አስተንትኖ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብምኽኒያት ዓመተ ቅዱስ ዮሴፍ

ቀዳማይ ክፋል

ዝኸበርኩም አቦታት አዴታት አኅዋትን አኃቲን ከምዝፍለጥ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ እዚ ዓመት እዚ ዓመተ ቅዱስ ዮሴፍ ንኽኸዊን ከምዝዓወጁ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሰሚዕና አለና።

እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ እምበአር ካብቲ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ዓመት እዚ ዓመተ ቅዱስ ዮሴፍ ንኽኸዊን ዝአወጅዎ ዘቅረብዎ ጽሑፍን ትምህርቲን ዝተወስደ ኢዩ። እግዚአብሔር አምላኽና ብአማልድነትን ሓለዋን ቅዱስ ዮሴፍ ብሓቂ አብነቱ ብምኽታል ትሑታት፡ ተአዘዝቲን መፍቀርቲን ኮይና እንርከበሉ ዓመት ይግበረልና።

እቶም ክልተ ወንጌላውያን ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ዝትርኹ ማቴዎስን ሉቃስ ኢዮም። ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ቁሩብ ኢዮም ዝዛረቡ እንተኾነ እንታይ ዓይነት አቦ ከምዝነበረን እቲ ዝተዋህቦ ተልእኾ እንታይ ከምዝነበረን  ግልጺ ይገብሩልና።

ንሱ ሓደ ትሑት ፀራባይ ከምዝነበረ “እዚስ ወዲ እቲ ፀራባይዶ አይኮነን፧ ማቴ. 13,55” አዲኡ ማሪያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ” ማቴ.1፡18 ብምባልውን ሕፁይ ማሪያም ከምዝነበረ፡ ከምኡውን ቅዱስ ዮሴፍ ጻድቕ ከምዝነበረ፡ ማቴ.1:19  ኩሉ ግዜ ነቲ እግዚአብሔር ብሕልሚ ዝህቦ ተልእኾ ንኽስከም ቅሩብ ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ይገልጸልና።  ናብቲ ኩሉ ዝበሎ ኸአ ብእምነት ተጋዐዘ። ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሢኡ መልአኽ እግዚአብሔር ከም ዝአዘዞ ገበረ” ይብለና።

 ቅዱስ ዮሴፍ ድኅሪ ነዊሕን ግሉልን  ጉዑዞ፡ ካብ ናዝሬት ናብ ኢየሩሳሌም እቲ መሲሕ አብቲ ማኅደር አጋይሽ ሥፍራ ስለዝሰአነ አብ መብሊዒ ማል ክውለድ ረአየ። ሉቃ.2,7 አብዚ ናይቶም ጋሶትን  ሉቃ. 2:8-20 ሰብ ጥበብን ማቴ.2:1-12 ምስክርነት ንርኢ። እዚኦም ማዕረ ማዕረ ንሕዝቢ እስራኤልን ንሕዝቢ ዘይአመንቲ ይውክሉ።

ቅዱስ ዮሴፍ ሕጋዊ ሓላፍነት ናይ አባትነት ናይ ክርስቶስ ሕፃን ክወስድ ክስከም ትብዓት ረኸበ። ነቲ እቲ ካብአ ዚውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ንሕጽይትኻ ማሪያም ምውሳድ አይትፍራህ። ወዲ ክትወልድ  እያ ንሱ ኸአ ንሕዝቡ ኻብ ኃጢአቶም ኬድኅኖም እዩ እሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ። ዝብል ቃል አምላኽ ክአ ብጥሕትና ክእዘዝ ተረኽበ። ድሕሪ 40 መዓልቲ ምላዱ ምስ ማሪያም ናብ እግዚአብሔር ከከወፍዩዎ አብ ቤተ ጸሎት ተረኽቡ። ብተአምራት ከአ ነቲ ብዛዕባ ማሪያምን ክርስቶስ ሕጻንን ስምዖን ዝተነበዮ  ትንቢት ክሰምዕ ክኢሉ። ሉቃ. 2: 22-35

ንክርስቶስ ካብ ሄሬዶስ ንምክልኻል፡ ብስደት አብ ግብጺ ተቐመጠ፡ ”ሄሬዶስ ነዚ ሕፃን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ ተንሥእ፥ ነዚ ሕፃንን ነዲኡን ኂዝካ ናብ ግብጺ ህደም።” ማቴ.2 :13-18፡ ናብ ዓዱ ምስተመልሰውን ኣብታ ኻብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትንሥእ ክትርኢ ኢኻ፧” ዝተባህላ  ንእሸተይ ዓዱ ናዝሬት ብሕቡእ ተቐመጠ። ካብታ ገዝኡ ዝኾነ ቤተልሄም ካብ ኢየሩስዳሌም ርሒቑ ተቐመጠ።  አብቲ ናብ እየሩሳሌም ዝገበሮ ጉዑዞ እቲ ወዲ 12 ዓመት ክርስቶስ ሕፃን ምስጠፍኦም ንሱን ማሪያምን ብዙሕ ተሸገሩ፡ ንሱ ግና ብዘደንቅ አገባብ አብ መንጎ ቤት መቅደስ፣ አብ ማእከል  መምህራን ተቀሚጡ፥ ክሰምዖምን ኪሓቶምን ከሎ ረኸብዎ”- ሉቃ. 2: 41-50 ድሕሪ ማሪያም አደ አምላኽ ወላ ሓደ ቅዱስ አብቲ ናይ ቤተክርስቲያን ቦታ ከም ቅዱስ ዮሴፍ ቦታ ዝሓዘ የልቦን።

         አብ ልዕሊ እቲ አብ ወንጌል እንረኽቦ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ አብ ናይ ድኅነት ዘለዎ ተሳትፎን ቦታን፡ ቅዱስ ዮሴፍ አብ ቤተክርስቲያና ሓደ ዓቢ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ዝተፈላለዩ ጳጳሳትና ንቅዱስ ዮሴፍ  አቦ ወይ ጽላል ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን – አቦ ወይ ጽላል ናይ ሰራሕተናታት-  ቅዱስ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ፓውሎስ ካልአይ “ጋሳ ወይ ሓላዊ መድኅን” አመንቲውን ንቅዱስ ዮሴፍ “ጽላል ናይ ሕጉስ ሞት ኢሎም ይጽው ዕዎ።  ስለዚ ሎሚውን ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ 150 ዓመት፡ አብ  8 ታኅሣሥ1870 ፒዮስ፡  አቦ ወይ ጽላል ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ተባሂሉ ካብ ዝእወጅ፡ ሎሚ ድሕሪ 150 ከምቲ ክርስቶስ ጎይታና፦ “አቱም ዉሉድ አትማን፥ አፍ ካብ ምልአት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ” ማቴ. 12:34 ከምዝበለ አነዊን ብዛዕባ እዚ ዘደንቕ ስእሊ ቅዱስ ዮሴፍ –  ናይ ነፍሲ ወከፍና ኩነታት ዝቐረበ – ግላዊ ሓሳባተይ ገለ ከካፍለኩም ይደሊ ይብሉ ቅዱስ አቦና  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ።

እዚ ድሊየትን ሃረርታን እዚ ካብዚ ወሪዱና ዘሎ ዘስካሕክሕ ናይ ቅልውላው  ወርሓት ማለት ናይ ፓንደሚክ (covid 19) ዝነቀለ  ኢዩ ይብሉ፡ ቀጺሎም ቅዱስ አቦና ሕይወትና በቶም  ብዙሕ ግዜ ዝተረስዑ: አብቲ ቀዳማይ ገጽ ወይ አርእስቲ  ናይ ጋዜጣኛታት ዘይረአዩ ተራ ሰባት ተደጊፋ ትርከብ። ብዘይ ምጥርጣር ሎሚ አብ ታሪኽና ወሳኒ ዝኾነ ፍጻሜ ተጻሒፉ ይብሉ። ዶካትር – ነርስታት – ናይ ሱፐር መርካቶ ሰራሕተኛታት – አብ ጽሪየት ዝሰርሑ – አብ መጋዓዝያ ዝሰርሑ – አብ ምኽባር ሕጊ ዝሰርሑ – ካህናት – ደናጊል ብዙሓት ካልኦትን ወላሓደ እኮ ንበይኑ ገዛእ ርእሱ ከድሕን ከምዘይክእል ተረዲኡ እናበሉ ይገልጹ።

ቀጺሎም ክንደይ ሰባት እዮም መዓልታዊ ብትዕግስቲ ብዘይፍርሃት፡ ተስፋ ብምግባር  እቲ ዘለዎም ፍርሂ፡ ራዕዲ፡ ከየርአዩ ብሓላፍነት ዘገልግሉን፡ ዘገልግሉ ዘለዉን፧ ክንደይ አቦታት፡ አዴታት፡ አቦ ሓጎታት፡ አደ ዓባያት፡ መማህራን ኢዮም ንደቃትና መዓልታዊ ክምስታ ብምሃብን ብምርአይን፡ ነቲ አጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ልምድታት ብምምሕያሽ ንቕድሚት ብምጥማት፡ ንጸሎት ብምንቕቓሕ፡ ብኸመይ ከምዝገጥምዎ ከምዝምህሩዎምን ዘርእዩዎምን ዘለዉ፧ ክንደይ ሰባት እዮም ምእንቲ ሓባራዊ ስቡቕ ዝጽልዩ፡ ጸሎት ዘወፍዩን ዘማልዱን ዘለዉ፧  ነፍሲ ወከፍና ቅዱስ ዮሴፍ እምበአር ሓደ ቅዱስ ሰብ፡ ዘይርአ፡ ዘይነስተብህለሉ፡ መዓልታዊ አብ ሕይወትና ህልው፡ ጥንቁቕ ወይ ስቱር፡ ሕቡእ፡ መማለዲ፡ አብ ግዜ ሽግርና ሓጋዚ ኮይኑ ክንረኽቦ ንኽእል። 

ቅዱስ ዮሴፍን ኩሎም እቶም ሕቡአትን ወይ አብ ካልአይ ደረጃ ተሰሪዖም ዝርከቡ፡ አብ ታሪኽ ድኅነት መወዳድርቲ መማዓራሪይቲ ዘይብሎም ተዋሳኢቲ ናይ ድኅነት ኢዮም።  ነዚኦም ኩሎም ናይ ነፍሲ ወከፍና ቃል አፍልጦን ምስጋና ሞጎስ ይግብኦም።

ካልአይ ክፋል አብ ዝመጽእ ሕታም ክቐርብ ኢዩ። 

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *