Daily reflection Word of God

“ኦ አቦይ ጎይታ ሰማይን ምድርን፥ እዚ ኻብ ብልህታትት አስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፥ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፥ አመስግነካ አሎኹ።  እወ፥ ኦ አቦይ! አብ ቅድሜካ ዘሓጉሰካ ንሱ እዩ። ካብ አቦይ ኩሉ ተዋሂቡኒ አሎ። ብዘይካ አቦ ንወልድ ዚፈልጦ ሓደ እካ የልቦን። ነቦ ድማ ብዘይካ ወልድን እቲ ንሱ ኪገልጸሉ ዚፈቱን እንተ ዘይኮይኑ ሓደ እካ ዚፈልጦ የልቦን። ማቴ.11:25-27

THE ATENTION SEEKERS

THE ATENTION SEEKERS ATTENTION SEEKERS ARE THE FASCINATING, VIVID PERSONATIES OF THE RELATIONSHIP WHEEL. OFTEN INCREDIBLY CREATIVE, THEY ALWAYS HAVE AN ADEA OR A PROJECT. THESE ARE THE GREAT ACHIEVERS OF PERSONALTY TYPES. BECAUSE THEY ARE EX (TREMELY GOOD AT FOCUSING ON WHAT IS IMPORTANT TO THEM.

THEY ARE GOOD ATTRACTING OTHERS TELLTALE / RIVELATORE/ SIGNS OF AN ATTENTION SEEKERS – YOU ARE BRILLANT, HIGHLY FOCUSED, AND VERY CREATIVE – OTHERS ARE DROWN TO YOUR ENERGY AND UNDERTAKINGS – YOU ARE CONCERNED WITH HOW OTHERS SEE YOU – YOU ARE A NUMBER OF PEOPLE WHO GATHER AROUND YOU – YOU HAVE DIFFICULTY LISTENING, EMPATHIZING, OR SUPPORTING
ORTHERS WHEN THEY HAVE PROBLEMS – YOU HAVE TROUBLE HANDLING CRITICISM – YOU FEEL LIKE CAN NEVER GET ENOUGH PRAISE OR SUPPORT DISTINGUISHING CARACTERISTICS OF ARTTENTION SEEKERS • VERY GOOD AT SEEING HIM-OR HERSELF AND NOT NEARLY AS GOOD AT SEEING OTHERS • HAVE TROUBLE WITH EMPATHY, THAT SPESCIAL QUALITY OF HUMAN INTERACTION OF “FEELING FOR” ANOTHER PERSON • ATTENTION SEEKERS PROJECT THAT THEY ARE DESERVING AND SELF-CONFIDENT

• ARE ALSO GOOD AT COMPLAINING ABOUT OTHERS, PARTICOLARLY ABOUT HOW OTHERS HAVE FAILD THEM • ATTENTION SEEKERS ARE EMOTIONALY FRAGILE • ATTENTION SEEKERS IDENTIFY WITH THEIR ACHIEVEMENTS RATHER THAN WITH THEI SPIRITS

THE DIFFERENT B/T AN ATTENTION SEEKERS AND EVERYONE ELSE – THE ATTENTION SEEKERS IS WILLING TO LIVE SELF-FOCUS, WHILE THE REST OF US ONLY NEED TO VIST THER.

WHAT ATTENTION SEEKESR TO LEARN ABOUT RELATIONSHIP – LISTEN ATENTION SEEKERS WILL START JIONING IN THE PLEASURES OF RELATIONSHIP WHEN THEY LEARN TO LISEN, NOT TO THE ANSWERS THAT ARE FOCUSED ON THEMSELVES, BUT TO THE INFORMATION THAT REBEALS WHO OTHERS PEOPLE ARE. – ASK QUESTINS B/C OF ENDLESSLY LOOKING AT THEMSELVES AND HAVING EVERYBODY ELSE LOOK AT THEM, THE ATTENTION SEEKERS WORLD GROWS SMALLER AND SMALLER. – RESPOND

THE EARLY YEARS

If a child lives with criticism . . . s/he learns to condemn.

If a child lives with hostility . . .  s/he learns to fight.

If a child lives with fear . . .  s/he learns to be apprehensive.

If a child lives with jealousy. . . .s/he learns to feel guilt…

If a child lives with encouragements/he learns to be confident.

If a child lives with praise . . . s/he learns to be appreciative.

If a child lives with approval . . . s/he learns to like her/himself…

If a child lives with security . . .  s/he learns to trust in her/himself and others.

If a child lives with friendliness . . . s/he learns the world is a nice place in which to live.

SELF FORGIVENSS

What is self‑forgiveness?

Self‑forgiving is:

–           Accepting yourself as a human who has faults and makes mistakes.

–           Letting go of self anger for your past failures, errors, and mistakes.

–           No longer needing penance, sorrow, and regret over a grievous, self‑inflicted, personal offense.

–           The act of self love after you have admitted your failure, mistake, or misdeed.

–           The spiritual self healing of your heart by calming self rejection, quieting the sense of failure, and lightening the burden of guilt.

–           The act of letting go of the need to work so hard to make up for your past offenses.

Negative consequences of the absence of self‑forgiveness

In the absence of self forgiveness, you run the risk of:

–           Unresolved hurt, pain, and suffering from self‑destructive behaviours.

–           Unresolved guilt and remorse for self‑inflicted offenses.

–           Chronically seeking revenge and paybacks toward yourself.

–           Being caught up in unresolved self anger, self hatred and self blaming.

–           Defensive and distant behaviour with others.

–           Pessimism, negativity, and non‑growth-oriented behaviour.

–           Having a festering wound that never allows the revitalization of self healing.

–           Fear over making new mistakes or of having the old mistakes revealed.

–           Being overwhelmed by fear of failure, fear of rejection, fear of non approval, low self‑esteem, and low self worth.

Signs of the absence of self‑forgiveness

Lack of self forgiveness can result in:

–           A loss of love for yourself.

–           Indifference toward yourself and your needs.

–           An emotional vacuum in which little or no emotions are shown or shared.

–           Chronic attacks or angry outbursts against self.

–           Disrespectful treatment of self.

–           Self‑destructive behaviours.

–           Self‑pitying.

–           Chronic recalling and reminding of past failures, mistakes, errors, and offenses.

–           Suspicions about others’ motives, behaviours, attitudes, and beliefs when they are accepting of you.

–           Chronic depression.

–           Chronic hostility, sarcasm, and cynicism.

–           Self name calling, belittling, and self demeaning behaviours.

–           Unwillingness to change and/or unwillingness to seek the help necessary to change.

–           Resistance to doing what is necessary to heal within and recover from low self‑esteem.

WHAT IS RISK TAKING?

What is risk taking?

Risk Taking is Free

To laugh is to risk appearing the fool,

To weep is to risk appearing sentimental,

To reach out for another is to risk involvement,

To expose feelings is to risk exposing true self,

To place your ideas, your dreams before the crowd is to risk their loss,

To love is to risk not being loved in return,

To live is to risk dying,

To hope is to risk despair,

To try is to risk failure,

But risk must be taken, because the greatest hazard in life is to risk nothing.

The person who risks nothing, does nothing, has nothing, and is nothing.

He may avoid suffering and sorrow, but he simply cannot learn, feel, change, grow, love, live.

Chained by his certitudes, he is a slave, he has forfeited freedom.

Only a person who risks ‑ is free.

– Author unknown

መልእኽቲ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ – 4 ነሓሰ 2019

መልእኽቲ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንሚኒስተር ትምህርቲንሕና ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ንሃገርና ኮነ ንኵነታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሃገርና ብዚርኢ፣ ምስ ኣካላት መንግሥቲ ተራኺብና ክንዛረብ ክንላዘብ ናይ ወትሩ መደብናን ድሌትናን እዩ። ሃገረ ኤርትራ – ናብ ኣቶ ሰመረ ርእሶም – ሚንስተር ትምህርቲ – ኣሥመራ። ኣሥመራ 04.09.2019 (፳፱ ነሓሰ ፳፻፲፩ ዓ. ም. ) 

ጕዳይ፦ ብመንግሥቲ ዝተወስደ ናይ ቤተክርስትያን ኣብያተ ትምህርቲ

1. ንሕና ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ንሃገርና ኮነ ንኵነታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሃገርና ብዚርኢ፣ ምስ ኣካላት መንግሥቲ ተራኺብና ክንዛረብ ክንላዘብ ናይ ወትሩ መደብና ድሌትናን እዩ። እዚ መደብን ድሌትን ግን ብወገን መንግሥቲ ዝኾነ ግምት ኣይተዋህቦን። ምእንት’ዚ ሕጂ’ውን፡ ተቃውሞና ናብ ዚምልከቶ ኣካል መንግሥቲ ነቕርብ ኣሎና። ተቃውሞና ድማ ቤተክርስትያን ተልእኮኣ እትፍጸመሉ ናይ ሕክምናን ትምህርትን መጋበርታት፣ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋናት መንግ-ሥቲ ብኢደ ወነኑ ናይ ንምውሳድ ንዝገበሮ ስጕምቲ ብዚርኢ እዩ።

 2. ኣብ ከተማ ኣሥመራ ዚርከብ መድኃኔ ዓለም 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዘርአክህነት ብትእዛዝ መንግሥቲ ካብ ዚዕጾ ደጊም ዳርጋ ክልተ ዓመቱ መሊኡ፣ እዚ ቤትትምህርቲ’ዚ ካብ 1860 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ እናተተኽለ፣ልዕሊ 100 ዓመት ዘቝጸረ፣ ማለት ኣብ ኤርትራ ዘመናዊ ትምህርቲ ቀለምን ትምህርት መንፈስን ኣላፊኑ ብምሃብ፣ ንቤተክር-ስትያንን ንሃገርን ዜገልግሉ መንእሰያት ዝዀስኰሰ ቤትትምህርቲ እዩ፣ከም’ዚ ዝበለ ርኡይኣበርክቶ ንዘለዎ ተቅዋም ምዕጻው፣ እሞ ከም ሃገርና ዝበለ ጽምኢ ትምህርቲ ኣብ ዘለዎ፣ ነዚ ውሳኔ’ዚ ምሃብ፣ ንተዓዛቢ ኾነ፡ ንሓታቲ ምላሽ ዘይተረኽበሉ ኣዝዩ ዘደንጹ ተግባር እዩ።

 3. ብድሕሪኡ ድማ ሾመንተ ዚኣኽላ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዚካየዳ ማእከላት ጥዕና፣ፈጺሙ ተቐባልነት ብዘይብሉ ኣገባብ፣ ”ተደረብቲ” ብዚብል ምስምስ ናይ ምሕካም ተግባራተንከምዜቋርጻ ተገይሩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣዋርኅ ድማ፣ ኣስታት 21 ዚኣኽላ ናእሽቱን ዓበይትን ክሊኒካትን ናይ ጥዕና ማእከላትን ብሓይሊ ተሃጊረን፣ ንብረተንተወሲዱ። ሕጂ ኸኣ እነሆ ትማሊ ብዕለት 03.09.2019 ላዕለዋይ ደረጃ ማለት ሠለስተ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሓንቲ ምስ መባእታን ማእከላይን ደረጃ እትርከበን፣ 

1) መባእታን ማእከላይን ላዕለዋይ 2ይን ደረጃ ቤትትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍ [ላ-ሳል] ከረን፣ 

2) ላዕለዋይ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣኅዋት ካፑቺኒ መንደፈራ፣

 3) ማእከላይን ላዕለዋይ 2ይን ደረጃ ቤትትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ፣ ባጽዕ[ምጽዋዕ] ከምዚዕጸዋ ወይ ከኣ ብመንግሥቲ ከም ዚውሰዳ ተገይሩ ኣሎ። ነዚ ብዚርኢ ግቡእ ቅኑዕን ተቓውሞና ነቕርብ።

 4. ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ከምዝተገልጸ፣ ቤተክርስትያን ዝኾነ ሓሳብ እንከተቕርብ፣ መንነታን ተልእኮኣን ብምትንታን እያ እትጅምር።ከመይ እቲ እትብሎን እትኽተሎን መትከል ነቲ ተልእኮኣን መንነታን ስዒቡ ዚመጽእ እዩ። ቤተክርስትያን ኣደን መምህርን እያ። እቲ ተኻሊኣ ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ከም’ቲ ንሱ ዚፍውስን ዚምህርን ዝነበረ፣ ንቤተክርስትያን እውን ክትፍውስን ክትምህርን ሥልጣን ሂብዋ እዩ። ነቲ ዘለዓለማውን ኣምላኻውን ሓቂ ክትምህር’ኳ እንተኾነ ቀንዲ ስራሓ፣ ንሰብ ብመላኡ ብነፍስን ብሥጋን ኽትረድኦ ሓላፍነት ኣለዋ። በዚ መሠረትዚ ከኣ ኣብ ትምህርትን ሓፈሻዊ ምዕባሌ ወድሰብን ዓቢይ እጃም ኣለዋ። ነዚ መዝነት’ዚ እትፍጽሞ፣ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን በይኑ ብሕቱ ዘይኮነስ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርታ ኣብያተ ሕክምናታት፣ ኣብ’ቲ ዅሉ ንምዕባሌ ሰብ እትሰርሓሉ ማእከላትን እዩ። 

5. እቲ ሓፈሻዊ ናይ ክልተ ሺሕ ዓመት ታሪኻን ጕዕዞኣን ከም ዘነጽሮ፣እዚ ዚስዕብ ካብ ባህሪኣን ተልእኮኣን ዚፍልፍል መሰልን ግዴታን ከምዘለዋ ትርዳእ። ክርስትያናዊ ትምህርቲ-እምነት ክትምህር፣ ሰብኣዊ ፍልጠትን ምዕባሌን እተካይደሉ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምስኡ ዚተኣሳሰር ዚንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ክትውንን ከተካይድን መሰል ኣለዋ። እዚ መሰል’ዚ ብኣምላኽ ዝተዋህበ ባህርያዊ መሰል ስለዝኾነ፣ ብናይ ዝኾነ ይኹን ወገን ሠናይ ፍቓድን ድሌትን ዚወሃብ ወይ ዚኽላእ’ውን ኣይኮነን። እዚ ነቕ ዘይብል ሓቂ፣ ዘይትንከፍ መሰል ብዛዕባ ምዃኑ ድማ ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኮነን። 

6. ከም’ቲ ካብ ጥንቲ እሞ ኣብ መላእ ዓለም ከተዘውትሮ ዝጸንሐት፣ ዝኾነ ዓይነት ሰብኣውን መንፈሳውን ፍልጠት ዜማዕብል፣ ካብ ሙዓለ-ሕፃናት ክሳብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ዜምህር በብዓይነቱ ተቅዋማት ክትውንን ከተካይድ መሰላ ግቡኣ እዩ። ከመይ መምህር እያ ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ብቤተክርስትያን ዚካየድ ተቅዋማት እንታይ እዩ ዕላማኡ? እንተተባህለ፡-

 ) ናይ ሰባት ሕሊና ኰስኵስካ፣ ኣብ ኅብረተሰብን ሃገርን ምሉእን ግቡእን ቦታኦምን ኣበርክቶኦምን ዘወፍዩ ምሉኣት ሰባት ንምግባሮም፣ ፍትሕን ሰላምን መሰልን ናጽነትን ሓቅነትን ሕውነትን . . . ዚመሃሩሉ እዩ፣ 

) ወለዲ ንውሉዶም ዚበቅዕ ትምህርቲ ኣብ ምምራጽ ዘለዎም፣ ማንም ኬሕድጎም ዘይክእል ባህርያዊ ወይ ተፈጥሮኣዊ መሰል ምእንቲ ኪኽበረሎም፣ ኣብ መዕበያ ውሉድን ብሱል ዜጋን ኣበርክቶ ንምግባር፣

