16 መጋቢት 2021 – “ ትዕግስትን አንጻር ጉድልነትካ ምውጋእን” ዮሓ. 5: 1-16

አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ቤተ ሳይዳ ሓደ ሕሙም ከምዘሕወየ የዘንትወልና። እዚ ንሳላሳን ሾመንተን ዓመት ሓሚሙ ዝነበረ  ብተአምራት አብቲ ቤተ ሳይዳ ዝርከብ ማይ ወሪዱ ብተአምራት ክሓዊ  ይደሊ፡፡ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ሕሙም እዚ ንነዊሕ ግዜ አብቲ ገምገም  ደቂሱ ምስ ረአዮ፡ “ክትሓውዶ ትደሊ ኢኻ፧” እናበለ ይሓቶ።

እቲ ዝሓመመ ሰብ ከአ “ጎይታይ! እቲ ማይ ምስ ተናወጸ፥ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። አነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ኻልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ኢሉ መለሰ። ነዚ ምስ ሰምዓ ክርስቶስ ጎይታና “ተንሥእ እሞ ዓራትካ አልዒልካ ኺድ” በሎ። እቲ ሰብአይ ብኡብኡ ሓወየ፥ ዓራቱ አልዒልውን ከደ። እግዚአብሔር መዓልታዊ ንጸገማትናን ድሌታትና ክሰምዓና ይደሊ። ምሕረቱ ክህበና ቅሩብ እዩ። እንተኾነ ናትና፡ ናይ ነፍሲ ወከፍና መልሲ ይደሊ። ጸጋታት አምላኽ አባና ክሰርሕ ንሕና ልባትና ከነዳሉ ከነፍቅደሉ የድሊ። ካብቲ ዘለናዮ ጸገምን ውድቀትን ኃጢአትን ንኽንወስእ ንኽንሓዊ ናይ  ድልየትን ሃረርታን ክህልወና አለዎ። አብዚ ኩነታት እዚ እዩ እግዚአብሔር ጸጋታቱ መደባቱ አባና ዝፍጽም። ምስ ሕማቕ አመላትና ጉድልነትና ኪዳን የብልናን፡ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ብፍላይ አብዚ ናይ ጾም ግዜ ክንስዕሮም ክንሰርሕ ይግበና።  ነዚ ካብ እግዚአብሔር አምላኽና ዝፈሊየና ኩሉ ክንስዕሮም አለና። እዚአቶም ባሕሪያትና እዮም ወይ ፈቲና ክንስዕሮም አይከአልናን ኢልና ተስፋ ክንቆርጽ የብልና፡ እንታይ ብተስፋ መዓልታዊ ክንዋግኦም ይግበአና። አብ ጸሎት ብምትጋህ ናብ እግዚአብሔር አምላኽና ቀሪብና ንስሓ ብምእታዊ ዘለና ኩሉ ሕማቕ አመላት ክነጥፍእ ክንሰርሕ አለና።

እግዚአብሔር አብ ብተስፋ ክንዋጋእ ይጽወዓና። መዓልታዊ ብዝተሓደሰ መንፈስ ክንትስእ ይሓተና። ፍቕሪ ዝዓቢ አብዚ ቃልሲ እዩ። አብነት ናይዚ ሰላሳን ሾመንተን አብ ሕማም ዘሕለፈ ናይ ሎሚ ወንጌል አብነትና እዩ። ብተስፋ ክሓዊ ይደሊ ነበረ። እቲ ናይ ሰላሳን ሾመንተን ዓመት ሕማሙ ዝተገላገለ ግና አብቲ ምስ ክርስቶስ ዝተራኸበሉ ግዜ እዩ። ነቲ ሃረር ዝብሎ ዝነበረ ሕውየት ክርስቶስ ምስ ረኸበ ይሓዊ፡ ‘ክትሓዊዶ ትደሊ” ዝብል ቃል ካብ ክርስቶስ ጎይታ ይሰምዕ። ስለዚ አብ ሕይወትና ውሽጣዊ ትዕግስቲ ተድሊየና። ብትዕግስቲ ብዝቀልጠፈ ክንፍወስ ክንሓዊ ናብ ክርስቶስ ክንምለስ የድሊ፡ ምስ ክርስቶስ ክንራኸብ የድሊ። ከም አመንቲ እምበአር መጀመርታ ክንፈልጦ ዘለና ብተስፋ መዓልታዊ ብትዕግስቲ ምቅላስ እዩ። እዚ ንእግዚአብሔር የሕጉሶ እዩ።

ቅዱስ ቶማስ “ናይ ልቢ ጽንዓት አብ ፍቕሪ” እዩ ዝርከብ፡ ብፍቅሪ ጥራይ ኢና ትዕግስተኛታት ተቃለስቲ ክንከዊን ንኽእል ይብል። ጉድልነታትካን ስዕረትካን ዘይምቕባል፡ አብ ሽግራትካ  ምፍታሕ – አብ እትገብሮ ጻዕሪ መፍትሒ አይትረኽበሉን።

ቅድስቲ ተሬዛ ከምዚ እንዳበለት ትመኽረና፡” ከምቶም አመንቲ ክርስቲያን ድሕሪ ሓደ ውግእ – አብቲ ምንጪ  ናይ ሓደ ዋሓይዝ ማይ ቁሩብ ምስተረፎም፡  እቲ ናታቶም ሓይሊ ከምዝተወድአ ከምዘብቀዓ፡  እቲ ትብዓቶምን ሓይሎምን ከምዝላሕለሐን ደኸመን፡ ንገዛእ ርእሶም ዘእምኑ፡ ክንከዊን የብልናን ትብል። ስለዚ ከም አመንቲ ምስ ገዛእ ርእስና  ትዕግስተናታት ኮይና ክንርከብ የድሊ። ብተወሳኺ ምስ ገዘእ ርእስና ጥራይ ዘይኮእነ ምስ ካልኦት አኅዋትን አኃትን ከአ ትዕግስተናታት ክንከዊን ንዕደም። እዚ መንፈሳዊ ሓይሊ እዚ አብ ልዕሊ ካልኦትውን ክንፍጽሞ ይግበአና። ናይቶም አኅዋትና አኃትና ጉድልነት ብትዕግስቲ ክንቀበሎ የድሊ።

 አብዚ ጽንዓትን ርድኢትን ብህድአት ከም እንመላለስ አድላዪ አብ ዝኾነ ከአ ነሕዋትና ብቃልናን ተግባራትና ክንእርምን ንርከብ። በቲ ሰናይ ተግባራትና ልባቶም ብምትንካፍ ንኽልውጡ ምኽኒያት ንኾኖም። በንጻሩ ትዕግስቲ እንተዘይብልና ጊና ምስ ሰባት ዘለና ርክብ አጸጋሚ ይኸዊን፡ ከም ውጽኢቱውን ምስ እግዚአብሔር። እግዚአብሔር ትዕግስተና እዩ፡ አብዚኾነ ግዜ ጸጋታቱ ይህበና፡ ብትዕግስቲ ይጽበየና፡ ንኽንልወጥ ክንሳሕ ፤ ከነፍቅሮ ከምኡዊን – ንሕና እዚ ባሕሪያት እዚ አብ አኅዋትና አኃትናን ከነተግብሮ ይችደሊየና። ነፍሲ ወከፍና ቃል አምላኽ አብ ልብና ንኽሓድር፡ ተሳተፍቲ ድኅነት አምላኽ ንኽንከውን ንወዲ አምላኽ ክንሰምዖ ወትሩ ብትዕግስቲ ክንደሊዮ፡ አንጻር ጉድልነትና ኃጢኢትና  ክንሰርሕ ይገብአና። ንሱ ኸአ  ካብ ኩሉ ኩሉ ኃጢአትናን ሕማምናን ነጻ ኮይናን ሓዊናን ሓደሽቲ ፍጥረት ኮይና  ንኽንጎዓዝ ክእለት ክህበና ኢዩ።

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ሎሚ ክርስቶስ ብብስምና እናጸውዓ “ክትሓዊዶ ትደሊ/ሊ እናበለ ይሓተና አሎ።  ንኽንሓዊ እምበአር አብኡ ንቕረብ። ንሱ ኸአ ክምሕረና ከሕውየና ኢዩ። እምበአር ክርስቶስ ጎይታና “እንሆ ካብዚ ዝዓቢ ከይርኽበካ መሊስካ ኃጢአት አይትግበር ዝበሎ፡ ንዓናውን እዚ ምሕጸንታ ይህበና አሎ። ናብ ኃጥአት ተመሊስና ከይንወድቕ፤ ባራዩ ናይ ኃጢአት ከይንኸውን. ግዜ ጾም ሕልናና እንምርምረሉ ግዜ ኢዩ። ክርስቶስ በዚ ግዜ እዚ ንንስሓ ይጽወዓና አሎ። ምስ እግዚአብሔር አምላኽና ክነዕረቕን ክንሓውን  ይዕድመና አሎ። ሎሚ ደጊሙ ንነፍሲ ወእክፍና ተንስእ/ኢ ዓራትካ/ኪ አልዒልካ/ኪ ኺድ/ዲ ይብለና አሎ።

ኦ እግዚኣብሔር ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መንገድታትካ ምሃረኒ ንስኻ ኣምላኽ ምድኃነይ ኢኻ’ሞ ከም ትእዛዛትካ ኽነብር ምሃረኒ፥ እግዚኣብሔር ሠናይን ቅኑዕን እዮ’ሞ ንኃጥኣን መንገዱ ይምህሮም፥ ንሱ ንትሑታት ብቅኑዕ መንገዲ ይመርሖም ፍቓዱ ከኣ ይምህሮም – (መዝ.25) ኢልና እናዘመርና ናብ እግዚአብሔር አምላኽና ቀሪብና ክንልምኖ ንዕደም አለና።

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *