አስተንትኖ ቃል አምላኽ ታኅሣሥ – 18. 2018

ማቴ. 1፡18-24

ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከአ ኸምዚ እዩ፦ አዲኡ ማሪያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ፥ ከይተቓረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። ዮሴፍ ሕጹይ ጻድቕ ስለ ዝነበረ፥ ብኅቡእ ኪኃድጋ  ደአ ሓሰበ እምበአር ኬጋልጻ አይደለየን። ንሱ እዚ ኪሓስብ ከሎ፥ እንሆ መልአኽ እግዚአብሔር ብሕልሚ ተራእዮ፥ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥ እቲ ኻብአ ዚውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ንሕጽትኻ ማሪያም ምውሳድ አይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ እያ ንሱ ኸአ ንሕዝቡ ኻብ ኃጢአቶም ኼድኅኖም እዩ እሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።

እዚ ኹሉ ድማ እቲ እግዚአብሔር ብነቢይ “ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፥ ስሙ ኸአ አማኑኤል ኪብልዎ እዮም፥ ትርጉሙ ኸአ ‘አምላኽ ምሳና’ ማለት እዩ” እናበለ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኪፍጸም ኮነ።

ዮሴፍ ካብ ድቃስ ተንሢኡ መልአኽ እግዚአብሔር ከም ዝአዘዞ ገበረ፥ ንማሪያም ሕጽይቱ ወሰዳ፥ [በኹሪ}  ወዳ ክሳዕ እትወልድ አይፈልጣን፥ ስሙ ድማ ኢየሱስ ኢሉ ሰመዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *