17 መጋቢት 2021 – ሕብረት/ምልአት ሕይወት

17 መጋቢት 2021 – ሕብረት/ምልአት  ሕይወት

“አምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝለአኾ፥ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽትድኅን እምበር ንዓለም ኪፈርድ ኢሉ አይኮነን።” 3:17 “አነ ንዓለም ብርሃኑ እየ፥ እቲ ዚስዕበኒ ኸአ ብርሃን ሕይወት ኪረክብ እምበር ብጸልማት አይኪኸይድን እዩ” ዮሓ. 8:12 ክርስቶስ ጎይታና አብዚ ዓለም እዚ ዝመጸ ነፍሲ ወከፍና ካብ ጸልማት ወሲና ብርሃን ክንረክብ እዩ። ብርሃን ተቐቢልና አብ ዓለም ብርሃንን ጨው ኮይና ዓለምና ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ንእግዚአብሔር አምልኾ ክብሪ ክንህብብተወሳኺ ወዲስ ሰብ እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ ንኽበጽሕ ክንሕግዝ። “ብርሃንውን አብ ጸልማት የብርህ፥ ጸልማት ከአ አይሰዓሮን” ዮሓ. 1:5 3:17 እዞም ቃላት እዚአቶም አብዚ ግዜ እዚ ዓለምና አብዚ ዓሚቕ ዝኾነ ጸልማት እትነብረሉ ዘላ ግዜ ብሓቂ ከነስተውዕለሉ ዘለና ቃል እዩ።ብዘይ ክርስቶስ ዓለምና ሰላም ሓጎስን  ክተርክብ ከተስተማቕር አይትኽእሊን እያ። ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ጸልማትን ኃጢአትን ጥራይ እዩ። ኩሉ ንኽርስቶስ ዝነጽግ ካብ ትእዛዛቱን ቃላቱ ወጻኢ ዝመላለስ አብ ጸልማት ይነብር። ናበይ ገጹ ይኸይድ ከምዘሎውን አይፈልጥን፡

ብዙሓት አኅዋትን አኃትን አብ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ አብ ቢዝነስ፡ ወዘተ ንእምነት ንጎድኒ ገዲፍና ወይ ከም ካልአይ ደረጃ  ጌርና እንመላለስ ብዙሓት አለና። ከምውጽኢት አብቲ ናይ ዓለም ጥሒልና ንነብር፡ ዕላማ መፍጠሪና ረሲዕና ንነብር። አብ ጸልማት ንነብር፡ ሓጎስ ሰላም ቅሳነት አይነስተማቅርን አይንረክብን፡ ዝኾነ ከዕግበና አይክእሊ፡  ምኽኒያቱ እቲ ብርሃን ክርስቶስ ስለዘይመረጽና፡ ብርሃን ክርስቶስ ምሳና ስለዘየሎ፡ ጸልማት ስለዝመረጽና። ካብ ሓቂ ናይ ሕይወት ወጻኢ ንነብር። አብዚ ግዜ ጾም እዚ እቲ ሓደ ክንእርሞ ዘለና ባሕሪ እዩ። ዓለምና አብ ጸልማት ትነቢር ምኽኒያቱ አመነቲ ክርስትና ሕብረት/ ምልአት  ናይ ሕይወት ስለዝጎደሎም፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልታዊ ሕይወቶም መንፈሳዊ ትርጉም ክህብዎ ስለዘይከአሉ። መንፈሳዊን ስጋዊን አወሃሂዶም  ክነብሩ ስለዝተረኽቡ። እቲ ሓቀና ሓዋሪያ ናይ ክርስቶስ  ካብ ዓለም ክፍለ ዘይኮነ አብ ዓለም ከም መባኩዕቲ ኮይኑ ክነቢር እዩ ተጸዊዑ። አመንቲ ክርስቲና አብ እምትና ጽኑዓት ኮይና መቐረት ዝህብ ጨው ኮይና ክንርከ ይግበአና። አመንቲ ክርስቲና ምስ እምነትና ተዋሃሂድና ክነቢር እንተንጅምር፤ አብ ዓለምና እቲ ዝዓበ ለውጢ ንረአና ነርና።ውጺኢት ድኅነትና አብቲ መዓልታዊ ሕይወትና፡ አነባብራና፡ ተጋባርታን ዝተወሰነ እዩ። ስለዚ ሎሚ ንገዛእ ርእስና ከምዚ እንዳበልና ክንሓትት ይግበአና፡ “አብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲን ሰዓቲን ደቂቅን ሕይወተይ አብ ስርሐይ፡ አብ ዕረፍተይ አብ ኩሉ ምንቕስቃሰይ፡ እዚ ሕብረት እዚ ዶ እንብር አለኹ፧

እግዚአብሔር ክፈጥር ከሎ ኩሉ ፍጥረት ንአገልግሎት ሰብ እዩ ፈጢሩዎ። እንተኾነ አዳም ብትዕቢትን አንነትን ናብ ዓለም ኃጢአት አእመተወልና። ከምውጺኢት ናይዚ ውድቀት እቲ አብ መንጎ ኩሎም ፍጡራትን ዝነበረ ስኒት ክብተን ተረኽበ፡ አእምሮ ወዲ ሰብ ክደክም ተረኽበ፡ ድሌታትና ድኹም ኮነ፡ ብቀሊሉ ከም እንወድቅ ኮና፡ እቲ ናይ ምፍቃር  ድሌታትናን ነጻነታትናን ደኸመ። ሰብ ቆሰለ፡ አብቲ ንኽመሃር ዘለዎ ክእለትን ነቲ ስቡቕ ዝብሎ ንኽሓፍስን ስንኩል ኮይኑ ተረኽበ፡ እቲ አብ መንጎ ሰብን እግዚአብሔር ዝነበረ ኪዳን ተበትከ።  እዚ ዘይምእዛዝ ዘምጽኦ ኃጢአት ንሰብ ጥራይ ዘይኮነ ንኩሉ ፍጡር ክጸሉ ተረኽበ። ዓለምና ጽብቕቲ እያ ምኽኒያቱ ብእግዚአብሔር ስለዝተፈጥረት፡ እዚ ጽባቐ  እዚ አብ መወዳእትኡ ክበጽሕ ጊና ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ ይኸዊን።

ሳዕቤን ናይዚ ኩሉ  ፍልጠትና ክእለትና አብ ክንዲ ንጽቡቕ ንዕቤት ወድስብን ፍጥረት ኩሉን ንዕንወት ከነውዕሎ ክኢልና። አብ ክንዲ ንወዲ ሰብ ዝሃንጽ እንሰርሕ ብተግባራትናን ክእለትና ፍልጠትናን ንወዲ ሰብ ዘዕኑን ንነገራት ዘብርስን ሰሪሕና። በዚ ከአ ዓለምና ክብሪ ወዲ ሰብ አጢፍአ አብ ስቅያትን ሞትን ሓዘንን ስደትን፡ ጨቃኒን ተጨቃኒን፡  ትርከብ አላ። አብዚ ናትና ጊደ እንታይ እዩ፡ ትምህርትና፡ ክእለት ዘረባና፡ እግዚአብሔር ዝሃበና ጸጋ ዕድመ፡ ጥዕና፡ ሕይወት፡ ንምንታይ ንጥቀመሉ፧ ንሰናይ፡ ጽቡቕ፡  ንሰላም፡ ንፍቅሪ፡  ሕውነት ወይስ ንሕማቅ ንጽልኢን፡ ንዕንወትን፧

እግዚአብሔር መሓሪ አቦ እዩ፡ ምሕረቱ መወዳእታ የብሉን። አብ ልዕሊ እቶም ዝወደቅና ደቁ ክርሕራሃልና ተረኺቡ፡ በቲ ሓደ ወዱ ከአ ከድኅነና አከተሰአና ተረኺቡ። ናብቲ መጀመርታ ፍጥረትና ክመለሰና ተረኺቡ፡ “ውሉድ አምላኽ ተባሂልና ምእንቲ ኽንጽዋዕ  እግዚአብሔር አቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ከም ዝለገሠልና እሞ ርአዩ! ውሉድ አምላኽውን ኢና ”1ዮሓ. 3:1 ብምሕረቱ ኸአ ንመንግስተሰማያት ሕጹያት ገበረና።  ስለዚ አባና አብ አመንቲ መዓልታዊ ሕይወትና አብ ጸሎት ብምትጋህን ብምንቃሕን ዓለምና እንደገና ቦታ ድሕነትን ሓጎስ፡ ሰላም፡ ንኽትከዊን ክንሰርሕ እግዚአብሔር ይዕድመና።

እቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ተልእኾ እቲ ሰናይ ዝኾነ ዜና ናይ ክርስቶስ ብሕይወትና ቃላትና ተግባራትና ንዓለም ምምስካርን ምስባኽን እዩ።  በዚ መንገዲ ጥራይ እዩ ሕግታት ዓለም፡ ማሕበራትና፡ ቤተክርስቲያና፡ ወዘተ ክርስቲያናዊ መንፈስ ለቢሰን ሓቀኛታት  አገልግልቲ  ሰብ ኮይነን ክርከባ ዝኽእላ።ንሕና ተኸተልቲ ወይ ሓዋሪያት ክርስቶስ አብቲ  መዓልታዊ ምንቕስቓስናን  ኩነታት ሕይወትናን ሕውነት ክንዘርእ አለና፡  ሰብአይ ይኹን ሰበይቲ አብ ኩሉ ምንቅስቓሱን ርክባቱን ብዕምቀት ክርስቲያናዊ መንፈስ ዝነብር  እንተኾይኑ፡ ፍቕሪ አምላኽ ጽባቐ መንግስቱን የንጸባርቕን የመሓላልፍን። ከም ክርስቲያን እዚ መለለዪ ወይ ማሕተም እዚ አብ መዓልታዊ ርክብና፡ አብ ስድራቤታትና፡ አብ ጎረባብትና፡ አብ ስራሕና ክነብሮም ይግበአና።  እዚ ሕይወት እዚ ወይ ማሕተም ክርስቲና እዚ መግለጺ ትሕትና፡ እምነት፡ ሓቀኛ ሓዋሪያነት፡ ህድአት፤  ለወሃት፡ ምሕዝነት ደገፍ እዩ። መንፈሳዊ ሕይወትና ካብቲ አብ መዓልታዊ እንገብሮ ስራሓትን ፈሊኻ ዝርአ አይኮነን። ስለዚ አብ ሕይወትና ሕብረት ዘለዎ ህይወት ክነቢር አለና ኽንቢል ከለና፡ አብቲ ኩሉ እንገብሮ መዓላታዊ ተግባራትና ሓደ ዓሚቅ ዝኾነ ሕብረት ምስ ክርስቶ ክህልወና አለዎ ማለትና እዩ። መንፈሳዊን ስጋዊን ሕይወትና አወኃድና ክንጎዓዝ አለና ማለትና እዩ። በዚ ጥራይ እና ምልአት ዘለዎ ሕይወት ክነብር እንኽእል። እዚ ሕብረት እዚ ነቲ ኩሉ ስራሓትና ይጸልዎ እዩ።  እዚ ዓይነት ሕይወት አብ ንለማመደሉ ግዜ ከይተረደአና ኩሉ ስራሓትና ናብ አምልኾን፡ ጸሎት ክቕየር እዩ። ካብ ልባትና ተግባራት ፍቕሪ ፡ ተግባራት ዕርቂ፡ ተግባራት ምስጋና፡ መንፈሳዊ ሕብረት፡  ክውሕዝ እዩ። እግዚአብሔር ነዚ የብቀዓና!

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *