አስተንትኖ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብምኽኒያት ዓመተ ቅዱስ ዮሴፍ

ካልአይ ክፋል

“ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ፡ ካብ ቀዳምይ ክፋል ዝቕጸለ”

19 መጋቢት 2021-  በዓለ ቅዱስ ዮሴፍ “ ቅዱስ ዮሴፍ ፍቃርን ሕያዋይን አቦ”

1.      ፍቃር አቦ

እቲ ዕብየት ናይ ቅዱስ ዮሴፍ መጀመርታ ሕጹይ ወይ ሰብአይ ቅድስቲ ድንግል ማሪያምን አቦ ኢየሱስን ምኻኑን ኢዩ። በዚ መንገዲ እዚ ገዛእ ርእሱ ከምቲ አብ ቃላት ቅዱስ ዮሓንስ (Chrysostom) እንረኽቦ፡ ቅዱስ ዮሴፍ ንገዛእ ርእሱ አብቲ ምሉእ አገልግሎት ናይ ድኅነት መደብ ተወፈየ አቐመጠ።

ቅዱስ ጳውሎስ  ሻድሻይ ከምዚ እንዳበሉ ትዕዝብቶም ይገልጹ፦ ‘እቲ አባትነቱ አብቲ ንአገልግሎት ዝተወፈየ ሕይወቱ፡ መስዋዕቱ፡ አብቲ ንሱ ዝተሓወሶ  ስራሕ ተልእኾ ድኅነት፡ አብቲ ሕጋዊ ሓላፍነቱ  አብ ልዕሊ እታ ቅድስቲ ስድራ ቤት፡ ገዛእ ርእሱ ነዚ  ከም ሓደ ሕያብ ሕይወቱ፡ ስርሑ ምግባሩ፡ እቲ ሰብአዊ ጸዋዕታኡ ናብ ቤታዊ – ውሽጣዊ ፍቕሪ፡ ብምልዋጥ፡ ገዛእ ርእሱ እቲ ዝለዓለ መስዋዕቲ ብምኽፋል፡   ልቡን ክእለቱን፡ አብ ፍቕሪ መሰረት ብምግባር ሕይወቱ አብ አገልግሎት እቲ  አብ ቤቱ ዝበቖለ ወይ ዝተወልደ መሲሕ ገበረ’ ይብሉ፡፤፡ 

ብምኽኒያት እቲ አብ ድኅነት ዝነበሮ ሓልፍነት ወይ ጊደ፡ ቅዱስ ዮሴፍ ብአመንቲ ክርስቲያን ዝተፈቕረ አቦ ኢዩ።  ናይዚ ምስክርነት ከአ ብዙሓት ቤተክርስቲያናት አብ ሙሉዕ ዓለም ንዕኡ ዝተወፈያ ንረክብ።

ብዙሓት ገደማውያን ማሕበራትን፡ ማሕበር  ካህናትን  በቲ ናቱ መንፈሳውነት ተነቓቒሖም እቲ ናቱ ሽም ክሽከሙ ክኢሎም እዮም፡ ብዙሓት ንቅዱሳት ዝውክሉ  ብምውካል ምእንቲ ኽብሩ ንብዙሕ ዓመታት ቆይሞም እዮም።ብዙሓት ቅዱሳት ብተመስጦ አፍቂሮሞ። ንአብነት  ከም ተሬዛ ጋል አቪላ ዝተባህለት ቅድስቲ ከም ሓደ ጠበቓአ መማለዲአን ገበረቶ። ገዛእ ርእሳ ብዙሕ አብኡ  ብምምሕጻን፡ ኩሉ እቲ ብመንገዱ ዝሓተተቶ ጸጋ ተቀበለት። በቲ ናታ ተመክሮ ብምትብባዕ ድማ ንብዙሓት አብ ቅዱስ ዮሴፍ ክምሕጸኑ ተተባብዕን ትመክርን። አብ ኩሉ ናይ ጸሎታት ጽሑፋት ገለ ጸሎታ ናብ  ቅዱስ ዮሴፍ ዝቐርቡ ንረክብ።  ብፍላይ አብቲ ናይ ረቡዕ ጸሎት ልመናታት ንዑኡ ዝተወፈዩ ልመናታት ንረክብ። ከምኡዊን ብፍላይ አብቲ ንዕኡ ዝተወፈዩ ምሉእ ወርሒ  መጋቢት።

ሰባት አብ ቅዱስ ዮሴፍ ዘለዎም እምነት አብቲ “ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩ” ዝብል ናይ ብሉይ ኪዳን ቃል ተጠቕሊሉ ክንረኽቦ ንኽእል። እዚ ነቲ አብ ግብጺ ዝነበረ  ጥምየት፡ እቶም አሕዛብ ንፈርዖን ዝብላዕ ምስ ሓተትዎ “ ናብ ዮሴፍ ኪዱ” ንሱ ዝበለኩም ከአ ግበሩ” ዝብል መልሲ ዘመልክት ኢዩ። “ኩላ ሃገር ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ሕዝቢ እንጌራ ሃበና እናበለ ናብ ፈርዖን ጠርዐ። ንሱ ኸአ ንኹሎም ግብጻውያን “ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩ” በሎም። ዘፍ. 41፡55 እዚ ዮሴፍ እዚ ወዲ ያዕቆብ እቲ አብቲ መንገዲ አብ ጉዑዝኡ በሕዋቱ ዝተሸጠ ኢዩ።  37:11-28 ከምቲ አብ ዘፍጥረት 41:41-44 ንረኽቦ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ ቀጺሉ ብፍርዖን ንግሥነት ተቐበለ።

ቅዱስ ዮሴፍ ዘርኢ ናይ ዳዊት ከምኻኑ (ማቴ.1:16.20) በቲ ንዳዊት ብነቢይ ናታን ዝተገብረሉ፡ ዝተዋህቦ ተስፋ ካብቲ መሠረት ወይ ካብቲ ትውልዲ እቲ ኢየሱስ ክመጽእ፡ ክውለድ ነይሩዎ። “አረ አነስ ንአኻ ዘርኢ ኸም ዝህበካ እነግረካ አሎኹ። መዓልቲታትካ ምስ አኸላ፥ ምስ አቦታትካ ኸአ ምስ ተቐበርካ፥ ደድኅሬኻ ንሓደ ኻብ ደቕኻ ልዕል ከብሎ እየ፥ ነታ መንግሥቱውን ከጽንዓ እየ። ንሱ ንስመይ ቤት ኪሠርሓለይ እዩ፥ አነ ኸአ ዝፋን መንግሥቱ ንዘለዓለም ከጽንዓሉ እየ። አነ አቦ ክኾኖ፥ ንሱ ድማ ወዲ ኺኾነኒ እዩ። 2 ሳሙ. 7:11-14 ብተወሳኺ ቅዱስ ዮሴፍ  ከም ሕጹይ ማሪያም እታ ጋል ናዝሬት፡ አብቲ መስቀላዊ መንገዲ ናይ ብሉዩን ሓድሽን ኪዳን ቦታ ሒዙ ይርከብ። 

2.  ሕያዋይን ፈቃርን አቦ

ቅዱስ ዮሴፍ ንኽርስቶስ አብ ቅድሚ አምላኽን ሰብን ካብ መዓልቲ  ናብ መዓልቲ ብጥበብ፡ ብቑመትን፡ ብጸጋን ክዓቢ ረአዮ። ሉቃ.2:52 ከምቲ እግዚአብሔር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቅዱስ ዮሴፍ ንኽርስቶስ ሕፃን ብአእዳዉ ሒዙ  አታተዮ፡ ምኻድ መሃሮ፡ ቅዱስ ዮሴፍ ከምቲ አቦ ንውላዱ አብ ክሳዱ ዝሰቕሎ፡ ደኒኑ ድማ ዝምግቦ ቅዱስ ዮሴፍውን እዚ ክገቢር ተረኽበ። ንእስራኤል ዘታቴኹዎም አነ እየ። ሓቐፍኩዎም፥ ግናኸ አነ ኸም ዝተኸናኸንክዎም አይፈለጡን። አነ ብርኅራኅን ብፍቕርን ናባይ ሰሓብክዎም። ሆሴ. 11: 3 -4

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ቅዱስ ዮሴፍ “ከምቲ ወላዲ፥ ንውሉዱ ዚርኅርኃሉ፥ ”መዝ.103.13. ናይ እግዚአብሔር ጉስነትን ሓልዮትን ርሕራሔር ረአየ። ቅዱስ ዮሴፍ ምናልባት አብቲ ቤተ ጸሎት አይሁድ እግዚአብሔር ንኹሉ ሰናይ ምኻኑ፡ እቲ ሰናዩን ርኅራኄኡን ኸአ ንኹሉ ምኻኑ ሰሚዑ ይኸዊን እዩ።  “እግዚአብሔር ንኹሉ ሠናይ እዩ፥ ንኹሉ ፍጥረቱ ከአ ይርኅርኃሉ” መዝ.145: 9

ታሪኽ ድኅነት ብድኽመታትና አብ ተስፋ፡ አንጻር ካሊእ ኩሉ ተስፋታት ተፈጸመ። ከምቲ “ዘርእኻ ኸምኡ ኺኸውን እዩ” ዚብል ዝተነግሮ፥ አብርሃም አብቲ ተስፋ ዘይብሉ፥ ተስፋ ብምግባር፥ አቦ ብዙኃት ከም ዚኸውን አመነ። ሮሜ. 4:18 ብዙሕ ግዜ እግዚአብሔር አብቲ ጽቡቕን ዕውትን ዝኾነ ገጻት ሕይወትና ጥራይ ዝውሰን ይመስለና፡ እንተኾነ እቲ ሓቂ፡ ድኽመታትና ብዘየገድስ አብ ድኽመታትና እቲ ዝበዝሐ መደባቱ ይፍጸም።

በዚ ምኽኒያት እዚ ኢዩ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ እንዳበለ ዝጽሕፍ፦ “ብምኽኒያት እቲ አዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸአ ንሥጋይ ዚውግእ ግራጭ ተዋህበኒ። እምብዛ ኸይዕበ መልአኽ ሰይጣን ኪሳቕየኒ ተዋህበኒ። “ነዚ ሥቓይዚ ካበይ አርሕቆ” ኢለ ንጎይታ ሠለስተ ሳዕ ለመንክዎ። ንሱ ኸአ “ኃይለይ አብ ድኻመይ እዩ ዚግለጽ እሞ፥ ጸጋይ ይአኽለካ” በለኒ። ስለዚ ኃይሊ ክርስቶስ አብ ልዕለይ ምእንቲ ኺኃድር፥ ብብዙኅ ታሕጋስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። (2 ቆሮ. 12 : 7-9)

እዚ እንተ ኮይኑ እቲ ምስጢረ ድኅነት ብዓሚቕ ትሕትና ንድኻምነትና ክንቅበል ይግበአና። ኃጢአት አብ ድኻምነትና አሉታዊ ፍርዲ ከም እንርኢ  ይገብረና። በንጻሩ መንፈስ ግና ብፍቕሪ  ድኻምነትና ናብ ብርሃን የምጽኦ። ፍቕሪ እቲ ዝበለጸ መገዲ ነቲ አባና ዘሎ ድኻምነት ንኽንቅበል ዝሕግዘና ወይ ዝገብረና እዩ። እቲ ናብ ካልኦት አኅዋትናን አኃትናን እነመልክቶ አእዳውን፡ እንህቦ ፍርድን ሓደ ምልክት ናይቲ አባና ዘሎ ድኻምነትን ኃጢአትን  ዘይምቕባል ዘመልክት እዩ።

ፍቕሪ   ጥራይ እዩ ካብ ኩሉ ስራሕ ወይ ተግባራት  ክሲ ከድሕነና ዝኽእል። “ሕጂ ምድኃንን ኃይልን መንግሥትን ናይ አምላኽና ኾይኑ እዩ፡ ሥልጣን ከአ ናይቲ መሲሑ ኾይኑ እዩ። ከመይ እቲ ለይትን መዓልትን አብ ቅድሚ አምላኽና ዚኸሶም ዝነበረ ክሳስ አኅዋትና ተደርቢዩ እዩ። ራእይ ዮሓ..12.10 ስለዚ እዩ አብ ሕይወትና ምሕረት አምላኽ ዘድሊየና። ብፍላይ አብ ምስጢረ ዕርቂን፡ ንስሓን፡ ተመክሮ ናይ ሓቅን ፍቅርን ሕያውነትን ክህልወና የድሊ። ማዕረ ማዕርኡ ወላ እቲ ኃጢአት ነቲ ሓቂ ክነግረና ይኽእል እዩ። እዚ ግና ንኽኩንነና እዩ። እንተኾነ ግና ርዱእ እዩ፡ እቲ ካብ እግዚአብሔር ዝመጽእ ሓቂ  አይኩንነናን እዩ። እንታይ ደአ ብፍቕሪ ይቕበለና፡ ይሓቕፈና፡ ይሕግዘና፡ የተሰአና፡ ይምሕረና። እቲ ሓቂ ኩሉ ግዜ ገዛእ ርእሱ ንዓና ይግለጸልና እዩ። ከምቲ አብ   ወንጌል ሉቃስ (15:11-32) እንረኽቦ መሓሪ አቦ። እግዚአብሔር ክረኽበና ይመጽእ፡  እቲ ናትና ክብሪ ተመሊሱ ይህበልና፡ ብእግርና ጠጠው ከም እንብል ይገብረና፡ “እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ” (ሉቃ.15፡ 24) እናበለ ይሕጎስ።  

ናይ እግዚአብሔር ድልየት፡ ታሪኹን መደቡን ብተወሳኺ ብመንገዲ ሽግርን ጭንቅን ቅዱስ ዮሴፍ ይሓልፍ። አብዚ ቅዱስ ዮሴፍ አብ እግዚአብሔር እምነት ምህላው፡ ብተወሳኺ ብመንገዲ ፍርሕናን ድኻምነትናን ውድቀትናን ክሰርሕ ከምዝኽእል ምእማን ከምዘጠቃልል ይምህረና።  ከምኡውን  አብ መንጎ ዘጨንቕ ናይ ሕይወት ማዕበል፡  ነቲ መራሒ መርከብና፡ ሕይወትና  ዝኾነ አምላኽ ክመርሓና ክንገድፎ ክንፈርሕ ከምዘይብልና ይምህረና። ብዙሕ ግዜ ኩሉ ክንቆጻጸሮ ንደሊ እንተኾነ ግና ኩሉ ግዜ አስፍ ሕና ክንርኢ ክንሓስብ  የድሊየና።

ናብ ሳልሳይ ክፋል   አብ ዝመጽእ ሕታም/ጽሑፍ ክቐርብ ኢዩ።

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *