“መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነሥሑ”

 

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ማቴ.3:1-3

በቲ ወርሓት እቲ ዮሓንስ መጥምቕ፥ “መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነሥሑ” እናበለ አብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ። እቲ ብነቢይ ኢሰያስ ፥ “ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ፥ መገዲውን አቕንዑ’ ኢሉ አብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ አዋጅ ነጋሪ” ተባሂሉ ዝተነግረሉ ንሱ ዮሓንስ እዩ።

  • አስተንትኖ

ቅዱስ ዮሓንስ “መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነሥሑ” እናበለ ንምጽአት ክርስቶስ ክእውጅ ይርከብ ። ክርስቶስውን እንተኾነ አብቲ ፈለማ ስብከቱ ነዚ አዋጅ እዚ ይደጊም። (Mt 4፡17).

የውሓንስ መጥምቕ ብዛዕባ መንግስተ ሰማይ ጥራይ ኣይኮነን  ዝእውጅ፡ እንታይ ደኣ ደቂ ሰባት ንኽርስቶስ ንኽቅበሉ ንንስሓ ለውጢ ይዕድም።ዮሓንስ ንደቂ ሰባት ሓጢኣቶም ብምቕባል ኣብ ምሕረት ኣምላኽ  ክቐርቡ ይዕድም። ስለዚ ወዲ ሰብ እምበኣር ንምሕረት እግዚኣብሔር  ንኸስተማቕር፣ እቲ እንኮ መጋበሪ  ወይ መገዲ “ምሥጢረ ንስሓ” ኢዩ።

ንስሓ ማለት ሕይወትካ፡ መንነትካ ምርካብ ማለት ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ንክርስቶስ ምርካብ  ንመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምርካብ ማለት ኢዩ። ንስሓ ክትርጎም ከሎ ለውጢ የስምዕ። ናይ ገዛእ ርእስካ ለውጢ፡ ደጋዊ  ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ውሽጣዊ ለውጢ የስምዕ። ስለዚ ዝኾነ  ኣማናይ ክርስትና ኣብ ምዓልታዊ ህይወቱ ኣብ    ልውጢ፡ ዕርቂ፡ ምሕረት ክመላለስ የድልዮ። በዚ ምሥጢር’ዚ ወትሩ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና፡ ምሕረት ንምስትምቓር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መሓሪ ኣቦ ንኽንቀርብ ንስሓ ዓቢ መገዲ ወይ መሳሪሒ ኢዩ።

ስለዚ ምስጢረ ንስሓ ምስ እግዚኣብሔር ዓሚቅ ርክብ ንኽንገብር ኣብ ፍቅሩ ክንመላለስ ክንዓቢ ዝሕግዘና ዓቢ ምሥጢር ኢዩ።ብስም ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ እግዚኣብሔር  ተሓጺብኩም ተቐዲስኩምን ጸዲኩምን ኢኻትኩም። ካብቲ ንኽርስቶስ ዝለበሰ ሰብ ኃጢኣት ከምዝተቐንጠጠ  ንምርዳእ እግዚኣብሔር ብምስጢራቱ መባእታ ኽርስትና  ገቢሩ ዚሃበና ጸጋታት ስፍሓቱን ጥልቀቱን ምግንዛብ የዲሊ። ስለዚ እግዚአብሔር ብፍሉይ ፍቕሪ ተደሪኹ ብጸጋታቱ ሸሊሙና ኢዩ። በዞም ምስጢራት እዚአቶም ከአ ንሕና አብቲ ምሥጢረ ድኅነቱ ተሳተፍቲ ንኸዊን።

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ኣብዚ ግን ሓደ ዓቢ መሰረታዊ ለውጢ ክትገብር   ሓደ ዓቢ መሰረታዊ ምናኔ ክትገብር የዲሊ፡ ማለት ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ፡ ብትሕትና ምምልላስ የድሊ። ዮሓንስ “ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ፥ መገዲውን አቕንዑ’ እናበለ ንምጽአት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መንገዲ የሰናዳኑ ነበረ።  ሎሚውን ንዓና በዚ እንጅምሮ ዘለና ግዜ ምጽ አት ( Advent) እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ዝሓተና ሕቶ እዚ ሕቶ እዚ ኢዩ፦ “ ተነስሑ’ “ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ፥ መገዲውን አቕንዑ”

እግዚአብሔር አምላኽና መገዲ ክንጸርገሉ፡ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዳግም ንኽውለድ ልባትና ክነዳልወሉ፡ ኩሉ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝፈሊየና ግጉይ መገዲ ገዲፍና ብመንገዲ ኣምላኽ፡ በቲ ንሱ ዝፈትዎ ክንመላለስ ይሓተና። በዚ ግዜ እዚ ሓዋርያ የውሃንስ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ የሰም ዓልና፦ “ሓጢአት የብልናን እንተበልና ንርእስና ነሰሓሕት፡ ሓቅውን ኣባና የላን”

ነዚ ተረዲ እና እምበአር በዚ ግዜ እዚ ንስሓ፡ ለውጢ የድሊየና። ከምቲ አቀዲምና ዝገለጽናዮ ንስሓ ወይ ለውጢ- ማለት ከአ መገዲ ምቕያር ማለት ኢዩ። መንገዲ ዓለም ገዲፍካ መንገዲ ኣምላኽ ምሓዝ። ካብቲ ግጉይ መገዲ ናብቲ ቅኑዕ መገዲ ምምላስ ማለት ኢዩ። እቲ ሓቀኛ ለውጢ ንስሓ ዝመጽእ ንጸጋ እግዚኣብሔር ንኽንቅበል ድልዋት ኽንከውን ከለና ኢዩ። እዚ ምስ እንግብር ክርስቶስ ብዕምቀት ልባትና ይትንክፍ፡ ንሕና ኸአ ብፍቕሪ ኣምላኽ ንሰሓብ። ሕይወትና ንኽንቅይር ኸአ ቁሩባት ንኸውን። በዚ ግዜ እዚ እምበኣር  ነቲ “መንግሥተ ሰማያት  ቀሪባ እያ እሞ ተነሥሑ” ዝብል ጸዋዕታ ኣምላኽ ክነስምዕ ንዕደም። ንሕና ነቲ ጸዋዕታ ኣምላኽ ልባትና ምስ እንኸፍት ጥራይ ኢና እቲ ሓቀኛ ሕይወትን ሓጎስን ክንረክብ ንኽእል። እግዚኣብሔር ካባና ዝጽበዮ ማዕጾ ልባትና ክንከፍተሉ ጥራይ ኢዩ፡፣ ኣብ ግዜ ምቅርራብ በዓለ ልደት ክርስቶስ ጽሎት ምስጋናን ወፈያን ብምዝውታር፡   ነቲ ክበጽሓና ከድኅነና ዝመጽእ ዘሎ ክርስቶስ ልባትና ከፊትና ምቕባል ኢዩ።

ዘመነ ምጽአት (Advent) ሓደ ሓድሽ ሕይወት ወይ ጉዑዞ እንጅምረሉ ግዜ ኢዩ። ልደት ሓደ ብልምዲ ዓመታዊ እንዝክሮ በዓል ጥራይ አይኮነን። አብዚ ግዜ ነፍሲ ወከፍ አማናይ ንኽርስቶስ ንኽረክብ ብዝተሓደሰ መንፈስ ጉዑዞ ዝጅምረሉ ግዜ ኢዩ። ንኽርስቶስ ብሕይወትና ብቃላትና ብተግባራትና ልባትና ከፊትና ክንረኽቦ ክንሰርሕ ይግበአና። ንኽርስቶስ ጎይታና ብእምነት እንረኽበሉ ግዜ ኢዩ። ንኽርስቶስ ንኽንረክብ ልባትና ንኽርስቶስ ንኽንቅበል ክፉት ክንከውን አለዎ:፡

ዮሓንስ  ዝተባህለ ጀርመናዊ “ንኣምላኽ ክትረክብ እንተደሊኻ ቅድም ንርእስኻ ርኸብ” ይብለና። ስለዚ በዚ ግዜ እዚ ክርስቲያናዊ ሕይወትና፡ ምስ እግዚአብሔር አምላኽናን አኅዋትናን  ዘለና ርክብ ጸብጻብ እንገብረሉ ግዜ ኢዩ። ግዜ ምጽአት ግዜ ጸጋ ብምሕረት   እግዚአብሔር  እንትንከፈሉን ንፍቕሪ አምላኽን አሕዋትን ክፉታት እንኾነሉ ምሩጽ ግዜ ኢዩ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ነቲ ጸጋታቱ አብ ርእሲ ነፍሲ ወከፍና፤ ከፍሥስ ዚመጽእ ዘሎ ክርስቶስ፤ ብወገና  ብፍሉይ መገዲ ከምቲ አቀዲሚና ዝበልናዮ፡ ኣብ ጸሎት – እንጽመደሉ፡ እንጾሞሉ፡ ብንስሓ ምስ እግዚኣብሔርን ኣምላኽ እንዕረቐሉ፡ ግብረ ሰናይ እነዘውትረሉ፡ ጸጋ ኣግዚኣብሔር እንሓፍሰሉ ቅዱስ ግዜ እዩ። ንሕና ደቂ ሰባት ድኹማት እካ እንተኾና በቲ አባታዊ ሓልዮቱን ፍቕሩን አምላኽ ወትሩ ይሕብሕበና። ንሕና ከአ ነዚ ብተስፋ ንነብሮን ብተስፋ ከአ መዓልታዊ ናብኡ ንኽንቐርብ ንዕደም።   እቲ ዝጽበ ነቲ ሓድሽውን ንምቅባል ቅሩብ ክፉት ክኸውን አለዎ።

ኦ ኣምላክ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ ጽኑዕ መንፈስ ኽኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ” እናበልና እምበአር ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ክርስቶስ አምላኽና ንቀባበሎ። ጽቡቅ ናይ ምቅርራብ ግዜ ይግበረልና፡ አማልድነት እኖና ቅድስቲ ማሪያም አይፈለየና! አሜን።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *