አብ ህይወትና ንእግዚአብሔር ክንረኽቦ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ንጸሊ

“ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ካሕኩሑ ኪረሓወልኩም ኢዩ። ከመይ ዝለመነ ኹሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፥ ማዕጾ ዝካሕኮሐ ድማ ይረኃወሉ እዩ”። ማቴ. 6፡6

ከበርኩም ምእመናን መድኃኔ ዓለም ብመጀመርታ እንቃዕ ናብዚ ሓድሽ ዓመተ 2017 አብጸሓና እንዳበልኩም: ነፍሲ ወከፍ ምእመን ነዚ ሓድሽ ዓመትዚ እቲ ኹሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገሩለይ እዩሞ፥ ስሙ ቕዱስ ኢዩ” እንዳበልና ምስ ማሪያም ጉዑዞና ክንጅምር፡ ብፍሉይ መገዲ ነዚ ዓመት’ዚ ድማ አብ ጸሎትን አስተንትኖ: ቃል አምላኽን ክንድህብ እዕድም።

ይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ካሕኩሑ ኪረሓወልኩም ኢዩ። ከመይ ዝለመነ ኹሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፥ ማዕጾ ዝካሕኮሐ ድማ ይረኃወሉ እዩ ከምዝበለ ጸሎት ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምስ እግዚአብሔር ዓሚቕ ርክብ: ዝምድና ንክህልወና ዝገቢር መሳሪሒ ኢዩ። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ሓደሽቲ ናይ ጸሎት አገባባት ክንምህዝ ከአ ወትሩ ክንጽዕር ይግበአና። ብርግጽ ብዙሓት ጸሎታት አብ ስርዓት አምልኾና፡ አብ በዓላትና፡ ብዙሕ ግዜ ከም ልምዲ እንጥቀመሎም ዓይነት ጽሎታት አለዉና። ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ከም ሓደ ምስ ሓደ ዓርክና እንገብሮ ርክብ ልዝብ፡ ምስ አቦ: አደ እንገብሮ ወግዒ ወይ ርክብ ክኸውን አለዎ። በዚ መንፈስ ምስ እንጽሊ እቲ ንደልዮ ካብ እግዚአብሔር አምላኽና ንረኽቦ፡ ይወሃበና፡ ንቕበል። ጸሎትና ከኣ ናይ ልምዲ ጸሎት ኮይኑ ኣይተርፍን።

ከመይ ጌርና ንጸሊ

ብዙሕ ግዜ ነቲ ዝተዋህበና ጸሎታት ክንደግሞ ከም ልምዲ እንወስዶ ውሑዳት አይኮናን። ንአብነት አቦና አብ ሰማይ ትነብር፥ ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም …. እቶም ቀንዲ ጽሎታት ምስ እግዚአብሔር ዘራኽቡና እካ አንተኾኑ፡ አብዚ ነዞም ጸሎታት ክንጽሊ ከለና ከም ልምዲ ከይንደግሞም ክንጥንቀቅ ይግበአና። ማለት አፋትና ነዞም ጸሎታት ክደግም እንከሎ አእምሮና ግና ካሊእ ሓሳባት ከይሓስብ። ንኣምላኽና ብመልሓስና ጥራይ ከይነኽብሮ አንታይ ደኣ ብኹልንተናና። ስለዚ ከመይ ጌርና ንጸሊ … ንዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእስና ክንቕርብ እምበአር አድላዪ ይኸውን። ጸሎትና ካብ ውሽጢ ዘይኮነስ ብአፍና ጥራይ ምስ እንደግሞስ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና እንታይ ረብሓ አለዎ፧ ዕላማ ጸሎት ምስ እግዚአብሔር አቦና ምርኻብ ካብ ኮነ፡ ስለዚ ጸሎትና ብሓቂ ፍረ ንኽህልዎ ገዛእ ርእስና ንጸሎት ክንቅርብ አድላዩ ኮይኑ ይርከብ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ወንጌል ማቴዎስ 6፡6 ከምዚ ኢሉ ክምህር ንረኽቦ፤ “ ንስኻ ግና ክትጽሊ ከሎኻ፥ ናብ ቤትካ እቶ፥ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥውር ዘሎ አቦኻ ጸሊ” እናበለ ብኸመይን ከመይን ጌርና ክንጽሊ ከምዘለና ይምህር። እዚ ማለት አብ ጸሎት ብሓቂ ካብ ኩሉ ሓሳባትና ነጻ ኮይና ናብ እግዚአብሔር አምላኽና ብምሉእ ሓሳብናን ቀልብናን ናብኡ ክንቀርብን ክነድህብን  ከምዘለና ኢዩ።