 ) ብሥልጣኔን ብፍልጠትን ንኺዓብዩ ንዜጋታት ንምሕጋዝ፣ በቲ ዝበለጸን ብዘመናት ዝተመስከረን ናይ ቤተክር-ስትያን ሃብታም ልምድን ተመክሮ ከም ዚጥቀሙ ምግባር፣ 

) ቕኑዕን ብቑዕን ምዕባለን ወድሰብ እንተ ዘይኮይኑ፣ እዚ ናይ ቤተክርስትያን ተቅዋማት ትምህርቲ፣ ካልእ ዝኾነ ይኹን ንቡር ይኹን ስቱር መደብን ኣገባብን ከም ዘይነበሮን ከም ዘይብሉን፣ እቶም ኣብኡ ዝተማህሩን፣ ነቲ ብሉጽ ኣበርክቶኡ ዘስተማቐሩን፣ዝተፈላለየ መደብ እምነትን ሃይማኖትን፡ መሥርዕ ሕይወትን ዚኽተሉ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕያው ምስክር እዮም። ማእከላት እምነትን ምዕባሌ ትምህርትን ኣብ ጕዕዞ ታሪኽ፣ 

7. ታሪኽ ትምህርትን ኣመዓባብላኡን ኣብ መላእ ዓለም ክንርኢ ከሎና፣ ክንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቂ ይገሃደልና። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ቀንዲ መማዕበሊ ትምህርትን ስነጽሑፍን ሥልጣኔን፣ሃይማኖታዊ ማእከላት ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣበርክቶ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ኣብ ምዕባሌ ትምህርቲ ዘይነዓቕ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣዝዩ ዚድነቕን ዘንጸባርቕን ምዕራፍ ዝሓዘ እዩ። ናብ ታሪኽ ሃገርና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ እውን፣ እቲ ጥንታዊ ገዳማትን ኣድባራትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያንን፣ ጥንታዊ መሳጊድን ኣብ ጽሕፈትን ንባብን፣ ኣብ ምዕቃብ ጥንታዊ ታሪኽን ትምህርትን ዝነበሮ ጽልዋ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፣ ብሓፈሻኡ ኣብ ናይ’ዚ ሕዝብን ሃገርን ባህላዊ ሕንጸትን መንነትን መሠረት ዘንበረ እዩ። 

8. መበቈልን ምምዕባልን ዘመናዊ ትምህርቲ ኤርትራ ኣብ ዚትንተነሉ ኵሉ፣ ካቶሊካዊ ኣብያተ ትምህርትና ብሓፈሻኡ ከኣ ኣበርክቶ ቤተክርስትያንና በዚ ዓውድ’ዚ፣ ኣንጸባራቒ ቦታ ከምዘለዎ ኵሉ ዚፈልጦ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ ጊዜ ጥበብ ማኅተም ብምትእትታው፣ ኣብ ሃገርና ናይ ትምህርትን ጽሕፈትን ማዕጾ ዘርሓወትን ጕዕዞ ትምህርቲ ዘንሃረትን ቤተክርስትያን እያ። ኣብ ዓዲወግሪ [ሳን ጆርጆ]፣ ኣብ ሠገነይቲ [ስኮላ ኣርተ መስቲየሪ ሳን ሚኬለ]፣ ኣብ ዓድቐይሕ፣ ኣብ ከረን[ሳልቫጎ ራጊ]፣ ኣብ ኣሥመራ [ስኮላ ቪቶሪዮ] ብጊዜ መግዛእቲ ጣልያን ንደቀባት ተደኲነን ዝነበራ፣ ብቤተክርስትያን ወይ ብናይ ቤተክርስትያን ሰባት ዚካየዳ ዝነበራ እየን። ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ድማ፣ ኣብ’ዛ ዘመናዊት ኤርትራ ዝቖማ፣ ካብ’ተን ኣብዛ ዋና ኸተማ ኣሥመራ ቐንዲ ቐንዲ ንምጥቃስ፣ ኮምቦኒ ኮሌጅ፣ ኣሥመራ ዩኒቨርሲቲ፣ ኮለጆ ላሳል፣ ኮለጆ ቅድስት ሓናን፣ ናይ ቀትሪ ንሕፃናት ናይ ምሸት ከኣ ንዓበይቲ ቤትትምህርቲ ቅዱስ በርናርዶስ. . . ካልኦትን ነበራ። ብፍላይ ድማኣብ ከባቢ 1965 ዓ.ም.ፈ. በዓል ሰናይ ዝኽሪ ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ክሳብ 70 ዝኣኽላ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ቁሸታትን ዓዳትን መላእ ኤርትራ ተጀሚረን ንነዊኅ ዓመታት ንብዙኃት ኤርትራውያን ሕጻናት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዘሳተፋ ምዝክራ ግቡእ እዩ። ካብ ጊዜ መግዛእቲ ጣልያን ኣትሒዙ፣ ዘመናዊ ኣመሓዳድራን ኣመሃህራን፣ ፖሊቲካዊ ጕዕዞን ስነጽሑፋዊ ምህዞን ምዕባሌ ቋንቋን ዝተኻየደ ናይ ደቂ ሃገር ፈላሚ ንጥፈታት ኵሉ፣ሳላ’ቶም ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ተቅዋማትዝተማህሩ እዩ ተሰላሲሉ፣ ነዛ ዘመናዊት ኤርትራ ከኣ መሠረት ኣንቢሩ።ኣብ ምብግጋስ ፖሊቲካዊ መስርሕ ናይ’ዛ ሃገር፣ ኣብፖሊቲካውን ሓርነታውን ጕዕዞ ቃልሲ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ናይ ዝተማህሩ ሰባት እጃም ናቱ ዕዙዝ ምዕራፍ ዘለዎ እዩ።

 9. ኣብ ታሪኽ ከም’ዚ ዝበለ ዕዙዝ ተራን እጃምን ንዘለዎ ናይ እምነት ማእከላትን ተቅዋማትን፣ ነቲ ብተግባር ዘመስከረሉን ዝተዓወተሉን መዳይ ትምህርቲ ንኸተሕድጎ፣ “ኣይምልከተካን እዩ” ምባል ደኣ ምስ ምንታይ ኪቝጸር እዩ? ተጻይ እምነትን ሃይማኖትን ብቐንዱ ክንብሎ እንተዘይኮይኑ ካልእ መግለጺ የብሉን።እምነትን ናይ ኣምላኽ ፍርሃትን ካብ ዜምህር ማእከላት ንሕፃናትን መንእሰያትን ነጺልናኸ፣ ነዛ ሃገር ከመይ ዝበለ ንኡስ ወለዶ ከነፍርየላ ተሓሲቡ ማለት እዩ? 

10. ብፍላይ ናብ’ቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብያተ ትምህርቲ ክንመጽእ ከሎና፣ ናብ’ዚ ውሳኔ’ዚ ዜብጽሕ ዝኾነ ይኹን ናይ ሥርዓተ ትምህርቲ ምዝንባል፣ ዝኾነ ይኹን ምጥሓስ ሕጊ፣ ወይ ዝኾነ ንጽፈትን ኣወሃህባ ትምህርትን ብዚርኢ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርትና ዝተረኽበ ካብ መሥመሩ ዝሓለፈ ወይ ዝተረፈ ኣገባብ፣ ብወገን መንግሥቲ ኣይተጠቕሰን፣ ኪጥቀስ ዚከኣል’ውን ፈጺሙ የልቦን። ኣብያተ ትምህርትና ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ቅድም ኣትሒዙ፣ ኣብ ዕለታዊ ኣሰራርሓኡን ኣብ ናይ ሃገራዊ መርመራታት ዚረአ ውጽኢት ተመሃሮኡን፣ ብብቕዓቱን ብዓይነቱን ዚልለ ብምዃኑ፣ ንኸምዚ ዝበለ መንግሥታዊ ውሳኔ ዘይኮነስ፣ ንምትብባዕን ንሽልማትን ዚዕድም ከም ዝኾነ፣ እቲ ዚምልከቶ መንግሥታዊ ኣካል ሚንስትሪ ትምህርቲ በብግዜኡ ዝቐረበሉ ጸብጻባትን ኣብ ሰነዳቱን ኣርካይቩን ሒዝዎ ዘሎ መዛግብትን ምስክሩ እዩ። 

11. ብናይ ቤተክርስትያን ርድኢት፣ ብትምህርቲ ዝመጽአ መንግሥቲ ዘለዎ ግዴታን ሓላፍነትን፣ ኵሎም ዜጋታት ዜድልን ዚበቅዕን ዕድል ትምህርቲ ምርካቦም ከረጋግጽ፣ ዘለዎም መሰላትን ግዴታታትንከፍልጦም፣ ሕፃናት ዚግባእ ትምህርቲ ከምዚረኽቡ ምግባር፣ ናይ ትምህርቲ ተቅዋማት፣ ብዚግባእ ዚምህሩን ዘይምህሩን፣ ነቲ ዝወጽአ ሃገራዊ መምርሕን ሥርዓተ ትምህርትን ዚኽተሉን ዘይኽተሉን፣ ምክትታል እዩ። እቲ ዚወጽእ መምርሕታት ድማነቲ ኣገባብ ኣመሃህራ ዚሕግዝ ኪኸውን፣ ንዚተባባዕ ምትብባዕ፣ ንዚሕገዝ ምሕጋዝ፣ ነቲ መኣረምታ ዜድልዮ ብምእራም፣ ብግሊ ይኹን ብናይ ኣብያተ-ክርስትያን መደባት ንዚካየድ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መስርሕ ንቕድሚት ከም ዚስጕምን ምግባር እዩ። 

መሰል ወለድን ቤተክርስትያንን12.

መንግሥቲ ነቲ ናይ ወለድን ናይ ቤተክርስትያንን ድሮ ውሁብን ኣድማሳውን ዝኾነ መሰል ኪፈልጥን ከኽብርን ግቡኡ እዩ። ወለዲ ንደቆም ዝደለዩዎ መደብን ኣገባብን ትምህርቲ ኪመርጹ፣ ቤተክርስትያን እውን ነቶም ኣብ ትሕቲኣ ዚርከቡ ኮነ ነቶም ኣብያተ ትምህርቲ ንዝመረጹ ወገናት ብናጽነት ክትምህር ዘለዋ መሰልን ግዴታን ኪፍለጥን ብዚግባእ ኪኸብርን ኣለዎ።

 13. ካብ’ዚ ወጻኢ ምስቲ ናይ ወለድን ናይ ቤተክርስትያንን ዚጻረር ስጕምቲ ምውሳድ ግን ተቐባልነት ዘይብሉ ፍጹም ሃሳዪ እዩ። ንሕፃናት ንመንእሰያት ካብ ወለዶም፣ ካብ’ታ ብሞራልን ብሥነምግባርን እተሃንጾም ቤተክርስትያንን ቤተእምነትን ነጺልካ፣ ነዚ መሠረታዊ ባህርያውን መሰልን ግዴታን ሸለል ኢልካ ዚግበር ኣገባብ፣ “ንመንእሰያት ንምውናን” ዚግበር መደባት፣ ሲቪል ኅብረተሰብ ይኹን እቲ ናይ እምነት ማእከላት ሕግን ሥርዓትን ተኸቲሉ፣ ንወድሰብ ይጠቅም ዝበሎ ንጥፈታት ንኸየካይድ ኣብ ዚዕገተሉ ኣገባብ ኵሉ ናጽነት የልቦን፣ ኣድማሳዊ መሰል ሰብ እውን ኣይተኸብረን ማለት እዩ። ኵሉ ብመንግሥቲ ጥራሕ ከም ዚግበት ዚገብር ኣገባብ፣ናይ ውልቅን ናይ ግልን ናጽነትን ንጥፈታትን ዚዓግት እዩ፣ ናጽነትን መሰልን ኣብ ዘይተኸብረሉ፣ ሰላም ርግኣት ምዕባሌ ኪመጽእ ዘይከኣል እዩ። ብመሠረት’ዚ መትከላት’ዚ እምበኣር፣ ነዚ በብግዜኡ ብመንጽር ተቅዋማትና ዚካየድ ዘሎ መሰል ዝጠሓሰ ውሳኔን ተግባርን ንሕና ከም መጠን ሰባት፣ ከም መጠን ኤርትራውያን ከም መጠን ካቶሊካውያን ፈጺምናኣይንቕበሎን፣ ነቲ ከም መጠን ዜጋታትን ኣመንትን ዘሎና መሰልናንግዴታናን እውን ሽለል ኣይንብሎን፣እዚ ዝተጠቕሰ መሰልና ምስ እንግፈፍ፣ ወይ ድማ ነዚ ግዴታና ምስ ዘይንፍጽም፣ እቲ ቀዳማይ ግዳይ ዚኸውን፣ እዚ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ሰብ ወይስ ኅብረተሰብ እዩ፣ ቀጺሉ ድማ ሃገር ብዓባያ እያ። በቲ ዝቖመሉ ዕላማኡን፣ በቲ ብተግባር ዝተራእየ ኣሰራርሓኡን፣ ተቅዋማትና ብምሉኡ ንረብሓ ሕዝብን ሃገርን ምዃኑ ስለ ንተኣማመን፣ እዚ ተቅዋማት’ዚ ኪህገርን መሰል ቤተክርስትያን ኪድፈርን ከሎ ጕድኣቱ ንመላእ ሕዝብን ሃገርን ምዃኑ ኪፍለጥ ኣለዎ። 

መዛዘሚ 

14. ኣብ’ዚ ሃገር’ዚ ንዘሎን ኵነትን ንዝሓለፈ ታሪኽን ድሕሪ ፈቲሽና፣ ብፍላይ ብመንጽር ትምህርቲ እቲ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ ዘንጸባርቅ ደኣ’ምበር ዝኮነ ይኹን ጸሊም ነጥቢ ከም ዘይርከቦ ኣፍና መሊእና ክንዛረበሉ እንኽእል እዩ። ምእንት’ዚ እዚ ሕጂ፦ ሀ) ብመንጽር ናይ ትምህርትን ሕክምናን ተቅዋማትና ዚወሃብ ዘሎ ውሳኔታትን፣ ስዒቡ ዚካየድ ዘሎ ተግባራትን፣ ንናይቤተክርስትያን መሰልን ናጽነት እምነትን ብቐንዱ ዚጻባእ ተግባር፣ ኣብ’ቲ መደብ እምነታን መንነታን ኣገልግሎታን ብቐንዱ ዚኣቱ፡ ስለዚ ኸኣ ንህላዌኣ ዚትንክፍ ምዃኑ እናገለጽና፣እዚ ኣገባብ’ዚ ዳግመ ግምት ተገቢሩሉ ብዝቐልጠፈ ደው ኪብል ነሓትት፣ ሁ) ተቅዋማት ቤተክርስትያን ኵሉ ከም መጠን ናይ ደቂ ኤርትራ ተቅዋማት፣ ነቲ ሥሩዕን ብሉጽን ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎቱ ብናጽነትን ብተወፋይነትን ንኺቕጽል ዕድል ኪወሃብ ነሓትት፣ ሂ) ዝኾነ ይኹን ኪእረም ወይ ኪዕረ ዚድለ እንተሎ ድማ፣ ብሓባራዊ ዘተን ምርድዳእን ኪፍታሕ ጽቡቕ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኡንኮ መንገዲ ምዃኑ ነመልክት።

 15. ቤተክርስትያን እምበኣር በቲ ብዘመናት ዘጥረየቶ ተመክሮን ነዊሕ ትውፊትን በቲ ዘለዋ ዓቕምን፣ ኣብ ምዕባሌ ሰባት ቀንዲ ረቛሒ ብዝኾነ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ነቲ መንግሥታዊ መምርሒ ትምህርቲ ብምሕላው፣ በብዓይነቱ ኣብያተ ትምህርቲ ከተካይድ፣ መደባ ምዃኑ ትገልጽ። ነዚ መደባ ዚቃወም ዝኾነ ዓይነት ውሳኔ ወይ ኣገባብ ነቲ ናጽነታን መሰላታን ከም ዝገፈፋ ትርዳእ፣ እዚ መሰላት’ዚ ዳግም ክሳብ እትለብስን ናጽነታ ክሳብ እትጭብጥን ከኣ ምስ ምእመናና ኮይና ናብ ኣምላኽ ዘየቋርጽ ጸሎትን ስእለትን ተብጽሕ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ከኣ ናብ ዚምልከቶ ኣካል ምእንቲ መሰላ ኣቤት!! ካብ ምባል ዓዲ ኣይትውዕልን። ኣምላኽ ንሃገርና፣ ሃገር ሰላምን ፍትሕን ሃገር ርትዕን ፍቕርን ይግበረልና።

 ካቶሊካውያን ጳጳሳት 1. ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ፣ ሊቀጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ 2. ኣቡነ ቶማስ ዖስማን፣ ጳጳስ ዘመንበረ ባረንቱ 3. ኣቡነ ኪዳነ የ|ዕብዮ፣ ጳጳስ ዘመንበረ ከረን 4. ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ፣ ጳጳስ ዘመንበረ ሠገነይቲ ቅዳሕ

ናብ፦ 1. ሚንስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር 2. ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጕዳያት 3. ቤትጽሕፈት ህ.ግ.ደ.ፍ. 4. ምምሕዳር ዞባ ደቡብ 5. ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ 6. ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቐይሕ ባሕሪ

መገዲ እግዚአብሔር አቕንዑ

ከምቲ አብ መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ፦ እንሆ ‘ጎደና እግዚአብሔር አሰናድዉ፥ መገድታቱ ኸአ አቕንዑ እናበለ ናይ ሓደ አብ ምድረ በዳ ዚእውጅ ድምጺ፥ ቀቅድሜኻ መገደይ ዚጸርግ ልኡከይ እሰደልካ አሎኹ” ዚብል ተጻሒፉ ዘሎ፥ ዮሓንስ አብ ምድረ በዳ እና አጥመቐን፥ ንኅድገት ኃጢአት ዚኸውን ናይ ንስሓ ጥምቀት እናሰበኸን መጸ። ብዘላ ሃገር ይሁዳን፥ ኩሎም ሰብ ኢየሩሳሌምን፥ ናብኡ ይመጹ ብኃጢአቶም እናተናዘዙውን አብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። ንሱ ኸአ “ ካባይ ዚብርትዕ፥ አነ ደኒነ ስራኽ አሣእኑ ኽፈትሓሉ ዘይበቅዕ፥ ብድኅረይ ይመጽእ አሎ። አነ ብማይ የጠምቐኩም አሎኹ፥ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ኬጠምቐኩመዩ” እናበለ ይሰብኽ ነበረ። ማር.1:1-8

ዮሓንስ መጥምቕ ከም ሓደ ልኡኽ አምላኽ አብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምጺ ገይሩ የቕርቦ። መገድታቱ አሰናድዉ፡ አምላኽ ንወዱ ናብዚ ዓለም እዚ ክልእኽ ነሩዎ። ዮሓንስ ከአ ነዚ ዝመጽእ ንጉሰ ሰማይን ምድርን ዝኸውን ብስብከቱ መገዲ፡ ስፍራ፡ ቦታ ከዳሉ ነይሩዎ። ዮሓንስ ይሰብኽ ይእውጅ ጥራይ አይነበረን እንታይ ደአ ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ “ እናጠመቐን፥ ንኅድገት ሓጢአት ዚኸውን ናይ ንስሓ ጥምቀት እናሰበኸን መጸ”።

እዚ ጥምቀት እዚ ግና – ገና ከምቲ ባዕሉ ዮሓንስ መጥምቕ ስምስክሮ፡ ናይ ንስሓ ጥምቀት ነበረ። ነቲ ዝመጽእ “ውልድ አምላኽ” ንኽንከውን መሰል ዘውህበና፡ ብክርስቶስ ክሰራዕ ዝነበሮ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጥምቀት መቀራረቢ ነበረ። ሎሚውን አሕዋት አሓት ቤተክርስቲያን ነቲ ናይ ዮሓንስ ቃል ብምድጋም “መገድታቱ አሰናድዉ፡ ሕይወትኩም ቐይሩ፡ ተነስሑ፡ እናበለት ትእውጀልና አላ። ነቲ ቃል አምላኽ ልባትና ክንከፍተሉ ንሱ ከአ ሕይወትና ክቅይር ጸዋዒት ትገብረልና አላ። ልባትና ምድረበዳ ኮይኑ ከይተርፍ ፡ ንቃል አምላኽ፡ ድምጺ አምላኽ ድምጺ ቤተክርስቲያኑ ድምጺ ብጹዓት ኣቦታትና ንኽሰምዕ ን ዕደም።

ክርስቶስ ጎይታ እምበአር ንዚጸምኤ ከርዊ፡ ንዚሓመመ ክፍወስ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ሕይወትና ይመጽእ አሎ፡ ንነፍስወከፍና እጽውዕ አሎ። ከምቲ ዘማራይ “ኢራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ ኣነ ከኣ ኦ ኣምላኽ ንዓኻ እናፍቕ ኣሎኹ፣ መኣስ’የ መጺኤስ ኣብ ቅድሜኻ ዝሰግድ” መዝ.42 እናበልና ንቕረቦ።

ትምህርቲ ብሉይ ኪዳን ኩሉ ነቲ ክመጽእ ዝነበሮ መድኅን ዓለም ዝቐራርብ ኢዩ ነሩ።  ኩሎም ነቢያት ከአ ብዝተፈላላእየ መገዲ ነቲ መሲሕ ከምጽኦ ዘለዎ ድኅነት ሰበኹን መሃሩን። ዮሓንስ ግና  እቲ ካብ አንስቲ ዝተወልዱ ዘበሉ ዝዓበ  ነቲ መሲሕ ክርስቶስ እዚ ኢዩ እናበለ ንደቂ ሰባት ክሕብር ኪኢሉ። እንሆ ኃጢአት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል አምላኽ”

አይሁድ “ ንስኻ መን ኢኻ፧”ኢሎም ኪሓትዎ ካብ ኢየሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለ አኹሉ፥ ዮሓንስ ከምዚ ኢሉ መስከረ፦ “ አነስ ክርስቶስ  ኤልያስ ወይ እቲ ነቢይ  አይኮንኩን” ብምባል እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ መድኃኒ ክርስቶ ንሱ ከመዘይኮነ ተአመን፡፡ ሽዑ ንሳቶም “ መን ደአ ኢካ፧ ነቶም ዘለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧ በልዎ።

ዮሓንስ ከአ “ አነስ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ ዝበሎ፦ ‘ መገዲ እግዚአብሔር አቕንዑ’ እናበለ አብ ምድሪ በዳ ዚእውጅ ድምጺ እየ፥” በሎም። ዕብየት  ዮሓንስ  አብዚ ይጅምር። ብትሕትና በቲ ተወሃቢዎ ዝነበረ ዓቢ ተልእኾ ከይተዓበየ –  አነ ድምጺ ወይ መሳርሒ ናይቲ ክምጽእ ዘሎዎ ብርሃን ፡ ክግለጽ ዘለዎ ክርስቶስ ጎይታ፡ መድኅን ምስክር ኢየ እናበለ ይምስክር። እቲ ሓቀኛ መንነቱ ይገልጸሎም። ተልእኾ ዮሓንስ ብሕይወቱን ስብከቱን ምስክርነት ምሃብ፡  ነቲ ክመጽእ ዘለዎ ክርስቶስ መገዲ ምድላው ኢዩ ነሩ።  ምስክርነት ነቲ ዓለም ንምድኃን ቅድሚ ዘመናት ነቢያት ዝተነበይሉ። ቅድሚ ዘመናት ዓለም ዝተጸበይቶ።

እቶም ልኡኻት አይሁድ  ቀጺሎም፦ እምበአርሲ ክርስቶስ ወይ ኤልያስ ወይ እቲ ነቢይ ካብ ዘይትኸውን ደአ ንምንታይ ተጠምቕ አሎኻ፧’ ኢሎም ሓተትዎ። ዮሓንስ ድማ ‘ አነ ብማይ አጥመቕ አሎኹ እናበለ እቲ ናቱ ጥምቀት   ከምቲ ጽሑፍ ቃል አምላኽ ዝብሎ  “ንኅድገት ሓጢአት ዚኸውን ናይ ንስሓ ጥምቀት” ምኻኑ ገለጸሎም።

እዚ   ናይ ንስሓ ጥምቀት፡ ነቲ ዝመጽእ “ውልድ አምላኽ” ንኽንከውን መሰል ዘውህበና፡ ብክርስቶስ ክሰራዕ ዝነበሮ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጥምቀት መቀራረቢ ነበረ።  በዚ ኢዩ ኸአ ዮሓንስ ንሱ እቲ መሲሕ፡ እቲ ክርስቶስ፡ እቲ ነቢይ ከምዘይኮነ ዝእመን።  ኩሉ እቲ ክብረቱ፡ ልዕልናኡ አብ ቅድሚ አምላኽ ንአገልግሎት አምላኹን  ምኻኑ ይገልጽ። እምበአር ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእስና ንሕተት፧ መን ኢየ አነ፧ ከም ዮሓንስ ከም ማሪያም ትሑት አገልጋሊ  – ድምጺ ናይቲ ልዑል አምላኽ ዲየ ወይስ ንገዛ እርእሰይ ክርስቶስ ክኸውን፡ ንገዛእ ርእሰይ ከኸብር ዝደሊ- ዝሰርሕ  አማናይ/ቲ ኢየ፧

ስለዚ ንሕና ኩሉና ጸዋዕታ ክርስቲያናዊ ግዴታ አለና። ከም ዮሓንስ መስከርቲ – አወጅቲ – ቃል አምላኽ ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና። ነቲ ዝተቐበልናዮ ብርሃን ክርስቶስ ንኻልኦት መስከርቲ ብርሃን ኮይና ንኽንርከብ። ክርስቶስ ኩሉ ግዜ ምሳና አሎ። ኩሉ ግዜ ኢዩ አብ ጉዑዞ ሕይወትና ዝመጻና-  ዝኹሕካሓና። ከምቲ ዮሓንስ ነቶም ሓተቱ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ አብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ ዝበሎም-  ነዚ አብ መንጎና ዝመላለስ ክርስቶስ  ዘይንፈልጦ ዘይንርእዮ ከይንህሉ ንገዛእ ርእስና ክንምርምር ይግበአና።

አባ ሓጎስ ተስፋግቢር

1 2 3 36