ኣይነፍቅድ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 3 ታሕሳስ 2018 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተቅዳሴ ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ትማሊ ዝጀመረ ዘመነ ምጽኣት ብምዝካር ‘ዘመነ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሔም ምእንታና ከምዝተወልደ ንምርዳእ ምስትንታንን ንወልደ እግዚአብሔር ናይ ግልኻ መድሓኒ ጌርና ምሳኡ ንዘሎካ ርክብ ንምሕያል ዝኸውን ምሩጽ ግዜ እዩ’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል – ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ካብ ትማሊ ኣትሒዞም ደጋጊሞም ሓደራ ዝብልዎ ንዘመነ ምጽኣት ብግብእ ናይ ምጥቃም ምሕጽንታ ብምቅጻል ሎሚ ንግሆ እውን ዘመነ ምጽኣት ካብቲ ብዙሕ ትርጉማቱ ሠለስተ ጐድንታቱ ንተዓዝብ ክብሉ ከም ልማዶም ሠለስተ ቃላት ወስ ኢሎም። ሕሉፍ መጻኢ ሕጂ ክብሉ ከኣ ጠቂሶመን።

ብሓፈሻ እንክረኤ ዘመነ ምጽኣት ቅድሚ ዝኣገረ መንፈስና ክነንጽሕ ምሩጽ ግዜ ኮይኑ በዚ ምንጻሕ እዚ ገርና ከኣ ሃይማኖትና ነዕቢ ኢሎም። ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 8.5-11 ኮይኑ ነቲ ሓለቃ ሚእቲ ጊላኡ ሓሚሙ ኢየሱስ ከሕውየሉ ዝልምን እሞ ጐይታ ክኸይድ ቅሩብነቱ ምስ ኣርኣየ ኣብ ቤተይ ክትኣቱ ኣይግበኣካን ኣብኡ ኰንካ ኣዝዝ ሓንቲ ቃል ተዛረብ ኣነ እውን በዛ ዓቅመይ ሓላፊ ስለዝኾንኩ ኣብ ዘሎኹ ኣልየ ንዓ ዝበልክዎ ይመጽእ ኪድ ዝበልክዎ ይኸይድ ግበር ዝበልክዎ ይፍጽም ብማለት ኢየሱስ እውን ዝነኣዶ ዓቢ እምነት ዝገልጽ ነበረ። እምነት እንተዘይኣበራቢርካዮ ክድስክል ስለዝኽእል ቅዱስነቶም እንከዘኻኽሩ ሎሚ እውን እንተኾነ በዘልማድ ጥራይ እንተመላለስና ነዚ ሕያው ዝኾነ ጠባይ እምነት ክንዝግዕ ከምዝከኣል እዚ ንሓይሊ እምነትና ከምዘዳኽሞ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ከምዝደስከሎ ድሕሪ ምግላጽ እምነት ወትሩ ሕያው ስለዝኾነ ሓዲስ ነገራት ክፍጸም ተአምር ክረኤ ኣንተኾይኑ ወትሩ ሕያው ክንገብሮ ኣሎና ኢሎም። ንእምነት ካብ ዘደስክሉ ሓደ ንበዓለ ልደት ዓለማዊ መንፈስ ምልባስ ምልባስ እዩ።

ንበዓለ ልደት ዓለማዊ መንፈስ ኣይነልብሶ!

ቅዱስነቶም ናብታ ቀዳመይቲ ቃል ዝበልዋ ማለት ሕሉፍ እትብል ቃል ምልስ ይብሉ እሞ ናይ ዘመነ ምጽኣት ቀዳማይ ገጽታ ሕሉፍ ዝምልከት ኮይኑ እዚ ከኣ ንሕሉፍ ንዝኽሪ ምንጻሕ እምበር ኦም ልደት ምትካል ወይ ምቅንጃው ከምዘይኮነ ዘኪርና ዝተወልደስ መድኅን ዓለም ክርስቶስ እዩ ኢሎም።

“ ጐይታ ተወሊዱ መድኃኔ ዓለም ተወሊዱ ከድሕነና ከኣ መጺኡ። ርግጽ እዩ ዓቢይ በዓል እዩ ኮይኑ ግን ንሕና ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ ኢና እንነብር ኣብ ውሽጥና ንበዓለ ልደት መንፈስ ዓለም ናይ ምልባስ ፈተና ኣሎና፣ እቲ ናይ ኣስተንትኖ ወገን ይርሳዕ እሞ ብላዕ ስተ ተሓጐስ ዝብል ኣተሓሳስባ ናብ ዕዳጋ ገጽካ እናጐየኻ ዝብላዕን ዝስተን ህያብ ዝኸውንን ነገራት ሃሰው እናበልካ መንፈስ ዓለም ይሕዘካ ጐይታ ከኣ ኣባኡ ይርሳዕ። ኣብ ሕይወትና እውን ከይተረፈ እወ ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ተወሊዱ ኮይኑ ግን . . ንብል ስለዚኸስ ዘመነ ምጽኣት ናይ ዝሓለፈ ዝኽርኻን ታሪኽካን ምንጻሕ መንፈስካ ምንጻሕ ቀዳማይ ዕዮኡ እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ንዝመጽእ ብምጥማት ተስፋኻ ምንጻሕ እዩ። ”

ንተስፋ ምንጻሕ!

ካልአይቲ ዕዮ ናይ ዘመነ ምጽኣት ንዝመጽእ ትምልከት ኮይና ነቲ ጽባሕ ክንቀባበሎ እንጽበዮ ዘሎና ጐይታ ርክብ ከም ተስፋ ሰኒቃ ነዚ ተስፋ እዚ ንምንጻሕ ይሕግዘና።

“ እቲ ንከድሕነና ዝመጸ ጐይታ ክምለስ እዩ! እወ ብርግጽ ክምለስ እዩ! እንታይ ክገብር እንተበልኩም ‘ሕይወትኩም ከመይ ኣሕሊኩምዎ’ ቢሉ ንክሓተና ክምለስ እዩ። እዚ ርክብ እዚ ግላዊ ርክብ እዩ ክኸውን። ነዚ ግላዊ ርክብ እዚ ከኣ ሎሚ ሕጂ ኣብዚ ብቅዱስ ቊርባን ኢና እነማዕብሎ። ምስቲ ቅድሚ 2000 ዓመታት ዝተፈጸመ ልደት ክርስቶስ ከምኡ ዓይነት ግላዊ ርክብ ክህልወና ኣይክእልን። ዝኽሪ ናቱ እዩ ዘሎና። ኮይኑ ግን ብኽብርን ብግርማን ክምለት ከሎ እቲ ኣካላዊ ግላዊ ርክብ ሽዑ እዩ ክፍጸም! ተስፋና ከኣ እዚኣ እያ! ነዛ ተስፋ እዚኣ ኢና ክነንጽሕ ዘሎና። እዚ ሓሶት ከይመስለና ከኣ ከምቲ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ዝብሎ ኣብ ማዕጾ ልብና ኮይኑ ወትሩ ይኲሕኲሕ ኣሎ። ”

ጐይታ ዕለት ዕለት ማዕጾ ልብና ይኲሕኲሕ!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዝጠቀሰዋ እታ ሎሚ ሕጂ ትብል ሣልሰይቲ ገጽታ ዘመነ ምጽኣት ኮይና እዚኣ ከኣ ነቲ ዕለት ዕለት እንነብሮ እምነትና ምስቲ በየማነ ጸጋም ከቢቡና ዘሎና ቈጺርካ ዘይውዳእ ሳህሮ ናብራ ብምዝማድ ነታ ኢየሱስ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 6.6 ‘ክትጽሊ ከሎኻ ናብ ገዛኻ እቶ መዓጹ ሸጒርካ ናብቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ጸሊ’ ዝበሎ እሞ ንሱ ከኣ ብሕቡእ ዝምልሽ ኣምላኽ ድንቅን መንክራትን ስለዝኾነ ክርስትያን ዘቦኡ ዕለት ዕለት ናብት ምልክታት ሰማያዊ ኣቦኡን ድንቅታቱን ቚሊሕ ክብል ኣለዎ።

“ እታ ሣልሰይቲ ገጽታ ዘመነ ምጽአት ዕለታዊት ኮይና ነታ ነቂሕካ ምሕላው ትብል ክነንጽሕ ኣሎና። ነቂሕካ ምሕላውን ጸሎትን ክልተ ዓንድታት ዘመነ ምጽአት እየን ከመይ ጐይታ ኣብ ታሪኽ ኣብ ቤተልሔም መጺኡ እዩ ገና ከኣ ኣብ መወዳእታ ዓለምን መወዳእታ ነፍሲወከፍናን ብክብርን ብግርማን ክመጽእ ንጽብዮ። ኮይኑ ግን ዕለት ዕለት ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ ልብና ብሕሹዅታ መንፈስ ከኣ ይመጽእ እዩ። ”

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ክርስቶስ ምብሳር ሸመታ ዘይኰነስ ተቓድዎ ሕይወት እዩ

ዕለት 30 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስተ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልዀ ሎሚ ዝብዓል ዓመታዊ በዓለ ቅዱስ እንድሪያስን ምኽንያት ካብ

መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮም ምዕ. 10፡ 9-18

ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 4፡ 18-22

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም፡ ኣቐዲሞም ሓዋርያ እንድሪያስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ ምዃኑ ዘኪሮም ንቝስትንጥንያዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ በዓል ተመንዮም፡ ክርስቶስ ምምስካር ማለት ኣብ ሕይወትካ ክርስቶስ ምንባር ማለት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ – ከተማ ቫቲካን

ልክዕ ከም ሓዋርያ ጴጥሮስን እንድሪያስን ያዕቆብን ዮሓንስን፡ ኣብቲ ክርስቶስ ንምብሳር ጉዕዞና ዘሰናኽለና ኩሉ ሓዲግና ንጓዓዝ ቢሎም በዛ መዓልቲ እዚኣ ንቤተ ክርስቲያን ቍስጥንጥንያ ምእንቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ብምጽላይ ዘሎና ቅርበት ንመስክር።

ክርስቶስ ኣብ ምብሳር ቅዱው ሕይወት

ኣቅዋም ኣረኣእያናን ሓጢኣትናን ልምድታትናን፥ ነፍሲ ወከፍና እዞም ኣብ ውሳጤና ዘለዉ ሕድግ ኣቢልና ሕዝቢ ነቲ እነቕርበሉ ምስክርነት ክእምንን እቲ እነቕርቦ ምስክርነት ተኣማኒ መታን ክኸውን ብስሙር ሕይወት ኢየሱስ ምብሳር ቢሎም ናይ ዕለቱ ኣብ በዓለ ቅዱስ እንድሪያስ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ካብ ምዕ. 10፡ 9-18 ዝተወስደ ምንባብ፡ እናስተውዓሉ፥ እምነት ካብ ምስማዕ እዩ ዝብገስ፡ ምስማዕ ክበሃል እንኰሎ ንቓል ክርስቶስ እዩ ዝምልከት፡ ስለዚህ ብስራት ቃለ ወንጌል፥ ኢየሱስ ሞይቱን ካብ ሙታን ተንሲኡ ኣድሒኑና ዝብል እዩ፡ እቲ ሞት ስዒሩ ዘተንስኤ ክርስቶስ ምብሳር ማለት ተራ ዜና ኣይኰነን፡ እንታይ ድኣ ዓቢይ እንኰን ጥዑምን ዜና እዩ፥

እዚ ግብረ ልልይን ምውዕዋዕ ምህርቲ ናብ መሸጣ እይኰነን፡ ሰናይ ዝዀነን ገባሬ ሰናይን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ዝፈወሰን ብዙሕ ሰናይ ነገር ዝመሃረና ሰብ ናይ ምልላይ ዕዩ ኣይኰነን፡ ግብረ ልልይ ኣይኰነን፡ ወይ ከኣ ካልኦት ንምስዳዕ ኣውን ኣይኰነን፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ምስ ዝነቅል ኢየሱስ ክርስቶስ ክሰብኽን ካልኦት ካብ እምነቶም ንምስዳዕ ኣሚቱ ዝነቅል እንተድኣ ኰይኑ፡ እዚ ኢየሱስ ምብሳር ማለት ኣይኰነን፡ ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ ከም ማንም ተራ ዕዮ ይኸውን እሞ ናይ ሽመታ ዋቔዕ ዕዳጋ ዝኽተል ይኸውን፡ ክርስቶስ ምብሳር ማለት እንታይ ማለት እዩ? ኣስዳዕነት ወይ ከኣ ግብረ ሽመታን ልልይን ኣይኰን፡ ሰገር እዚ ዅሉ እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ ኸ ብኸመይ ኢኻ እትርድኦ? ቅድም ቀዳድም ልኡኽ ምዃን ይሓትት፡

ገዛእ ርእስኻ ክርስቶስ ኣብ ምንባር ምውሳእ

ተልእዀ ወንጌል ልኡኽ ምዃን ይሓትት፡ ሕይወትካ ኣብ ተልእዀ ወንጌል ምንባርን ምውሳእን፡ ሓዋርያ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ብስራት ዘብጽሕ እዩ፡ ኣብቲ መልእኽቲ ቃል ብስራት ሕይወቱ ብምውሳእ፡ ….

እዚ ጉዕዞ ናብ ተልእዀ ወንጌል ሕይወትካ ክሳብ ንሓደጋ ምቅላዕ፡ ሕይወትካ ብምልኣት ብምውሳእ፡ ናይ መኼዲ ትኬት ጥራሕ ዘለዎ እዩ፡ ናይ መምለሲ ትኬት መናፍቕነት ማለት እዩ፡ ክሕደት እምነት እዩ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ምብሳር ብቃልን ሕይወት ምስክርነት ማለት እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ሕይወትካ ኣብ ዓውዲ ቃል ብስራት ክስራዕ ምግባር ማለት እዩ፡ እቲ ዝበሎ ኰይነ ዝነበር እየ፡ እቲ ዝብሎ ኰይንዎ ዝነበር ዘብል ምስክርነት፡ ስለዚህ

ሰማዕታት እውነተይና ቃል ብስራት ዝምከሩ እያቶም

ኣብሳሪ ዝብል ቃል፡ ምስክርነት ማለት እዩ፡ ዕንቅፋት ምዃን ማለት ክርስቲያን ዝዀንናዮ ቢሎም ይዛረቡ እሞ ደሓር ከም ኣረመን ዝነብሩ፡ ከም ዘይኣምኑ ኰይኖም ዝነብሩ፡ ኣብ ሕይወት ክርስትና ስሙርን ቕዱይ ሕይወት ኣገዳሲ እዩ፡ እትብሎን እተበስሮን ሕይወትካን ዝተጣመረን ስኑይን ክኸውን ኣለዎ፡ … ኣብነት ምዃን፡ ኣብ ዓውዲ ተልእዀ ወንጌል መላእ ሕይወቱ ዝሰርዕ፡ ክሳብ ሰማዕትነት፡ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንኸፍልጠና ሓደ ወዱ ለኣዀ፡ ቃል ስጋ ኰነ፡ ክሳብ ሕይወቱ ንሓደጋ ዝቃላዕ፡ ሓደ ከማናን ካባናን ኰነ፡ እዚ ዕንቅፋት ኰይኑ እዩ ሎሚ እውን ከም ቀደም፡ ናይ መኼዲ ትኬት ጥራሕ ዝቑረጸ እዩ፡

ኢየሱስ ካልእ መገዲ መታን ክስዕብ ዲያብሎስ ንኸእምኖን መገዱ ክቐይሮን ፈቲኑ እዩ፡ ንሱ ግና ኣይደለየን፡ ክሳብ ፍጻሜ ፍቓድ ኣቡኡ ፈጸመ፡ ንኣኡ ምብሳር ከስ ልክዕ በዚ መገዲ ኢየሱስ ምኻድ እዩ፡ ብቃልን ብስጋን ኣበሰረ፡ ዝብሎን ዝዀኖን ሓደ፡ ጥሙር፡ እዚ እዩ ብስራተ ክርስቶስ፡ ሰማዕታት እቲ ምስክርነት ሓቂ ምዃኑ ዘበስሩ እያቶም፡ … ሕይወት ብምኻፍል፡ ካልኦት እውን ብዙሓት ረኣዩለይ ስምዑለይ ከይበሉ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ኣብ ሕብረተሰብን ኣባይቲ ስድራን ኰይኖም ብጽሞና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምስክሩ ኣለዉ፡ እዚ ኸኣ ብሕይወቶም ክርስቶስ ዝነብሩ እያቶም፡ ምስ ዝብልዎ ቃል ስሙራት፡

ፍርያም ብስራት

ኵላትና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ብምስጢረ ጥምቀት ክርስቶስ ንምብሳር ልኡኻት ኰይና ኢና፡ እቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ከይንና ንኽንነብር ዝተጸዋዕና ክርስቶሳዊ ምዃንና መስከርቲ፡ ስሙር ሕይወት እዩ ፍርያም ዝኸውን፡ እንብሎን እንገብሮም ዝገራጭው ክኸውን የብሉን፡ ዝገራጨው እንተድኣ ኰይኑ ዕንቅፋት ይኸውን ንሕዝበ እግዚኣብሔር እውን የሳቕይ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

1 2