ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ግንቦት – 25.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ማር.10:1-12

ኢየሱስ ካብኡ ተላዒሉ ናብ ሃገረ ይሁዳ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ። ከም ብሓድሽ ከአ ብዙኅ ሕዝቢ ናብ ኡ ተአከበ፥ ከም ልማዱውን መሃሮም። ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ መጺኦም “ሰብአይ ንሰበይቱ ኺፍትሓዶ ግቡእ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ኢየሱስ ድማ  “ሙሴ እንታይ አዘዘኩም፧” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከአ “ሙሴስ መፍትሕአ ጽሑፍ ጽሒፍና ክንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ” በልዎ።

ኢየሱስ ከአ ኸምዚ በሎም፦ “ሙሴስ ብትሪ ልብኹም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሓፈልኩም።  ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና አምላኽ ሰብ አይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። ስለዚ ሰብ አይ አብኡን አዲኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃሃድ። ክልቲኦም ድማ ሓደ አካል ይኾኑ፤ ስለዚ ድማ ሓደ አካል እዮም እምበር ክልተ አይኮኑን። እምበአርከስ ነቲ አምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ አይፍለዮ።” አብ ቤት ከአ ደቂ መዛሙርቱ ብዛ ዕባ እዚ ነገር እዚ ኻል አይ ጊዜ ሓተትዎ። ንሱ ድማ “ እቲ ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ፥ አብ ልዕሊአ ይዝሙ። እታ ሰብ አያ ፈቲሓ ኻሊእ እተእቱ ድማ ትዝሙ” በሎም።

  • ኣስተንትኖ

ሰብኣይን ሰበይትን ንሙሉእ ሕይወቶም ብሕብርትን ሓድነትን ሰሚሮም ሓደ ኮይኖ ንምንባር ዝኣትውዎ ተኽሊላዊ ኪዳን፤ ተኽሊል ንይበሃል። ቅዱስ መጽሓፍ ወዲ ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ ከምዝተፈጥረ ይምህረና።  ስለዚ ንሕና ነፍሲ ወከፍና ብሕይወትና ነቲ ጽባቐን ግርማን እግዚኣብሔር እነጸባርቕ ፍሉያት ፍጥረት ኢና። ስለዚ ቃልኪዳን ካብ ጥንቲ ብእግዚኣብሔር ዝተሰርዐ ቀጺሉ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ዝኣሰሮ ሰብ ኣይፍተሓዮ እንዳበለ ደጊሙ ዓቢ ክብሪ ዝሃቦ ዓቢ ምሥጢር ኢዩ። እቲ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ናብ ፍቕሪ ይጽዋዓና። እዚ ናይ ንፍሲ ወከፍ ሰብ ጸዋዕታ ኢዩ። ሰብ ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ብኣምሳል እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ኢዩ። ስለዚ ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ብምፍጣር ሓደ ኣካል ብምኻን ብሕድሕዳዊ ፍቕሪ ንኽነብሩ ይዕድሞም። እቲ ሕድሕዳዊ ፍቕሮም ከኣ ናይቲ እግዚኣብሔር ንሰብ ዜፍቀረሉ ፍጹምን ዘይቃርጽ ፍቕሪ ኣምሳል ኮይኑ ይርከብ።

እዚ ፍቕሪ እዚ ብእግዚኣብሔር ክባረኽ ንረኽቦ። ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኹዋን እናበለ እግዚአብሔር ንኪዳን ሰብአይን ሰበይትን ይባርኾ። ሰብእይን ሰበይትን እምበር ሓደ ነቲ ሓደ ክመልእ ዝተፈጥሩ እዮም። ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃሃድ – ይነብር። ሓደ ኣካል ድማ ይኾኑ። “ ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን” ብምባል “ካብ ጥንቱ መደብ ፈጣሪ እንታይ ከምዝነበረ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣነጺሩ ይምህረና። ኢየሱስ ኣብቲ መጀመሪያ ስብከቱ ኣብ ቃና ዘገሊላ ተረኺቡ .. ብኣማላድነት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ናይ መጀመሪያ ተኣምራቱ ይፍጽም። ክርስቶስ  ስለምንታይ ኣብዚ መርዓ እዚ ክርከብ ደለየውን ክንብል ንኽእል ኢና። ነቲ ምስጢረ ኪዳን ዓቢ ትርጉም ንምሃብ ኢዩ: ሰናይ ነገር ምኻኑ ንምምስካር ኢዩ

ነቲ ኣብ ጥንታዊ ኪዳን ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ምውህሃድ .. ወይ ሓድነት ብመደብ እግዚኣብሔር  ከምዝተፈጥረ .. መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ .. ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ መጀመርታ ስብከቱ .. ኣብ መርዓ ተርኺቡ ተኣምራቱ ይፍጽም። ኪዳን ብትምህርተ ክርስቶስ፡ ሰበይቲ ንምፍታሕ ብሙሴ ዝተዋህበ ፍቓድ ብሰንኪ ትሪ ሊቢ ደቂ ሰባት ዝተገብረ ሕድገት ደኣምበር: ብሕጊ እግዚኣብሔር ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ሓድነት ፍጺሙ ዘይፍታሕ ምኽኑ ኣትሪሩ ይእውጅ። እዚ መድብ ሓድነት እዚ መደብ እግዚኣብሔር ኢዩ። ስለዚ ማንም ኪፈትሖ ኣይክእልን፣ “ እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍተሓዮ” እንዳበለ ከኣ ትምህርቱ የመሓላልፍ። እዚ ሓዋሪያት ብርቱዕን ዘይከኣልን ትእዛዝ ገሮም እካ እንተሓሰብዎ፡  ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ግና .. ደገፍን ጽላልን ናይ ክርስቶስ ኣይፍለዮን ኢዩ። ሰብ ኪዳን እምበኣር መስቀሎም ክጸሩ .. ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ክደጋገፉ ይግበኦም።

ቅዱስ ጳውሎስ .. ኣቱም ሰብኡት ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስቲያን ምእንቲ ኪቕድሳ ዘፍቀራን: ህይወቱውን ምእንተኣ ዘወፈየ፤ ነንስትኹም ኣፍቅሩወን፣ ቀጺሉውን “ ስለዚ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ሓደ ይከውን: ክሊቲኦም ከኣ ሓደ ኣካል ይኮኑ። እዚ ምስጢርዚ ዓቢይ እዩ፤ ኣነ ግና ብክርስቶስ ብቤተክርስትያንን እምስሎ ኣለኹ እንዳበለ ይናገር። ኪዳን እምበኣር እዚ ትርጉም ሒዙ ይርከብ። ኣምሳል ፍቕሪ ክርስቶስን ቤተክርስቲያኑን ኮይኑ ይርከብ። እቲ ኣብ ክርስቶስን ቤቴክርስቲያኑን ዝነበረ ሓድነትን ፍቕርን ኣብ መንጎ ሰብ ኪዳን እዚ ዓይነት ሓድነትን ፍቕርን ክነግስ ይድለ።

ስለዚ መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ነዚ ክነስተንትን ይዕድመና ፡፡ ብሓቂ እቶም አብ ኪዳን እንነብር ብፍቕሪን፡ ብሓድነትን፡ ብሕብረትን እሙናት ኮይና ብቕድስና ክንጎዓዝ  ይዕድመና አሎ። ከምቲ እኖን ቅድስቲ ድንግል ማሪያም  አብ ቃና ዘገሊላ ተረኺባ መድኅኒናን አምላኽናን ኢየሱስ አብቲ መርዓ ተረኺቡ ክባርኽን ክቅድስን ዓቢ ተአምራት ክገቢርን ዘማለደትን ዝገበረትን፡ ሎሚውን አብ መንጎ ሰብአይን ሰበይትን፡ አብ መንጎ ሰብ ኪዳን ተረኺባ፡  ካብቲ ፍቑር ወዳ ሰላምን ኅብረትን፡ ፍቕሪን፡ ሓድነትን ክተማልደሎም ንጸሊ።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

አስተንትኖ አምላኽ ግንቦት – 22.2018

 

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

  • አስተንትኖ

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ  መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋሪያቱ ብዛዕባ  ሕማማቱን መቱን ትንሥኤኡን ከምዝመሃሮም የዘንትወልና። ሓዋሪያት ግና በዚ ናይ ጎይታናን አምላኽናን  ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከትን ትምህርትን ይስንብዱ። ብዛዕባ መስቀል ክዛረብ እምከሎ  ክርድኦም አይክእልን፡፤ ክቕበልዎን ክርድእዎን የጸግሞ ። ንዓኦም ሓደ መሲሕ አገልጋሊ አኃዋቱ ክኸውን ክትሕት፤ ከገልግል ዝመጽእ አይርደኦምን። ንሳቶም ሓደ መሲሕ ሓያል ይጽበዩ ነበሩ። አብዚ  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ክዛረብ ከሎ ንሳቶም ግና ብዛዕባ ዕብየቶም ይዝትዩን ይካትዑን።  አብ መንገዲ ትካትዑሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ከአ ክርስቶስ ጎይታ ክሃቶም ይርከብ። ንሳቶም ከአ አብ መንገዲ መን ከምዝዓቢ ንሓድሕዶም ይካትዑ ነበሩ እሞ አጽቀጡ።  ኢየሱስ ግና ምስ ተቐመጠ ነቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋሪያቱ ጸዊዑ “ እቲ ሓለቓ ኺከውን ዚደሊ ድኅሪ ኹሉን አገልጋሊ ኹሉን ይኹን” ክብሎም ተረኽበ”።

አብ ክንዲ አዘዝቲ አገልገልቲ ክንከዊን ይእዝዘና። ስለዚ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን አኃትን  እቲ አርአያ  መራሒ ናይ ስልጣን ናይ አገልግሎት  ባዕሉ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ንሱ እቲ ኣእጋር ሓዋሪያቱ ብምሕጻብ ኣርኣያ ዝሓደገልና። “እዚ ዝገበርኩልኩምሲ አስተውዒልኩምዎዶ አለኹም፧ንስካትኩም ‘መምህር! ጎይታ! ኢልኩም ትጽውዑኒ፤ ከምኡ ስለዝኾንኩ  ኸአ ጽቡቕ በልኩም። አነ ጎይታን መምህርን ከሎኹ አእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ ንስኻትኩምውን ከምኡ አእጋር ሓድሓድኩም ክትሓጽቡ ይግበአኩም ኢዩ። ከምቲ አነ ንአኻትኩም ዝገበርኩዎ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ አርአያ ሂበኩም አሎኹ”። ዮሓ፣፩፫ እቲ ብሓቂ አብ መንፈሳዊነት መርሒነት ዘሎ ሓው ሓፍቲ መሪሒነቱ አብዚ ቃል መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መሰረት ዝገበረ ክኸውን አለዎ። ሕያዋይ ጋሳ ምእንቲ ኣባጊዑ ሕይወቱ ዘሕልፍ። መራሒ ቤተክርስቲያን አገልጋሊ ቤተክርስቲያን ነፍሲ ወከፍ ተኸታሊ ክርስቶስ ነጸብራቅ እቲ ትሑት አገልጋሊ አምላኽ ክኸው ይግበኦ። እዚ  ክንብል ከለና፤ እቲ አብ ክርስቶስ ዝነበረ ሕይወት ክለብስ አለዎ ማለትና ኢዩ። ንሱ ንጉሰ ነገስታት እካ እንተነበረ ነዚ ገዲፉ ትሕት ክብል መሪጹ፤ አረካ ደአ ከምቲ ቁዱስ መጽሓፍ ዝብሎ ስጋብ ሞት ትሕት በለ ተአዘዘ።

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ተኸተልቱ እንክምህሮም፥ መሪሕነት ወይ ስልጣን ንገዛእ ርእስኻ ንምግልጋል ዘይኮነ ምእንቲ ካልኦት አሕዋት  እትገብሮ አገልግሎት ወይ ወፈያ ምኻኑ ግልጺ ገሩ ይምህሮም። እቲ ካባኽትኩም ሓለቃ ኺኸውን ዝደሊ ልኡኽኩም ይኹን። ከመይ ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኪህብን እምበር ኬገልግልዎ ኢሉ አይመጸን” በሎም። ማቴ.20:20-28; ዮሓ.13:1-16 አብ ኩሉ አገልግሎቱ አብ ሓደ አጋጣሚ ጥራይ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋሪያቱ ነቲ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ነገራት ክገብሩ ከምዘለዎም ከምዝተጸውዑን ይሕብሮም። እዚ ከአ አብቲ ንሓዋሪያት ብትሕትና አእጋሮም አብ ዝሓጸበሉ ግዜ ነበረ። “ አእጋሮም ምስ ሓጸቦም ክዳውንቱ ተኸዲኑ ከም ብሓድሽ ተቐመጠ፤ ከምዚ ከአ በሎም፦ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ አስተውዒልኩምዎዶ አሎኹም፧ ንስኻትኩም መምህር! ጎይታ ኢልኩም ትጽውዑኒ፡ ከምኡ ስለዝኾንኩ ኸአ ጽቡቕ በልኩም። አነ ጎይታን መምህርን ከሎኹ አእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ ንስኻትኩምውን ከምኡ አእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግበአኩም እዩ። ከምቲ አነ ንአኻትኩም ዝገበርክዎ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ አርአያ ሂበኩም አሎኹ”። ዮሓ. 13:15

ጽልጣን ንምድያብን ንምዕብላልን ዘይኮነስ ትሕት ንኽንብልን ታሕቲ ክንወርድን  ክሕግዘና ወይ ክገብረና አለዎ።  ነዚ ዓይነት ሕይወት ክምህር ኢዩ ክርስቶስ ጎይታና ናብዚ ዓለም እዚ ዝመጸ ስጋና ብምልባስ ከማና ሰብ ዝኾነ። ። ምኽኒያቱ ኸአ ወዲ ሰብ ኬገልግልን ሕይወቱ በጃ ብዙኃት ኪህብን እምበር ኬገልግልዎ አይመጸን” በሎም። እቲ ንላዕሊ ክድይብ ጥራይ ዝሓስብ ነቶም ናአሽቱ አቃልቦ አይገብረሎምን። ነዚ ክርስቶስ ግና ይቃወሞ፡ ርስቶስ ሓደ ቆልዓ  ወሲዱ ድማ አብ ማእከሎም አቖሞ፥ ሓቒፉ ኸአ፦ “ ካብዞም ከምዚአቶም ዝበሉ ቖልዑ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንአይ እዩ ዚቕበል፥ እቲ ንአይ ዚቕበል ከአ ነቲ ዝለ አኸኒ እዩ እምበር ንአይ አይኮነን ዚቕበል” በሎም።  ዝለዚ ብስም ክርስቶስ ነቶም ነአሽቱን ጽጉማትን ዝቅበል ንኽርስቶስ ጎይታኡ ይቕበል። ካብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ተበጊስና እምበአር ንሕና ከም አምነቲ ክርስቶስ ሓዋሪያት ክርስትሶ ን አገልግሎት ዝተጸዋ ዕና ፍጡራቱ ኢና፡:

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

4ይ. ክፋል – እግዜብሔር እቲ ከኣሌ – ኩሉ

አብቲ ዝሓለፈ ትምህርትና እግዚአብሔር አቦ ምኻኑ ርኢና ነርና፡ ሎሚ ከአ ከም መቀጸልታ እግዚአብሔር ኩሉ ዝኽእል ምካኑ ክነስተትን ንዕደም።

እግዚኣብሔር እምበአር ከሃሌ ኩሉ ማለት ኩሉ ዝኽእል ማለት ኢዩ። እንካብ ኩሉ ንመሎኮት ዚወሃብ ቅጽላት ነቲ ልዑል አምላኽ ዝወሃብ መግለጺ ኣብ ጸሎት ሃይማኖት ተጠቒሱ ዘሎ፤ እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣሌ ኩሉነት እዩ። “እግዚአብሔር ዓቢይ ምኻኑ፥ አብ ልዕሊ ኹሎም አምላኽቲ ኸአ ጎይታ ምካኑ እፈልጥ እየ። ንሱ አብ ሰማይን ምድርን፥ አብ ባሕርን መዓሙቕን ዝደለዮ ዘበለ ዚገብር እዩ። መዝ.133:5-6

ነዚ ናይ ኣምላኽ ክእለት ምእማን፤ ኣብ ሕወትና ፍሉይ ጽልዋ ዘለዎ እዩ። ክእለቱ ንኹሉ ዘጠቓልል እዩ፤ ምኽንያቱ ከኣ እቲ ንኹሉ ነገር ይኹን እንዳበለ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር፤ ንኹሉ ዝመርሕን ንኹሉ ዝፍጽምን ንሱ ባዕሉ እዩ። አምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። መንፈስ አምላኽ ድማ አብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነበረ። ሽዑ አምላኽ “ብርሃን ይኹን በለ። ብርሃን ድማ ኾነ። ዘፍ. አብ ዘፍ.ምዕራፍ ሓደ ዘሎ ክነንብብንኽእል። እግዚኣብሔር ኣቦና ብምኻኑ፤ ምሥጢራዊ እውን ስለዝኾነ ብእምነት ጥራሕ እዩ ኪረኣን ኪልለን ዚከኣል። “እምበአር እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥ እቲ ዝስማዕውን ቃል ክርስቶስ ኢዩ” ሮሜ.10:17 ወዲ ሰብ ናብ እምነት ንኽትመርሖ፡ ነቲ ልዑል አምላኹ ንኽፈልጦ፤ እሞ ኣብቲ ምስጢረ ድኅነት ኣምላኽ ንኽሳተፍ – እቲ መሳርሒ ስብከተ ወንጌል ኢዩ።

እዚ ስበከት እዚ ከአ ቃል ክርስቶስ ኢዩ። ከምቲ ጳውሎስ ዝብለና፡ እቲ ዝስማዕውን ቃል ክርስቶስ ኢዩ”:: ትርጉም እምነት እምበኣር ኣብ ህልውና እግዚኣብሔር ምንባርን፡ ነቲ ምስጢራውን ኅቡ እን ዝኾነ ህልውናኡ፡ አብ ቤተክርስቲያንን አብ ሕይወት እዚ ዓለምን፡ ከም ዝዝርጋሕን ከምዝሰርጽን ምግባር ኢዩ። ነቲ እግዚአብሔር ብኢየሱስ ወዱ ገይሩ ዚገለጸልና ሓቂ ፈቲካ ምቅባሉን ብአኡ ሕይወትካ ምምራሕን ማለት ኢዩ።  በዚ ኢዩ ኸኣ ዕብየት እግዚኣብሄር ኣብ ሕይወትና ዝግለጽ። ዝደልዮ ኹሉ ዚገብር ኣምላኽ ክእለት እግዚኣብሔር ንኹሉ ዘጠቓልል ምኻኑ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተደጋጊሙ ይግለጽ። ናይ ያዕቆብ ኃያል፤ “ጎይታ ሠራዊት” “ኃያልን በዓል ክእለትን” ብዚብል ይጽዋዕ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣሌ-ኩሉ ኢዩ። እቲ ናቱ ኣባትነትን ሓይሉን ከኣል-ኩሉ ነንሕድሕዱ ዚበራራህ ኢዩ። ንሱ ኢቲ ናቱ ኣብ ምኽኑ፣ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምኻኑ  በቲ ንሱ ኣብቲ መዓልታዊ ሕይወትና ዘርእዮ ሓሊዮት ኢዩ ዝግለጽ።

ንሱ ኣባና ዘለዎ ሓልዮት መወዳእታ የብሉን። እቲ አባታዊ ክእለቱ ብመንገዲ እቲ አባና ዘዘርእዮ ሓልዮትን ፍቕርን ይግለጽ « አቦ ክኾነኩም እየ። ንስኻትኩምውን አወዳትን አዋልድን ክትኮኑኒ ኢኹም ይብል እቲ ኹሉ ዚኽእል እግዚአብሔር።” 2ቆር.6:18 በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ንወዲ ሰብ ኃጥአት ብምሕዳግ እቲ ዝለዓለ ከኣሌ-ኩሉ ምኻኑ የርኢ። ስለዚ አብዚ ምድራዊ ጉዑዞና ንሕና ኢና ደቂ እቲ ልዑል አምላኽና ክንከዊን ክንውስን ዘለና።  ንሱ ድሮ “አቦ ክኾነኩም እየ” ብምባል ፍቕሩን አባትነቱ ሓይሉን ገሊጹልና ኢዩ። ንሕና ብወገና ከም አቦ ክንቅበሎ፡ ከም ደቂ አምላኽ ክንሰርሕ ክንመላለስን ይግበአና። እዚ ምስ እንገብር እግዚአብሔር ብወገኑ አብ ኩሉ ጉዑዞና አቦ ክኾነና ኢዩ: ጽላሉ አይክፍለየናን ኢዩ: ኩሉ ግዜ አብ ጎድንና እንዳ ተጋዕዘ ካብ ኩሉ ፈተና ሸይጣን ክሕልወና፡ናብቲ ሓቅን ቅኑዑን መገዲ ክመርሓና ኢዩ።  ልዕሊ ኹሉ ግና ከፍቅረና ኢዩ።  አብቲ እንወድቀሉ ግዜውን እንተኾነ መሓሪ አቦ፤ መድኅን ዝለዝኾነ ምሕረቱ ክህበና ኢዩ። ጥራይ ንሕና አብቲ ምሕረቱን ሓይሉን ክእለቱን አሚና  ንቕረቦ እምበር።

“ኦ እግዚአብሔር ኹሉ እትኽእል እግዚአብሔር አምላኽ እስራኤል! አዚና ስለ ዝጎሃና ዝተሓለልናን፥ ናባኻ ንእዊ አሎና። ኦ ጎይታ! ስምዓና፥ በዲልናካ ኢና እሞ ምሓረና”። ባሮክ.3:1-2

ኢዮብ ነዚ ከኣሌ-ኩሉነት ናይ እግዚኣብሔር ኣብ እንክገልጽ፥ “ኩሉ ከም እትኽእልን፤ ነቲ ዝመደብካዮ ኻብ ምግባር ዚኽልክለካ ኸም ዘይልቦን ሕጂ ፈለጥኩ” ይብል። ኢዮ 42:2

እግዚኣብሔር “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከኣል ኩሉ ኮይኑ ዝተረኽበ: ፈጣሪኡ ገባሪኡ ስለ ዝኾነ እዩ። ንኹሉ ስርሓቱ ከም ፍቓዱ ገቢሩ ንዘዋድድ እግዚኣብሔር ዚሰኣኖ ነገር ክህሉ አይክ እልን።  ኣብ መዝ.115:3 ኣንተረኣናውን፥ ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት ኣሎ፥ ንሱ ዝደለዮ ኹሉ ዚገብር ኣምላኽ እዩ። ይብል። ንሱ ጎይታ ዓለም እዩ። ብትእዛዛቱ ንኹሉ ይሠርዕ፤ ኩሉ ነገር ከኣ ኣብ ትሕቲኡ፤ ነኣኡ ተኣዚዙን ይኸይድ። ንልብታት ዝገዝእ፤ ንኹነታት ምስ ፍቓዱ ዘሰማምዕ ኣምላኽ፤ ንሱ ናይ ታርኽ ጎይታ እዩ። ነቲ ዓቢይ ኃይልኻ: ኣብ ዝኾነ ግዜ ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ፤ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኪብል ዚኽእል ድማ ሓደካ የልቦን።

እግዚኣብሔር ከም ሓደ ሓያልን ብርቱዕን ተገሊጹ ዝርከብ። እዚ ዓቢ ንጉስ እዚ መን እዩ፤ ንሱ እቲ ብርቱዕ ኃያልን እግዚኣብሔር፥ እቲ ኣብ ውግእ ዚስዕር እግዚኣብሔር እዩ። እቲ ዓቢይ ንጉሥ ኪኣቱ እዩሞ፥ ኣቱም ደጌታት ጋህ በሉ፥ ኣቱም ናይ ጥንቲ ደጌታት ተኸፈቱ። እዚ ዓቢይ ንጉሥ እዚ መን እዩ፤ እግዚኣብሔር ጎይታ ሠራዊት፥ እቲ ዓቢይ ንጉሥ እዩ። መዝ. 24:8-10

ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ የልቦን። ሉቃ 1:37። ኢቲ ናቱ ሓይሊ ንኹሉ እዩ። ምሥጢራዊ እዩ። ኣብቲ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ንወድሰብ ካብ ዘየሎ ዝፈጠሮን እንታይነቱ ተገሊጹ ይርከብ። ልዕሊ ኩሉ ግና ኣብቲ ስጋ ዝለበሰሉን ኣብ ትንሥሳኤ ወዱን – ኣብቲ ንነብሲ ወከፍ ሰብ ናይ ውልድነት መሰል ብምሃቡን ምሕረት ብምሃቡን እንታይነት ናይ እግዚኣብሔርን ክእለቱን ንርኢ። እቲ ናቱ ኣባትነትን ሓይልን ብኸመይ ተገሊጹ ንረኽቦ እንተበልና — ኣብቲ ሓሊዮቱን ፍቕሩን እዩ። “እንታይ ክንሰቲ ኢና፤ እንታይ ክንክደን ኢና: ኢልኩም ኣይትጨንቑ። ነዚ ኹሉስ ኣሕዛብውን ይደልይው ኢዮም እሞ፥ ንኣኻትኩም እዚ ኹሉ ከም ዘድሊየኩም፥ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ” እዩ እንዳበለውን ባዕሉ ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ይምስክር። ማቴ 6:32

እግዚኣብሔር ከኣሌ ኩሉ-ኣቦ እዩ። ንኣድላይነትና ብኸመይ ከምዝሓሊየልና ኣብ ዘርእየሉ ኩሉ፤ እግዚኣብሔር ኣባታዊ ከኣሊ-ኩልነቱ ይገልጽ። በቲ ንሱ ዝሃበና ናይ ውልድነት መሰል “ኣነ ኣቦ ክኾኖኩም እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ውሉድን ኣውልድን ክትኮኑኒ ኢኹም፤ ይብል እቲ ከኣሊ ኩሉ” 2ቆሮ 6:18. ማቴ 6:32 ከምኡውን በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ክእለቱ ይገልጽ፤ ምኽንያቱ ኸኣ ነዚ ክእለቱ ወይ ከኣሌኩሉነቱ ብዝለዓለ መንገዲ ዚገልጾ፤ ኣብቲ ናይ ኅጢኣት መወዳእታን መወዳድርትን ዘይብሉ ምሕረቱ ብምግባር ንወዲሰብ ብምምሓር ክእለቱን ከኣሌ-ኩልነቱን ይገልጽ።

ንወዲ ሰብ ነቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ምስ ጸጥፍእ እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ እንደገና ጸጋ የልብሶ።  በዚ ኸኣ ከኣሌ ኩሉ ምኻኑ ይገልጽ። ብኻሊእ ኣምላኽ — ብናይ ክርስቶስ ትንሣኤን ክብርን ገቢሩ ኸኣ: እግዚኣብሔር-ኣቦ ነኣና ነቶም እነኣምን፤ ኪስፈር ዘይከኣል ዕቤት ክእለቱ ኣርእዩና። “ኣባና ኣብቶም እነ ኣምነ ከኣ፡ እቲ ኺግመት ዘይከኣል ዕቤት ሃይሉ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እጽሊ ኣሎኹ። እዚ ኣባና ዚሥርሕ ዘሎ ሓይሉ ኸኣ፡ እቲ ንኽርስቶስ ካብ ምውታት ዘተንሥአሉን አብ ሰማያት አብ የማኑ ዘቐመጠሉን ኃይሉ እዩ” ። ኤፌ.1:19-22

ናይ ኣምላኽ ከሃሌኩሉ ሥልጣኑ: ምሥጢራዊ መንገድታት ክንርድኦ እንኽእል ብእምነት ጥራሕ እዩ። እዚ እምነትእዚ ድማ: ንኃይሊ ክርስቶስ ናብኡ ምእንቲ ክንስዕብ: በቲ ድኻሙ ዚምኻሕ እምነት እዩ። ንሱ ኸኣ ኅይለይ ኣብ ድኻም እዩ ዚግለጽ እሞ፥ ጸጋይ ይኣኽለካ በለኒ። ስለዚ ኃይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጋስ ብድካመይ ክምካሕ እየ። እምበኣርከስ ምስ ዝደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብጸርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብጸበባ እሕጎስ ኣሎኹ።2ቆሮ 12:9 መጠን ንሕና ድኹማት ምኻን ዝኣመና መጠኑ ክብሪ ኣምላኽ፡ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ኣባና ይ ዓዝዝ። ከምቲ ስራክ ኣብ 3:18 ዝጸሓፎ “እግዚኣብሔር ጸጋኡ ምእንቲ ክህበካ፡ ብዝዓበካዮ መጠን፡ ትሑት ኹን” ኣብ ትሕትና ፍሪሃ እግዚኣብሔር ኣሎ። ኣብኡ ፍቕሪ ኣሎ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ዝተኣዘዝክምዎ ኹሉ ምስ ገበርኩም፡“ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግበኣና ኢና ዝገበርና በሉ”። ሉቃ.17:10

እግዚኣብሔር ንነፍስና ንምድሓን ንገዛእ ልዕልናኡ ሸለል ከምዝበለ፡ በዚ ኸኣ ዕብየቱን ሓይሉን  ዝገለጸ፡ ንሕናውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብትሕትናና ወይ ትሕት  ብምባል  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ልዕል ክንብል ኢና። ድንግል ማርያም ከኣ ከምዚ ናይ ዝበለ እምነት ዝለዓለ ኣብነትን ኣርኣያን እያ፤ ከመይሲ ንሳ፡ “ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ከምዘየለ ዝኣመነት፤ ከምኡውን እቲ ኩሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገቢሩለይ እዩ፤ ስሙ ቕዱስ እዩ” ብምባል ንኣምላኽ ዘዕበየት ብጽዕቲ ኣደ እያ። ሉቃ.1:37፤47

ዝኸበርኩም አኅዋት አኅትን  እዚ ወርሒ ግምቦት ንማሪያም ዝተወፈየ ወርሒ ከምኻኑ –   ናይ ማሪያም አብነት ነዚ ሎሚ እነስተንትኖ ዘለና ትምህርተ ቤተክርስቲያን ንኽንርዳእ ሃጋዚ ኢዩ። “እቲ ኩሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገቢሩለይ እዩ እሞ፤ ስሙ ቕዱስ እዩ” እናበለት አብ ሕይወታ “እግዜብሔር እቲ ከኣሌ – ኩሉ ምኻኑ ብእምነታ  ዝገለጸትን ዝመስከረትን   አደና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም አብነታ ተኸቲልና ብአማልድነታ ሕጂውን ዕብየት እግዚአብሔር አብ ነፍሲ ወከፍና ንኽግለጽ ወትሩ ክንጽሊ ይግበአና። ንሳ ገብርኤል መልአኽ ናብአ መጺኡ ወዲ ከም እትወልድ ምስ አበሰራ ከይተጠራጠረት ንሓይልን ክእለትን እግዚአብሔር አመነት። “ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” ብምባል ንፍቃድ እግዚአብሔር ተቐበለቶ።

ቅዱስ ኢረንዩስ: ተኣዛዚት ብምኻና ንርእሳን ንመላዕ ዓሌት-ሰብን ምኽንያት ድሕነት ኮነት። ቅ. አጎስጢኖስ፡“እግዚአብሔር ብባሕሪኡ ኩሉ ይኽእል፡ ድንግል ማሪያም ከዓ ብጸጋ ኩሉ ትኽእል እያ፥ ጸጋአ ድማ ወዳ እዩ፡ ወዳ ድማ ናታ እዩ፡” ይብል።  ንማሪያም እዚ ኹሉ ቅድስና ክትለብስ ዝኸኣለት ኣብቲ መለኮታዊ ጸዋዕታ ኣምላኽ – ሓይሊ ኣምላኽ ስለዝኣመንት እዩ: እቲ ካልኣይ ድማ ትሕትናኣ ኢዩ፡ ነቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝመጻ ጸዋዕታ ብትሑት መንፈስ ፍቃድካ ይኹን ስለዝበለት ኢዩ::  ስለዚ እምበኣር እግዚኣብሔር ኣቦ — መሓሪ ኣቦ እቲ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ዘደንቕ ነገራት ዝገበረ: ሎሚ ምስ ማሪያም ኮይና ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ የሎን እንዳበና ኣብ ጥበቡን ሓይሉን ፍቕሩን ምህረቱን ክንኣምን ሎሚ ንዕደም።

እግዚኣብሔር ይሓግዘና! ኣሜን

Abba Hagos Tesfagabir

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ግንቦት – 17.2018

 

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ዮሓ.17:20-26

‘ምእንቲ እቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር ምእንቲ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኮንኩን ዝልምን ዘለኹ። ኦ ኣቦ! ንስኻ ከም ዝለኣክካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትኣምንሲ፥ ኩላቶም ሓደ ምእንቲ ኺኮኑ፥ ከምቲ ንስኻ አባይ ዘሎኻ አነውን አባኻ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም አባና ም እንቲ ኺኾኑ፥ እልምን አሎኹ።  ንሕና  ሓደ ኸም ዝኾንና ንሳቶምውን ሓደ ምእንቲ ኺኾኑ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም። እዚ ድማ ኸምቲ አነ አብአቶም ንስኻውን አባይ ዝኾንካ፥ ንሳቶምውን ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኪኾኑ፥ ከሙኡ ድማ ንአይ ከምዝለአኽካኒ፥ በቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪውን ንአአቶም ከም ዘፍቀርካዮም ዓለም ምእንቲ ክትፈልጥ እዩ። ኦ ኣቦ፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ስለ ዘፍቀርካኒ፥ እዞም ዝሃብካኒ ኸአ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኺርእዩ፥ አብቲ አነ ዘለኽዎ ንሳቶምውን አብኡ ኺህልዉ እደሊ አሎኹ።  ኦ ጻድቕ አቦ! ዓለም አይፈለጠትካን፥ አነ ግና ፈሊጠካ አሎኹ። እዚአቶምውን ንስኻ ኸም ዝለአኻኽካኒ ፈሊጦም አለዉ። እታ ንአይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ አብአቶም ምእንቲ ኽትህሉ፥ አነውን አብ አቶም ምእንቲ ኽነብር፥ ስምካ አፍሊጠዮም አሎኹ፥ ከፍልጦምውን ኢየ።

  • ኣስተንትኖ

ናይ ሎሚ መዓልቲ ቃል ኣምላኽ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን   ክህነታዊ ጸሎቱ ናብቲ ሰማያዊ ኣቡኡ የቕርብ። አብዚ ክርስቶስ ንመጻኢ ይጥምት። እቲ ናይ ሕብረት  ዘለዎ  ድልየትን ሃረርትና ይገልጽ።  ሕብረት አብ መንጎ ኩሎም አመንቲ፡ አብ መንጎ ሓዋሪያቱ፡ ሕብረት አብ መንጎ ቤተክርስቲያኑ። ሕብረት አብ መንጎ ነፍሲ ወከፍና። ኩላቶም ሓደ ምእንቲ ኺኮኑ፥ ከምቲ ንስኻ አባይ ዘሎኻ አነውን አባኻ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም አባና ምእንቲ ኺኾኑ፥ እልምን አሎኹ።

ክርስቶስ ጎይታና አብ ጸሎት ይጽመድ ‘ምእንቲ እቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር ምእንቲ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኮንኩን ዝልምን ዘለኹ። ኦ ኣቦ! ንስኻ ከም ዝለኣክካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትኣምንሲ፥ ኩላቶም ሓደ ምእንቲ ኺኮኑ፥ ከምቲ ንስኻ አባይ ዘሎኻ አነውን አባኻ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም አባና ምእንቲ ኺኾኑ፥ እልምን አሎኹ።  አብዚ  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ አብ  ማሕበር አመንቲ ክህሉ ዘለዎ ሕብረት ሻቕሎቱ ይገልጽ። አብዚ ሕብረት ማለት አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ሓድነት ማለት ኢዩ። ፍቕሪ ጥራይ ኢዩ ንማሕበር አመንቲ አብ ሓደ መአዲ ክጥርንፎም ዝኽእል። ከምቲ ንስኻ አባይ ዘሎኻ አነውን አባኻ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም አባና ምእንቲ ኺኾኑ፥ እልምን አሎኹ። እቲ አብ እግዚአብሔር አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝነበረ ሕብረት እምበአር ንዓና  አብነትና ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ነቲ ሕብረት ኢቲ ኢና ክንስ ዕብ ኸአ  ንጽዋዕ። በዚ ጥራይ ኢና ከአ ከምቲ እግዚአብሔር አቦ አብ ክርስቶስ፤ ክርስቶስ ከአ አብ እግዚአብሔር ዝነበረ ንሕና ነፍሲ ወከፍና አብአቶም ክንህሉ ንኽእል። ንሕና ማሕበር አመንቲ በቲ አብ መንጎና ዘሎ ሕብረትን ፍቕርን ከአ እቲ ዓሚቕ ሓቀኛ መል እኽቲ ክርስቶስ ክነመሓላልፍ ንኽእል። አብ ፍቕርን ሕብረትን መሰረት ዘይገበረ እምነት ወይ ማሕበር አመንቲ ግና ፍረ የብሉን። ኩሉ ግዜ ከአ ንጸጋም ገጹ ይጎዓዝ።  አብ ሕብረት ዘይአምን ዝኾነ ምንቅስቓስ ይኹን ማሕበር ከአ ወላእካ ናይ ክርስቶስ ኢየ፤ ኢና እንተተባህለ ናይ ክርስቶስ ወይ ንኽርስቶስ ዘምልኽ ክኸውን አይክእልን። እንታይ ደአ ብስም ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ዘምልኽ ምንቅስቃስ ወይ ማሕበር ኮይኑ ይተርፍ።

ኦ ኣቦ፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ስለ ዘፍቀርካኒ፥ እዞም ዝሃብካኒ ኸአ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኺርእዩ፥ አብቲ አነ ዘለኽዎ ንሳቶምውን አብኡ ኺህልዉ እደሊ አሎኹ። ክርስቶስ ፍቕሪ ኢዩ፡ ክርስቶስ ንበይኑ ክኸውን አይደሊን፡ኦ አቦይ! አብቲ አነ ዘለኽዎ ንሳቶምውን አብኡ ኺህልዉ እደሊ አሎኹ” እናበለ አብቲ ንሱ ዘለዎ ቦታ ብምህላው ክብሪ አምላኽ ክርእዩን ከስተንትኑን ይልምን። ክርስቶስ ምስ እግዚአብሔር አብ ዘለዎ ተመክሮ ሓዋሪያትውን  እዚ ተመክሮ ክገብሩ ይደሊ። ንሱ ንሕና ነፍሲ ወከፍና ን እግዚአብሔር አብ ክንፈልጦ ይደሊ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ምፍላጥ ክንብል ከለና ንሕና ነፍሲ ወከፍና ምስ ነፍሲ ወከፍ አኃዋትናን አኃትናን ብፍቕሪ ብምንባር ህላዌ አምላኽ አብ ሕይወትና እነስተማቕረሉ ወይ ተመክሮ እንገብረሉ ኢዩ። ፍቕሪን ሕብረትን እምበአር ሓደ ምልክት ናይ ሕላዌ አምላኽ አብ መንጎ ማሕበር አምነቲ ። እዚ ዘይብላ ማሕበር አመንቲ ሕላዌ አምላኽ ክህልዋ አይክእልን። ብመንፈስ አምላኽ ትምራሕ አላ ክንብልውን አይንኽእልን፡ “ነሕድሕድኩም ፍቕሪ እንተ አላትኩም በዚ ደቂ መዛሙርተይ ምኽንኩም ኩሉ ኪፈልጥ እዩ” ዮሓ13፡34-35

ኦ ጻድቕ አቦ! ዓለም አይፈለጠትካን፥ አነ ግና ፈሊጠካ አሎኹ። እዚአቶምውን ንስኻ ኸም ዝለአኻኽካኒ ፈሊጦም አለዉ። እታ ንአይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ አብአቶም ምእንቲ ኽትህሉ፥ አነውን አብ አቶም ምእንቲ ኽነብር፥ ስምካ አፍሊጠዮም አሎኹ፥ ከፍልጦምውን ኢየ።አብዚ ናይ መጨረሽታ ጸሎት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድስና አምላኽ ንሱን ሓዋሪያቱ ከምዝፈለጥዎ፤  ዓለም  ግና  ነቲ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ስለዝነጸገቶ ንእግዚአብሔር አምላኽ ክትፈልጦ ክትፈልጦ አይከአለትን። ስለዚ ሎሚውን እግዚአብሔር አምላኽና አብዚ ምድራዊ ሕይወትና ብሕብረትን ሓድነትን ፍቅሪን ክንጎዓዝ ይዕድመና’ሞ እግዚአብሔር ብአማላድነት እኖን ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ይሓግዘና።

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

አስተንትኖ ቃል አምላኽግንቦት -16.2018

 

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ዮሓ.17:11-19

ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን ኢየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፥ አነውን ናባኻ እመጽእ አለኹ። ኦ ቕዱስ አቦ! ነቶም ዝሃብካኒ ኸማና ሓደ ምእንቲ ኽኮኑ  ብስምካ ሓልዎም። ኣነ ምስኣታቶም ከለኹ በቲ ዝሃብካኒ ስምካ ሓሎኹዎም፥ ከምኡውን ተኸናኸንክዎም፥ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም ብዘይካ እቲ ወዲ ጥፍአት ካብአቶም ሓደ እካ ዝጠፍአ የልቦን። ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ አሎኹ፥ ሓጎሰይ አብአቶም ምእንቲ ኪፍጸም ድማ እዚ አብ ዓለም እዛረብ አሎኹ።

አነ ቓልካ ሃብክዎም፥ ከምቲ አነ ናይ ዓለም ዘይኮንኩ ንሳቶምውን ናይ ዓለም አይኮኑን እሞ፥ ዓለም ጸልአቶም፡፤ ካፍቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር ካብ ዓለም ክትወስዶም አይኮንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ አነ ናይ ዓለም ዘይኮንኩ ንሳቶምውን ናይ ዓለም አይኮኑን። በቲ ሓቂ ቐድሶም፥ ቃልካ ሓቂ እዩ። ከምቲ ንዓይ ናብ ዓለም ዝለአኽካኒ ከም ኡውን አነ ናብ ዓለም ለአኽክዎም፡፤ ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱ አነ ንርእሰይ ም እንትኦም እቕድስ አሎኹ፡:

  • አስተንትኖ

ኦ ቕዱስ አቦ! ነቶም ዝሃብካኒ ኸማና ሓደ ምእንቲ ኽኮኑ ብስምካ ሓልዎም። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋሪያቱ ተኸተልቱ ማሕበር አመንቲ ብሓድነት ክጋዓዙ ካብ እግዚአብሔር አብኡ ክጽልየሎ ይርከብ። በዚ ከአ ነቲ ናይ ዓለም ስደትን መከረና ም እንቲ ክጻወርዎ፡ምኽኒያቱ አብቲ ሕብረት ዘለዎ ክርስቶስ አብኡ አሎ፡  ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ አሎኹ፥ ሓጎሰይ አብአቶም ምእንቲ ኪፍጸም ድማ እዚ አብ ዓለም እዛረብ አሎኹ። ክርስቶስ ንሃዋሪያቱ ናይ ምፋናው ቃል  የስምዖም።። ድሕሪ ቁሩብ ናብቲ ሰማያዊ አብኡ ክኸይድ ኢዩ። ሓዋሪያት ግና ጉዑዞኦም አብ ዓለም ክቕጽል ኢዩ። መከራ ስደትውን ክረኽቦም ኢዩ። ስለዚ ኸአ ይሓዝኑ። ክርስቶስ ጎይታና ግና ሓጎሶም ምሉእ ክኸውን ይደሊ። አነ ቓልካ ሃብክዎም፥ ከምቲ አነ ናይ ዓለም ዘይኮንኩ ንሳቶምውን ናይ ዓለም አይኮኑን እሞ፥ ዓለም ጸልአቶም። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ዓለም ክብል ከሎ ብዙሕ ትርጉም ክህቦ ይርከብ። መጀመርታ ንሙሉእ ፍጥረት የመልክት። አብ ዘፍ፡፩ እግዚአብሔር ሰማይን ምድርን ፈጠረ…ማለት መድኃኒና ኣኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ናይ ሎሚ ቃል ኣምላኽ “ ካፍቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር ካብ ዓለም ክትወስዶም አይኮንኩን ዝልምን ዘሎኹ”። እግዚአብሔር አምላኽ ንዓለም ሱቡቕን ሰናይን ጌሩ ኢዩ ፈጢሩዎ። ዓለም ሓጢአት አይኮነትን ምኽኒያቱ በእዳው እቲ ልዑል አምላኽ ስለዝተፈጥረትን ወይ ስለዝተገብረትን። አምላኽ ሰማይ ምድርን – ጠፈርን -ማያትን ምስ ፈጠረ ጽቡቕ ከምዝኾነ ረአየ ይብለና አብ ዘፍጥረት። ደቂ ሰባት ግና ነዛ ዓለምና ብተግባራትና አብ እምነትና ጎደሎታት ኮይና ብምርክብና ሕማቅ ገበርናያ።

ብኻኢእ መዳይ ዓለም ክብል ከሎ ነቲ ነገራት ናይዚ ምድሪ’ዚ የመልክት። “ንሰብከ ኹሉ ዓለም ረቢሑስ ነፍሱ እንተ አጥፈአ እንታይ ይጠቕሞ፧ ነቲ ሓላፊ ነገራት፡ ገዲፍናዮ እንሓልፍ፡ አብ ሕይወትና ንዑኡ ከይነቕድም ቅድም መንግስተ አምላኽን ጽድቑን ክንደሊ ከምዘለና የረድ አና። አብ መወዳእታ ዓለም ክንብል ከለና፡ ነቲ ኩሉ አንጻር አምላኽ ዝኸይድውን የመልክት። ነቶም ንኽርስቶስን ንተኸተልቱን  ዝቃወሙ። “አብ ዓለምውን ነበረ፥ ዓለም ከአ ብእኡ ተፈጥረት፥ ዓለም ግና አይፈለጠቶን፡፤ ናብቶም ናቱ መጸ እቶም ናቱ ግና አይተቐበልዎን”፡: ዮሓ.1:10-11  አብዚ እምበአር ዓለም ሓጢአት ኮይኑ ይቐርብ ምኽኒያቱ ነቲ ወዲ አምላኽ ክቃወም ስለዝተረኽበ።

በቲ ሓቂ ቐድሶም፥ ቃልካ ሓቂ እዩ። ከምቲ ንዓይ ናብ ዓለም ዝለአኽካኒ ከምኡውን አነ ናብ ዓለም ለአኽክዎም፡፤ ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱ አነ ንርእሰይ ምእንትኦም እቕድስ አሎኹ፡: ማለት ምሉእ ሕይወቶም አብቲ ጸዋዕተኦም አገልግሎቶም ምስክርነቶም ውፉያት ንኽኾኑ ይጽሊ፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብቲ ምድራዊ ሕይወቱ ነቲ ሰማያዊ አብኡ ብምግላጽ ዝተቐደሰ። ንሓዋሪያቱውን እዚ ናቱ መንገዲን አሰርን ብምኽታል ንኽቅደሱ ይዕድሞም። እቲ ተልእኾኦም ተልእኾ ክርስቶስ ኢዩ ነሩ። ንሳቶም ከአ አብ ተልእኾኦም  አብ ፍቅሪ ብምንባር ንኽርስቶስን ንእግዚአብሔር አቦን ብዝገላጽ ይቕደሱ ።

ስለዚ ክርስቶስ ምእንቲ ቅድስና ሓዋሪያቱ ክጽሊ ይርከብ። እግዚአብሔር ጥራይ ኢዩ እቲ ፍጹም ቅዱስ፡፤ ንሕና ደቂ ሰባት ከአ አብቲ ናይ እግዚአብሔር አምላኽና ቅድስና ንሳተፍ። ቅድስና ሞራላዊ ሕይወት ዝሓትት ኢዩ። ሓዋሪያትውን ነቲ እግዚአብሔር ዘዳለዎሎም ተልእኾ ብቑዓት ኮይኖም ንኽርከቡ ብቕድስና ክጋዓዙ ነይሩዎም። “ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱ አነ ንርእሰይ ምእንትኦም እቕድስ አሎኹ”። እዚ ማለት ክርስቶስ በቲ ናይ ደቂ ሰባት ሓጢአት ዝደኸመ፡ ምእንቲ ቕድስና ደቂ ሰባት ገዛእ ርእሱ  አብ መቀል መስዋዕቲ ይኸፍል። በዚ ከአ ኩሎም ደቂ ሰባት ይቕደሱ፡ ኢየሱስ ከአ ንሕዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኪቕድስ አብ ወፃኢ እታ ኸተማ ተሳቐየ።” ዕብ.13:12

“ሰዓብቲ ክርስቶስ ብእግዚአብሔር ተጸዊዖም፡ ብተግባሮም ዘይኮነ ብመደቡ ንጸጋኡን ብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸዲቖም፡ ብጥምቀት ናይ እምነት ደቂ እግዚአብሄር ተማሳሕቲ መለኮታዊ ባህሪን ኮይኖም፡ ብሓቂ ከአ ተቐዲሶም ኢዮም” ይብል ጉባኤ ቫቲካን 2 አብ ብርሃን አሕዛብ 40

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

“ምስ ኩሉ ሰላም ግበር

“ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ አምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም።” ማቴ.5:9

ኣብ ሕይወትና ምስ ክሉ ብሰላም ንኽነብር ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ሓደ ጥዑይ ዝኾነ ርክብ ምስ ኣኅዋትናን ኣኅትናን ክንምስርት ይግበኣና። ኣብ ሕይወትና ሓደ ሰብ በዲሉኒ፡ ጎዲኡኒ ንብል እንታይ ማለትና ኢዩ፧ እዚ ነገር እዚ ምሕረት – አይግብኦን ኢዩ አይገብረሉን ኢየውን ንብል እንታይ ማለትና ኢዩ፧ ስለምንታይከ ዝግደሰሉ፧ በዲሉኒ ጥራይ ምባል ጥቕሚ የብሉን፧ እኹልውን አይኮነን። ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦን መፍትሒ ክንረኽበሉን ነቲ ስለምታይ ዝብል ሕቶ ክንምልስ ይግበአና። ንአብነት፦ አብ መንገዲ ሓደ ሰብ ክኸትረካ ከሎ ወይ አኽብሮት ከጉድለልካ ከሎ ተሓርቕዶ፧ ትሓዝንዶ፧ ስለምንታይ፧ ስለዘኽበረካ ወይ ስለዝከተረካ ወላሓንቲ ሳዕቤን አብ ሕይወትካ የብሉን።
ካብቲ ናይ ምንባርካ ዘለካ መሰል ወላሓንቲ አየጉደለልካን፧ ግና የገድሰካ፡ የጨንቐካ፡ ስለምንታይ፧ አንነት – ፍርሃት – አኽብሮት – ቁጣዓ- ምውጣን ወዘተ እዚአቶም ብኸመይከ ነንሕድሕዶም ይራኸቡ፧ አብዚ እዞም ቃላት እዚአቶም አብቲ መዓልታዊ ሕይወትና ብኸመይ ንገዛእ ርእስና ከምእንርኢ ብኸመይ ምስ ዓለም አብ እንዋሳአሉ ይጸልዉና ምርዳእ የድሊ።

አብ ሕይወትና ሕጉሳት ንኽንከውንን ሓደ ሕጉስን ሱቡቕን ዝኾነ ዝምድና ክንምስርትን፣ ሚዛናዊ ዝኾነ ሰነ አእመራዊ አተሓሳስባ ንኽህልወና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጹቡቕ ስሚዒት ክህልወና አለዎ። እዚ ማለት ንገዛእ ርእስና ክነፍቕር አለና። ገዛእ ርእስኻ ምፍቃር ማለት ከአ አብ ገዛእ ርእስኻ እትተአማመን ሰብ ኢኻ ማለት ኢዩ። ርእሰ ተአማንነት እምበአር ውጺኢት ናይቲ ሕይወትካ ብኸመይ ትነብሮ ኢዩ። እዚ ከአ ገዛእ ርእስኻ ብምኽባር ኢኻ ትረኽቦ። ምኽኒያቱ ንገዛእ ርእስኻ ዘይተኽብር እንተኮይንካ ንገዛእ ርእስኻ ክተፍቅር አይትኽእል ኢኻ። ንገዛእ ርእስኻ ዘይተፍቅር ከአ ንኻልኦት ክተፍቅር አይትኽእልን ኢኻ።

ሰባት ከመይ ጌሮም ኢዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ኽብሪ ዝሕልዉ ወይ ገዛእ ርእሶም ዘኽብሩ፧
ነፍሲ ወከፍና አብ መዓልታዊ ሕይወትና ውሳኔታት ንገቢር ኢና። ክንውስን ከለና ኸአ እቲ ንውስኖ ቅኑዑ ኢዩ ኢልና ኢና እንአምን። በዚ ውሳኔ እዚ ከአ ንሕጎስ። እዚ ውሳኔ እዚ ጌጋ ምኻኑ ምስ ተረዳእና ግና ንሓዝን። እዚ ነቲ አብ ገዛእ ርእስና ዘለና ተአማንነት አኽብሮት ይጎድል፤ ተስፋ ንቖርጽ ማለት ኢዩ። ስለዚ አብ ሕይወትና ጽቡቅ ንኽስመዓና ጽቡቅ፡ ሰናይ ተግባራት ክነዘውትር – ክንገቢር ይግበአና። አብዚ ሰናይ ተግባራት መንፈሳዊ  ዕጋበት ጥራይ ዘይኮነ ስጋዊ ዕግበትን ዕረፍትን አለና፣ ካብቲ ሰናይ ተግባራትና። ሓላፍነት ዝመልኦ ስራሕ ክንሰርሕ ከለና አኽብሮት ንረክብ በዚ ከአ ርእሰ ተአማንነት ነጥሪ።
ስለዚ ጽቡቕ ምግባር ነቲ ናትና አእምሮ፡ መንፈስ ይምግቦ፡ የዕግቦ፡ ሰላም ይህቦ። ርእሰ አኽብሮትን ርእሰ ተአማንነትን ተጥሪ ማለት ኢዩ። አብዚ ከአ ርእሰ አኽብሮት ገዛ እርእስካ ምቁስጻርን ይራኸቡ። ንገዛእ ርእስና ዘይነኽብር እንተኮይና፡ ሓቀኛ ፍቕሪ ርእስና ክህልወና አይክእልን ኢዩ፡ ከም ውጽኢቱ ነቲ ጎዲሉና ዘሎ ንምምላእ ፍቕሪ ካብ ካልኦት ንደሊያ፡ ማለት ካባና ወጻኢ ንደሊያ። ኢዚ ዓይነት ፍቕሪ ዘድሊየና ካብ አኽብሮት ኢዩ ዝመጻና። ካልኦት ሰባት አኽብሮት እንተሃቡና አብ ውሽጥና ገዛእ ርእስና ንኽነፍቅር ይሕግዘናን ይገብረናን። ርእሰ ተአማንነትን መሰረቶም አብ ክብረት ርእስኻ ኢዮም። ካብ ገለ ክንረኽቦም አለና። ስለዚ አብ ገዛእ ርእስና እንተ ዘይረኺብናዮም ካብ ካልኦት ክንረኽቦ ንጽዕር ወይ ንደሊ። ንገዛእ ርእስና ዘይነኽብር እንተኮይና፡ ሓቀኛ ፍቕሪ ርእስና ክህልወና አይክእልን ኢዩ። ስለዚ ፍቕሪ ካብ ካልኦት ክንረኽባ ንጽዕር” ኢልና ነርና። ካልኦት ክብረት ክህቡና እንተ ኪኢሎም ርእስና ክነኽብር ከምዘለና ይስመዓና፡ እዚ ስምዒት እዚ ከአ ንገዛእ ርእስና ከም እነፍቅር ይገብረና። ርእሰ ተአማንነት ዝለዚ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምፍታውን ካብ ክብሪ ርእስካ ኢዮም ዝነቕሉ።

እቲ ክፋል ሕይወትና ናይ ገዛእ ርእስና ክብረት ካብ ካልኦት ዝደሊ ወይ ሓሰስ ዝብል፡ እዚ ዓይነት ባሕሪ ፈታዊ ርእሱ፤ አነ በሃልይ ሰብ ኢዩ። እዚ ባህሪ እዚ ሰባት ከመይ ጌሮም ክርእዩና ከምዘለዎም እንውጥኖ፡ እንደልዮ ወይ ሃረር እንብሎ ኢዩ። አብዚ ሰባት ብዛዕባና ዘለዎም ርእይቶ አውንታዊ እንተኮይኑ ንሕጎስ፡ አብ ገዛእ ርእስና ተአማንነት ነሕድር ንገዛእ ርእስና ክነፈቅር ንጅምር። አሉታዊ ኮይኑ ከአ ሕማቅ ይስመዓና። አብ ገዛእ ርእስና ዘለና አክብሮት ይጎድል፡ ንገዛእ ርእስና ክነፍቅር ከአ የጸግመና። አብዚ ከአ ጠባይና ረቂቕ ይኸውን። ኣብ ውሽጥና ፍርሂ ንፈጥር ስለዚ ሰብ ክሓርቕ እንተረአናዮ ዝለዝፈርህ ጥራይ ኢዩ። እቲ ፍርሁ እዚ ካበይ እዩ ዝመጽእ እንተበልና፡ እቲ ናይ ምቕፅፃር ሓይሉ ደኺሙ አሎ ማለት ኢዩ።
ስለምንታይ እዩ ቁጠዓ ስምዒታዊ መልሲ ክኸውን ዝኸአለ፧
ቁጠዓ ናይዚ ኩሉ ውጽኢት ወይ መልሲ ኢዩ። መሰረት ናይ ሕርቃንን ቁጣዓን ይኸውን። ካብ ካልኦት ክብረት አቃልቦ እንተዘይረኺብና፡ ንሓርቅን ንቁጣዕን። ምኽኒያቱ ንገዛእ ርእስና ንምርአይ ዘለና ድልየትን ሃረርታን ይጎድእ። እቲ መግቢ ንአእምሮናን መንፈስናን ክምግብ ዘለዎ የቃርጸና ስለዘሎ። እዚ ሓይሊ እዚ ነቲ ናይ ገዛእ ርእስና ምቁጽጻር ዘለና ክእለት ይዘርገልና። እቲ ነዚ ድኽመት (ገዛእ ርእስና ምቁጽጻር) እዚ እንህቦ ስምዒታዊ መልሲ ከአ ፍርሂ ይኸውን። ነቲ ፍርሂ ከአ አካላትና ወይ ኢቲ አንነትና ብቁጥዓ ክክሕሶ ይፍትን። ማለት ስነ ኣእምራዊ ነቲ ርእስኻ ንምቁጹጻር ኣጢፊኢካዮ ዘለኻ ክእለት ወይ ዓቕሚ ንምትካእ ዝግበር ፈተነ ኢዩ። ብቁጠዓ ወይ ሕርቃን ክትኽሕሶ ወይ ክተዕግሶ ትጽዕር ወይ ትፍትን።

ናይዚ ኩሉ መሰረታዊ አሉታዊ ስምዒት፤ ማለት ቅንኢ፡ ህርፋን፤ ቁጠዐ ወዘተ ፍርሂ ኢዩ። መሰረት ናይ ፍርሂ ኸአ ትሑት ዝኾነ ርእሰ ተአማንነት ኢዩ። ዝለዚ ኢና እቶም እንቁጣዕ ሰባት ትሑት ተአማንነት ገዛእ ርእስና ዘለና። ስለዚ ተኻታዕቲ፡ ነቓጻት ኮይና ንነብር። ንሰባት ንምምሓር የጽግመና። ቁጠዓ ሓያላት ኮይና ከም ዝስመዓና ይገብር። ነጻ፡ ነብስና እንቆሳጸር ዝኾነ ስምዒትን ሕልምን የሕድረልና፡ በንጻሩ ግና ካብ ገዛእ ርእስና ወጺና ርእስና አብ ዘይንቃጻጸረሉ ኩነታት ኢልና ዘለና። እዞም ሰባት እዚአቶም እምበአር ናይ ገዛእ ርእሶም አኽብሮት ንምርካብ፡ እታ መጀመርታ ዝገብሩዋ እንታይ ኢያ ሰባት ምውንጃን፡ አብ ምፍራድ ይተግሁ። አብ አሕዋቶም አውንታዊ ነገራት አይረአዮምን። እዚ ብምግባር ከአ መሊሶም ክብረቶም የጥፍኡ። አብዚ ክንርድኦ ዘለና ግና ብሓቂ ነሕዋትና አኃትና አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክነውድቅ እናጸዓርና ካብ ሰባት ክብሪ ክንረክብ ሓጎስ ክነርክብ ኢልና አይንሕሰብ። ዝያዳ እካ ደአ ካብ አኅዋትና አኃትና ተነጽሎ የጋጥመና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ገዛእ ርእስና ከም እንጸልእውን ይገብረና። ስለዚ ካብ አኃዋትናን አኃትናን ክብሪ እንረክብ ሰናይ ተግባራት ብምግባር ኢዩ። አብ ሕይወትና ብዙሕ ጽልእን ዘይምስምማዕን ክንኣሊ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ናትና ምስ ሰባት ዘለና ኣቀራርባ ይውሰን። ኣብ ሕይወትና ንነገራት ወይ ጸገማት ካብ መጀመርትኦም ክንኣሊዮም ክንጽዕር ይግበኣና። ሓደ ጸገም ወይ ኩነት ቅድሚ ምጅማሮም አተሓሕዛ እንተ አሰቢቕናሎም ቅድሚ ጸግም ቅድሚ ምልዓሉ ክንዓጽዎን ንኽእል ኢና ማለት ኢዩ።

ዝኸበርኩም አኅዋት አኃት ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና ዝምድና ወይ ጥዑይ ርክብ ሰላም ዝምስረት ኣብ እምነት፡ ሓቅነት/ ቅንዕና፡ ክብሪ ወዲሰብ ብምሕላውን ኢዩ። እግዚአብሔር አምላኽ፡ እግዚአብሔር አምላኽ እንዳበልካ አይኮነን። እንታይ ፍቓድ እግዚአብሔር እናፈጸምካ።
አብ ዝኾነ ኩነታት ሕይወት ሃሉ ምስ ገዛእ ርእስካን ምስ አኅዋትካን ብሰላም ንኽትነብር ካብ ባእስን ክርክርን ክትርሕቅ አለካ። ነቶም ዘጋኑፉኻ ጸጋማት ከይ ወዓልካ ከይ ሓደርካ ክትፈትሖም ጸዓር። “ኣብ ክራኹም ጸሓይ ኣይ ዕረብኩም” ውልቃዊ ጠባያትካ አብ ሓጺር ግዜ ፍትሓዮም፡ ብኸመይ እንታይ መገዲ ንጠቀም፡ ሓደ መምህር ነይሮም – ሰባትሲ ይንዕቑኒ አነ ከምዝንዕቖም ግና ዘይፈልጡ። እቲ ዘሕዝነኒ ኸአ እዚ “አነ ከም ዝንዕቖም ዘይምፍላጦም ኢዩ ይብሉ ኔሮም።
ሓፈሻዊ መምርሒ ክኾኑና ዝኽእሉ እዞም ዝስዕቦ ክንርኢ ንኽእል። ንአብነት ሰባት ብዘይ ዝኾነ ምኽኒያት ክጸልኡኻ ክርከቡ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ግና ክንፈልጦ ዘለና ዝለ ዘይደለዩኻ ወይ ስለ ዝጸልኡኻ አይኮኑን፡ ንገዛእ ርእሶም ከምቲ ዝግባእ ስለ ዘይፈተዉ ዝለዘየፍቅሩን ጥራይ ኢዩም። ሓደ ሰብ ዕቡይ፡ ምኩሕ፡ ዘይእሩም፡ ንሰባት አኽብሮት ዘይብሉ፤ ከም ሓቂ ንገዛእ ርእሱ ክብርን ፍቕሪን ዘይብሉ ሰብ ኢዩ። እቲ ንኻልኦት ክብረት ዘይህብ ወይ ዘይብሉ ንገዛእ ርእሱ ዘየኽብር ጥራይ ኢዩ። እቲ ንኻልኦት ሰላም ዝኸልእ ንገዛእ ርእሱ ሰላም ዘይብሉ ጥራይ ኢዩ። ውሽጣዊ ሰላም ሓደ ካብቶም ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንውንኖም ክንጽዕር ዘለና ኣድለይቲ ህያብ እግዚኣብሔር ኢዩ።
እዚ ሕያብ እዚ ብምርካብ ኢና ንሕና ኣብቲ ሓቀና ፍቕሪ ርእስናን ኃውናን ክነብር እንኽእል። በዚ ጥራይ ኢና ነቲ ትእዛዝ ኣምላኽናን ጎይታናን ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ እንኽእል። ሰላም አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሓጎስ፡ ቡራኬ፡ ኢዩ። ኢየሱስውን እንተኾነ እታ ቀዳመይቲ ካብ ሞት ምስ ተንሥአ እታ ቀዳመይቲ ቃል ንሓዋሪያቱ ዘስምዖም “ ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን”። ዝለዚ ምንጪ ሰላምና ሓጎስናን እንታይ ኢዩ እመነትና ኢዩ። እቲ ጎይታና አምላኽና ምንጪ ሰላምና ኢዩ። ሰላም አብ መንጎ አሕዛብ ንምትካል ከአ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ አብ መንጎና ሓዲሩ ሰላም ገበረ። “አምላኽ በቲ ወዱ አብ መስቀሉ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፥ ነቲ አብ ምድሪ ዘሎን አብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ኹሉ ኸአ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ”። ቆላ.1:20

ጎይታይ ናይ ሰላምካ መሳሪሒ ግበረኒ ይብል ቅዱስ ፍራንቸስኮ። ብዙሕ ግዜ ሰባት በዲሎሙና ኢልና ብዙሕ ንሓዝን ንጭነቕ፡ ሰባት ኢና ስለምንታይ ኢልና ንገዛእ ርእስና ንሓትት መልሲውን ንስእነሉ ግዜ አሎ። ግና እቲ በዳሊና ካባና ንላዒ ከም ዝጭነቕ ምርዳእ የድሊ። ካባና ንላዕሊ ድቃስ ከም ዝስእን ምርዳእ የድሊ።አይድቅስን ኢዩ፡ ውሽጣዊ ቅልውላው አለዎ። ከምውጽኢት አብ ዕግርግር ይነብር። ስለዚ ንሕና አብ ቅድሚ እዚ ሰብ እዚ ሞራላዊ ሓላፍነት አለና ክንሕግዞ። ከመይ ነዚ አንበሳ ዝስምዖ ዘሎ ሓውና ወይ ሓፍትና ናብ ሓደ በጊዕ ክንቅይሮ ንኽእል ኢና። ብተግባራትንን ብምስክርነትና። ሸለል ብምባልና። ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ዘይፈቱ እንተኮይኑ፡ ፍቕሪ ገዛእ ርእሱ ይኹን አበ ገዛእ ርእሱ ተአማንነት ክህልዎ አይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ብስክፍታ ይነብር። ሰላም ናይ ካልኦት ክዘርግ ይነብር። ፈቲዩ አይኮነን አብ ውሽጡ ሰላም የብሉን። ውሽጣዊ ሰላም የድሊዮ።ፍርሂ እምበኣር መሰረት ናይ ሕርቃንን ቁጣዓን ውጺኢት ኢዩ። ነቲ ፍርህና መልሲ ኸአ ቁጠዓ ኢዩ።

ስነ ኣእምራዊ ነቲ ርእስኻ ናይ ምቁጹጻር ኣጢፊኢካዮ ዘለኻ ክእለት ወይ ዓቕሚ ንምትካእ ዝግበር ፈተነ ኢዩ። ብቁጠዓ ወይ ሕርቃን ክትኽሕሶ ወይ ክተዕግሶ ትጽዕር ወይ ትፍትን። ስለዚ ሕይወት ወዲ ሰብ ከምዚ ከም ዝኾነ እንተ ተረዲኢና ክንሕግዞ ጥራይ ኢዩ ዘለና። ዝኾነ ሰብ ገዛእ ርእሱ ጽቡቕ ንኽስምዖ፡ ናጽነት ክስምዖ ወይ ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ገዛእ ርእስኻ ዘይምቁጽጻር እምበኣር ንሰብ እቲ ናጽነቱ እቲ ናይ ምቁጻጻር ክእለቱን ይሰርቆ። ከምውጽኢት ከኣ ጽግዕተኛን ፈራህን ይገብሮ። “እምበአር ብእምነት ካብ ጸደቕና፥ ብጎይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ አምላኽ ሰላም አሎና። ብእኡ ኸአ ናብዚ ሕጂ ዘለናዮ ጸጋ ብእምነት አቶና፥ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ አምላኽ ስለ ዝኾናውን ንምካሕ አለና”። ሮሜ.5፡ 1-2
ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ሰላም ክንዛረብ ከለና፡ ሰላም አብ መንጎ አሕዛብ፡ ሃገራት፡ አብ መንጎ ሃይማኖታት ወዘተ ኢና ንሓስብ። ቃል አምላኽ ግና እቲ ቀዳማይ መሰረታውን ሰላም ክንዛረበሉን ክንሓስበሉን ዘለና ብዛዕባ ሰላም አብ መንጎ ሰማይ ምድርን፤ አብ መነጎ እግዚአብሔር ደቂ ሰባትን ዘሎ ርክብን ሰላምን ክንሓስብ ይጽወዓና።
ሎሚ ኸአ ነዚ ክነስተንትን ኢና ንዕደም ዘለና። ካሊእ ኩሉ ካብኡ ኢዩ ዝምንጩ። አብዚ ታሪኽ አዳምን ሔዋንን ክንርኢ ንኽእል። ስጋብ አብ ትሕቲ እግዚአብሔር ተአዚዞም ዝነበሩ ሰላምን ቅሳነትን ነበሮም። ንትእዛዝ እግዚአብሔር ሸለል ኢሎም ክጎዓዙ ምስ ጀመሩ ግና ሰላሞም ይዝረግ። ምስ እግዚአብሔር ዝነበሮም ሓሊዮትን ርክብን የጥፍኡ፡ አብ መንጎኦም ክካሰሱ ይጅምሩ። ሓው አብ ሊዕሊ ኃው መቕተልቲ ንርኢ። ሰላም ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበና ህያብ አምላክ ኢዩ።

እግዚአብሔር አብ ቅድሚ እምቢይታ ወይ ዘይምእዛዝ ናይ ደቂ ሰባት ንፍጡራቱ ክድርቢዮም አይርከብን። እንታይ ደአ ምስ ፈጣሪኦም ንኸዓርቆም መገዲ ይፈጥር። ሓደ ምሳሌ እሞ ንውሰድ፦ Navigatore እሞ ንውሰድ ናብቲ እንደሊዮ ቦታ ንኽንበጽሕ አድራሻ ንህባ፡ በዚ አድራሻ ከአ ንጸጋም ንየማን እንዳበለት ትመርሓና። ንየማን እንዳበለትና ንጸጋም ምስ እንኸይድ። ንተፍእ። ግና ካብቲ ዝጠፋ እናዮ ጀሚራ እንደገና ንጸጋም ንየማን እንዳበለት አብቲ ቦታና ተብጸሓና። ልክዕ እግዚብሔር አምላኽናውን ከም ኡ ኢዩ። አነ መንገዲን ሓቅን ሕይወትን ኢየ ኢሉና ኢዩ። ግና ደቂ ሰባት ድኹማት ስለዝኾና ነዚ መገዲ እዚ ንስሕት። አምላኽና ግና ብዝተፈላለየ መገዲ እንደገና ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ንኽንምለስ ይመርሓና። እግዚአብሔርውን ወዲ ሰብ አብ ኃጢአት ምስ ወደቀ ነቲ ሓደ ወዱ ብምልአኽ ናይ ድሕነት መአዲ ሰርዓልና።
ክርስቶስ “ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ አምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም።” ገበርቲ ሰላም፡ ንኽንከዊን ጥራይ አይመዓደናን፡ አይጸወዓናን። እንታይ ደአ ብሕይወቱ ቃላቱንውን ብከመይ ገበርቲ ሰላም ንከውንውን ከም ዘለናውን ምሂሩና ኢዩ።
ንሓዋሪያቱ ከምዚ በሎም “ሰላም እኃድገልኩም አሎኹ፥ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ አነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ አይኮነን፤ አይትሸበሩ፥ አይትፍርሁ”። ዮሓ.14፡27 ሰላም ክርስቶስ ልዕሊ ኩሉ ኢዩ። ዕርቂ ምስ ኣምላኽን ምስ ኣኅዋትን ኢዩ። ሓደ ካብቶም ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ህድአት ናይ ሓንጎልና ኢዩ። ዕርፍቲ ነፍስና ኢዩ። ፍቕሪ፡ የውሃነት ናይ ልቢ፡ ሕብረት ኢዩ። “ንሱ ነቲ አብ መንጎ ዝነበረ፥ ናይ ጽልኢ ከልካሊ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ፥ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ፥ ሰላምና ኢዩ”። ኤፌ.2:14 ዝለዚ ከምቲ አቀዲማን ዝበልናዮ ንሱ ሰላምና ኢዩ። ክርስቶስ አብዚ መገዲ ሰላም ይምህረና። እቲ ናቱ ሰላም ውጽኢት ዓወት ኢዩ ነሩ። ወታሃደራዊ ዓወት ዘይኮነ መንፈሳዊ ዓወት፣ እቲ ንሱ ዝምህሮ መገዲ ሰላም እምበአር ዓወት አብ ርእሲ ገዛእ ርእስና ደአምበር ዓወት አብ ርእሲ ካልኦት አይኮነን። ንገዛእ ርእስና ምምላኽ ኢዩ። “አብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፥ ንኽልቲኦም ድማ ሓደ ብምግባር ከአ ብመስቀሉ ምስ አምላኽ አተዓረቖም። ኤፌ. 2፡16

ቀጺሉ ኸአ “ንአኻትኩም ነቶም ርሑቓት ዝነበርኩም ሰላም አበሰረኩም፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ ኸአ ሰላም አበ ሠሮም”። ኤፌ.2:17 ብዙሕ ግዜ ምስቶም አቀረባና ዘለዉ ሰላም ንምግባር እቲ ዝበርተዓ ኢዩ ካብቶም ዝረሓቁ። ብኸመይ ኢና እምበአር ንሕና ከም ክርስቶሳውያን መሳርሕቲ ሰላም እንኸውን፡ አየናይ አብነት ንከተል፧ “እቶም ዝአምኑ ኹላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ” 4፡32 አብዚ ግና ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ይድሊየና።
ቅዱስኣጎስጢኖስ፡ ካብዚ ቃል አምላኽ ተበጊሱ ከምዚ እናበለ ይምህር፦ ዘፍ.11,3-4ግ.ሓ.2:11 አብ ዓለም ክልተ ከተማ አለዋ ይብል፦ ሓደ ባቢሎን ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ ሰይጣን ከተማ፡ እታ ካልኤይቲ ድማ ኢየሩሳሌ ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ እግዚአብሔር ከተማ። እታ ቀዳመይቲ አብ ፍቕሪ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተሃንጸት፡ ስጋብ ንእግዚአብሔር ምንዓቕ ዝበጽሐት ክትከውን ከላ፡ እታ ካልኤይቲ ግና አብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ዝተሃንጸት ኮይና ስጋብ ገዛእ ርእስካ መስዋዕቲ እትሓትት ኢያ። እዘን ክልተ ከተማታት ስጋብ ምጽአት ዓለም ንነፍሲ ወክፍና ክፉታት ኢየን፡ ነፍሲ ወከፍና ከአ አየነይቲ ተቐቢሉ ሕይወቱ ከምዝመርሕ ናቱ ምርጫ ይከውን።

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

አስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ግንቦት – 15.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ዮሓ.17:1-11

ነቶም ኢየሱስ ነዚ  ምስ ተዛረበ አዕይንቱ ናብ ሰማይ ቓሕ  አቢሉ ኸምዚ በለ፦ “ ኦ አቦ! እንሆ እታ ሰዓት በጺሓ እያ። ወልድ ምእንቲ ኼኽብረካስ ንወድኻ አኽብሮ። ነዞም ምእንቲ ኹላቶም ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺህቦም ንእኡ አብ ልዕሊ ኹሉ ወዲ ሰብ ሥልጣን ሂበካዮ ኢኻ። ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከአ፥ አምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምኻንካን እቲ ዝለ አኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምኻኑ፥ ምፍልጥ እዩ። አነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ አብ ምድሪ አኽቢረካ ኢየ። ኦ አቦይ! ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት አባካ ዝነበረኒ ኽብሪ አኽብረኒ። ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ፥ ንአይ ሃብካኒ፥ ቃልካውን ሓለዉ። እቲ ዝሃብካኒ ዘበለ ኹሉ ኻባኻ ምኻኑ ሕጂ ፈለጡ።እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብክዎም፥ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። አነ ኻባኻ ከም ዝወፃእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፣ ንስኻ ኸም ዝለ ኣኽካኒውን ኣመኑ። ኣነ ምእንትኦም እልምን ኣሎኹ። ናትካ እዮም እሞ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን ኢየ። ኩሉ ናተይ ናትካ እዩ፥ እቲ ናትካውን ናተይ ኢዩ፥ አነውን አብአቶም ከበርኩ።  ደጊም አነ አብ ዓለም አለዉ፥ አነውን ናባኻ እመጽእ አሎኹ። ኦ ቕዱስ አቦ! ነቶም ዝሃብካኒ ኸማና ሓደ ምእንቲ ኪኮኑ ብስምካ ሓልዎም።

  • አስተንትኖ

አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ዘንበብናዮ ኢየሱስ አዕይንቱ ናብ ሰማይ ቓሕ  አቢሉ  “ኦ አቦ! እንሆ እታ ሰዓት በጺሓ እያ። ወልድ ምእንቲ ኼኽብረካስ ንወድኻ አኽብሮ። እናበለ ይጽሊ።  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ምድራዊ ጉዕዝኡ አብ መጨረሽትኡ ከምዝበጽሐ ፈሊጡ፡ ቅድሚ ካብዚ ዓለም ምስንባቱ፣ እታ ሰዓት በጺሓ እያ። ወልድ ምእንቲ ኼኽብረካስ ንወድኻ አኽብሮ እናበለ ይጽሊ። ክርስቶስ ነቲ ሰማያዊ ኣቡኡ ብስቃያቱን፡ ሞቱን ትንሣኤኡን፡  ከኽብሮ ክኸብርን ነይሩዎ። ኣብዚ ብዛዕባ ኽብሪ ክዛረብ ከሎ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ: ብዛዕባ እቲ ሥልጣን፣ ክብሪ፣ አምላኽ ንእግዚአብሔርር ጥራይ ዝወሃብ ኢዩ ይዛረብ።  ወዲ አምላኽ ምስ አቦ ማዕረ ምኻኑ ይዛረብ። ድኅሪ ካብ ድንግል ማሪያም ተወሊዱ ብፍላይ ብሞቱን ትንሣኤኡን ከአ እቲ መለኮታዊነቱ ተገልጸ። እቲ ቓል ሰብ ኮነ፥ ጸጋን ሓቅን መልኡዎ ኸአ ምስና ነበረ። ዮሓ.1፡14

ዘለዓለማዊ ሕይወት፤ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምኻንካን እቲ ዝለአኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምኻኑ፥ ምፍልጥ እዩ። ክርስቶስ ብዛዕባ ዘለ ዓለማዊ ሕይወት ክዛረብ ከሎ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ሕይወት ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ንሱ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞትና ዝመጽእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ጥራይ አይኮነን ዝዛረብ ዘሎ። እቲ ሓቀኛ ሕይወት ብክርስቶስ አብ ክርስቶስ አብዚ ምድሪ እዚ ከም ዝጅመር ንምርዳእ ኢዩ። እቲ ሓቀኛ ሕይወት ሕጂ አብዚ መድሪ እዚ ክንጅምሮ አለና። ዘለዓለማዊ ሕይወት እምበአር ነቲ ልዑል እግዚአብሔር አምላኽ ምፍላጥን፡ንመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓደ ልኡኽ አምላኽ ምኻኑ ምቕባል ኢዩ። ዘለዓለማዊ ሕይወት – ንእግዚአብሔር አምላኽን ወልድን ምፍላጥ ኢዩ። እግዚአብሔር ክፍለጥ ዝኽእል ብመንገዲ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ። ንኽርስቶስ ዘይፈልጥ ንእግዚአብሔር አቦ ይፈልጦ ክብል አይኽእልን፡፡

አነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ አብ ምድሪ አኽቢረካ ኢየ። ክርስቶስ አብዚ ዓለም እዚ ብምጽኡ ክብሪ አምላኽ አቦ ብምልአት ክገልጽ ተረኽበ። ስለዚ ኢዩ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ አብ ምድሪ አኽቢረካ  ኢየ እናበለ ዝዛረብ። ንሕናውን ነፍሲ ወከፍና አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጸዋዕታ አለና። አብዚ ምድራዊ ጉዑዞና ክንፍጽሞ ዘለና ተልእኾ አሎ፡ ንሱ ከአ ነቲ እንአምኖ ነቲ ዝተቐበልናዮ መድኅን ብሕይወትና ክነብሮ፡ ነሕዋትና ክንምስክሮ። ሕይወትና አብ ዓለም ብርሃን ኮይኑ ክርከብ። በዚ ከአ ክርስቶስ አብዚ ምድሪ ኢዚ ብአና ክኸብር ይግብኦ።

እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብክዎም፥ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። አነ ኻባኻ ከም ዝወፃእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፣ ንስኻ ኸም ዝለ ኣኽካኒውን ኣመኑ። ኣነ ምእንትኦም እልምን ኣሎኹ። ናትካ እዮም እሞ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን ኢየ። ክርስቶስ ምእንቲ ሓዋሪያቱ ይጽሊ። ምኽኒያቱ ስለዘፍቅሮም። “ ኢየሱስ ቅድሚ በዓል ፋሲካ ካብዛ ዓለም እዚአ ናብ አቦኡ ዚኸደላ ሰ ዓት ከም ዝበጽሐት ፈሊጡ፥ ነቶም ዘፍቀሮም አብዛ ዓለም እዚአ ዘለዉ ናቱ፥ ክሳዕ መወዳእታ አፍቀሮም።  ዮሓ.13:1 አብ እግዚአብሔር አብ የማዕቕቦም። ደጊም አነ አብ ዓለም አይነብርን ኢየ። ንሳቶም ግና አብ ዓለም አለዉ፥ አነውን ናባኻ እመጽእ አሎኹ። ኦ ቕዱስ አቦ! ነቶም ዝሃብካኒ ኸማና ሓደ ምእንቲ ኪኮኑ ብስምካ ሓልዎም። ክርስቶስ ምእንቲ እቶም አብ ምድሪ ዘሳናበቶም ዘሎ ሓዋሪያቱ ናብ አቡኡ ምእንቲ ሓድነቶም ይጽሊ።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ 14.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ዮሓ.15:9-17

“ ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ ኣነውን ኣፍቂረኩም ኢየ፣ ኣብ ፍቅረይ ንበሩ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዐ ዝነብር ዘሎኹ፥ ከምኡ ኸአ ንስኻትኩም ትእዛዘተይ እንተ ሓሎኹም አብ ፍቅረይ ጸኒዕኩም ክትነብሩ ኢኹም። ሓጎሰይ አባኻትኩም ምእንቲ ኺነብር፥ ሓጎስኩምውን ሙሉእ ምእንቲ ክከውንሲ እዚ ነገርኩኹም። ከምቲ አነ ዘፍቀርኩኹም ንስኻትኩምውን ንሓድሓድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ካብቲ አብ ክንዲ አዕሩኹ ንሕይወቱ በጃ አኅሊፉ ዚህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ የብሉን። ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ እንተ ፈጸምኩም አዕሩኸይ ኢኹም። ደጊም ጊላዎት አይብለኩምን እየ፤ ጊልያስ ጎይቱኡ ዚገብሮ  አይፈልጥን እዩ፤ አነ ግና እቲ ኻብ አቦይ ዝሰማዕኽዎ ዘበለ ንአኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም አዕሩኸይ ኢኹም እብለኩም አሎኹ።

  • አስተንትኖ

መጀመሪያ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ። ወዲ ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ ተፈጢሩ፡ን አምላኹ  ክፈልጥን ከፍቅርን  ከኣ ይጽዋዕ። ኣነ ነቶም ዘፍቅሩኒ ኣፍቅሮም፦ እቶም ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ። ሃብትን ክብረትን ነባሪ ጥሪትን በረኸትን ኣባይ ኣሎ”።ምሳ 8:17-18 ነዚ ኹሉ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብእግዚኣብሔር አብ ዝተገልጸ ፍቕሪ … ኢየሱስ ደጊሙ   ንፍቕሪ ከቕርባ ንረኽቦ። ዮው 13:1 ነቶም ናቱ ክሳብ መፈጸምታ  ብምፍቃር: ነቲ ንሱ ንርእሱ ዝተቐበሎ ፍቕሪ ኣብኡ ኪገልጾ ተረኽበ። እቶም ደቂ መዛሙርቱ ድማ: ነንሓድሓዶም ብምፍቃር፤ ነቲ ርእሶም ዝተቐበሉዎ ፍቕሪ ኢየሱስ ኪኽተሉን ኪመስሉን ይረኣዩ። ስለዚ እዩ ኸኣ ኢየሱስ :“ ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ፤ ኣነውን ኣፍረኩም እየ፤ ኣብ ፍቕረይ ንበሩ” ዝበለ። ደጊምውን  “ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ንስኻትኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዩ” ዝብል።

ኣብ ፍቕረይ ንበሩ ትእዛዛተይ እንተ ሓለኹም ኣብ ፍቕረይ ጸኒዕኩም ክትነብሩ እኹም። ኣብዚ መድሓኒና ክርስቶስ ትእዛዘይ  እንተሓሊኹም ያብለና፤ ትእዛዝ እግዚአብሔርከ እንታይ ኢዩ፧ ፍቕሪ ኢዩ። “እታ ቀዳመይቲ እዚአ እያ፥ ኦ እስራኤል ስማዕ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንሱ በይኑ እግዚኣብሔር እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኻ ብምሉእ ንብኻን ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብኹሉ ኣእምሮኻን ብኹሉ ሓልኻን ኣፍቅሮ” ኣንዳበለ ይምልሰ። ስለዚ እቲ ዘፍቅር ኣብ ትእዛዝ አምላኽ ይነብር …. እቲ ዝእዘዝ ከኣ የፍቅር። ከምኡ ኸአ ንስኻትኩም ትእዛዘተይ እንተ ሓሎኹም አብ ፍቅረይ ጸኒዕኩም ክትነብሩ ኢኹም፡ ብተወሳኺ ትእዛዝ አምላኽ ዝሕሉ አብ ፍቕሪ አምላኽ  ይነብር። ምስኡ ሓድነት ይህልዎ። ክርስቶስ ጎይታና እምበአር ከምዘፍቅረና ሎሚ ዲጊሙ ይነግረና አሎ።  ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ፤ ኣነውን ኣፍረኩም እየ፤ ነቲ ፍቕሪ ተቐቢልና አብ ፍቕሩ ክነቢር ግና ናትና ሓላፍነትን ጻዕርን ይሓትት፡፡ ኣብ ፍቕረይ ንበሩ” ዝበለ። ደጊምውን “ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ንስኻትኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዩ” ዝብል።  ክርስቶስ የፍቅረና ኢዩ ክንብል ከለና ምንጪ ክርስቲያናዊ ሓጎስና ኢዩ። ግን ከአ ካባና ሓደ ብሱል ዝኾነ መልሲ ዘድሊዮ ጸዋ ዕታ ኢዩ። ካብቲ ልዑል ጎይታና ብፍሉይ  ካብ ተፈቐርና ፡ ንሕናውን ብወገና ነሕዋትና ንብጾትና ከነፍቅር ንጽዋዕ። ፍቕሪ ብጻይ ካብ ፍቕሪ አምላኽ ኢዩ ዚመጽእ። እቲ ንኃዉ ዘፍቅር ንእግዚአብሔር የፍቅር። ንሕና አብ ሕይወትና ንፍቕሪ አምላኽ እንገልጾ አኅዋትናን አኃትናን ምስ እነፍቅር ጥራይ ኢዩ። ንሕና ደቂ ኢቲ ሉዑል ኣምላኽ፡ ተኸተልቲ ሓዋሪያት ክርስቶስ ምኻና ንዓለም እንምስክር፡ ምስ ኣኅዋትና ፍቕሪ ምስ ዝህልውና ጥራይ ኢዩ። “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ አላትኩም በዚ ደቂ መዛሙርተይ ምኽንኩም ኩሉ ኪፈልጥ እዩ። ዮሓ.13:15፡ገጽ አምላኽ አብ ፍቕሪ ብጻይና ኢዩ ዘሎ፡ ንሕና አብ ፍቕሪ ምስ እንመላለስ ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና  ተወሃሂድና አብቲ አብቲ ብርእሳ ሓጎስ ዝኾነ አምላኽና ተሳተፍቲ ንከውን።

ንሕና ገና ጸላእቲ ከሎና በቲ ኣባና ዘለዎ ፍቕሩ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ። ከምቲ ንሱ ዘፍቅሮ: ክነፍቅር፤ ጸላእትናውን ከይተረፉ ክነፍቅር: ነቶም ሪሒቆም ዚርከቡውን ከም ብጻይ ክንኮኖም፤ ከምኡውን ከም ክርስቶስ ብርእሱ ገቢርና ንሕጻናትን ድኻታትን ነሕዋትና ክነፍቅርን ጎይታ ባዕሉ ኣዚዙና እዩ። ሓዋርያ ጳውሎስ መዳርግቲ ዘይብሉ ናይ ፍቕሪ ስእሊ ይህብ፦ 1ቆር, 13: 4-7 “ፍቕሪ ዘይብለይ እንተኾይነ ከንቱ እየ “ ይብል ቅ. ጵውሎስ። ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሓለፋ: ኣገልግሎት፤ መንፈሳዊ ሓይሊውን ከይተረፈ እንተሎኒ፤ እሞ ፍቕሪ ዘይብለይ እንተኾይነ ሓንቲ እካ ኣይጠቅመንን” ይብል ። ኩሉ ሰናይ ነገር ፍቕሪ ዘይብሉ ኮንቱ ምኻኑ እዩ።

ሰብ ካብቲ አብ ክንዲ አዕሩኹ ንሕይወቱ በጃ አኅሊፉ ዚህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ የብሉን። ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ እንተ ፈጸምኩም አዕሩኸይ ኢኹም። ደጊም ጊላዎት አይብለኩምን እየ፤ ጊልያስ ጎይቱኡ ዚገብሮ  አይፈልጥን እዩ፤ አነ ግና እቲ ኻብ አቦይ ዝሰማዕኽዎ ዘበለ ንአኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም አዕሩኸይ ኢኹም እብለኩም አሎኹ።

ብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

3ይ. ክፋል – ብእግዚኣብሔር እኣምን

 

ብእግዚኣብሔር እኣምን –   ጸሎት – ሃይማኖት ብምልኡ ተመሊስና እንተረኣና ኩሉ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ዕብየቱን ይዛረብ። ብዛዕባ ሰብን ብዛዕባዚ ዓለምን እንክዛረብውን እንተኾነ፤ ውትሩ ምስ እግዚኣብሔር ብዘለዎ ርክብን ምትእስስሳር እዩ ዝዛረብ። እቲ ኩሉ ናይ ጸሎት ሃይማኖት ካሊእ ዓናቅጽ ድማ ኣብዛ ቀዳመይቲ ዝተመርኮሰ እዩ። ማለት ኩሉ: ንእግዚኣብሔር ንምፍላጥ፤ ከምቲ ንሱ ባዕሉ ብቐጻሊ ንደቂ ሰባት ርእሱ ዝገለኅጸሎም:  ገቢርና ብዝበለጸ ንምፍላጡ ዚሕግዘና እዩ። ስለዚ ንሕና ክሉና ካብዚ ጸሎትን ትምህርትን ተበጊስና ቅድሚ ኩሉ ኣብ እግዚኣብሔር እምነትና ክንገልጽ ይግበኣና። ኣብቲ ሓደ ኣምላኽ ዝኾነ ፈጣሪና ክንአምን።

  • ብሓደ ኣምላኽ እኣምን ኣለኹ

ኣብ ጸሎት ሃይማኖት እግዚኣብሔር ኡንኮ ምኻኑ ይእመንን ይገልጽን ። ሓደ ኣምላኽ ጥራሕ ከኣ ኣሎ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ብህላዌኡን ኩነቱን  ሓድ ምኻኑ ሃይማኖት ክርስቲና እምነቱ ይገልጽ። እዚ ኸኣ ንሱ ባዕሉ እግዚኣብሔር ነቲ ሕሩይ ዝኾነ ሕዝቢ እስራኤል ርእሱ ኪገልጸሉ እንከሎ እቲ ኡንኮ ንብሕቱ ምኻኑ እዩ ዝገልጸሉ። ኦ እስራኤል ስማዕ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ በይኑ እግዚኣብሔር እዩ፤ ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ንፍስኻን ብኹሉ ሓይሊኻን ኣፍቅሮ። ዘዳ. 6: 4-5 ነዚ ቃል እዚ እንደገና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ቀዳማይ ትእዛዛ ገቢሩ የቕርበልና። ኣብ ወንጌል ማርቆስ ካብቶም መማህራን ሕጊ በቲ መልሲ ናይ መድኅኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ተደኒቑ ኣየነይቲ ትእዛዝ ትዓቢ ንዝብል ሕቶ እንክሓትት: መድኅኒና ኢ. ክርስቶስ ከምዚ እንዳበለ ይምልስ፦  “እታ ቀዳመይቲ እዚአ እያ፥ ኦ እስራኤል ስማዕ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንሱ በይኑ እግዚኣብሔር እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኻ ብምሉእ ንብኻን ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብኹሉ ኣእምሮኻን ብኹሉ ሓልኻን ኣፍቅሮ” ኣንዳበለ ይምልሰ። ማር 12. 28-30 ብነብያት ገቢሩ ኸኣ፤ ንህዝቢ እስራኤልን ንኹሎም ሕዝብታትን ናብኡ ናብቲ ኡንኮን በይኑን እግዚኣብሔር ዝኾነ ኣምላኽ ኪምለሱ፤ ባዕሉ እግዚኣብሔር ኪጽውዕም ተረኽበ። ኣምላኽ ኣነ እየ ካሊእ ኣምላኽ የልቦን፤ ስለዚ ኣቱም ኣብ ኩሉ ወሰናስን   ምድሪ ዘለኹም ሕዝቢ ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ፤ ኩሉ ብርኪ ኪሰግደለይ: ኩሉ ልሳን ከኣ ብአይ ክምሕል እዩ። ብዛዕባይ ከኣ ዓወትን ጽድቅን ሓይልን ኣብ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዚርከብ ኪብሉ እዮም. ኢሳ. 45: 22-24

ስለዚ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ምእማን ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብቲ ኩሉ ሓቅን ግልጸት ናይ እግዚኣብሔር ምእማን ማለት እዩ። ነቲ እግዚኣብሔር ብንብያት ከጺሉ ብሓዋርያት ዝተናገሮ ሓቅታት ተቐቢልካ ምኻል ማለት እዩ፧ እግዚኣብሔር ብሕያውነቱን ብድልየቱን ጥበቡን ተገልጸ:  ኣብ መጠረሻ በቲ ሓደ ዘፍቅሮ ወዱ ተገልጸ ነዚ ሓቂ ዘስተምሁሩና ተምህርና ቤተክርስቲያን ምቕባል ማለት እዩ። ንዕኡ ብኹሉ ልብካን ሓይልካን ኣእምሮኻን ምፍቃርን ምምላኽን ማለት እዩ።

ኣምላኽ ስሙ ይገልጽ

ኣምላኽ እምበኣር ካብ ወዲ ሰብ ስውር ኮይኑ ክነብርን ኣይፈቐደን ባዕሉ ንፍጡራቱ ክዛረቦም ፈቐደን ደለየን ። ስሙ በኣታቶም ከምዝፍለጥ ወሰነ። ርእሱን ኩነቱን ዕላሙኡን ከኣ ገለጸሎም። ኣፍደገ ልቡ ከፈተሎም። ስልዚ ኣምልኽ ስሙ ይገልጽ።  ስምካ ምግላጽ ማለት ከኣ እንታይነትካን: መንነትካን ምግላጽ ማለት እዩ። መንነትካን ኩነትካ ንኻልኦት ምፍላጥ ማለት እዩ። በዚ መሰረት (ሕያው ኣምላኽ) ሙሴ ኣባጊዕ ሓሙኡ እናጓሰየ እንከሎ እግዚኣብሔር ይጽውዖ – “ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ: ኣምላኽ ኣብራሃምን፤ ይስሓቕ: ኣምላኽ ያዕቆብ እየ” ። እንዳበለ ኸኣ ይቀርቦ። በዚ እግዚኣብሔር ነቶም ዝቐደሙ ኣበው ዝጸወዐን:  ኣብ ጉዕዞኦም ዝመርሐን ኣምላኽ ምኻኑ: ንሱ እሙንን ርሕርሑን ስለዝኾነ: ንዳሕሮዎት ወሉዶውን ካብ ባርነት ሓራ ከውጽእ ከምዝመጽእ:  ብቦታን ብግዜን ከምዘይሕጸር: ነዚ ኪፍጽም ክገብርን ክእለትን፤ ድልየትን ከም ዘለዎ፤ ነዚ መደብዚ ንምፍጻምም በቲ ከኣልኩሉ ሥልጣኑ ዚጥቀም ኣምላኽ ምኻኑ ይገልጽ። ሙሴ “እንሆ ናብ ደቂ እስራኤል ከይደ፥ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ” ምስበልኩዎም፥ ስሙ መን እዩ፣ እንተ በሉንስ፥ እንታይ ክብሎም እየ! በሎ። ኣምላኽ ድማ ንሙሴ “ኣነ እቲ ዘለኹ እየ። ንደቂ እስራኤል ከኣ “እቲ ዘሎኹ ናባኻትክም ልኢኹኒ በሎም በሎ። “ኣነ እቲ ዘሎ (ኹ) እየ” ብምባል እግዚኣብሔር መን ምኻኑን፤ በየናይ ስም ኪስመ ወይ ኪጽዋዕ ከምዝደልን ምስጢራዊ ስሙ ይገልጸሎም።ዘጸ 3:6

ናይ እግዚኣብሔር መንነት፤ ማለት እቲ እንርድኦን እንብሎንሲ: መወዳእታ ዘይብሉ ልዕሊ ኹሉ ምኻኑ እዩ። ንሱ እቲ (ካባና) ዝተሰወረ ኣምላኽ ፤ ስሙ ብቓላት ኪግለጽ ዘይከኣል ክንሱ: ናብ ደቂ ሰባት ንርእሱ ዘቕረበ ኣምላኽ እዩ። ኢሰ 45:15 ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትኩም እየ፤ ምሳኻ ክኸውን እየ እንዳበለ እምላኽ ዝነበረን ገና ምስ ደቂ ሰባት ክነብር ከምዘለዎን ይገልጽ።) ዘጸ 3:6 እግዚኣብሔር: “ዘለኹ” ብዝብል፤ ስሙ ኪግለጽ ከሎ ምእንቲ ከድሕኖም ወትሩ ኣብኡ ኣብ መንጎ ሕዝቡ ዚርከብ ህልው ኣምላኽ ምኻኑ ይገልጽ። ኣብ ቅድሚታ እትነድድ ዕጸጳጦስ ዝተረኽበ ሙሴ፤ ኣብ ቅድሚ ህልውና ኣምላኽን ቅድስናኡን ከምዘሎ ስለዝተረደአ ሙሴ: ኣሣእኑ ኣውጺኡ ደርበየ፤ ገጹውን ኣጎልበበ። (ዘጸ 3:6) ኣብ ቅድሚቲ ሥሉስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ደው ኢሉ ዝነበረ ኢሰይያስ ከኣ “ዋይ ኣነ ጠፋእኩ፤ ከናፍረይ ዝረኸሰ ሓጥእ ኢየሞ” ኢሳ 6:5 ክብል በኸየ።

ኣብ ቅድሚቲ ብእየሱስ ዝተፈጸመ መሎከታዊ ትእምርታት ዝተረኸበ ጴጥሮስውን እንተኾነ: “ጎይታይ” ኣነ ሓጥእ ሰብ እየሞ ካበይ ረሓቕ። ብምባል ጨረሐ። ግና እግዚኣብሔር ቅዱስ ብምኻኑ: ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ኮይኑ፤ ሓጥእ ምኻኑ ዝእመን ሰብ ኪምሕሮ ይኽእል እዩ። “ብነድሪ ቁጥዓይ ኣይመጽእን እየ፤ ሕነ ነድረይ ኣባኻትኩም ኣየውጽእን እየ፤ …. ኣነስ ኣምላኽ እየ: ሰብ ኣይኮንኩን: ኣብ ማእከልኩም እውን ቅዱስ እየ”። ሆሴዕ 11:9 ዮውሃንስ ሓዋርያውን ከምኡ … ሕሊናና እንተነቐፈና ድማ ኣምልኽ ካብ ኩሉ ዚዓብን ኩሉ ዚፈልጥን ስለዝኾነ፤ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ከነህድኦ ኢና” ይብል። 1ዮው 3:19-20 መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ እግዚኣብሔር እምበኣር መሓርን ጸጋውን ኮይኑ ንህዝቡ ዝቐርብ። ወላካ ሕዝቢ እስራኤል: ካብ እግዚኣብሔር ርሒቑ፤ ነቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ዝገበረሉ ረሲዑ: ወርቃዊ ምራኽ ብምምላኽ ኣብ ሓጢአት እንተ ወደቐ፤ እግዚኣብሔር ንጸሎት ኣማልድነት ሙሴ ሰሚዑ፤ ኣብ መንጎቲ ዘይእመን ጠላም ሕዝቢ ኪጎዓዝ ፈቐደ፤ በዚ ከኣ ፍቕሩ ገለጸ። ዘጽ. 34.7   በዚ እዩ ኸኣ የውሃንስ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ እንዳበለ ዝጽሕፍ።

ኣነ እግዚኣብሔር መሓርን ጸጋውን ኣምልኽ፤ ንኹራ ደንጋዪ፤ በዓል ዓቢይ ፍቕርን ሓቅን፤ ኪብል ኣወጀ። እግዚኣብሔር፤ ዚምሕር ኣምላኽ ምኻን ድማ ሙሴ ኪእመን ይርከብ። (ኤፌ 2:4) እግዚኣብሔር ጸሎት ሕዝቡ ከምዚሰምዕ’ሞ ሓንቲ መዓልቲ ዚደልይዎ ከምዚፍጽመሎም ብነቢይ ሆሴዕ ይናገር “ኣነ ጸሎት ሕዝበይ እስራኤል ሰሚዐ ክምልስ እየ” ኣነ ኢኹም ክብሎም እየ ንሳቶም ከኣ “ንስኻ ኣምላኽና ኢኻ ኢሎም ክምልሱለይ እዮም” ሆሴእ 21:23። እግዚኣሔር ንሕዝቡ ፍቅሩን ርኅራሔኡን ክገልጸሎም እንከሎ ካብ ናይ ኣደ ፍቕሪ’ውን ከም ዝዓዝዝ ይዛረቦም። “ጽዮን እግዚኣብሔር ሓዲኡኒ ጐይታ ረሲዑኒ በለት። ኣደዶ ንዕሸላ ትርስዕ ኢያ፡ ሰበይቲዶ ንፍረ ከርሳ ትጭክነሉን፡ ነቲ ዕሸላ ክሳብ ትርስዕ ትኸውን ኢያ ወላኳ እሳተን እንተረስዓ ኣነ ግን ኣይርስዓክን ኢየ። ኢሳ 49፡14-15 “ንሓጺር ጊዜ ሓደግኩኺ ብዓቢ ምሕረት ግና ክእክበኪ ኢየ። ኣብ ግዜ ቁጥዓ ንቕጽበት ገጸይ ከወልኩልኪ ብዘልዓለማዊ ድሕነት ግን ክርሕርሓልኪ ኢየ ይብል እቲ ዘድሓነኪ ኣምላኽ። ኢሳ 54፡7-9

ሕዝቢ ኢስራኤል እምበኣር እግዚኣብሔር መን ምኳኑ በቲ ዝገብረሎም ኩሉ ፈሊጦምዎ ኢዮም። ንሱ እቲ ሓደ ፈጣሪ:  ንኩሉ ዝፈጠረን ኩሉ ዝኽእል፡ ናይ ኩሉ ፍጥረት ጐይታ፣ ንኩሉ ዝሓሊ፡ ብኅልፊ ንድኻን ንጭኑቕን ዝረድእ፣ ንክፉኣትን ክጥዓሱ ዘይደልዩን ዝድግፍ፣ ቅንዕናን ርትዕን ዝፈቱ፡ ምሕረቱን ኪዳኑን ንዘልዓለም ዘጽንዕ ሰለስተ ጊዜ ቅዱስ ምኳኑ ካብ ኣብ ሕይወቶም ተመኩሮምዎ ኢዮም። ፈጣሪ ኩሉ ስለ ዝኮነ ከኣ ሕዝቢ እስራኤል ናይ ካልኦት ሕዝብታት እምላኽ ምኳኑ’ውን ቀስ ኢሎም ኣሚኖምን ተቐቢሎሞን ኢዮም። እግዚኣብሔር ካብ ዘለዓለም ክሳብ ዘለዓለም “እቲ ዘሎ እዩ” ፤ ከምኡ ኢሉ ከኣ ነቲ ዝአተዎ ቃል እሙን ኮይኑ ንወትሩ ይንበር።

ኣብ ቅድሚ ፍጥራቱ ኸኣ እሙንን ዘይጠልምን ሓደ ኣምላኽ ኮይኑ ይርከብብ። ስለዚ እዩ ከኣ ምሕረትካን ሓቅነትካን ኢለ: ንስምካ ከመስግኖ እየ” መዝ.138: 2 እግዚኣብሔር ብርሃን ብምኻኑ፤ ኣብኡውን ጸልማት ዚብልዎ ስለዘየልቦ፤ ንሱ ሓቂ ብርእሳ እዩ፤ ዮውሃንስ ሓዋርያ ከምዘምህሮ ከኣ ከምቲ ኣቀዲማን ዝበልናዮ ኸኣ “እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ።

ኣብ ሓደ ኣምላኽ ምእማን ማለት እምበኣር በቲ ንውልቁ ኡንኮ ዝኾነ እግዚኣብሔር ምእማን፤ ነኣኡውን ብኹሉ ኩነትናና ምፍቃር: ኣብ መላእ ሕይወትና ዘከተሎን ዘምጽኦን ነገራትን መዝነትን ኣለዎ።

–     ናይ እግዚኣብሔር ዕቤትን ግርማን ምርዳእን ማለት

-“እንሆ ኣምላኽ ዓቢ እዩ፤ ንዕቤቱ ክንርድኦ ኣይንኽእል ኢና” ምእንቲዚ ከኣ ልዕሊ ኹሉ ንእግዚኣብሔር ክነገልግል ይግበኣና።

–     ኣብ ምስጋና ጢሕልካ ምንባር ማለት እዩ፣

–     ኣብ ክንዲቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኩሉስ፥ ንእግዚኣብሔር እንታይ ውሬታ ክምልሰሉ እየ መዝ.116:12:

–     ናይ ኩሎም ሰባት ሓድነትን: ኡነተይና ክብሪ – ግርማን ምፍላጥ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ ብናይ እግዚኣብሔር ኣራአያን ኣምሳልን ዝተፈጥረ ስለዝኾነ።

–     ኣብ ኩሉ ሕይወትካ እምነትካ ኣብ ኣምላኽ ምግባር ማለት እዩ።

–     ልዕሊ ኹሉ ንዑኡ ምፍቃር ማለት እዩ

–     እምነትካ ኣብ ፍቕሪ መሰረት ዝገበረ ብፍርሓትን ራዕድን ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም ድሕነት ስርሑ። ከመይ ነቲ ኣምላኽ ብፍቕሩ ዝመደቦ ምእንቲ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ኣባኻትኩም ዝዓዪ (ፊሊ.2᎓12-13) ኣብ ፍቕሪ ዘይተመስረተ እምነት ጐዳኢ እዩ።

ብዛዕባ እግዚኣብሔር ኣቦ

ኣቦ ዚወለደ፣ ንዝወለዶም ብፍቕርን ተገዳስነትን ዚሓሊ፣ ዚከላኸል፣ ኩሉ ሰናይ ዘበለ ዚምነ ብዝከኣሎ ንኩሉ መንፈሳውን ስጋውን ግድነቶም ዘማልእ ወዘተ ኢልና ንገልጾ። ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ኵነታት ኣቲና ክንዛረብ እንከሎና ከኣ – ልክዕ ብዛዕባ ቅድስቲ ስላሴ ክንዛረብ እንከሎና እግዚኣብሔር ካብ ጥንቲ ከም ዚወለዶን ንዘለዓለም ከም ዚወልዶን ንፈልጥ ነኣምን – ኣብ ጸሎት ሃይማኖት ዓንዲ እምነትና እንክንደግም ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ ነኣምን እናበልና ኢና ንጽሊ –  ስለዚ እግዚኣብሔር ዘፍቅር ኣቦ ስለ ዝኾነ ሕይወት ክህሉ ደስ ስለ ዝብሎ: ብናጻ ፍቓዱ ነዓና ደቂ ሰብን ከገግልግሉናን ጽባቔኡን ዕብየቱን ዚገልጹልና ነገራት ፈጠረ። እዞም ዚበልናዮም ኩሎም ከኣ በኣኡ ይነብሩ: በኣኡ ይወሳወሱ: በኣኡ ከኣ ህልዋን ይኾኑ።ግ.ሓ.17᎓28 ታሪኽ ወድ ሰብ ካብ መጀመርታኡ እምበኣር ህላዌ እግዚኣብሔር ዚመልኦን ዘሰንዮን እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተተመልከትና’ ድሮ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኢሎም ይጽውዕዎ። እዚ ግን ከም ፈጣሪኦምን: ሓጋዚኦምን: ተኻላኻልን ይርእይዎ ከም ዚነበሩ የመልክት። ጺኒሑ ኣብ 2ይ ክፍለዘመን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ግን ኣቦ ክብሉ ከለዉ፤ እግዚኣብሔር ኣብ ሕዝቡ ዝነበሮ ዘለዓለማዊ ፍቕሪ ኢዩ ዘመልክት። እግዚኣብሔር ንስኻ ኣቦይን ጐይታ ሕይወተይን ኢኻ ክሳብ ምባል እውን በጺሖም ኢዮም ሲራክ 23። ሚስጢር ኣቦ ንምፍላጥ ኣብ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ጥራይ’ዩ ዚግበር። ስለዚ እስራኤላውያን ወላ’ኳ ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ዚነበሩ ኣሕዛብ ንኣምላኾም ብዙሕ ግዜ ኣቦ ኢሎም እንተ ዘይሰመይዎ ኣብ ገለ ገለ ግን ዕብየቱን ፍቕሩን ሓልዮቱን ምሕረቱን ብምግንዛብ ኣቦ ኢሎም ኪጽውዕዎ ይርኣዩ። “ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርኅራኃሎም ከምኡ እግዚኣብሔር ንዚፈርሕዎ ይርሕርሓሎም እዩ” ። መዝ.103᎓13

ሰብ ንውሉዱ ከም ዚቀጽዕ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ድማ ከምኡ ከም ዚቐጽዓኩም ዘክሩ። ዘዳግ.8᎓5 እናበሉ ቅዱሳን ጸሓፍቲ ብሓቂ እግዚኣብሔር ንናይ ሕዝቢ እስራኤል ዚሓሊ: ንጽቡቕ ዚሓስበሎም: ብዘይካኡን ብዘይ ናቱ ረድኤትን ከኣ: ኩሉ ኵንቱ ምዃኑ ተረዲኦም ነዚ ኣብ ኢሳይያስ ነቢይ ኣስዒብና እነንብቦ ምስ እግዚኣብሔር ከም ውሉድ ኮይኖም ከዕልሉ ይርከቡ። ኦ እግዚኣብሔር! ካብ ሰማይ ርኣ፥ ካብቲ ብቕድስናን ብኽብርን ጸኒዕካ ናባና ጠምት፥ ኃይልኻ ኣበይ ኣሎ፥ እቲ ኣባና ዘለካ ዓብይ ሓልዮት ኣበይ ኣሎ! ርኅራኄኻን ምሕረትካን ኣበይ ኣሎ! ኦ እግዚኣብሔር፥ ኣይትሕደገና። ኣቦና ንስኻ ኢኻ። ኣቦናስ ንስኻ እቲ ኻብ ዘለዓለም ዝተበጆኻና እግዚኣብሔር ኢኻ። (ኢሳ.63᎓15፣ 64᎓8) ልክዕ’ዩ እስራኤልን ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኢሉ ይጸውዓዮ እምበር – ንሱ ንሕዝቡ ብነጻ መሪጹ ኪዳን ስለ ዝኣተወሎም: ምስኡ ብዙሕ ምትእስሳር ከምዝገበሩ: ዘረጋግጽ መጸዋዕታ’ዩ። ንሱ ፈጣሪን ጐይታን ስለ ዝኾነ በዚ ስልጣን ተጠቂሙ ከኣ ፍሉይ ሓልዮት ዚመልኦ ዕርክነት ምስ ሕዝቡ ከም ዚመስረተ ብምርኣይ እዮም፣ ካብኡ ሓሊፎም ከም ኣቦ፣ ጓሳ፣ መርዓዊ ሓላዪ ሕዝቡ ገይሮም ዘቕርብዎ። ሓደ ምሩጽ ሕዝቢ ምስ ሓደ ኣምላኾም ስለ ዝኾነ ከኣ ከም ኣሕዋት ኪተሓቛቐፉ ከም ዘለዎም ምልክያስ ነቢይ ከዘኻኽሮም ይርኤ፡ “ኵላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኮነን ዘሎና? ሓደ ኣምላኽዶኸ ኣይኮነን ዝፈጠረና? ስለምንታይ ድኣ ንሓድሕድና እናተጠላለምና ነቲ እግዚኣብሔር ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኪዳነ እነፍርስ? (2᎓10) እናበለ ሕዝቢ እስራኤል ከፋቐርን ኪሰማማዕን: ኪተሓጋገዝን ክነብር ከምዘለዎ፣ ነዚ እንተዘይፈጺሙ ግን እግዚኣብሔር ነቦታቶም ዝኣተወሎም ኪዳን ከምዘፍርስዎ ይገልጸሎም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ህልውን እትውን እዩ – ንሱ ኣምኑኤል እዩ ኢሳ. 7᎓4 – ንሱ ናይታ ጥሪቱ ዝኾነ ሕዝቢ እስራኤል እምኒ መዓዝን: ንሱ ስራሕ መሬት –  ንሕና ከኣ ስርሓት መሬት ኢና። “እቲ ምስ ሰራሒኡ ዚካታዕ ስርሓት መሬት ወይልኡ፣ ክርስቲያን እምበኣር “ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን” ብምጥማቕ በዚ ምሥጢር እዚ ንኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፣ “እወ: ኣኣምን” እናበሉ ክእመኑን ክቕበሉን ይርከቡ። “እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን መንፈስ ቅዱስን እናተመቁምዎም ደቂ መዛሙርተይ ግበሩዎም። ናይ ኩላትና እምነት እምበኣር ኣብዚ ሥላሴዚ ዝተሃንጸ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ከኣልኩሉ ኣቦ፤ እቲ ሓደ ወዱን መንፈስ ቅዱስን: ሓደ ኣምላኽ ስለ ዘሎ፤ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን እምበኣር ኣብ ስላሴ ዝተሃንጸ እዩ። እግዚኣብሔር መን ምኻኑ ዚገልጸልና ኸኣ እቲ ተግባራቱ ስራሓቱ እዩ።

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን እግዚኣብሔር ሓቐኛ ኣቦ ምዃኑ ብወልድ – በቲ ካብ ከርሱ ዚመጸ ክርስቶስ ባዕሉ ይምስክረሉ – መሰረታዊ ትርጉሙ ከኣ ንሱ ከም ኣቦ መጠን ምንጪ ሕይወት’ዩ፤ እቶም ካብዚ ሕይወት ብምርካብ መሰል ውሉድነት ዚተቐበሉ ሰባት ከኣ ከም ውሉድ መጠን ምስኡ ክዋስኡ ዘኽእል ጸጋ ዚህብ እዩ። ክርስቶስ ከም ሓደ ወዱ ነብኡ ከመይ ኢሉ ንውልድነቱ ከም ዚነበሮ ንቅዱስ መጽሓፍ ብምርኣይ ንፍለጦ’ሞ – ንሕና ከኣ ነዓኡ ንስዕብ። ኣብ መንጐኦም ዚነብር ፍቕሪ ክሳብ ሞት እኳ ድኣ ናይ መስቀል ሞት ተኣዛዚ ኮነ። ነዓና’ውን ከም ውሉድ መጠን – ኣቦ ንዓለም ነዚ ዚፈትዎ ሓደ ወዱ – ዚኣምን ዘበለ ኪድሕን እምበር ንኸይጠፍእ ኣሕሊፉ በጃና ሃቦ። ንሕና ውልድነትናን ኣባታውነት እግዚኣብሔር እነረጋግጽ ብነጻ እቲ ኣካል ናይ ቅድስቲ ስለሴ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ንከሓድር እግዚኣብሔር ስለ ዝፈቐደ እዩ። ሕይወት ዚህብ መንፈስ ናይ’ቲ ዚተንስኤ ክርስቶስ ከኣ ውሉድ ምዃና ይምስክር። ንነፍስ ወከፍ ክርስትያን ከኣ እግዚኣብሔር ኣቦ ምዃኑ ብጥብቂ ከምዚኣምኑ ሓይሊ ይህቦም።  “ኣቦ ዚብል መጸዋዕታ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንሰብ ድሕሪ ፈጢሩ ዘይመውት ሕይወት ዚህብ መንፈስ: ኣባና ስለ ዘይነበረ: ወይ ካብ ኩሉ ፍጥረት ዚበለጹ ፍጥረት ስለ ዝገበረና ጥራይ ዘይኮነስ ኣባና ብኣባታዊ ሓልዮቱ ናቱ ዝኾነ መለኮታዊ ሕይወት ተሳተፍቲ ስለ ዝገበረና እዩ። ናቱ መለኮታዊ ሕይወት ዝተሳተፍና ከኣ እንተ ተቐቢልናዮ ብሓቂ ደቁ ኢና: ንሱ ብኣና ዘይሕለል ሓቐኛ ኣቦ’ዩ ብዘይውዳእ ፍቕሪ ስለ ዘፍቀረና ከኣ: ኩሉ ግዜ ዚምሕር ኣቦ ኮይኑ ይርከብ። እቦ ዝብል ቃል ናይ ባህሪ ምትእስሳር እውን የስምዕ እዩ። ንሕና ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣቦ እንብሎ ኢየሱስ መንፈስ ፍቕርን ሓድነትን ኣብ ልብና ስለ ዘሕደሮ እዩ።

“ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከኣ ነቲ “ኣቦ “ኣቦ” ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብኹም ለኣኮ። ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ኸኣ ኣምላኽ ወረስ ገይሩካ እዩ” ገላ.4᎓6-7 ስለዚ ኣቦ መሠረታዊ ትርጉሙ ምንጪ ናይ ሕይወት የስምዕ። ናይ እግዚኣብሔር ኣባትነት ካብ መለኮታዊ ባህሩ ዝመነጨ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ጥንቲ ዝውለድ ሓደ ወዱ ስለ ዘለዎ –  ኣብ ጸሎት ሃይማኖት ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንእመን እንከሎና” ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ ኢና እንብሎ፣ ክርስቶስ ምስ ኣቡኡ ማዕረ ስለ ዝነበረ ከኣ ካብ ዘለዓለም ዚውለድ እዩ: በዚ ኩሉ እግዚኣብሔር ካብ ዘለዓለም ኣቦ ኮይኑ ይርከብ። እቲ ብጸጋ ኣብ እግዚኣብሔር ኣምላኹ ዚተወልደ ዚተሓደሰን ሰብ ቅድሚ ካልእ ቃል ምድማጹ “ኣቦ” ኢሉ ይጽውዕ።  ታሪኽ ድሕነት እንተ ተዓዘብና መበገሲኡ ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ። ኣተገባብራኡን ናብ ኣቦ ዘመርሕ እዩ።  ሥራሕ ክርስቶስ ኮነ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ናብ ኣቦ ዘተኰረ እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ናይ ኩሉ ሥራሕ ድሕነት ምንጭን መወዳእታን ስለዝኾነ። ኣባትነት እግዚኣብሔር እቲ ቀዳማይ መልእኽቲ ወይ ብሥራት ናይ’ቲ ዝተንስአ ክርስቶስ እዩ። መለኮታዊ ኣባትነት ከም ሓደ ምስጢር ንሕና ንዕምቀቱ ክንርዳእ ዘይንኽእል ኮይኑ እዩ ተገሊጹ። ኣባትነት እግዚኣብሔር ስለ ዘጸግመና ከኣ ከም ፊሊጶስ “ጐይታ ነቦኻ ኣርእየና’ሞ የኣኽለና” ክንብል ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ሕይወት ክርስቶስ ብምሉኡ ነቦ ዚገልጽ እዩ ዝነበረ ። ምኽንያቱ ምሉእ ተልእኮ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ህላዌ ኣቦ ስለ ዝተፈጸመ ።

እግዚኣብሔር ኣቦ ኮይኑ ዝርከብ ከም መጠን ፈጣሪ ጥራሕ ኣይኮነን።  ምስቲ እንኮ ወዱ ብዘለዎ ርክብ: ዘለዓለማዊ ኣቦ ኣዩ። ከምኡውን እቲ ወዱ ፤ ምስ ኣቡኡ በለዎ ርክብ እዩ ውሉድ ዚኸውን። በዘይካ ኣቦ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደካ የልቦን፤ ነቦ ድማ በዘይካ ወልድን እቲ ንሱ ኪገልጸሉ ዚፈቱን እንተዘይኮይኑ ሓደካ ዚፈልጦ የልቦን። ማቴ 11.27 በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ኢየሱስ ቃል ምካኑ: ሓዋርያት ብግልጺ ኪእመኑ ዝተረኽቡ። ቃል ብቐደሙ ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፤ እቲ ቓልውን እምላኽ ነበረ፤ ናይቲ ዘይረአ ኣምላኽ ኣምሳል … ከም ምኻኑ መጠን “ናይቲ ክብረ-ኣምላኽ ነጸብራቕን፤ ባህሪኡ ምስልን እዩ። “ብቐደሙ ቃል ነበረ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፥ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። ንሱ ብቕድሙ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ኹሉ ተፈጥረ፥ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብእኡ ሓንቲ እካ ዝተፈጥረ የልቦን”። ዮሓ.1:1-3 ቀጺሉ ኣብ ቆላስያስ … ክርስቶስ ናይቲ ዘይረኣ ኣምላኽ ምስልን፥ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነ በኹሪ ወዱ ንእግዚኣብሔር እዩ። ከመይ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ኹሉ፥ ዚረኣን ዘይረኣን መናብርት ይኹኑ ጎይትነት፤ ሊቃናት ይኹኑ ሥልጣናት ኩሎም ብኣኡ ዝተፈጥሩ ኢዮም። 1:15-16

ካብዚ ተበጊሳ ኢያ እምበኣር ቤትክርስቲያን ኣብ ጉባኤ ንቅያ ሓድነት ናይ ኣቦን ወልድን ክትቅበል ዝተረኽበት።

ጉባኤ ንቂያን 318

ኣርዮስ – ብዛዕባ ቃል ወይ ወለድ-እግዚኣብሔር ግጉይ ትምህርቲ ይህብ ነበረ። “ቃል ዘይነበረሉ ጊዜ ነይሩ” እዩ.. “ቃል ካብ ኢሚንቲ እዩ መጺኡ” ብሓጺሩ ቃል ፍጡር እዩ ዝብል ትምህርቲ ነበሮ። ስብከቱ እምበኣር — እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ ዘለዓለማዊ ዝኾነ” ወልድ ግን ፍጡር ኢዩ። ብድልየት ኣምላኽ መለኮቱ ብጸጋ ተቐቢሉ፡ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን መማለዲ ጥራሕ ኢዩ።

ኣበው እምበአር ንኣርዮስ ብምውጋዝ ብስምረት ንእምነት ወልደ እግዚኣብሔር ዘረጋግጽ ጸሎተ ሃይማኖት ደረሱ። ኣብዚ ጸሎተ ሃይማኖት – ቃል ወይ ወልድ ካብ እግዚኣብሔር ኣብ: ካብ ዘለዓለም ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ: ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ: ኣምላኽ ካብ ኣምላኽ: ብርሃን ካብ ብርሃን: ከምዝኾነ ይገልጽ። በዚ ኸኣ ቤተክርስቲያን ሓድነት ናይ ኣቦን ወልድን ትቕበል ።

ከምቲ ኣቀዲምና ስጠቐስናዮ – በዘካ ኣቦ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደካ የልቦን፤ ነቦ ድማ በዘይካ ወልድን እቲ ንሱ ኪገልጸሉ ዚፈቱን እንተዘይኮይኑ ሓደካ ዚፈልጦ የልቦን እንዳበለ መድሓኒና ኢይየሱስ ክርስቶስ እንታይነት ናይ ኣቦ ድሕሪ ምሂሩን ገሊጹን። ኣብ መጨረሻ ሕይወቱው ካሊእ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣካል ናይ ቅድስቲ ስላሴ ከምዝልእኽ ኣተስፈዎም። “ነቦ ክልምኖ ኣየ፥ ንሱ ድማ ንዘለዓለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካሊእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ። እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ኹሉ ክምህረኩም:  ነቲ ኣነ ዝነገርክኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። ክርስቶስ ኣብ የማን ኣቡኡ ድሕሪ ተቐሚጡ: ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ሥራሕ ዝቅጽሉ ሰባት ሰሪዑ ስለ ዝኸደ- እቲ መንፈስ ኣቦን መንፈሱን ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ምስቶም ሰዓብቱ’ውን ጽኑዕ ርክብ ወይ ሕብረት ከም ዝህልዎም ይገብር። መንፈስ ቅዱስ ተላኢኹ ናብ ልቢ ደቂ ሰብ ይመጽእ ‘ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ነቲ ‘ኣቦ’ ኢሉ ዝጽውዕ መንፈስ ወዱ: ናብ ልብኹም ለኣኾ ገላ4፡6፡ ስለዝተላእከ ንሱ: ኣብ ደቂ ሰብ ይወርድ፡’ በተን መወዳእታ መዓልታት ኪኸውን ኢዩ…. ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሰብ ካብ መንፈሰይ ኪፈስስ ኢዩ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ ኣጓብዝኩም ከኣ ራእይ ከርእዩ ኣረገውትኹም’ውን ሕልሚ ኪሓልሙ ኢዮም…እወ በተን መዓልታታ እቲኣን፥ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ኣገልገልተይ መንፈሰይ ከፍስስስ ኢየ። ግ.ሓ.2፡17-18 ሕጂውን ካብዚ ተበጊሱ ጉባኤ ቁስጥንጥንያ – ጎይታ ወሃቢ ሕይወትን ብዝኾነ፤ ካብ ኣቦ ብዚሰረጸ መንፈስ ቅዱስ ነኣምን። እንዳበለ ከም ኣቦን ወልድን ክስገደሉን ክነምልኾን ከምዘለና ይምህረና። እግዚኣብሔር ነኣና ከም ኣቦ መጠን ዘይገበረልና ንገር የለን። ካብቶም ሰለስተ ኣካላት – ሓደ ንገዛእ ርእሱ ኣኅሊፉ ክህብ እንከሎ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣባናን ምሳናን ይነብር ኣሎ፣ እቲ መጸናንዒ ምንፈስ ቅዱስ ነኣና እግዚኣብሔር ከም መርዓት ዓይኑ ይሕልወና፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፉ ይሓብኣና። መዝ.17’8 ከም ጓሳ ኮይኑ ይከናኸነና። ናይ ኣቦን ኣደን ርኅራኄ የርእየና ኣሎ። ብወገና ነዚ ኩሉ ዝገበረልና ኣምላኽ ተረዲእና፣ ነዚ ኩሉ ዝገብርን ዝሓልን ኣምላኽ ክነመስግንን ክንውድስን ይግበኣና። ግልጸት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ኣቦ ንጹር – ወንጌል እንታይነት ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ንምግላጽ እግዚኣብሔር ኣብ ንዓለም ስጋብ ንወዱ ኣሕሊፉ ንሞት ብምሃብ ከምዘፍቀራ ይዛረብ።  እቲ ሓቀኛ ስእሊ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ንኽህልወና –. መድሓኒን ኢየሱስ ስክርስቶስ ነዚ ናይ ኣቦ ፍቕሪ ንምግላጽ ንሓዋሪያት ከምዚ ንዳበለ ይሓቶ: መን እዩ ካባኹም እቲ ወዱ ባኒ እንተለመኖ ከውሒ ዝህቦ …ዓሳ እንተሓተቶ ተመን ዝህቦ”

አባ ሓጎስ ጠስፋጋቢር

አብ ሕይወት ቃል ኪዳን ተራ ተጻመድቲ እንታይ ይመስል፧

 

ሰበይቲ ንምፍታሕ ብሙሴ ዝተዋህበ ፍቓድ ብሰንኪ ትሪ ሊቢ ደቂ ሰባት ዝተገብረ ሕድገት ደኣምበር: ብሕጊ እግዚኣብሔር ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ሓድነት ፍጺሙ ዘይፍታሕ ምኻኑ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣትሪሩ ከምዝአወጀን ከምዝመሃረን አብዝሓለፈ አስተንቲና ነርና።

እዚ መድብ ሓድነት እዚ መደብ እግዚኣብሔር ምኻኑ፡  ማንም ኪፈትሖ ከምዘይክእል፣ “ እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍተሓዮ” እንዳበለ ከኣ ትምህርቱ የመሓላልፍ። እዚ ሓዋሪያት ብርቱዕን ዘይከኣልን ትእዛዝ ገሮም እካ እንተሓሰብዎ፡  ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ግና .. ደገፍን ጽላልን ናይ ክርስቶስ ኣይፍለዮን ኢዩ። ሰብ ኪዳን እምበኣር መስቀሎም ክጸሩ .. ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ክደጋገፉ ይግበኦም። ዝለዚ አብዚ አቲናዮ ዘለና ኪዳን ከም ተጻመድቲ፤ ከም ሰብአይን ሰበይትን፡ ከም ሰብ ቃል ኪዳን። ነዚ ኪዳን ብሓድነትን ውሉድ ንምውላድ፡ ብሓላፍነት ውሉድ ንምዕባይን ናይ ነፍሲ ወከፍና ተራን –  ጻዕርን – ሓላፍነትን ይሓትት ነፍሲ ወከፍ እዚ ሓድነት እዚን እዚ ዕላማ እዝን ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ነፍሲ ወከፍ ተጻማዲ ኣብ ጸዋዕታኡ እሙን ኮይኑ ክርከብ የዲሊ። ዘይምስምማዕ ፡ምጥልላም ከይመጽእ ክንሰርሕን ክንተግህን ይግበኣና።

ቅዱስ ጳውሎስ .. ተራ ሰብኡት አብ ቃል ኪዳን እንክገልጽ፦ ኣቱም ሰብኡት ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስቲያኑ ምእንቲ ኪቕድሳ ዘፍቀራን: ህይወቱውን ምእንተኣ ዘወፈየ፤ ነንስትኹም ኣፍቅሩወን፣ ክርስቶስ ንናይ ተፈጥሮ ስርዓት ከሕድስ ስለ ዝመጸ ብእኡውን ናይ ተገልጾ ምልኣት ስለ ዝተኸስተ፡ እግዚኣብሔር ፍቅሪ ምዃኑ ገለጸ (ዮሓ 1፡18) ንዓና ተኸተልቱ ንዝኾና ከኣ ሓንቲ ትእዛዝ ሓደገልና ነንሓድሓድና ክንፋቀር፤ ልቢ ወዲ ሰብ እምበር ንኸፍቅርን ንኽፍቀርን ዝተፈጥረ ኢዩ። እዚ መለኮታዊ ፍቅሪ ኣባና ጸኒዑ ንክነብር ከኣ እግዚኣብሔር መንፈስ ፍቕሪ ኣብ ልብና ለኣኸ ይብሉና ቅ.ዮሓንስን ቅ.ጳውሎስን (ዮሓ 14፡26፣ ሮሜ 8፡14)

ንኪዳን  ብዘርኢ ፍቅሪ ሓደ ምስ ሓንቲ ኮይኑ ዘይልወጥን ዘይፍታሕን ሓድነት ከም ዝፈጥር አብ ቅዱስ መጽሓፍን ትምህርቲ ቤተክርስቲያንን ተመርኪስና እንርድኦ ሓቂ ኢዩ።ክርስቶስ እምበር ነቶም ብጊዜኡ ዝነበሩ ብሰብኣዊ ሕጊ ተመሪሖም ንመለኮታዊ ትሕዝቶ ኪዳን ኣናኢሶምዎ ዝነበሩ ሰባት ክሓትዎ ክምልሰሎም ከሎ ።  እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠር ሰብኣይን ሰበይትን ጌይሩ’ዩ ዝፈጠሮም ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ ክልቲኦም ከኣ ሓደ ኣካል ይኾኑ ዚብልዩ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ኣካል ኢዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን፣ እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ፡ ይብሎም። እዚ ኢዩ እምበአር ናይ ነፍሲ ወከፍና ጻዕርን ተራን – ሓደ ምኻና አሚና ነዚ ሓድነት ሓላፍነትና ወሲድና ክንሰርሕ። ዝለዚ እምበአር እዞም ክልተ ተጻመድቲ ወይ ሰብአይን ሰበይትን – ሰብ ኪዳን – ኣሰር ክርስቶስ ብምስዓብ፡ ንርእሳቶም ኪሒዶም መስቀሎም ብምሽካም ትርጉም ኪዳን ሓዳር ተረዲኦም ብዝግባእ ክነብሩሉ፣ ናይ ነፍሲ ወከፎም ተራ ሓላፍነት ይሓትት። ክርስትያናዊ ሓዳር (መርዓ) ጸጋ ኮይኑ ብናይ መስቀል ክርስቶስ ዝተረኽበ ፍረ እውን ኢዩ። (ሓዲሽ ካቶል.ትም.ክር 1615)።

ክርስቶስ ንኪዳን ይባርኮን ምስ ሰብ ኪዳን ክሕጐስን ክተሓባበርን ኣብ ቃል ዘገሊላ ንረኽቦ (ዮሓ.2፡1-11)። ክርስቶስ ንሕጻናት ክባርኾምን ከምኦም ዝኣመሰለ ጥራይ ንመንግስቲ እግዚኣብሔር ክኣትዎ ከምዝኽእልን ይዛረብ፡ ነቶም ካብኡ ከርሕቅዎም ንዝደልዩ ሰባት ከኣ ይቍጥዓሎም። ሕጻን ዓቢይ ናይ ምቅባል ክእለት ስለ ዘለዎም- ንትምህርቱ ከመሓላልፈሎምን ኣብ ሓንጎሎምን ልቦምን ክቀርጸሎም ይዕድሞም። እዚ ከኣ እቲ ሓደ ተራ ወይ ሓላፍንት ናይ ወለዲ ምኻኑ  ኢዩ። ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ – ተቐቢልና ከምቲ ዝግባእ እናነበርና – አሰር ክርስቶስ ብምኽታል ፍቕሪ ሕድሕድ እናተወሃሃብና – ነዚ ቅዱስ ናብ ደቃትና ክነመሓላልፎ።  እንታይነት መንግስቲ እግዝኣብሔር ኣብ ልቦምን ኣእምርኦምን ክነሰርጸሎም ሓላፍነት ከም ዘለና የፍልጠና።

ቅ.ጳውሎስ ብዛዕባ ቃል ኪዳን ክዛረብ እንከሎ ነቶም ቀዳሞት ወለዲ ጥራይ ዘይኮነስ መልእክተ ባህርያዊ ወይ መለኮታዊ ኣብነትውን ይወስድ። ክርስትያናዊ ናብራ፡ ሓዳር ኣብ ክርስቶስን ቤተክርስትያንን ዘለዎ ሓድነት ክኽተል ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብኡ ዝተመሥረተ ምኳኑ ይገልጽ። (ኤፈ 5፡21-33 ይንበብ) እዛ ቤተ ክርስቲያን ዘቤት ወይ ንእሽተይ ቤተ ክርስቲያን በዞም ክልተ ፍቑራት ዝቖመት  ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ተመስሪታ ሓድነታ፣ ማዕርነታ፣ ምስጢራውነታ፣ ልዕልነታ ተረዲኣ ኣብ ቤ/ያንን ምስ ቤ/ያን ኮይና ኣብ ቅድስናን ንቅድስና ርእሳን ውሉዳን ሕብረተስባን እትሰርሕ ኢያ። ንምስጢር ተኽሊል ብእምነት ተቀቢሎም ብተስፋ ይጐዓዙ ብፍቅሮም ከኣ ይገልጽዎ። ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ዝግበር ክርስትያናዊ ኪዳን – ሓደስቲ ፍጥረት ይገብረና፡  ናብ ሓድነት ከነተክሩውን ይሕግዘና፡ ምክንያቱ እቲ ጸዋዕታ ተክሊል ብመሰረቱ ናብ ሓድነት ዘተኮረ ኢዩ። ሓድነት ምስ ዝፈጥሩ ጥራይ ኢዩ ከኣ ዕብየትን ብስለትን ዝረኽቡ።

ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስቲኣይኑ ዘፍቀራን ንሕናውን ከም ሰብኣይን ሰበይትን ክንፋቐር እዚ ኣምሳል ክርስቶስን ቤተክርስቲያኑን ክንክተል ከምዘለና ንዕደም ።  ኪዳን  ብእግዚኣብሄር ከምዝተሰርዓን፡ ምንጩ ባዕሉ እግዚኣብሔር ምኻኑ ኣስተንቲና።  ስለዚ ከም ሰብአይን ሰበይትን ንሕና ንቅድስና ዝተጸዋዕና ኢና። አብዚ ዕውታት ኮይና ንኽንርከብ ግና ነፍሲ ወከፍና ክንሰርሕ ይግበአና። ካብ ኣገላልጻ ፍጥረት ከምእንርድኦ ድላይ ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ሓደ ኣካል ኮይኖም ሕይወቶም ብቕድስና ንኽመርሑ ኢዩ። ስብኣይ ንኹሉ ገዲፉ ምስ ሰበይቱ ብምውህሃድ ሓደ ኣካል የቑሙ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ስተቐስናዮ ውሉድ ብምላድ ኣብቲ ናይ ምፍጣር ስራሕ ኣምላኽ ንሳተፍ ። “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪውን ምልእዋ” ዝብል ቃል አምላኽ ከአ አብ ግብሪ ነውዕል።

አብ ሕይወት ኪዳና እዚ ዓቢ ተራ ብምጽዋት ከአ “ቤተ ክርስቲያን ዘቤት ወይ ንእሽተይ ቤተ ክርስቲያን ንሃንጽ። ሰብ እምበኣር ኣብ ንእሽተይ ቤተ ክርስቲያን ወይ ስድራ ቤት ንበላ ብቀዳምነት ፍቕርን ተኣማንነትን ኣምላኽ ተገንዚቡ፡ ንሱውን ንፍቕርን ብተኣማንነትን ኪነብር ከምዘለዎ ዝመሃር። ዘጽ፡12.25-27 ሓድሽ ሕይወት ንጅምር። “ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ኩሉኻትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ከመይ ብክርስቶስ ዝተጠመቁም ዘበልኩም ንኽርስቶስ ለቢስክምዎ ኢኹም (ጋላ 3፡26-27) ይብለና ቅ.ጳውሎስ። ኣብ ክርስቶስ እምበኣር ሓዲሽ ኣነባብራ ሕይወት ይርከብ። ኣተሓሳስባናን ስራሕናን ከም ናይ ክርስቶስ ክኸውን ይጅምር። ኣብ ክርስቶስ ዝተጠመቁን ብምስጢረ ተክሊልውን ጸጋ ክርስቶስን ዝተዓደልና ሰብ ኪዳን  ነቲ ክርስቶስ በኣና ክፍጸሞ ዝደልዩ መደባት ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ግዱዳት ኢና። ቅድሚ ኩሉ ገዛእ ርእሳቶም ብምቅያር ብናይ ክርስቶስ መንፈስ ዝመላለሱ ሰባት ክኮኑ ኣለዎም። ገዝኦም ንኩሎም ክፉት ኮይኑ፡ ናይ ድሕነት … ናይ ጸጋን ኣገልግሎትን ቦታ ከም ዝኾውን ክገብሩ ይግብኦም።

ኪዳን ሂያብ መንፈስ ቅዱስ ብዝኮነት ፍቅሪ ዝተመስረተትን እትበራታዕን ኣብ ናይ ቤ/ያን ምስጢራትውን ዝተመሥረተት ስለ ዝለዝኾንት ድሕነት ክርስቶስ እተንጸባርቅ ክትከውን ክትሰርሕ ኣለዋ። ንኪዳን ብሰብኣዊ ማለት ምስ ኩሉ ድኻምነት ሰብውን ክንርእዮ ኣሎና። ፍቅሪ ወድ ሰብ ኩሉ ጊዚ ኣብ ድንገት ክርከብ ስለ ዝኽእል- እቲ ኣብ ክልተ ሰብ ሓዲሩ ዘሎ ፍቅሪ ኣበየናይ ደረጃን ናበየናይ ኣቅጣጫ ይንቀሳቀስ  ከምዘሎን ንምፍላጥ ጻዕሪ ክካየደሉ ይግባእ፡

ፍቅሪ ካብ ሰብ ነቂሉ ኣብ ሰብ ዝውዳእ እሞኸኣ – አብ ሰብ ጥራይ ዝርክብ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዓላማኡ ከምዘይረገጸ ኢዩ ዝፍለጥ፤ ሓደ መዓልቲ እቲ ናይ ሰብ እንብሎ ነገራት ምስ ኣብቅዔ –  ሰብ ሓዳር ኣብ ክቢድ ሳዕቤን ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ።

እዚ እንከይጋጠሞ ጻዋዕታ ኪዳን መለኮታዊ ውሳኔ ምኳኑ ተኣሚኑ ካብቲ ናይ ሰብኣዊ ነገር ዘሎና አተሓሳስባ ንላዕሊ ክንርእዮ ከም ዘለና ምፍላጥ ኣድላዪ ኢዩ። ዘጋንፈና ጸገማት ብጸጋ ኣምላኽ ኣሸኒፍና ንሓድነትና ሓላፍነት ብንጹርን ዓሙቅን ርድኢት ክንጽዕር ከም ዘለና ብተወሳኺ አሰር ክርስቶስ እንተ ተኸቲሊኩም ንሓድነትኩም ምልኣት ክህቦ ምኳኑ ክትፈልጡን ከትኣምኑ ይግበአኩም። ስለዚ ከኣ ኣብ ታሕጋስኩም ኮነ ጸገማትኩም ኣብ ገዛእ ርእስኹም ዘይኮነ ኣብ ክርስቶስ ክትጽግዑ፡ ንዓኡ ከኣ ዝበለጸ ሥፍራ ኣብ ሕይወትኩም ክትህብሆ ኣድላዪ ኮይኑ ይርከብ። ምኽንያቱ እቲ ዝጽውዕን ዝሕግዝን = ኣብ ጸልማት ናይ መስቀል ጊዜ ከኣ ናይ ትንሳኤ ታሕጓስ ከም ዘሎ ዘበሥር ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ። ነንሓድሓድኩም ናይ ምፍቓር ዘለኩም ክእለት ወይ መምዘኒ ንእግዚኣብሔር ንምፍቃር ብዘለኩም ክእለት ኢዮ ዝምዘን፡ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ፍቅሪ ጽኑዕ እንተ ደኣ ኮይኑ ብመጠኑ ነንሓድሕድኩም ዘሎ ፍቅሪ’ውን ክጸንዕ ኢዩ። ካብዚ ምስ ዝነቅል ጥራይ ኢዩ ንጽሑን ዓሙቅን ፍቅሪ ኣብ  ኪዳንኩም ዝርኤን ዝነግስን። ነፍሲ ወከፍ ከአ እቲ ዝግበአኒ ተራ ተጻዊተ ኢየ ክብል ዝኽእል።

ቃልኪዳን ሞትን-ትንሳኤን ጻዕርን- ስቃይን ክብርን ምሕዳግን- ምርካብን፡ እናተወራረሰ ዝነብረሉ ቦታ ኢዩ። ኣብ ክርስቶስ ዝተመስረተ ጽኑዕ…ክርስትያናዊ ኪዳን ብተፈጥሮኣ ናይ እምነት፣ ተስፋ፣ ፍቅሪ፡ ጸሎት፣ ጸጋ፣ ቅድስና ድሕነትን ዝነግሰላ ዝበቕለላን ቦታ ክትከውን ኣለዋ። ክርስቶስ ነታ ዝፈትዋ ኣካሉ ዝኾነት ቤተክርትያን መንቅብ ወይ ኣበር ዘይብላ ኮይና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንኽትቀውም ርእሱ ክሳብ ምሀብ’ዩ ኣፍቂርዋ። ነቶም ኩሎም ተጠሚቆም ኣባላታ ዝኮኑ ከኣ ንከተንጽሖምን፡ ኣብ ቅድስና ንኸተብጽሖምን  ጸጋን ሓላፍነትን ሂቡዋ ኢዩ።

ቤተክርስትያን እምበኣር ብወገና ንገዛእ ርአስና ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ሓላፍነት  እዚ ተጠቂማ ኣባላታ ንዝኮኑ ሰብ ቃል ኪዳን  ንደቃቶም ብሰብኣዊ ኮነ መለኮታዊ ኣተዓባብያ ክከናኸነዎም መምርሒ ትህብ ኢያ። ምስጢረ ተኽሊል እምበአር ናይ ጸጋ ምንጪ ኢዩ። ናይዚ ጸጋ አዚ ምንጪ ከአ ክርስቶስ ባዕሉ ኢዩ። ከምቲ አቀዲሙ አግዚአብሔር ንሕዝቡ ብናይ ፍቅርን ተአማንነትን ኪዳን ከምዝተራኸቦም፡ እቲ ንቤተክርስቲያን መርዓዊአ ዝኾነ መድሓኒና ድማ ሕጂ ንዓኹም ነዞም ሰብ ኪዳን በዚ ምስጢር እዚ አብ መንጎኹም ይርከብ። ዝለዚ መስቀልኩም ጸርኩም ምእንቲ ክትክተሉዎ፡ ምስ ወደቁም ከምብሓድሽ ንኽትንስኡ፡ ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትመሓሓሩ፡ ናይ ሕድሕድ ሸኸም ምእንቲ ክትጸዋወሩ፡ ከምቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን አብ 5:21 ክጽሕፍ ዝብሎ “ብፍርሓት ክርስቶስ ከአ ንሓድሕድኩም እዙዛት ኩኑ” ቀጺሉ አትን አንስቲ፣ ከም ንጎይታኽን ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም። ከመይ ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ፥ ሰብአይ ከአ ርእሲ ሰበይቱ ኢዩ። ክርስቶስ ድማ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን መድኅን እዩ። ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ እት እዘዞ ኸምኡ ድማ አንስቲ ንሰብኡተን ብኹሉ ይተአዘዛኦ።  አቱም ሰብኡት፥ ከምቲ ክርስቶስ ንቤት ክርስቲያን፥ ብቓልን ብምሕጻብ ማይን አጽርዩ ምእንቲ ኺቕድሳ፥ ርስሓት ወይ ዕጣር ወይ ድማ ንእኡ ዚመስል ካሊእ ክፍአት ዘይብላ፥ ቅድስትን መንቅብ ዘይብላን ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ ናብኡ በጃ ክሳዕ ምሃብ ዘፍቀራ፥ ነንስትኹም አፍቅሩወን። ከምኡ ኸአ አቱም ሰብኡት፥ ነተን አንስትኹም ከም ገዛ እ ሰብነትኩም ጌርኩም አፍቅሩወን። እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር፥ ንገዛእ ርእሱ ኢዩ ዘፍቅር።

መብዛሕቲኡ ጊዜ ወለዲ፡ ንደቆም ዝበልዕዎን ዝክደንዎን፡ ከምኡ ገዛ ክሃንጹ ክንደይ ይኣኽለኒ – ክንደይከ ክውስኽ ክብሉ – ብኻልእ ከኣ መግቢ ዕለት ንምምእራር ለይቲ መዓልቲን ክስርሑ ደኣ’ዩሞ ዝረኣዮ እምበኣር ክንድቲ ተገዳስነት መንፈሳውነት አይነርእን። ብዓይኒ ኣምነትን ቤ/ያንን ክጥመት ከሎ እዚ ዓይነት ጐዕዞ እኩል ኣይኮውንን ጎዶሎ ኮይኑ ይርከብ። ኪዳን ብእግዝኣብሔር ምስጢረ እምነትና ኢያ ትገልጸልና፡ ናይ እምነትና መሠረት ከኣ ቃል ኣምላክ ምስማዕ ኢዩ። ስለዚ ሕይወት ኪዳና ቃል ኣምላኽ ምዝውታር መምርሒ ክህበና ይኽእል ኢዩ።

“ቃል ነእጋረይ ብርሃን ንመንገደይ ከኣ መብራህቲ ስለ ዝኾነ፡ ኣብቲ ብርሃንካ ብርሃን ንምርኣይ የብቅዓኒ፡ ዝብሎ ዘማራይ ሓቅነቱ የረጋግጽ። ሰብ ከዳን ኮይኖም ቃል ኣምላኽ ዘዘውትሩ እንተኮዮኖም ብኣተሓሳስበኦምን ብኣነባብርኦምን ከወሃሃዱ ይኽእሉ፤ ቀስ እናበሉውን ንጸገማቶም ከሸንፉ ይኽእሉ። እምነት እምበኣር ሰብ ኪዳን ሓድነት ከም ዝነግስ እትገብር ህያብ ኣምላክ ኢያ። ጸሎት ጐይታ ጸሎት ስድራ ከኣ መንግስትኻ ትምጻእ – ኣብ ገዛእ ርእሶም፤ ኣብ ስድራ ቤቶም እንተጸልዮም ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኣብ ቤቶም ይነግስን ይሰርሕን። ሕይወትን ሕብረትን ቅድስቲ ስላሴ አብአቶም የንጸባርቅ።

ኣብ መወዳኣታ  እምበኣር ሓዳርኩም ኪዳንኩም ከምቲ ዝድለ፡ ከምቲ  እትምነይዎ ብፍቕርን ሓድነትን  ንኽጋዓዝ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ጻዕርን ተወፋይነትን ተራን ይሓትት። ኣብዚ ምስ እግዚኣብሔር ዘለኩም ርክብ ፡ ኣብ ምስጢራት ጸሎት ዘለኩም ተሳትፎ ወሳኒ ይከውን፡፡ ጸሎት ትንፋስ ሕይወት ናይ ኪዳን  ኢዩ። ብተስፋ ክንጋዓዝ እንመሃረሉ ኢዩ። ኃድነት ናይ ቅድስቲ ስላሴ ዝግለጸሉ ቦታ ኢዩ። ፍቅሪ ክርስቶስ እንመሃረሉ ኢዩ፡ እቲ ሓቀኛ ወይ መሰረት ናይ ኪዳን ዝግለጸሉ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ኪዳን እቲ ሓቀኛ መርዓዊ ዝኾነ ክርስቶስ ክንፈልጦ ንጅምር። ልባትና ብፍቕሪ ክርስቶስ ተመሊኡ ናብ ተስፋ ይጋዓዝ።

ፍቕሪ እምበኣር ከምቲ ዝድለ ክነብሮን ክንሕልዎን እንኽእል ብፍቕሪ ጥራይ ኢዩ።  እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ እንመሃሮ ከኣ ኣብ ጸሎት ኢዩ። ጸሎት ንሰብ ኪዳን ናብ ኣምላኽ ከምዝቐርቡ ይገብሮም። ኣብ ጸዋዕታኦም እሙናት ኮይኖም ከም ዝጋዓዙ ይገብሮም። ነዚ ኩሉ ዝተባህለ ከምቲ ዝድለ ኣብ ዕላማኡ ንኽበጽሕ ናይ ርክብና ግደ ወሳኒ ይከውን። ኣብ መንጎና ሓደ ጽቡቕን ሓቀኛን ርክብ ንኽንምስርት፡ እምነት፡ ሕድሕዳዊ ምክብባር ምምስራት የድሊ።

  • ሓጎስ ፡ ጣዕሚ ኣብ ሕይወትና ከንጸባርቕ ወይ በቲ ኪዳንዊ ሕይወትና ሕጉሳት ክንከዊን፥ እዞም 6 –  መሰረታውያን ነገራት ኣብ ሕይወትና ክንመሃር ይግበኣና።

1ይ. ንፍቕርና ግዜ ሂብና ክንክአል። ልክዕ ከምቲ አብ መዓልታዊ ሕይወታን እንበል ዓሉ እንሰርሓሉ እነዕርፈሉ ውሱን ዝኮነ፣ ከምኡውን ነቲ ፍቕርና ግዜን ሰዓትን ክንፈሊየሉ የዲሊ።

2ይ አብቲ ዝአተናዮ መብጽዓ ወይ ጸዋዕታ ሓቀኛታት ወይ አሙናት ኮይና ክንረክብ የዲሊ። ፍቕሪ ክእወጅ ጥራይ የብሉን እንታይ ደኣ ክንበር። አንብሎን እንገብሮን ተሰማሚዑ ክከይድ ኣለዎ።

3ይ. ምስ በዓልቲ ኪዳና ብኽፉት ልብን ሓቅነትን ክንመላለስ ይግበአና። ናይ ምስማዕ ክእለት ክህልወና- ተቐቢልና ክንኽእል። ሓዳር ወይ ኪዳን ተመክሮ ኢዩ። ንፈልጦ ይመስለና ግና  ኣይንፈልጦን ኢና። ምስ ግዜ ግን እናፈለጥናዮን እናዓበናን ንኸይድ። ክንደይ ጽንኩርን ከቢድን ምካኑ ንርዳእ።  ባእሲ ዘይብሉ ሓዳር ጥዑይ ሓዳር ኣይኮነን ይብሉ። ከምቲ ዘይሓምም ሰብ ዘየለ፣  ከምኡውን ምሉእ ሰብ ዘይበኣስ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን

4ይ. ጌጋኻ ተቐቢልካ ወይ ፈሊጥካ ምኽኣል። አብ ኩሉ ክርስቲያናዊ ጉ ዑዞና እካ አድላዪ እንተኾነ ብፍላይ ግና አብ ኪዳናዊ ጉዑዞ ኣቢሰ ምባል። ይቕረታ ምሕታት የድሊ

5ይ. ይቕረ ምባል ክንመሃር

ሓደ ካብቲ ፍረ ናይ ፍቕሪ ናይ ምሕረት ምሃብ ክእለት ምህላው እዩ። ክምሕር ዘይክእል ሰብ  የፍቅር ኢየ ክብል ኣይክእልን። እቲ ኣብ ኪዳናዊ ህይወት ዝኾነ ካህን . ኣቦ ኣደ ናብ ምሕረት ንኽነምርሕ ዝሕግዝ ደኣምበር ኣብ ክንዳና ኮይኑ ዝምሕረልና የብልናን። ስለዚ ኩሎም ሓገዛት ከወፉይልና ይኽእሉ፣  መሓርቲ ግና ባዕሊና ኢና። እታ ሓንቲ ናብ ዕርቅን ሰላምን እትመርሓና ከኣ ምሕረት ኢያ። እዚ ማለተ ኣብ ኩሉ ሽግርኩም ጸገምኩም መፍትሕ ሽግርኩም  ኣብ ኢድኩም ኢዩ። ብፍላይ ንኪዳናዊ ሕይወትኩም ዝርኢ።

6ይ.  ጎደሎታት ምኻና ክንትፈልጥን ክንቕበልን የድሊ።

እዚ ኣተሓሳስባ ወይ እምነት ኣብ ልብና ሕይወትና ምስዝነግስ ጥራይ ኢና ምስ ኪዳና ብሰላምን ፍቕርን ክነብር እንኽእል። ነቲ ናይ ሰብኣየይ ወይ ሰበይተይ ጉድልነት ክቕበል። ሓደራ ቃል ኪዳን ኣሲርካ ከም ስድራቤት ክትነብር፡ ጾታዊ ፍልልይ ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ስለዚ ማዕርነት ዝብል ቍዋም ኣብ ቦቱኡ ከሎ –  እቲ ጾታዊ ፍልልይና ግና ክንቅበል የድሊ። ብዙሕ ነገራት ኣሎ ብባሕሪያዊ  ነደ ጥራይ ዝርኢ ፡  ከምኡውን ነቦ ጥራይ ዝርኢ። ስለዚ ነዚውን ኣብ ግምት ኣኢቲና ብምክብባር ክንጋዓዝ።

 

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

1 2 3 15