አስተንትኖ ቃል አምላኽ ታኅሣሥ – 11.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ማቴ.18:12-14

እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ አባጊዕ ዘለዋኦ ሰብአይ ካብአን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን አብ ጎበታት ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊዶ አይከይድን፧ እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍአ ብአአ አዝዩ ከም ዚሕጎስ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ከምኡ ድማ ኻብዞም ናእሽቱ ሓደ እካ ኺጠፍእ ፍቓድ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦኹም አይኮነን።

  • አስተንትኖ

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሕያውነትን ፍቕሪ አምላኽ ንኽነስተንትን ይሕግዘና። ነቲ ኩሉ እግዚአብሔር አምላኽና ዝገበረልናን ዝገብረልና ዘሎን እናዘከርና ከአ ወትሩ  ክነመስግኖን ክንውድሶን ንዕደም።  መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ሓደ ታሪኽ የዘንቱ። ሓደ ሚእቲ አባጊዕ ዘለዋኦ ሰብአይ ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን አብ ጎበታት ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ይከይድ። ብዙሕ ግዜ ነፍስ ወከፍና አብዚ ዓለም እዚ ከምተን ዝጠፍአ አባጊዕ ኢና፡ ነፍሲ ወከፍና ብዙሕ ግዜ ካብዚ ናይዚ ዓለም እዚ ነገራት ነጻ ኪንከዊን ይጽገመና። ብዙሕ ግዜ እቲ ብሓቂ ሰናይ አብቲ ሓቂን ፍቕሪን ክርስቶስ አምላኽ ከምዝርከብ አይርደ አናን ወይ ንዝንግዖ።

ዝከበርኩም አኅዋትን አኃትን እዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ግዜ ምጽአት ኢዩ። ልደተ ክርስቶስ ንኽነብዕል ብጾልትን ጾምን እንቀራረበሉ ግዜ ኢዩ።   እቲ ሰናይ ዜና ናይ ልደተ ክርስቶስ እግዚአብሔር አምላኽ አብ መንጎና ምእንቲ ድኅነት ነፍሲ ወከፍና  ካብ ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ምላዱ ኢዩ። እግዚአብሔር ምስ ኩሉ ሓይሉ ጽጋታቱ ንኽዕድል ይመጽእ። ሓይሊ አምላኽ ፍቕሪ ኢዩ፡ ሓሊዮት፡ ድኅነት ኢዩ። ርሕራሔ ዝመልኦ ሓይሊ ኢዩ። ርሕራሔር ከምቲ ሕያዋይ ጋሳ ምስ አባጊዑ ዘለዎ ርሕራሔር እግዚአብሔር አምላኽናውን እቲ ምስ ነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ልክዕ ከምኡ ኢዩ። እግዚአብሔር ንወላሓደ አይርስዕን ኢዩ፡ ወላእካ ከምታ ዝጠፍአት በጊዕ እንተ ጠፋእና ወትሩ ምሳና አሎ፡ ናብቲ ሓቅኛ ጋሳናን ጎይታናን ንኽንምለስ ወትሩ ይደሊየናን – ይጽወዓናን፡

እቲ ሕያዋይ ጋሳ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ክትምለስ አይጽበን። ማለት ንሕና ነፍሲ ወከፍና ካብቲ ጋሳና ዝኮነ አምላኽና ከምቲ አቀዲምና ዝበልናዮ ብዝተፈላለየ ናይዚ ዓለም ጣዕሚ ካብኡ ምስ እንርሕቅ ምስ እንጠፍእ ክርስቶስ አምላኽና ናብኡ ንኽንምለስ መዓልታዊ ብዝተፈላለየ መገዲ ይደሊየና ።

እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ አባጊዕ ዘለዋኦ ሰብአይ ካብአን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን አብ ጎበታት ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊዶ አይከይድን፧ እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍአ ብአአ አዝዩ ከም ዚሕጎስ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ከምኡ ድማ ኻብዞም ናእሽቱ ሓደ እካ ኺጠፍእ ፍቓድ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦኹም አይኮነን።

እቲ ቃል አምላኽ ዝኾነ ኢየሱስ፡ ንዓና መለኮታዊ ባሕሪ ምእንቲ   ኬልብሰና ካብቲ ግጉይ መገዲ ንኽመልሰና  ነተን ዝጠፍአ አባጊዕ ንኽመልስ፡ ሰብ አዊ ስጋና ክለቢስ ክኢሉ። ንሕና ካብ ኩኔነ ንኽንድሕን ንሱ አገልጋሊ ኮነ። ንሕና ንኽንጸድቕ ንኃጢአትና አብ ዝባኑ ተሸከመ። ክርስቶስ ናብዚ ዓለም ዝመጸ እምበአር ምስኡ ሓቢርና ናብ ክብሪ መንግሥተ ሰማይ  ምእንቲ ክትድይብ ኢሉ ኢዩ።

 

 

ዘመነ ምጽአት ንእምነትና እነንጽሓሉ ግዜ ስለዝኾነ ብዓለማዊ መንፈስ ክዕብለል ኣይነፍቅድ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 3 ታሕሳስ 2018 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተቅዳሴ ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ትማሊ ዝጀመረ ዘመነ ምጽኣት ብምዝካር ‘ዘመነ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሔም ምእንታና ከምዝተወልደ ንምርዳእ ምስትንታንን ንወልደ እግዚአብሔር ናይ ግልኻ መድሓኒ ጌርና ምሳኡ ንዘሎካ ርክብ ንምሕያል ዝኸውን ምሩጽ ግዜ እዩ’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል – ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ካብ ትማሊ ኣትሒዞም ደጋጊሞም ሓደራ ዝብልዎ ንዘመነ ምጽኣት ብግብእ ናይ ምጥቃም ምሕጽንታ ብምቅጻል ሎሚ ንግሆ እውን ዘመነ ምጽኣት ካብቲ ብዙሕ ትርጉማቱ ሠለስተ ጐድንታቱ ንተዓዝብ ክብሉ ከም ልማዶም ሠለስተ ቃላት ወስ ኢሎም። ሕሉፍ መጻኢ ሕጂ ክብሉ ከኣ ጠቂሶመን።

ብሓፈሻ እንክረኤ ዘመነ ምጽኣት ቅድሚ ዝኣገረ መንፈስና ክነንጽሕ ምሩጽ ግዜ ኮይኑ በዚ ምንጻሕ እዚ ገርና ከኣ ሃይማኖትና ነዕቢ ኢሎም። ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 8.5-11 ኮይኑ ነቲ ሓለቃ ሚእቲ ጊላኡ ሓሚሙ ኢየሱስ ከሕውየሉ ዝልምን እሞ ጐይታ ክኸይድ ቅሩብነቱ ምስ ኣርኣየ ኣብ ቤተይ ክትኣቱ ኣይግበኣካን ኣብኡ ኰንካ ኣዝዝ ሓንቲ ቃል ተዛረብ ኣነ እውን በዛ ዓቅመይ ሓላፊ ስለዝኾንኩ ኣብ ዘሎኹ ኣልየ ንዓ ዝበልክዎ ይመጽእ ኪድ ዝበልክዎ ይኸይድ ግበር ዝበልክዎ ይፍጽም ብማለት ኢየሱስ እውን ዝነኣዶ ዓቢ እምነት ዝገልጽ ነበረ። እምነት እንተዘይኣበራቢርካዮ ክድስክል ስለዝኽእል ቅዱስነቶም እንከዘኻኽሩ ሎሚ እውን እንተኾነ በዘልማድ ጥራይ እንተመላለስና ነዚ ሕያው ዝኾነ ጠባይ እምነት ክንዝግዕ ከምዝከኣል እዚ ንሓይሊ እምነትና ከምዘዳኽሞ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ከምዝደስከሎ ድሕሪ ምግላጽ እምነት ወትሩ ሕያው ስለዝኾነ ሓዲስ ነገራት ክፍጸም ተአምር ክረኤ ኣንተኾይኑ ወትሩ ሕያው ክንገብሮ ኣሎና ኢሎም። ንእምነት ካብ ዘደስክሉ ሓደ ንበዓለ ልደት ዓለማዊ መንፈስ ምልባስ ምልባስ እዩ።

ንበዓለ ልደት ዓለማዊ መንፈስ ኣይነልብሶ!

ቅዱስነቶም ናብታ ቀዳመይቲ ቃል ዝበልዋ ማለት ሕሉፍ እትብል ቃል ምልስ ይብሉ እሞ ናይ ዘመነ ምጽኣት ቀዳማይ ገጽታ ሕሉፍ ዝምልከት ኮይኑ እዚ ከኣ ንሕሉፍ ንዝኽሪ ምንጻሕ እምበር ኦም ልደት ምትካል ወይ ምቅንጃው ከምዘይኮነ ዘኪርና ዝተወልደስ መድኅን ዓለም ክርስቶስ እዩ ኢሎም።

“ ጐይታ ተወሊዱ መድኃኔ ዓለም ተወሊዱ ከድሕነና ከኣ መጺኡ። ርግጽ እዩ ዓቢይ በዓል እዩ ኮይኑ ግን ንሕና ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ ኢና እንነብር ኣብ ውሽጥና ንበዓለ ልደት መንፈስ ዓለም ናይ ምልባስ ፈተና ኣሎና፣ እቲ ናይ ኣስተንትኖ ወገን ይርሳዕ እሞ ብላዕ ስተ ተሓጐስ ዝብል ኣተሓሳስባ ናብ ዕዳጋ ገጽካ እናጐየኻ ዝብላዕን ዝስተን ህያብ ዝኸውንን ነገራት ሃሰው እናበልካ መንፈስ ዓለም ይሕዘካ ጐይታ ከኣ ኣባኡ ይርሳዕ። ኣብ ሕይወትና እውን ከይተረፈ እወ ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ተወሊዱ ኮይኑ ግን . . ንብል ስለዚኸስ ዘመነ ምጽኣት ናይ ዝሓለፈ ዝኽርኻን ታሪኽካን ምንጻሕ መንፈስካ ምንጻሕ ቀዳማይ ዕዮኡ እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ንዝመጽእ ብምጥማት ተስፋኻ ምንጻሕ እዩ። ”

ንተስፋ ምንጻሕ!

ካልአይቲ ዕዮ ናይ ዘመነ ምጽኣት ንዝመጽእ ትምልከት ኮይና ነቲ ጽባሕ ክንቀባበሎ እንጽበዮ ዘሎና ጐይታ ርክብ ከም ተስፋ ሰኒቃ ነዚ ተስፋ እዚ ንምንጻሕ ይሕግዘና።

“ እቲ ንከድሕነና ዝመጸ ጐይታ ክምለስ እዩ! እወ ብርግጽ ክምለስ እዩ! እንታይ ክገብር እንተበልኩም ‘ሕይወትኩም ከመይ ኣሕሊኩምዎ’ ቢሉ ንክሓተና ክምለስ እዩ። እዚ ርክብ እዚ ግላዊ ርክብ እዩ ክኸውን። ነዚ ግላዊ ርክብ እዚ ከኣ ሎሚ ሕጂ ኣብዚ ብቅዱስ ቊርባን ኢና እነማዕብሎ። ምስቲ ቅድሚ 2000 ዓመታት ዝተፈጸመ ልደት ክርስቶስ ከምኡ ዓይነት ግላዊ ርክብ ክህልወና ኣይክእልን። ዝኽሪ ናቱ እዩ ዘሎና። ኮይኑ ግን ብኽብርን ብግርማን ክምለት ከሎ እቲ ኣካላዊ ግላዊ ርክብ ሽዑ እዩ ክፍጸም! ተስፋና ከኣ እዚኣ እያ! ነዛ ተስፋ እዚኣ ኢና ክነንጽሕ ዘሎና። እዚ ሓሶት ከይመስለና ከኣ ከምቲ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ዝብሎ ኣብ ማዕጾ ልብና ኮይኑ ወትሩ ይኲሕኲሕ ኣሎ። ”

ጐይታ ዕለት ዕለት ማዕጾ ልብና ይኲሕኲሕ!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዝጠቀሰዋ እታ ሎሚ ሕጂ ትብል ሣልሰይቲ ገጽታ ዘመነ ምጽኣት ኮይና እዚኣ ከኣ ነቲ ዕለት ዕለት እንነብሮ እምነትና ምስቲ በየማነ ጸጋም ከቢቡና ዘሎና ቈጺርካ ዘይውዳእ ሳህሮ ናብራ ብምዝማድ ነታ ኢየሱስ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 6.6 ‘ክትጽሊ ከሎኻ ናብ ገዛኻ እቶ መዓጹ ሸጒርካ ናብቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ጸሊ’ ዝበሎ እሞ ንሱ ከኣ ብሕቡእ ዝምልሽ ኣምላኽ ድንቅን መንክራትን ስለዝኾነ ክርስትያን ዘቦኡ ዕለት ዕለት ናብት ምልክታት ሰማያዊ ኣቦኡን ድንቅታቱን ቚሊሕ ክብል ኣለዎ።

“ እታ ሣልሰይቲ ገጽታ ዘመነ ምጽአት ዕለታዊት ኮይና ነታ ነቂሕካ ምሕላው ትብል ክነንጽሕ ኣሎና። ነቂሕካ ምሕላውን ጸሎትን ክልተ ዓንድታት ዘመነ ምጽአት እየን ከመይ ጐይታ ኣብ ታሪኽ ኣብ ቤተልሔም መጺኡ እዩ ገና ከኣ ኣብ መወዳእታ ዓለምን መወዳእታ ነፍሲወከፍናን ብክብርን ብግርማን ክመጽእ ንጽብዮ። ኮይኑ ግን ዕለት ዕለት ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ ልብና ብሕሹዅታ መንፈስ ከኣ ይመጽእ እዩ። ”

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ክርስቶስ ምብሳር ሸመታ ዘይኰነስ ተቓድዎ ሕይወት እዩ

ዕለት 30 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስተ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልዀ ሎሚ ዝብዓል ዓመታዊ በዓለ ቅዱስ እንድሪያስን ምኽንያት ካብ

መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮም ምዕ. 10፡ 9-18

ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 4፡ 18-22

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም፡ ኣቐዲሞም ሓዋርያ እንድሪያስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ ምዃኑ ዘኪሮም ንቝስትንጥንያዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ በዓል ተመንዮም፡ ክርስቶስ ምምስካር ማለት ኣብ ሕይወትካ ክርስቶስ ምንባር ማለት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ – ከተማ ቫቲካን

ልክዕ ከም ሓዋርያ ጴጥሮስን እንድሪያስን ያዕቆብን ዮሓንስን፡ ኣብቲ ክርስቶስ ንምብሳር ጉዕዞና ዘሰናኽለና ኩሉ ሓዲግና ንጓዓዝ ቢሎም በዛ መዓልቲ እዚኣ ንቤተ ክርስቲያን ቍስጥንጥንያ ምእንቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ብምጽላይ ዘሎና ቅርበት ንመስክር።

ክርስቶስ ኣብ ምብሳር ቅዱው ሕይወት

ኣቅዋም ኣረኣእያናን ሓጢኣትናን ልምድታትናን፥ ነፍሲ ወከፍና እዞም ኣብ ውሳጤና ዘለዉ ሕድግ ኣቢልና ሕዝቢ ነቲ እነቕርበሉ ምስክርነት ክእምንን እቲ እነቕርቦ ምስክርነት ተኣማኒ መታን ክኸውን ብስሙር ሕይወት ኢየሱስ ምብሳር ቢሎም ናይ ዕለቱ ኣብ በዓለ ቅዱስ እንድሪያስ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ካብ ምዕ. 10፡ 9-18 ዝተወስደ ምንባብ፡ እናስተውዓሉ፥ እምነት ካብ ምስማዕ እዩ ዝብገስ፡ ምስማዕ ክበሃል እንኰሎ ንቓል ክርስቶስ እዩ ዝምልከት፡ ስለዚህ ብስራት ቃለ ወንጌል፥ ኢየሱስ ሞይቱን ካብ ሙታን ተንሲኡ ኣድሒኑና ዝብል እዩ፡ እቲ ሞት ስዒሩ ዘተንስኤ ክርስቶስ ምብሳር ማለት ተራ ዜና ኣይኰነን፡ እንታይ ድኣ ዓቢይ እንኰን ጥዑምን ዜና እዩ፥

እዚ ግብረ ልልይን ምውዕዋዕ ምህርቲ ናብ መሸጣ እይኰነን፡ ሰናይ ዝዀነን ገባሬ ሰናይን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ዝፈወሰን ብዙሕ ሰናይ ነገር ዝመሃረና ሰብ ናይ ምልላይ ዕዩ ኣይኰነን፡ ግብረ ልልይ ኣይኰነን፡ ወይ ከኣ ካልኦት ንምስዳዕ ኣውን ኣይኰነን፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ምስ ዝነቅል ኢየሱስ ክርስቶስ ክሰብኽን ካልኦት ካብ እምነቶም ንምስዳዕ ኣሚቱ ዝነቅል እንተድኣ ኰይኑ፡ እዚ ኢየሱስ ምብሳር ማለት ኣይኰነን፡ ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ ከም ማንም ተራ ዕዮ ይኸውን እሞ ናይ ሽመታ ዋቔዕ ዕዳጋ ዝኽተል ይኸውን፡ ክርስቶስ ምብሳር ማለት እንታይ ማለት እዩ? ኣስዳዕነት ወይ ከኣ ግብረ ሽመታን ልልይን ኣይኰን፡ ሰገር እዚ ዅሉ እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ ኸ ብኸመይ ኢኻ እትርድኦ? ቅድም ቀዳድም ልኡኽ ምዃን ይሓትት፡

ገዛእ ርእስኻ ክርስቶስ ኣብ ምንባር ምውሳእ

ተልእዀ ወንጌል ልኡኽ ምዃን ይሓትት፡ ሕይወትካ ኣብ ተልእዀ ወንጌል ምንባርን ምውሳእን፡ ሓዋርያ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ብስራት ዘብጽሕ እዩ፡ ኣብቲ መልእኽቲ ቃል ብስራት ሕይወቱ ብምውሳእ፡ ….

እዚ ጉዕዞ ናብ ተልእዀ ወንጌል ሕይወትካ ክሳብ ንሓደጋ ምቅላዕ፡ ሕይወትካ ብምልኣት ብምውሳእ፡ ናይ መኼዲ ትኬት ጥራሕ ዘለዎ እዩ፡ ናይ መምለሲ ትኬት መናፍቕነት ማለት እዩ፡ ክሕደት እምነት እዩ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ምብሳር ብቃልን ሕይወት ምስክርነት ማለት እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ሕይወትካ ኣብ ዓውዲ ቃል ብስራት ክስራዕ ምግባር ማለት እዩ፡ እቲ ዝበሎ ኰይነ ዝነበር እየ፡ እቲ ዝብሎ ኰይንዎ ዝነበር ዘብል ምስክርነት፡ ስለዚህ

ሰማዕታት እውነተይና ቃል ብስራት ዝምከሩ እያቶም

ኣብሳሪ ዝብል ቃል፡ ምስክርነት ማለት እዩ፡ ዕንቅፋት ምዃን ማለት ክርስቲያን ዝዀንናዮ ቢሎም ይዛረቡ እሞ ደሓር ከም ኣረመን ዝነብሩ፡ ከም ዘይኣምኑ ኰይኖም ዝነብሩ፡ ኣብ ሕይወት ክርስትና ስሙርን ቕዱይ ሕይወት ኣገዳሲ እዩ፡ እትብሎን እተበስሮን ሕይወትካን ዝተጣመረን ስኑይን ክኸውን ኣለዎ፡ … ኣብነት ምዃን፡ ኣብ ዓውዲ ተልእዀ ወንጌል መላእ ሕይወቱ ዝሰርዕ፡ ክሳብ ሰማዕትነት፡ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንኸፍልጠና ሓደ ወዱ ለኣዀ፡ ቃል ስጋ ኰነ፡ ክሳብ ሕይወቱ ንሓደጋ ዝቃላዕ፡ ሓደ ከማናን ካባናን ኰነ፡ እዚ ዕንቅፋት ኰይኑ እዩ ሎሚ እውን ከም ቀደም፡ ናይ መኼዲ ትኬት ጥራሕ ዝቑረጸ እዩ፡

ኢየሱስ ካልእ መገዲ መታን ክስዕብ ዲያብሎስ ንኸእምኖን መገዱ ክቐይሮን ፈቲኑ እዩ፡ ንሱ ግና ኣይደለየን፡ ክሳብ ፍጻሜ ፍቓድ ኣቡኡ ፈጸመ፡ ንኣኡ ምብሳር ከስ ልክዕ በዚ መገዲ ኢየሱስ ምኻድ እዩ፡ ብቃልን ብስጋን ኣበሰረ፡ ዝብሎን ዝዀኖን ሓደ፡ ጥሙር፡ እዚ እዩ ብስራተ ክርስቶስ፡ ሰማዕታት እቲ ምስክርነት ሓቂ ምዃኑ ዘበስሩ እያቶም፡ … ሕይወት ብምኻፍል፡ ካልኦት እውን ብዙሓት ረኣዩለይ ስምዑለይ ከይበሉ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ኣብ ሕብረተሰብን ኣባይቲ ስድራን ኰይኖም ብጽሞና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምስክሩ ኣለዉ፡ እዚ ኸኣ ብሕይወቶም ክርስቶስ ዝነብሩ እያቶም፡ ምስ ዝብልዎ ቃል ስሙራት፡

ፍርያም ብስራት

ኵላትና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ብምስጢረ ጥምቀት ክርስቶስ ንምብሳር ልኡኻት ኰይና ኢና፡ እቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ከይንና ንኽንነብር ዝተጸዋዕና ክርስቶሳዊ ምዃንና መስከርቲ፡ ስሙር ሕይወት እዩ ፍርያም ዝኸውን፡ እንብሎን እንገብሮም ዝገራጭው ክኸውን የብሉን፡ ዝገራጨው እንተድኣ ኰይኑ ዕንቅፋት ይኸውን ንሕዝበ እግዚኣብሔር እውን የሳቕይ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

መወዳእታኻ ምስትንታን ልቦና እዩ! ከመይ ምሕረት ዝመልኦ ርክብ ምስ እግዚአብሔር ስለኾነ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 27 ኅዳር 2018ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ ዓጺድ ዝዛረብ ክፍሊ ራእዩ ለዮሓንስ ብምጥቃስ ‘መወዳእታስ ከመይ ኮን ይኸውን! ጐይታ ክጽወዓኒ እንከሎስ ከመይ ኢለ ክጸንሕ ምደለኹ!’ ኢሎም ይሓቱ እሞ ምሕረት ዝመልኦ ርክብ ምሳኡ ስለኾነ መወዳእታኻ ምስትንታን ልቦና እዩ!’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል – ከተማ ቫቲካን

ከም ግጽዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ሎሚ ቀድማይ ንባብ ካብ ራእይ ዮሓንስ ኮይኑ 14።14-19 ኮይኑ “ሽዑ ቚሊሕ በልኩ፡ እንሆ ድማ ፃዕዳ ደመና ረኣኹ፣ ኣብቲ ደመና ከኣ ወዲ ሰብ ዚመስል ተቐሚጡ ነበረ። ንሱ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ኂዙ ነበረ። . . . ካብቲ መሠውዒ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ሥልጣን ዘለዎ ሓደ ካልእ መልኣኽ ወጸ። ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝኃዘ መላኣኽ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምፂ ‘እቲ ዘለላ ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፣ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ኣክቦ” እናበለ ጸውዖ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወይኒ ኣከቦ እሞ፣ ናብቲ ዓቢይ መጽሞቚ ናይ ቊጠዓ ኣምላኽ ደርበዮ።’ ዝብል ነበረ።

እዛ ዓጺድ ትብል ቃል ከምቲ ጐ.ኢ.ክ. ኣብ ወንጌሉ ብተደጋጋሚ ዘስተምሃሮ ‘ማእረሩሰ ኅልቀተ ዓለም ውእቱ ወዐጸድኒ መላእክት እሙንቱ – እቲ ማእረር መወዳእታ ዓለም እንክኾን እቶም ዓጸድቲ ከኣ መላእኽቲ እዮም’። ቅዱስነቶም ከኣ መወዳእታ ዓለምን ኩነታትናን ኣገናዚቦም! ‘ብምጥቃስ ‘መወዳእታስ ከመይ ኮን ይኸውን! ጐይታ ክጽወዓኒ እንከሎስ ከመይ ኢለ ክጸንሕ ምደለኹ!’ ብማለት ፈቲና ጸሊእና ክንጥዕሞ ዘሎና ጽዋዕ ምስ ኣዘኻኸሩ ‘መወዳእታኻ ምስትንታንሲ ልቦና እዩ ከመ ንቅድሚት ገጽና ክንግሥግስ ወትሩ ናይ ኅልና መርመራ ብምግባር ንቅድሚት ክሰጒመኒ ዝኽእል ኣየናይ ሠናይ ተግባራት ክገብር ኣሎኒ ካብ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ክዕንቅጽኒ ዝኽእሉ ክእርሞም ዘሎኒ ጉዳያትከ ኣየኖት ኮን ይኾኑ ንክብል የኽእለና’ ምስ በሉ ዳግም ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ የቅርቡ እሞ ‘ኣብ’ዚ መወዳእታ ሶሙን ሥርዓተ ኣምልኾና ቤተክርስትያን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክነስተንትን ትዕድመና እዚ ከኣ ሓደ ዓቢ ጸጋ እዩ ከመይ ንሕና ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ መወዳእታና ክንሓስብ ደስ ኣይበልናን ይጽንሓለይ እስኪ ጽባሕ የርክበሉ እናበልና ክንሃድም ንፍትን። ብዛዕባ መወዳእታ ዓለምስ ይኹን ብዛዕባ መወዳእታ ሕይወትና ምሕሳብ ግን ልቦና እዩ ከመይ ኣብ መወዳእታ ምስቲ ምሉእ ምሕረትን ኣፍቃርን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣቦና ክንራኸብ። እዚ ከኣ ምኽንያት ሓጐስ እምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን’ ኢሎም።

ኅልቀተ ዓለም ከም ዓጺድ!

ኣብ ላዕሊ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቀዳማይ ንባብ ኣብ መወዳእታ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስን ሓደ መልኣኽን ነፍሲወከፎም ማዕጺድ ሒዞም ክፍጽምዎ እዮም ንዝብል ምሳሌኣዊ ዘረባ ብምሳሌ ዝተንተኑ ቅዱስነቶም ዓጺድ ምስ በልካ ብዛዕባ ምህርቲ ክትዛረብ ግድን እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ዝረኤኸስ ከመይ ዓይነት ምህርቲ እዩ ካብ ነፍሲወከፍና ክሕፈስ! ሕይወትና ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኮን ትርከብ! ዝብል ሕቶ ክንምልሶ ግድን እዩ፣ ምስ በሉ ቅድስነቶም ኣብ ኩነታትናን ናብራናን ምልስ ይብሉ እሞ ምናልባት ሓደ ካባኻትኩም ‘እወ ኣባቴ ሓቂ ኮይኑ ግን ክሳብ ክንድዙይዶ ኣድላዪ እዩ! ዘይጸንሓልና ብዙሕ ደስ ኣየብልን ክብለኒ ይኽእል ኣነ ኸኣ ፈቲኻ ጸሊእካ እታ ሓቂ እዚኣ እያ እብል’ ኢሎም።

“ ግዜ ዓጺድከስ ነፍሲወከፍና ምስ ጐይታ እንራኸበሉ ግዜ እዩ። እዚ ርክብ እዚ ነፍሲወከፍና ‘ጐይታየ ሕይወተይ እዚኣ እያ። ምህርተይ እዚ እዩ። ዘሕለፍክዎ ሕይወት ነዚ ይመስል ነሩ። በዲለ! ክብል እዩ። ኩልና ስለእንጋገ ኩልና ከምኡ ክንብል ኢና። ገለ ጽቡቅ ነገር እውን ስለእንገብር ከኣ ንጐይታ ምህርትና ከነርኢ ከአ `ጐይታየ እዚኤን ሠናይ ነገራት እዚኤን ከኣ ገረ’ ክንብሎ ኢና። ”

ብዛዕባ መወዳእታና ምስትንታን ንቅድሚት ንክንግሥግስ ይሕግዘና!

ቅዱስነቶም ኣብዚ’ኣ ብዙሓት እንሃድመላ ሕቶ ‘ሎሚ ጐይታ ናብ ቤቱ እንትዝጽውዓንስ እንታይ ኮን ምበልኩ’ ኢሎም ቶግ የብልዋ እሞ ‘ወይጸገም! ኣይተረድኣንን ነሩ! ዘንጊዔ ነረ’ ክንብል ንኽእል ኮይኑ ንሕና ዕለቱ ኣይንፈልጥ ሰዓቱ ኣይንፈልጥ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ዋእ ኣቱም ኣባቴ! በጃኹም ኢለኩም ከምኡ ኢልኩም ኣይትዛረቡኒ ኣነ ገና መንእሰይ እየ ክብለኒ ይኽእል ኣነ ከኣ ንምዃኑ ክንደይ መንእሰያት ዕለት ዕለት ይሓልፉ ኣለው ክንደይ መንእሰያት ይጽውዑ ኣለው። ቊሩብ እባ ኣስተውዕል! ኣብዚ ዓለምዚ ሕይወቱ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ውሕስነት ዘላ የሎን። እታ ርግጸኛ ነገር ንሕና ኩልና መወዳእታ ከምዘሎና መወቲ ከምዝኾና እዩ። ምናልባት ኣብዚ እውን መዓስ እንተኢልኩምኒ ንዕለታን ሰዓታን እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዝፈልጣ እብለኩም።

“ ኣብዛ ሶሙን እዚኣ ብዛዕባ መወዳእታ ምስትንታን ክሕግዘና እዩ። ጐይታ ሎሚ እንተዝጽውዓኒ እንታይ ኮን ምገበርኩ! እንታይከ ምበልኩ! ኣየናይ ምህርቲ መርኣኽዎ! ብዛዕባ መወዳእታና ምሕሳብ ንቅድሚት ንክንስጉም ይሕግዘና! ከመይ እዚ ሓሳብ እዚ ዝደስከለ ሓሳብ ኣይኮነን! እንታይ ደኣ ንመንፈሳውያን ሓይልታትን ንተስፋ ጐይታን ንቅድሚት ዘገሥግስ ሓሳብ እዩ። ርግጽ እዩ መወዳታስ ኣሎ እዚ ግን ናይ ርክብ መወዳእታ እዩ ምስ ጐይታ እንራከበሉ እዩ። ኤእ ካልእ ርግጽነት ከኣ ኣሎ ኣብ ምሉእ መዋዕልና ዝገበርናዮ ጸብጻብ ክንህበሉ ኢና ምስ እዚ ግን ምሕረት ዝመልኦ ርክብ እውን ስለዝኸውን ናይ ታሕጓስን ደስታን ርክብ እውን እዩ። ብዛዕባ መወዳእታ ምስትንታን ምስ መወዳእታ ፍጥረትስ ይኹን ብዛዕባ መወዳእታ ሕይወትና ምስትንታንከስ ልቦና እዩ! ጥበበኛታት ከኣ ነዚ ይገብሩ። ”

ንዘለዓለም ኣብዚ ክነብር ኣይኮንኩን! መወዳእታ ከመይ ክኸውን እደሊ!

ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ብዛዕባ መወዳእታና ክነስተንትን ! መወዳእታይስ ከመይ ኮን ይኸውን! ጐይታ ክጽውዓኒ ከሎስ ከመይ ኢለ ክጸንሖ እደሊ! ካብ ሕጂ ብእዋኑ ናይ ሕልና መርመራ ክገብር እሞ ‘ጽቡቅ ዘይከዱ ኣየኖት ጉዳያት ክእርም ኣሎኒ! ሠናይ ዝኾኑ ነገራትከ ከድንፍዖምን ንቅድሚት ከሰጒሞምን ዘሎኒ ኣየኖት ይኾኑ! ነፍሲወከፍና ብዙሕ ጽቡቅ ነገራት ኣሎና። ኣብዚ ኣስተንትኖ እዚ በይንና እኳ እንተኾና ወትሩ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጐድንና ኮይኑ ይሕግዘና።

“ ኣብዚ ሶሙንዚ ንመንፈስ ቅዱስ ጥበብ ኣጠቃቅማ ግዜን ልቦና መወዳእታን ጥበብ ትንሣኤ ሙታንን ምስ ኢየሱስ ንዘለዓለም እንራኸበሉ ልቦናን ክህበና እሞ ነዚ ኣብ እምነትና ዘሎ ጥበብ ክንርዳእ የኽእለና። ምስ ኢየሱስ እንራኸበላ ዕለት ናይ ታሕጓስ ዕለት ክትከውን እያ። ጐይታ ንከሰናድወና ንለምኖ። ነፍስ ወከፍና ከኣ ኣብዛ ሶሙን እዚኣ ብዛዕባ መወዳእታኡ የስተንትን። ኣነ ክሓልፍ እየ! ንዘለዓለም ኣብዚ ክነብር ኣየኮንኩን! መወዳእታይሲ ከመይ ኮን ክኸውን እዩ። ”

“መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነሥሑ”

 

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ማቴ.3:1-3

በቲ ወርሓት እቲ ዮሓንስ መጥምቕ፥ “መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነሥሑ” እናበለ አብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ። እቲ ብነቢይ ኢሰያስ ፥ “ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ፥ መገዲውን አቕንዑ’ ኢሉ አብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ አዋጅ ነጋሪ” ተባሂሉ ዝተነግረሉ ንሱ ዮሓንስ እዩ።

  • አስተንትኖ

ቅዱስ ዮሓንስ “መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነሥሑ” እናበለ ንምጽአት ክርስቶስ ክእውጅ ይርከብ ። ክርስቶስውን እንተኾነ አብቲ ፈለማ ስብከቱ ነዚ አዋጅ እዚ ይደጊም። (Mt 4፡17).

የውሓንስ መጥምቕ ብዛዕባ መንግስተ ሰማይ ጥራይ ኣይኮነን  ዝእውጅ፡ እንታይ ደኣ ደቂ ሰባት ንኽርስቶስ ንኽቅበሉ ንንስሓ ለውጢ ይዕድም።ዮሓንስ ንደቂ ሰባት ሓጢኣቶም ብምቕባል ኣብ ምሕረት ኣምላኽ  ክቐርቡ ይዕድም። ስለዚ ወዲ ሰብ እምበኣር ንምሕረት እግዚኣብሔር  ንኸስተማቕር፣ እቲ እንኮ መጋበሪ  ወይ መገዲ “ምሥጢረ ንስሓ” ኢዩ።

ንስሓ ማለት ሕይወትካ፡ መንነትካ ምርካብ ማለት ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ንክርስቶስ ምርካብ  ንመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምርካብ ማለት ኢዩ። ንስሓ ክትርጎም ከሎ ለውጢ የስምዕ። ናይ ገዛእ ርእስካ ለውጢ፡ ደጋዊ  ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ውሽጣዊ ለውጢ የስምዕ። ስለዚ ዝኾነ  ኣማናይ ክርስትና ኣብ ምዓልታዊ ህይወቱ ኣብ    ልውጢ፡ ዕርቂ፡ ምሕረት ክመላለስ የድልዮ። በዚ ምሥጢር’ዚ ወትሩ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና፡ ምሕረት ንምስትምቓር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መሓሪ ኣቦ ንኽንቀርብ ንስሓ ዓቢ መገዲ ወይ መሳሪሒ ኢዩ።

ስለዚ ምስጢረ ንስሓ ምስ እግዚኣብሔር ዓሚቅ ርክብ ንኽንገብር ኣብ ፍቅሩ ክንመላለስ ክንዓቢ ዝሕግዘና ዓቢ ምሥጢር ኢዩ።ብስም ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ እግዚኣብሔር  ተሓጺብኩም ተቐዲስኩምን ጸዲኩምን ኢኻትኩም። ካብቲ ንኽርስቶስ ዝለበሰ ሰብ ኃጢኣት ከምዝተቐንጠጠ  ንምርዳእ እግዚኣብሔር ብምስጢራቱ መባእታ ኽርስትና  ገቢሩ ዚሃበና ጸጋታት ስፍሓቱን ጥልቀቱን ምግንዛብ የዲሊ። ስለዚ እግዚአብሔር ብፍሉይ ፍቕሪ ተደሪኹ ብጸጋታቱ ሸሊሙና ኢዩ። በዞም ምስጢራት እዚአቶም ከአ ንሕና አብቲ ምሥጢረ ድኅነቱ ተሳተፍቲ ንኸዊን።

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ኣብዚ ግን ሓደ ዓቢ መሰረታዊ ለውጢ ክትገብር   ሓደ ዓቢ መሰረታዊ ምናኔ ክትገብር የዲሊ፡ ማለት ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ፡ ብትሕትና ምምልላስ የድሊ። ዮሓንስ “ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ፥ መገዲውን አቕንዑ’ እናበለ ንምጽአት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መንገዲ የሰናዳኑ ነበረ።  ሎሚውን ንዓና በዚ እንጅምሮ ዘለና ግዜ ምጽ አት ( Advent) እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ዝሓተና ሕቶ እዚ ሕቶ እዚ ኢዩ፦ “ ተነስሑ’ “ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ፥ መገዲውን አቕንዑ”

እግዚአብሔር አምላኽና መገዲ ክንጸርገሉ፡ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዳግም ንኽውለድ ልባትና ክነዳልወሉ፡ ኩሉ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝፈሊየና ግጉይ መገዲ ገዲፍና ብመንገዲ ኣምላኽ፡ በቲ ንሱ ዝፈትዎ ክንመላለስ ይሓተና። በዚ ግዜ እዚ ሓዋርያ የውሃንስ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ የሰም ዓልና፦ “ሓጢአት የብልናን እንተበልና ንርእስና ነሰሓሕት፡ ሓቅውን ኣባና የላን”

ነዚ ተረዲ እና እምበአር በዚ ግዜ እዚ ንስሓ፡ ለውጢ የድሊየና። ከምቲ አቀዲምና ዝገለጽናዮ ንስሓ ወይ ለውጢ- ማለት ከአ መገዲ ምቕያር ማለት ኢዩ። መንገዲ ዓለም ገዲፍካ መንገዲ ኣምላኽ ምሓዝ። ካብቲ ግጉይ መገዲ ናብቲ ቅኑዕ መገዲ ምምላስ ማለት ኢዩ። እቲ ሓቀኛ ለውጢ ንስሓ ዝመጽእ ንጸጋ እግዚኣብሔር ንኽንቅበል ድልዋት ኽንከውን ከለና ኢዩ። እዚ ምስ እንግብር ክርስቶስ ብዕምቀት ልባትና ይትንክፍ፡ ንሕና ኸአ ብፍቕሪ ኣምላኽ ንሰሓብ። ሕይወትና ንኽንቅይር ኸአ ቁሩባት ንኸውን። በዚ ግዜ እዚ እምበኣር  ነቲ “መንግሥተ ሰማያት  ቀሪባ እያ እሞ ተነሥሑ” ዝብል ጸዋዕታ ኣምላኽ ክነስምዕ ንዕደም። ንሕና ነቲ ጸዋዕታ ኣምላኽ ልባትና ምስ እንኸፍት ጥራይ ኢና እቲ ሓቀኛ ሕይወትን ሓጎስን ክንረክብ ንኽእል። እግዚኣብሔር ካባና ዝጽበዮ ማዕጾ ልባትና ክንከፍተሉ ጥራይ ኢዩ፡፣ ኣብ ግዜ ምቅርራብ በዓለ ልደት ክርስቶስ ጽሎት ምስጋናን ወፈያን ብምዝውታር፡   ነቲ ክበጽሓና ከድኅነና ዝመጽእ ዘሎ ክርስቶስ ልባትና ከፊትና ምቕባል ኢዩ።

ዘመነ ምጽአት (Advent) ሓደ ሓድሽ ሕይወት ወይ ጉዑዞ እንጅምረሉ ግዜ ኢዩ። ልደት ሓደ ብልምዲ ዓመታዊ እንዝክሮ በዓል ጥራይ አይኮነን። አብዚ ግዜ ነፍሲ ወከፍ አማናይ ንኽርስቶስ ንኽረክብ ብዝተሓደሰ መንፈስ ጉዑዞ ዝጅምረሉ ግዜ ኢዩ። ንኽርስቶስ ብሕይወትና ብቃላትና ብተግባራትና ልባትና ከፊትና ክንረኽቦ ክንሰርሕ ይግበአና። ንኽርስቶስ ጎይታና ብእምነት እንረኽበሉ ግዜ ኢዩ። ንኽርስቶስ ንኽንረክብ ልባትና ንኽርስቶስ ንኽንቅበል ክፉት ክንከውን አለዎ:፡

ዮሓንስ  ዝተባህለ ጀርመናዊ “ንኣምላኽ ክትረክብ እንተደሊኻ ቅድም ንርእስኻ ርኸብ” ይብለና። ስለዚ በዚ ግዜ እዚ ክርስቲያናዊ ሕይወትና፡ ምስ እግዚአብሔር አምላኽናን አኅዋትናን  ዘለና ርክብ ጸብጻብ እንገብረሉ ግዜ ኢዩ። ግዜ ምጽአት ግዜ ጸጋ ብምሕረት   እግዚአብሔር  እንትንከፈሉን ንፍቕሪ አምላኽን አሕዋትን ክፉታት እንኾነሉ ምሩጽ ግዜ ኢዩ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ነቲ ጸጋታቱ አብ ርእሲ ነፍሲ ወከፍና፤ ከፍሥስ ዚመጽእ ዘሎ ክርስቶስ፤ ብወገና  ብፍሉይ መገዲ ከምቲ አቀዲሚና ዝበልናዮ፡ ኣብ ጸሎት – እንጽመደሉ፡ እንጾሞሉ፡ ብንስሓ ምስ እግዚኣብሔርን ኣምላኽ እንዕረቐሉ፡ ግብረ ሰናይ እነዘውትረሉ፡ ጸጋ ኣግዚኣብሔር እንሓፍሰሉ ቅዱስ ግዜ እዩ። ንሕና ደቂ ሰባት ድኹማት እካ እንተኾና በቲ አባታዊ ሓልዮቱን ፍቕሩን አምላኽ ወትሩ ይሕብሕበና። ንሕና ከአ ነዚ ብተስፋ ንነብሮን ብተስፋ ከአ መዓልታዊ ናብኡ ንኽንቐርብ ንዕደም።   እቲ ዝጽበ ነቲ ሓድሽውን ንምቅባል ቅሩብ ክፉት ክኸውን አለዎ።

ኦ ኣምላክ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ ጽኑዕ መንፈስ ኽኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ” እናበልና እምበአር ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ክርስቶስ አምላኽና ንቀባበሎ። ጽቡቅ ናይ ምቅርራብ ግዜ ይግበረልና፡ አማልድነት እኖና ቅድስቲ ማሪያም አይፈለየና! አሜን።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ኅዳር – 14.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ሉቃ.17:11-19

ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ ድማ ብመንጎ ሰማሪያ ገሊላን ኃለፈ። ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺአቱ ኸሎ ኸአ ብርሑቕ ደው ዝበሉ፥ ዓሰርተ ለምጻማት ተጋነፍዎ። ድምፆም ዓው አቢሎም ከአ “ ኢ ኢየሱስ! ኦ መምህር! ምሓረና” በልዎ። ንሱ ኸአ ምስ ረአዮም፥ “ ኪዱ ርእስኹም ንኻህናት አርእዩ” በሎም። ኪኸዱ ኸለዉ ኸአ ነጽሑ። ካብአቶም  ሓደ ኸአ ከም ዝሃወየ ምስ ረአየ፥ ድምጹ ዓው አቢሉ ንአምላኽ እናመስገነ  ተመልሰ። እናአመስገኖ  ኸአ አብ እግሪ ኢየሱስ ብገጹ ተደፍአ። ንሱ ሳምራዊ ነበረ። ኢየሱስ ከአ ኸምዚ እናበለ ሓተተ፦ “ ዝነጽሑስ ዓሠርተ ደይኮኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደአ አበይ አለዉ፧ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንአምላኽ ክብሪ ኺህብ ዝተመልሰዶ የልቦን፧” ብድኅርዚ “ ተንሥእ እሞ ኪድ፤ እምነትካ አሕወየትካ” በሎ።

አስተንትኖ

አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ሉቃስ ወንጌላዊ ሕውየት ናይ ዓሰርተ ለምጻማት የዘንቱ። ካብዞም ዓሠርተ ኸአ ሓደ በቲ ዝተገብረሉ ጸጋ ከመስግን ከምዝተመልሰ የዘንቱ። አብዚ እምበአር ንነፍሲ ወከፍና እግዚአብሔር ዝገብረልና ሰጋታት  ብምፍላጥ መ ዓልታዊ ክነመስግን የዘኻኽረና፤፡

ወንጌላዊ ሉቃስ ክርስቶስ ጎይታ  ናብ ኢየሩሳሌም አብዝኸደሉ ዝነበረ ግዜ ኪኸይድ ከሎ ድማ ብመንጎ ሰማሪያን ገሊላን ከምዝኃለፈ የዘንቱ። ክርስቶስ ነቲ ካብ ሰማያዊ አብኡ ዝተቀበሎ ተልእኾ ንምፍጻም ሕይወቱ ወትሩ አብ ጉዑዞ ከምዝነበረ ቃል አምላኽ ይምህረና። ናብታ ር እሲ ከተማ  ዝኾነት የሩሳሌም ንምብጻሕ ከአ ኩሉ መሰናኽል እናሰገረ ንኹሉ አ አዳዊ ዘርጊሑ አብቲ ድኅነት ንኸሳትፍ ይሰርሕ። ነቲ አብ ገዛእ ርእሱ ዕጽው ዝነበረ ሃይማኖት ናብ ሓደ ክፉት ንኹሉ ከም አኅዋትን አኃትን ደቂ ሓደ  አቦ – ደቂ ሓደ አምላኽ አምላኽ ይቕበሊን ይሓቁፍን። እዚ ክፉትነት እዚ አብቶም  ዓሰርተ ለምጻማት ከይተረፈ ተገሊጹ ንረኽቦ።

ድምፆም ዓው አቢሎም ከአ “ኢ ኢየሱስ! ኦ መምህር! ምሓረና” በልዎ። አብ ብሉይ ኪዳን  “ እቲ ዚላገብ ሕማም ዘለዎ ሰብ ክዳኑ ቕደዱ ይኹን፥ ፀግሩ ርእሱ ኸአ አይዘርግፍ፥ ከንፈሩ እውን ይኽደን፥ ‘ ር ኹስ እየ፥ ርኹስ እየ’ እናበለ ኸአ ይጨርሕ። ዚላገቡ ሕማም ክሳ ዕ ዘለዎ ርኹስ ይኹን፥ ርኹስ እዩ እሞ ንበይኑ ይቀመጥ፥ ምቕማጡ ኸአ አብ ወፃኢ ሰፈር ይኹን።ዘሌ. 13.45-46  እዞም ሰባት እዝ ኦም ካብ ሕብረሰብ ግሉላት ንጹጋት ኢዮም ነሮም።  ስለዚ ኢዮም ከአ አብ ማዕዶ  ኮይኖም አብ ቅድሚ ክርስቶስ ቀሪቦም “ “ኢ ኢየሱስ! ኦ መምህር! ምሓረና” እናበሉ   ክርስቶስ ክንጸሖምን ክምሕሮምን ከምዝኽእል እምነቶም ይገልጹ።

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ዓለም እዚ ዝመጸ ካብ ኃቲአትና  ንኸንጸሓና ንኸሕውየና ኢዩ። ኃጢአት ካብ እግዚአብሔር ካብ ፍቕሪ አምላኽ ይፈሊየካ። ካብ እግዚአብሔር ከም እትርሕቕ ይገብረካ። አብዚ ኩነታት ምስ እንርከብ አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪብና ብእምነት “ኢ ኢየሱስ! ኦ መምህር! ምሓረና” ክንብሎ ይግበአና።

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዓሰርተ ለምጻማት ልመንኦም ምስ ሰምዓ  “ ኪዱ ርእስኹም ንኻህናት አርእዩ” በሎም። ምኽኒያቱ ከምቲ አብ ብሉይ ኪዳን ዘሌዋውያን 14.1-32 ከም እንረኽቦ እቲ ካህን ካብቲ ሕማሞም ከምዝነጽሑ ክምርምሮም ነይሩዎ።  እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ ክርስቶስ ኪዱ ዝብል ትእዛዝን ወይ ቃል   ብምእዛዚን ምእማንን ናብ ካህን ግዑዞኦም ይጅምሩ –  መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ነቲ እምነቶም ብምርአይ –  ድሮ አብ ጉዑዞኦም ከለዉ የንጽሖም። ኪኸዱ ኸለዉ ኸአ ነጽሑ። ሎሚውን ን ዓና እዚ ክርስቶስ ጎይታ ነዚ ትእዛዝ ኢዩ ዝህበና አብ ውድቀት ድካም ኃጢአት ምስ እንርከብ ናብ ቤተክርስቲያኑ ኪንቀርብ። ቤተክርስቲያን ከአ ብስሙ ክተንጸሓን ኢያ።

ካብአቶም  ሓደ ኸአ ከም ዝሃወየ ምስ ረአየ፥ ድምጹ ዓው አቢሉ ንአምላኽ እናመስገነ  ተመልሰ። እናአመስገኖ  ኸአ አብ እግሪ ኢየሱስ ብገጹ ተደፍአ። ንሱ ሳምራዊ ነበረ። እቲ ሳምራዊ ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ለምጻማት ነቲ ዝተገብረሉ ጸጋ ንምምስጋን ናብ ኢየሱስ ይምለስ፡ አብ እግሪ ኢየሱስ ተደፊኡ ኸአ የመስጊን።

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ንሕና ደቂ ሰባት በግዚአብሔር አምላኽና ዝተገብረልና ጸጋታትን ዝግበረልና ዘሎንመወዳ እታ የብሉን፡ ግና ስጋብ ክንደይ ኢና ነዚ ተረዲእና መ ዓልታዊ ንግዚአብሔር ፈጣሪና ክነመስግንን ክንውድስን ክነምልኽን እንርከብ። ኢየሱስ ከአ ኸምዚ እናበለ ሓተተ፦ “ ዝነጽሑስ ዓሠርተ ደይኮኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደአ አበይ አለዉ፧ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንአምላኽ ክብሪ ኺህብ ዝተመልሰዶ የልቦን፧” ብድኅርዚ “ ተንሥእ እሞ ኪድ፤ እምነትካ አሕወየትካ” በሎ። ንሓናዊን ካብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ተበጊስና ብ እምነት አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪብና ኦ ክርስቶ ኦ አምላክ መሓረና ክንቢል ንዕደም።

አብዚ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ ናብ ቲቶ ዝጠጻሕፈ ብዛ ባ ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባር እንክምህር፦  ነቶም ሕዝቢ፥ ንገዛእትን ንሰብ ሥልጣንን ኪግዝኡን ኪእዘዙን፥ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ  ዝተዳለዉ  ኪኾኑ፥ ንሓደ እካ ስሙ ከየጸልሙ፥ ሰለማውያንን ምቕሉላትን፥ ምስ ኩሉ ሰብ ብትሕትና ዚነብሩ ኪኾኑ አዘካኽሮም” እናበለ ጳውሎስ ናብ ቲቶ ይጽሕፍ። በዚ መንገዲ ንሕናውን አብ ቅድሚ አኅዋትናን አኃትናን ሰለማውያን ምቕሉላቲን ትሑታቲን ኮይና ክንርከብ እግዚአብሔር ብ አማላድነት እኖና ቅድስቲ ማሪያም ንነፍሲ ወከፍና ጸጋታቱ ይሃበና። አስተንትኖና በዚ ናይ መ ዓልቱ መዝሙር ዳዊት መዝሙር 23 ክን ዓጽዎ፦

መዝ.23

እግዚኣብሔር ጋሳይ እዩ፥

ዚጎድለኒ የብለይን።

አብ ልሙ ዕሻኻ የው ዕለኒ፥

ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሃኒ። ………….

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ኅዳር – 09.2018

 

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ዮሓ.2.13-22

ፋሲካ አይሁድ ቀሪቡ ነበረ፥ ኢየሱስ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። አብ ቤት መቅደስ ከአ አብዑርን አባጊዕን ረገቢትን ዚሸጡ፥ መሽረፍቲ ተቐሚጦም ረኸበ። ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ ኸአ ምስተን አባጊዕን አብዑርን ንኹሎም ካብ ቤት መቕደስ አውፅኦም፥ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲውን ፋሕ አበሎ፥ ንሰደቃኦም ከአ ገልበጦ። ነቶም ሸየጥቲ ረገቢት ድማ “ እዚ ኻብዚ አልዕልዎ፥ ንቤት አቦይ ቤት ሸቐጥ አይትግበርዎ’’ በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸአ  “ቅንአት ቤትካ በልዓኒ’’ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘክሩ። ሽዑ አይሁድ፥ ‘’ ነዚ ኽትገብር ሥልጣን ከም ዘሎካ እንታይ ትእምርቲ ተር እየና፧” ኢሎም ሓተትዎ። ኢየሱስ  ድማ፥ ‘ነዚ ቤት መቕደስ እዚ አፍርስዎ፥ አነ ኸአ ብሠለስተ መዓልቲ ኸልዕሎ  እየ’’ ኢሉ መለሰሎም። እቶም አይሁድ ከአ “ እዚ ቤት መቕደስ እዚ በርብዓን ሽዱሽተን ዓመት እዩ ዝተሓንጸ፥ ንስኻዶ ብሠለስተ  መዓልቲ ከተልዕሎ ኢኻ፧” በልዎ። ንሱ ግና ብዛዕባ  ቤት መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ። ስለዚ ኸአ ካብ ምውታት ምስ ተንሥአ ደቂ መዛሙርቱ  ነቲ ዝበሎም ዘከሩ፥ በቲ ጽሑፍን በቲ ኢየሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ አመኑ።

  • አስተንትኖ

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ንቤት እግዚአብሔር አብኡ ዘለዎ ፍቕሪ ክገልጽ ንረኽቦ። እዚ ቤት እዚ ንሕና ደቂ ሰባት ምስቲ ሰማያዊ አቦና እንራኸበሉ ቤት ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ብድኻምነትናን ሸልልነትናን  ዘይነስተውዕለሉ። ሓደ ፍሉይ ቦታ ውሽጣውን ደጋዊን ሱቕታ ዘድሊዮ ቅዱስ ቦታ ኢዩ።

አብ ቤት መቅደስ ከአ አብዑርን አባጊዕን ረገቢትን ዚሸጡ፥ መሽረፍቲ ተቐሚጦም ረኸበ። ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ ኸአ ምስተን አባጊዕን አብዑርን ንኹሎም ካብ ቤት መቕደስ አውፅኦም፥ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲውን ፋሕ አበሎ፥ ንሰደቃኦም ከአ ገልበጦ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብዚ እንታይ ኢዩ ክምህር ደሊዩ፧ ዝኸበርኩም አሕዋትን አኃትን በዚ ቃል አምላኽ እዚ ፍቕሪ  ክርስቶስ አብ ልባትና ንኸይአቱ – ዕንቅፋት ዝኾነና ጸሪግና ካብ ሕይወትና ክንአሊዮ – ንዕደም። መን እዩ ካባና አብ ሓደ  ጋሓፍ ዝመልኦ  ገዛ ከይዱ ክቕመጥ ኮፍ ኪብል ዝደሊ፧ ወላሓደ ካብ ምኻድ ንቕጠብ። ከምኡውን ክርስቶስ ዝለዘፍቅረና አብ ልባትና ምእንቲ ከዕርፍ፤  ቦታ ክንህቦ ካብ ኩሉ ርስሓት ነጻ ኽንከዊን ይደሊ። ሓንቲ ብራካ ማይ እንተመሊእናያ – ወይኒ  ክንመልአ አይንኽእሊን፡ ወይኒ  ንኽንመልአ ነቲ ማይ ክነፍስሶ አለና። ከም ኡዊን ክርስቶስ አብ ልባትና ንኽአቱ ብፍቅሪ ንኽመልአና ከምቲ አቀዲምና ዝበልናዮ  እቲ ብኃጢአት ዝመልአ ቤትና ክጸሪ ክነጽሕ ይግበኦ። ስለዚ አብቲ ናይ ዓለም ነገራት እሱራት ኮይና ከይንርከብ  ክንሰርሕ ይግበአና። ከምቲ ክርስቶስ ነቶም አብ ቤት መቅደስ አምላኽ ክሸጡን ክልውጡን ዝረኸቦም እሞ ኩሉ ንገንዘበም  ፋሕ ዘበሎ፥ ንሰደቃኦም ከአ ዝገልበጦ። ንቤት አቦይ ቤት ሸቐጥ አይትግበርዎ’’ ዝበሎም። ሎሚውን ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ዝእውጆ ዘሎ መልእኽቲ ኢዩ።  ቤት መቅደስ አምላኽ ቅዱስ ቦታ ኢዩ፡ ምስ እግዚአብሔር እንራኸበሉ – እንውድሰሉ እነምልኸሉ ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ብፍላይ ሎሚ እዚ ቅዱስ ቦታ እዚ ናይ ካሊእ እግዚአብሔር ዘይደሊዮ ንእግዚአብሔር ዘየሕጉሶ መሳርሒ ወይ ናይ አንነትና መጋበሪ ገርናዮ ንርከብ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እምበአር ሎሚ ብቓል ወንጌሉ ጌሩ ነፍሲ ወከፍና ቤት መቅደስ አምላኽ እቲ ሓቀኛ ክብሩ ሒዙ ንኽርከብ ክንሰርሕ ይዕድመና አሎ። ከም ዳዊት ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቕንኢ ኸም ሓዊ የንድደኒ አሎ፥ መዝ.69.9

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ቤት መቅደስ እግዚአብሔር ዘራኽሱ ዝነበሩ ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ  ምስተን አባጊዕን አብዑርን ንኹሎም ካብ ቤት መቕደስ እንከውጸኦም ፥ አይሁድ ነዚ ኽትገብር ሥልጣን ከም ዘሎካ እንታይ ትእምርቲ ተርእየና፧” ኢሎም ሓተትዎ። ኢየሱስ  ድማ፥ ‘ነዚ ቤት መቕደስ እዚ አፍርስዎ፥ አነ ኸአ ብሠለስተ መዓልቲ ኸልዕሎ  እየ’’ ብምባል ከአ – ብዛዕባ  ሕንጻ ሰብነቱ ይዛረብ። ነቲ ሓቀና ዝኾነ ቤት መቅደስ ሰውነተይ  ክተፍርስዎ ኢኹም – አነ ጊና አብ ሳልሳይ መዓልቲ ከተንሥኦ ኢየ እናበለ ብዛዕባ ሞቱን ትንሣኤኡን ይዛረቦም። ሎሚዊን አሕዋትን አኃትን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ንሕና ቤት መቅደስ አምላኽ ኢና፡ ስለዚ ነቲ ስጋና ዘይኮነ መንፈስና ክቐጢል ዝኽ እል ሓጢአት ብምፍራህ ካብኡ ብንስሓ ነጻ ብምኻን ፍቕሪ አምላኽ አባና ንኽዓዝዝ ወትሩ ክንሰርሕ ይግበአና።

አብ ቀዳማይ ቆሮንጦስ 3:16-17 ከምዚ ነንብብ፦

ቤት መቅደስ አምላኽ ምኻንኩምን፥ መንፈስ አምላክ አባኹም ኃዲሩ ምህላዉንዶ አይትፈልጡን ኢኹም፧  ሓደ እካ ነታ ቤት መቕደስ አምላኽ እንታ አፍረሰ ፥ አምላኽ ኬፍርሶ እዩ። ቤት መቅደስ አምላኽ ቅድስቲ እያ ፣ እዚ ቤት መቅደስ እዚ አውን ንስኻትኩም ኢኹም። ህላዌ መንፈስ ቅዱስ ወይ ስላሴ አብ ህይወትና ንነፍሲ ወከፍና ሓደ ግላዊ ዝኾነ ርክብ ምስ አምላኽና ንኽህልወና ይዕድመና። ስለዚ ንሕና ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ምኻና አይንዘንግዕ አምላኽ አብ ውሽጢና አሎ ንድለዮ ንስመዓዮ።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

Abba Hagos Tesfagabir

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ኅዳር – 07.2018 – 07.2018

 

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ሉቃ.14.25-33

ብዙኃት ሰብ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ንሱ ኸአ ግልጽ ኢሉ በሎም፦ “ ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ አቡኡን አዲኡን ሰበይቱን ደቁን አኅዋቱን አኃቱን፥ ሕይወቱን ኸይተረፍትውን እንተ ዘይጸልአ ፥ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን አይክእሊን እዩ።  መስቀሉ ፀይሩ ደድኅረይ ዘይስዕብ ዘበለ፥ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን አይክእሊን ኢዩ።  ካባኻትኩምከ ግምቢ ኺሠርሕ ዚደሊ እሞ ንምውድኡ  ዚአኽሎ ገንዘብ እንተለዎ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ እንታዋይ ኢዩ፧  እንተ ዘየሎ  ወሠረት ምስ ሠረተ፥ ምውድኡ እንተ ሰአነ፥ ዝረአይዎ ኹሎም ‘ እዚ ሰብ እዚ ምንዳቕ  ጀሚሩ ምውዳኡ  ስኢኑ’ እናበሉ ኼላግጽሉ ይጅምሩ፡፤  ወይስ አየናይ ንጉሥ ኢዩ ምስ ካልእ ንጉሥ   ኪዋጋእ  ዚኸይድ እሞ ፥ ነቲ ብዕሥራን ሽሕ ዚመጾስ  ዓሠርተ ሽሕ ኪገጥመሉ ዚኽእል እንተኾይኑ፥ ተቐሚጡ ቅድም ዘይመክር፧  እንተዘይኮነስ ፥ ገና ርሑቕ ከሎ ልኡኻት ናብ ኡ ሰዲዱ ዕርቂ ይልምን፡፤ ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ  ካባኹም ዘለዎ ዘበለ ኹሉ ዘይኃደገ፥ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን አይክእሊን ኢዩ።

  • አስተንትኖ

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ብዛዕባ ሓዋሪያ ይዛረብ፤ ሓዋሪያ ክርስቶስ ንኽትከዊን ክትገብሮ ዘለካ  ወይ ክተቀድሞ ዘለካ ነገራት ይሕብር።  ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ አቡኡን አዲኡን ሰበይቱን ደቁን አኅዋቱን አኃቱን፥ ሕይወቱን ኸይተረፍትውን እንተ ዘይጸልአ ፥ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን አይክእሊን እዩ።

ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነትና ብምስቓይ አሰሩ ክንክተል  ጥራይ አይኮነን አብነት ሂቡና እንታይ ደአ  መገዲ ከፊቱልና። እቲ መገዲ እቲ ኢንተ ስዒብና አብ ምድራዊ ጉዑዞና ሕይወትን ሞትን ሓድሽ ትርጉም ይህልዎ ። እቲ ክርስቲያን ክስዕቦን ክንክተሎን ዘሎና መንገዲ መገዲ ክርስቶስ ኢዩ፤ መንገዲ ክርስቶስ ከአ መንገዲ መስቀልን መስዋዕትን ኢዩ። በዚ ምኽኒያት እዩ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ አቡኡን አዲኡን ሰበይቱን ደቁን አኅዋቱን አኃቱን፥ ሕይወቱን ኸይተረፍትውን እንተ ዘይጸልአ ፥ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን አይክእሊን እዩ።

ንሕና ነፍሲ ወከፍና አብ ሕይወትና ዝተፈላለየ ጸገማት ተመክሮ ዝገበርና ኢና። እዚ ተመክሮ እዚ ኸአ ዘይሕጉሳት ይገብረና፡ ንጸገማትና ስቅያትና አሰር ክርስቶስ ብምኽታል ብዓይኒ ክርስቲያናዊ እምነት ምስ እንጥምቶ ጊና አብቲ ጸገምና ስቅያትናን ሓጎስ ይስመዓና። መስቀሉ ፀይሩ ደድኅረይ ዘይስዕብ ዘበለ፥ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን አይክእሊን ኢዩ። መስቀል እምበአር  እቲ ሓደ ናብ እግዚአብሔር ዘብጸሓና መንገዲ ምኻኑ ክንአሚን ይግበአና። በዚ ጥራይ ኢና ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዝህልወና፡ አብ ቅድስና ክንበጽሕ እንኽእል።

ክርስቶስ ምኽታል ኣሰሩ ምስዓብ፣ ኣብ ኢ.ክ. ዝርከብ እምነት እግዚኣብሔር ምምላስ ማለት እዩ። ነቲ ንሱ ዝፈጸሞን ብመንፈሱ ብርሃን ኣብ ሕዝቡ ዝውልዕ ኣገልግሎት ውፉይ ሕይወት ብሓድነት እምነትን ፍቕርን ዝንበር ጸዋዕታ እዩ። ኣሰሩ ምስዓብ ማእሰር ሓድነት እዩ ኣብ ክርስቶስ ምስኡን ነዓኡን ኣብ  እግዚኣብሔር ጸኒዕካ በቲ ንሱ ዝሓለፎ መንገዲ ምጉዓዝ ማለት እዩ። መንገዱ ኸአ ከምቲ አቀዲምና ዝበልናዮ መንገዲ መስቀል ኢዩ።

ኢየሱስ ናብ እግዚኣብሔር ኣብ ዚወስድ መንገዲ እዩ (ዮሓ.14᎓6) ነቶም ኣብኡ ዝሃቦ ይጸውዕ ሕይወቶም’ውን ብናቱ ሕይወት ንክምርሕ ይዕድሞም። ካብቲ ዝነበርዎ ዚነበረ ሕይወት ብኣገባብን ኣነባብራን ፍልይ ዚበለ ሕይወት ንከሕልፉ ከኣ ይጽውዖም፣ ኣብቲ ቆላሕታ ኢየሱስ (ማር.10᎓2) ምስሊ ናይቲ ዘይርኤ ኣምላኽ (ቆላ.1᎓15) ነጸብራቕ ክብሪ ናይ ኣቦን (ዕብ.1᎓3) ዘሎ ሓይሊ ንውሽጥኻ ኣንቀሳቂሱ (ተንኪፉ) ነቲ ዓሙቕ ዘለዓለማውን ዘይውዳእ ፍቕርን እግዚኣብሔር የረድኣካ።

ነዚ ዝተረድኤትን ዚጠዓመትን ነፍሲ ከመይ ኢላ ነቲ ፍቕሪ ብዝመልኦ ኣጠማምታ ዚጸውዓ ክርስቶስ ከይመለሰት ስቕ ክትብል እትኽእል። እኳ ድኣ ኩሉ ሓዲጋ ክትስዕብ ትጐዪ። አቦ አደ ሰበይቲ  አኅዋት አኃት፥ ሕይወቱ ኸይተረፈ ክትገዲፍ አየጸግማን።  ብክርስቶስ ዝተተንከፉ ሰባት ከም መዓል ቅዱስ ዓውሎስ ነቲ ዝነብርዎ ዝነበሩ ጽቡቕ ኢሎም ዝአምኑሉ ዝነበሩ = ድምጹ ምስ ሠምዑ “ነቲ ነዓይ ረብሓ ዚነበረ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ኸም ክሳራ ቆጸርክዎ። እወ ምእንቲ እቲ መዘና ዘይብሉ ፍልጠት ናይቲ ጐይታይ ዝኾነ ክርስቶስ…..ንኹሉ ከም ክሳራ እቖጽሮ….ንእኡ ክረክብ ምስኡ ክኸውን ንኩሉ ከም ጉሓፍ እቆጽሮ ኣሎኹ። (ፊሊ.3᎓7-8)

“እቲ ድሕረይ ኪስዕብ ዝደሊ ገዛእ ርእሱ ይመንን፣ መስቀሉ ኣልዒሉ ከኣ ይስዓበኒ፣ (ማር.8᎓34) እዚ ማለት ንኽርስቶስ ክስ ዕብ ዝደሊ  ስቓይ ሕይወቱ ክካፈል ድልው ክኸውን ኣለዎ

መስቀል ማለት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ሰብን ዘሎካ ተኣማንነት ምምናንን ንኽትምንን ቅሩብ ምዃንን ማለት እዩ። እምነት ምሕላው “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝእመነኒ ኹሉ፣ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ክእመኖ እዩ (ሉቃ.12᎓8) ኣሰሩ ምኽታል ማለት ንሱ ዝገበሮ ምግባር ማለት እዩ። ኣብነቱ ምኽታል “ካብ መምህሩ ዝዓቢ ተማሃራይ ካብ ጐይታኡ ዚበልጽ ኣገልጋሊ የልቦን….. ንበዓል ቤት ብዔል ዘቡል ካብ በልዎ ንቤተሰቡ ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎ። ኣሰሩ ምኽታል ማለት ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ምብሣርን እቲ ንሱ ዝፈጸሞም ተኣምራትን ትእምርትን ምፍጻም ማለት እዩ። ንኢየሱስ ምኽታል ማለት ምስቲ ዝተንስኤን ዝኸበረን ጽኑዕ ርክብ ምፍጣር የስምዕ (ዮሓ.12᎓26)

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

Aba Hagos Tesfagabir

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ኅዳር – ኅዳር 06.2018

 

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………፡፡

 

ሉቃ.14:15-24

ሓደ ካብቶም ምስ ኢየሱስ ኣብ መኣዲ ዝተቀመጡ  እዚ ምስ ሰምዐ፥  “ እቲ አብ መንግስቲ አምላኽ እንጌራ ዚበል ብፁዕ እዩ፥” በሎ። ኢየሱስ ከአ ኸምዚ በሎ፦ “ ሓደ ሰብአይ ዓቢይ ድራር ምስ ገበረ፥ ንብዙኃትውን ዓደመ። ጊዜ ድራር ምስ ኮነ  ድማ ነቶም ዕዱማት፥  “ ኩሉ ተዳሊዩ እዩ እሞ ንዑ’ ኺብሎም ጊልያኡ ለአኸ። ኩሎም ከአ ኃቢሮም ኬማኻንዮ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ ፥ ‘ ግራት ዓዲገ አሎኩ እሞ ናብአ ወፊረ ኽርእያ ብግዲ ስለ ዘድለየኒ፥ ከተማኻንየለይ እልምነካ አሎኹ’ በሎ። እቲ ኻልአይ ድማ ‘ሓሙሸተ  ጽምዲ ብዕራይ ዓዲገ አሎኹ፥ ክፍትኖም ከአ ክኸይድ እየ እሞ፥ ከተማኻንየለይ እልምነካ አሎኩ’ በሎ።  እቲ ሣልሳይ ከአ ‘ ሰበይቲ አእትየ አሎኹ እሞ ኽመጽእ አይኮነለይን እዩ’ በሎ። እቲ ጊልያ መጺኡ ነዚ ነገራት እዚ ንጎይትኡ ነገሮ፤ ሽዑ እቲ ብዓል ቤት ተቖጢዑ  ነቲ ጊልያኡ ‘ ናብ አደባባይን ናብቲ መተ ኃላለፊ ኸተማ ቀልጢፍካ ውጻእ፥ ድኻታትን ቆራያትን ዕውራትን ሓንካሳትን ናብዚ አምጽእ’ በሎ። እቲ ጊልያ ኸአ ‘ ጎይታይ ከምቲ ዝአዘዝካዮ ተፈጺሙ እዩ’ እንተኾነ ስፍራ ገና አሎ’ በሎ፦ ‘ ናብ መንገድታትን ቀጽርታትን ውፃእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኺመልእሲ ኸም ዚመጹ ግበሮም። ምኽኒያቱ ካብቶም ዝተዓደሙ ሰብኡት ሓደ እካ ንድራረይ አይክጥዕምን ኢዩ፥ እብለኩም አሎኹ።’”

  • አስተንትኖ

ብቃንቃ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ አብ መንግስቲ አምላኽ እንጌራ ዚበል ብፁዕ እዩ፥  ነቲ እግዚአብሔር አብቲ ዘለዓለማዊ ብሽ ዕና ዘዳልዎ ምሳሕ የመልክት አዚ ምልክት  አዚ አብ ኢሳ. 25.6 “እግዚአብሔር ጎይታ ሠራዊት አብ እምባ ጽዮን ንኹሎም መንግሥትታት ዓለም ዓቢይ ምሳሕ ኬዳልወሎም እዩ። እወ፥ ብዝበለጸ ዝደረቐ ነቢትን ብስቡሕ ሥጋን አንጉዕን ዓቢይ ምሳሕ ኬዳልወሎም እዩ። ኢሳ.25፡

ኢየሱስ ከአ ኸምዚ በሎ፦ “ሓደ ሰብአይ ዓቢይ ድራር ምስ ገበረ፥ ንብዙኃትውን ዓደመ። ጊዜ ድራር ምስ ኮነ  ድማ ነቶም ዕዱማት፥  “ ኩሉ ተዳሊዩ እዩ እሞ ንዑ’ ኺብሎም ጊልያኡ ለአኸ። እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ብእምነት ክስዕብዎ ይዕድም። እግዚአብሔር ብፍቕሪ ይጽውዕ፡ አብቲ ምስጢረ ድኅነቱ ንኸሳትፈና። ብዝተፈላለየ መንገዲ ከአ ንጸዋዕታ እቲ ግቡእ መልሲ ሂብና ንኽንክእል ይሕግዘና። ነዚ ጸዋዒት አምላኽ መልሲ ንምሃብ ከአ መስዋዕቲ ይሓትት። ንእግዚአብሔር አሰር ክርስቶስ ብምስዓብ ፍቓድና ንዕኡ ካብ ምስዋዕ ዚዓቢ ህያብ ወፈያ ክንገብረሉ አይትኽእልን ኢና። እዚ ኽንፍጽም ከለና ኩሉንትናና ኢና እንህቦ።

ቅዱስ ጳውሎስ አብዚ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ ናብ  ሰብ ፈልጲስዩስ ክጽሕፍ ከሎ “ 2:5-11

እቲ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ አተሓሳስባ አባኻትኩም ይሃሉ፦ ጳውሎስ እዚ መል እኽቲ እዚ ናብ ሰብ ፈልጲስዩስ ካብ እሱር ቤት ይጽሕፍ።  እታ ማሕበር አመንቲ ነቲ እምነታ አብ ሓደጋ ዘውድቕ ሽግራት አብ ዘጋንፋ ዝነበረ ግዜ ይጽሕፋ። ጳውሎስ አብቲ እምነቶም ስጋብ መወዳእታ ምእንቲ ወንጌል  ጽንዓት ክህልዎም ይመክርን ርይዕድም።  ነታ ማሕበር አመንቲ ፈልጲስዩስ ብሓንሳብ ንኽትገዓዝ ሓደ ጥሙር ዝኾነ ሕብረት ከምዘድሊያ ይመኪር። አብዚ ዕዊቲ ኮይና ንኽትርከብ ካብ ገዛእ ርእሰይ ዝቢል አተሓሳስባ ክትወጽእ ይምዕድ። እዚ ትሕቲና እዚ ከአ እቲ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ አተሓሳስባ አብአቶም ብምኽስካስ ካብ ክርስቶስ ጥራይ ክመሃርዎ ከምዝኽእሉ የተሓሳስብ።  አነ ለዋህ እየ፥ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ አርዑተይ ጽሩ፥ ካባይውን ተመሃሩ”  ነፍሲ ወከፍና እምበአር መሰረታዊ ጸዋ ዕታና ካብዚ ክብገስ ይግብኦ። በቲ አተሃሳስባን ወንጌልን ክርስቶስ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ክንመርሕ።

ንሱ ብባህርዩ አምላኽ እካ እንተ ኾነ፥ ነቲ ምስ አምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት “አይገድፍን” ኢሉ አይተኸራኸረን። እንተኾነ ሰብ ብምኻን፥ መልክዕ ባሪያ ብምውሳድ፥ ብገዛእ ፍቃዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ። ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት፥ አረ እካ ደአ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት፥ ተአዘዘ። እናበለ ወዲ አምላኽ ብፍቃዱ ትሕትና ብምልባስ ሰብ ከምዝኾነ ይምህር። ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ እምበአር ናይ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ሃውና ሃፍቲና ክንሓስብ የዘኻኽረና።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………፡፡

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ጥቅምቲ 10.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………፡፡

ሉቃ.11:1-4

ኢየሱስ አብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቂ መዛሙርቱ፥ “ ጎይታይ፥ ከምቲ ዮሓንስ ንደቂ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረና” በሎ። ንሱ ኸአ በሎም፦ ‘ክትጽልዩ ኸሎኹም ኸምዚ በሉ፥ ‘አብ ሰማያት እትነብር አቦና፥ ስምካ ይቀደስ፥ መንግሥትኻ ትምጻእ፥ ፍቃድካ ኸምቲ አብ ሰማይ ከምኡ ድማ አብ ምድሪ ይኹን። ንናይ ዕለት እንጌራና አብ ፅባሕ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና ኹሎም  ይቕረ ንብል ኢና እሞ ኃጢአትና ይቕረ በለልና፤ ካብ ክፉእ አድኅነና እምበር ናብ ፈተና አይተእትወና።’’

አስተንትኖ

ሓደ ካብ ሓዋሪያት ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሎት መሃረና ዝብል ሕቶ ምስ አቕረበ  ክትጽልዩ ከሎኹም “ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር…. እናበልኩም ጸልዩ ኢሉ ክምልሰሎም ተረክበ። እዚ ጸሎት እዚ ኢየሱስ ምስ ኣቡኡ ዝነበሮ ፍሉይ ዝኾነ ርክብ ንሓዋሪያቱ ንነፍሲ ወከፍ አማናይ ንኸሳትፍ ዝነበሮ ብርቱዕ ድልየትን ሃረርታን ዚገልጽ እዩ ነይሩ።

ንሕና ንእግዚኣብሔር አምላኽና ኣቦ እንብሎ ኢየሱስ መንፈስ ፍቕርን ሓድነትን ኣብ ልብና ስለ ዘሕደሮ እዩ። “ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከኣ ነቲ “ኣባ “ኣቦ” ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብኹም ለኣኾ። ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ኸኣ ኣምላኽ ወራሲ ገይሩካ እዩ (ጋላ.4᎓6-7) ስለዚ ኣቦ መሠረታዊ ትርጉሙ ምንጪ ናይ ሕይወት የስምዕ። ቅዱስ ሲፕሪያኖስ፣ ታሪኽ ድሕነት እንተ ተዓዘብና መበገሲኡ ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ። ኣተገባብራኡን ናብ ኣቦ ዘመርሕ እዩ። ሥራሕ ክርስቶስ ኮነ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ናብ ኣቦ ዘተኰረ እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ናይ ኩሉ ሥራሕ ድሕነት ምንጭን መወዳእታን እዩ። ኣባትነት እግዚኣብሔር እቲ ቀዳማይ መልእኽቲ ወይ ብሥራት ናይ’ቲ ዝተንስአ ክርስቶስ እዩ። እግዚኣብሔር ኣቦ ኵላትና ስለ ዝኾነን ንሕና ከኣ ደቁ ስለ ዝኾንናን ነፍሲ ወከፍና አቦ ኢልና ክንጽውዖ ይደሊ። በዚ ኸአ ነፍስወከፍና ብመንፈስ ተመሪሕናን ተሓጊዝናን ርክብና ምስ እግዚኣብሔር ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ኩሎም ኣሕዋትን አኃትን  ጽኑዕ ርክብ ክህልወና ይግባእ። ነዚ ኣብ ወዱ ብመንፈስ ቅዱስ ሓድነትና ዘቖመ ኣምላኽ -‘አብ ሰማያት እትነብር አቦና፥   እናበልና ዕብየት አምላኽ  ንገልጽ ። በዚ ኸአ  ስግደትን ኣምልኾን ነቅርበሉ። ንሕና ነዚ ጸሎት እዚ ኪንደግም ከለና ምስ እግዚኣብሔር እንገብሮ ኪዳን የስምዕ። ኣቦና ዘለዎ ቤትና ማለት’ዩ። ክርስቶስ ሰማይን ምድርን ስለ ዘተዓረቐ ከኣ እግዚኣብሔር ዘለዎ ቦታ ንሱ እዩ ስማይና።ብተወሳኺ   በዚ ጸሎት እዚ መንነትና ንገልጽ፤ ምኽኒያቱ  ንሕና ደቁ ኢና ስለዚ ኢና  ኣቦ ኢልና  እንጽውዖ ፣ እንተኾነ ሓቐኛታት ደቂ እቲ ልዑል  አቦ ኽንከውን ፍቓዱ ክንመልእ ይግበአና።

ስምካ ይቀደስ መንግስትኻ ትምጻእ – ስም እግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ ኪቅደስ ከም ዘለዎ ካብ ጥንቲ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ’ዩ።  ስም እግዚኣብሔር ብከንቱ ኣይትጸውዕ ዚብል ትእዛዝ እግዚኣብሔር ኪንዝክር ይግበኣና። ምኽኒያቱ ብኣዘራርባ ቅዱስ መጽሓፍ ስም መንነትን ተግባራትን ናይ’ቲ ሒዙዎ ዘሎ ዚገልጽ ስለዝኾነ።  ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ዚገበረሎም ናይ ኣብ ግልጸት ኪዛረብ እንከሎ “እታ ንኣይ ዘፈቀርካኒ ፍቕሪ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽትህሉ፣ ኣነ’ውን ኣብኣቶም ምእንቲ ኽነብር ስምካ ኣፍሊጦዮም ኣሎኹ፣ ከፍልጦም’ውን እየ” ብምባል  (ዮሓ.17᎓26) ነፍሲ ወከፍና ምስኡ ሓድነት ከም ዝሃበና ከምቲ ናቱ ቅድስና’ውን ኪህልወና ከም ዚኽእል ብምግባር ከምቲ ኣነ ዚፈለጥኩኻ ንሳቶም’ውን ኪፈልጡኻ’ሞ ንሳቶም’ውን ከምቲ ኣነ ኣባኻ ንስኻ ኣባይ ዝተቀደስናን ዝተኸበርናን ንሳቶም እውን ከምኡ ይኹኑ።

ስምካ ይቀደስ ንሕና ክርስትያን ከም ውሉድ መጠን ስምካ ይቀደስ ክንብል እንከሎና ንእግዚኣብሔር ቅዱስ ምዃኑ ፈሊጥና ከም ቅድስናኡ መጠን ወይ ንቅድስናኡ ብዚበቅዕ መንገዲ ስግደትን ኣምልኾን  ክብርን ንህቦ ኣሎና ማለት እዩ።  ንእግዚኣብሔር ብኸመይ ንቅድሶ?  ብኽርስቲያናዊ ሕይወትና፤ ብተግባራትና። “ፍጽምና ወይ ቅድስና ናይ ሓደ ክርስቲያን ወይ ክርስትያናዊ ሕይወት ዚርኣየሉ ኣብ ኩሉ ስራሑ ጉድለት ዘይርኣየሉ ኮይኑ ኩሉ ነዓኡ ዚርኢ ንኣምላኽ ክብሪ ኪህብ እንከሎ እዩ ይብል ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ። ብመንፈስ ፍቕሪ ተሰንዩ ቅንዕና ኃያውነት ሕውነት ንካልኦት ይጥዓሞም ዚብል መንፈስ ዘለዎ ምሕረትን ርትዕን መምርሒ ሕይወቱ ገይሩ ዚጐዓዝ ስም እግዚኣብሔር ይቅድስ። ስም እግዚኣብሔር ኣብ ዚተቀደሰሉን ዝኸበረሉን አብ ሕይወት ወዲ ሰብ  መንግስቲ ኣምላኽ ይሰፍንን ይነግሥን፣ ንናይ ዕለት እንጌራና አብ ፅባሕ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና ኹሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ ኃጢአትና ይቕረ በለልና፤ ካብ ክፉእ አድኅነና እምበር ናብ ፈተና አይተእትወና።’’ ወደይ! አገልግሎት አምላኽ አብ እትጅምረሉ ጊዜ፡ ንፈተናውን ተሰናዶ” ሲራ 2፡1 ነቲ ጎይታና ቃል ዝኣተወልና መንግስቲ ንኽንወርስ ንፈተና እንተሰዓርና እዩ እሞ፡ ንኹሉ ፈተና እዛ ዓለም ንክስዕር ወትሩ ኣብ ጽሎት ክንጽመድ ኣማልድነት ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ኣይፈለየና። ኣሜን!

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………፡፡

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

1 2 3 4 20