አበይ ንጸሊ፡ እንታይ ቃላት ንጥቀም፧

ደ ፍሉይ ዝኾነ ቦታ ናይ ጸሎት ክህሉ አይክእልን ኢዩ። ማለት አብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ናይ መዓልታዊ ሕይወትና ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ንኽእል ኢና። አብዚ ክርደአና ዘለዎ ምጽላይ ማለት ከምቲ አቀድሚና ዝበልናዮ ምስ እግዚአብሔር ምዝራብ ፡ ምውጋዕ ኢዩ።

“ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺረአዩ፥ አብ ናይ አይሁድ አባይቲ ጸሎትን፥ አብ ቀራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፥ ክትጽልዩ ኸለኹም ከምአቶም አይትኹኑ፥ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም አለኹ። ንስኻ ግን ክትጽሊ ከሎኻ፥ ናብ ቤትካ እቶ፥ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥውር ዘሎ አቦኻ ጸሊ። እቲ ብሥውር ዚርኢ አቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ ኢዩ። ማቴ.65-7

ግዚአብሔር አብ ዝኮነ ቦታ ጸሎትና ይሰምዕ ኢዩ። ግና ጸሎትና አብ መገዲ ይኹን፤ አብ ካሊእ ዝኾነ ቦታ ብሰብ ምእንቲ ክንረአ ከይከውን ክንጥንቀቕ የዲሊ። ብርግጽ ጽምው ዝበለ ቦታ ምስ እግዚአብሔር፡ ከምቲ ዝድለ ክንራኸብ፡ ክንዛረብ ሓግዚ ኢዩ። እዚ ባዕሉ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ሕይወቱ ዝመስከሮ ኢዩ።  ንእግዚአብሔር አብ መዓልታዊ ሕይወትና አብ ዝኾነ ቦታን ሰዓትን ክንረኽቦን ክንዛረቦን ከምንኽእል ግና ክንአምንን ከይንዝንግዕን  ይግበአና። ካብ ገዛና ወጺና ናብ ስራሕ ክንገዓዝ ከለና፡ ክንዛወር ከለና፡ አብ ዕረፍትና፡ ዕዳጋ ክንገቢር ከለና፡ ቅድሚ ምድቃስና ወዘተ ንአምላኽና ክንረኽቦ ከምንእኸል ምግንዛብ የድሊ። ብዙሕ ዘረባ አይድልን፡

ኣሕዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ እዩ ዚመስሎም እሞ፣ ኽትጽልዩ ኸሎኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝሑ” ማቴ.6:7 ሓጸርትን ቁሩባትን ጸሎትና ፍረ ክህልዎ ይገብሩ። ከምቲ ምስ ሓደ ዓርክና እንዛረቦ ከምኡ ምስ ፈጣሪና ክንዛረብ ይግበአና።

እግዚአብሔር ሓሳብና ሓጎስና ክነካፍሎ ይግበአና። ብዙሓት ካባና ንጸሎት ከም ሓደ ልመና፡ ሕቶ ጥራይ ጌርና ንሓስቦ ሰባት አለና። ጸሎትና ወግዕና ካብ ሕማምና ከሕውየና፥ አብ ሓዘና ከጸናንዓና፥ ካብ ገለ ፈተናታት ከድሕነና፥ ውላድ ንኽህበና ወዘተ። ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ክነዋግዕ ግና አብ ግዜ አድላይነትና ጥራይ አይኮነን። ርክብና ከምቲ ምስ አዕርኹትና፡ አቦታትና፡ አዴታትና፡ አሕዋትና እንገብሮ ርክብ ክኸውን አለዎ ካብ በልና፤ ሓዘናን ድልየትናን ጥራይ ዘይኮነ ሓጎስናን ዓወትናን  ክነዘንትወሉውን ይግበአና።

ዚ ምኽንያት መጀመሪያ ጸሎትና ንእግዚአብሔር ብዛዕባ መዓልታዊ ሕይወትና ክነዘንትወሉ ይግበአና። ብዛዕባ ሓጎስናን ድኻምነትናን ዓወትናን ወዘተ። ካብዚ ተበጊስና በቲ ዘሕዝን ዘጋነፈና ነገራት ንእግዚአብሔር ሓገዝ ክንልምኖ። በቲ ዝረኸብናዮ ሓጎስ፡ ዓወት ከአ “ አግዚኣብሔር ብምሉእ ልበይ ኣመስግነካ፡ ኩሉ ዝገበርካዮ ተኣምራታትውን ክነግር አየአንዳበልና ክነመስግኖ መዝ።9:1

ብቲ ኣብ ሕይወትና እንወስዶ ስጉምትታት ከአ ምኽሩ ክልግሰልና ብትሕትና ክንሓቶ፥ ‘’ አግዚኣብሔር ንቓላተይ ጽን በሎአንዳበልና ኽንጺሊ። በቲ ዝፈጸምናዮ ጌጋታት ከአ ምሕረቱ ክልግሰልና ኣምላኽ፣ ምእንቲ ዘለ ዓለማዊ ምሕረትካ ኢልካ ይቕረ በለለይ፡ ምእንቲ ዓቢይ ርሕራሔኻ ኢልካ ኸኣ ኣበሳይ ደምስስ እንዳበልና ክንሓቶ ይግበአና።

ከበርኩም ምእመናን ደብረ መድኃኔ ዓለም እዚ ግዜ እዚ፦

ንእግዚአብሔር አምላኽና እነመስግነሉ፤

ናይዚ ዝሓለፈ ዓመት እምነታዊ ጉዑዞና እንምርምረሉ፤

ምስ ገዛእ ርእስናን – አምላኽናን – ሓውናን – ሓፍትናን ብዛዕባ ዘለና ርክብ ጸብጻብ እንገብረሉ፤

ነቲ ክርስቶስ ዘዳለዎ አፍደገ/መንገዲ ድሕነት ሲሒትና እንቶሎና፤

ናብቲ ቅኑዕ አፍደገ እንምለሰሉ፤

ነዚ እንጅምሮ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2017 ከአ ብዝተሓደሰ መንፈስ፡

ብቁርጺ ፍቓድ ተዓጢቅና ንኽንጅምር እንብገሰሉ ግዜ እዩሞ ሃየ ንተዓጠቅ።

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና!

ንሃገርናን ዓለምናን ብአማላድነት ኪዳነ ምኅረት፡

ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ይግበረልና።

ካብ ኩሉ ናይዚ ዓለምዚ ነገራት ተባህለን ተገብረን ካብ ምባል ሪሕቅና፤

አብቲ ናይ እግዚአብሔር ቅኑዕ መገዲ፤

ግላዊን ቁምስናዊን፡ መንፈሳዊ ዕብየትናን ክንሰርሕ ጸጋታቱ የብዘሓልና።

እግዚአብሔር አብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ቁምስናዊ ጉዑዞና፤

ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ቁምስና መድኃኔ ዓለም፡ ቁምስናና ንክዓቢን፤ ከምቲ ዝድለ አገልግሎቱ ንክህብን፤

ዘርአኽምዎ ተወፋይነትን፤ መስዋዕትን ከአ እግዚአብሔር ጻማኹም ይኽፈልኩም።

መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ቁምስናናን ማሕበርናን ይባርከልና። ኣሜን!

ኣባ ሓጎስ ተፍስጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

ማሪያም አደ አምላኽን አደ ነፍሲ ወከፍ አማናይን

ማሪያም አደ አምላኽን አደ ነፍሲ ወከፍ አማናይን

ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንክዛረብ፥ ምልኣት ጊዜ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ንወዱ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ብሓጢኣት ካብኡ ተፈልዩ ዝነበረ ሰብ ካብ ዝነበሮ ዓዘቕቲ ነጻ ከውጽኦ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ባዕሉ ኣተወ።

ብዙሕ መንገድን ብዙሕ ሻዕን ከኣ ብነቢያት ተዛረበ መደብ ኣምላኽ ኣብ ምልኣት ምስ በጽሔ ክርስቶስ ናይቶም ብዙሓት ነቢያት መፈጸምን ምልኣትን ስለዝኾነ ካብ ድንግል ተወልደ። ካብኣ ተወሊዱ ከኣ ንኹልና ደቂ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ዕድል  ሃበና። በዚ ምኽንያት ከአ ማሪያም አደ ኹሉና ኮይና ትርከብ።

ብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን እቲ ዝዓበ መልእኽቲ ወይ Document ናይ ማሪያም ከም መንፈሳዊት አደ ዝገልጻ ብርሃን አሕዛብ ኢዩ። ንሱ አብ ቁጽሪ 65 ከምዚ ይብል፦ ድንግል ማሪያም ምስቲ ካብ ዘለዓለም ዝተወሰነ ተሰግዎቱ መለኮታዊ ቃል፡ ብመልኮታዊ ፍቓድ አምላክ አብዚ ምድሪዚ አደቲ መሎኮታዊ መድኃኒ ኮይና፡ ልዕሊ ኩሎም ሰባት ለጋስ ተኃባባሪት ትሕቲ አገልጋሊትን ጎይታ ዝኾነት እኖ አምላኽ ኢያ

ሳ ንኽርስቶስ ጸነሰቶ፥ ወለደቶን ሓነጸቶን፥ ናብ እግዚአብሔር አቦ አብ ቤተ መቕደስ አቕረበቶ፥ ምስቲ መስቀል ተሸንኪሩ ዝሞተ ወዳ ተሳቐየት። ብፍሉይ አገባብ ከአ ብተአዝዞአን፡ ብእምነታንብተስፋአንበቲ ወዕውዕ ፍቕራን አብ ምሕዳስ መልዕልተ ብህርያዊ ሕይወት ነፍሳት አብ ዕዮ መድኃኒ ተሓባበረት። ምእንቲዚ ብጸጋ ንአና አደና ኢያ” ።

ዚ ከአ ቤተክርስቲያን ንፍቓድ እግዚአብሔር  አብ ብእምነት እናፈጸመት፡ ንቓል እግዚአብሔር ብእምነት ተቀቢላ፡ ብጊደአ አደ ኩሎም አመንቲ ትኸውን። ንኩሎም ትሓቁፍን መገዲ ድኅነት ትመርሕን። ነቲ “ እምበአር ኪዱ እሞ፥ ንኹሎም አሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጠመቕኩምዎም ደቂ መዛሙርተይ ግበሩዎም ዝብል ትእዛዝ ክትፍጽም ወትሩ ትጽዕር።

ግዚኣብሔር ንእግዝእትነ ማርያም ኣደ ኣምላኽ፡ ብገብርኤል መልአኽ ከምዚ እንዳበለ አበሰራ‹ ሰላም ንዓኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፥ እግዚአብሔር ምሳኺ እዮ፥ ንስኺ ካብ አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” በላ። አብ ቅድሚ አምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ አይትፍርሂ። እንሆ ክትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ፥ ስሙ ኸአ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ምስበላ፡ ወላካ አብ መጀመሪያ ንኽትቅበሎ ሃንደበት እንተኾና፡ “ እኔኹ አነ ባርያ እግዚአብሔር እየ፥ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይሉቃስ፡ 1፡28-39፥ ብምባል ነቲ ካብ እግዚአብሔር ዝመጻ ዕድመ ጸዋዕታ ተቐበለቶ። በዚ ከአ አደ ጎይታናን አደ ኩሎም አመንቲ  ኮነት፡፡ እዚ ሰላምታ ገብርኤል መልኣኽ፥ ንእግዝትነ ማርያም ብዙሕ ኣኽብሮት ከምዝሃባ ከአ የረድእ።

ኤልሳቤጥውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ፡ ክልተ ጊዜ፡ ንስኺ” ብጽዕቲ” ኢኺ እናበለት ትጽውዓ። ከምኡውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ይብለና ቃል አምላኽ፥ ኣደ ጐይታይ ክትበጽሓንስ፡ እዚ ኹሉ ካበይ ኮነለይ፧” እናበለት፡ ንእግዝትነ ማርያም ዕብየታን እንታይነታን ትገልጽ። ባዕላውን እግዝእትነ ማርያም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ፡ ካብ ሕጂ ንድኃር ኵላቶም ወለዶብጽዕቲክብሉኒ እዮም እናበለት ከአ ትንበ።ሉቃስ፡ 1. 48

እግዚአብሔር ኣደ ቤተክርስቲያን፡ ክትከዊን አቐዲሙ  ካብ ኵሉ ርኽሰት ኃጢኣት ነጻ ገሩ ኢዩ ፈጠሩዋ። ስለዚ ኸኣ ብዘይ ኃጢኣት ኣዳም ተጸንሰት። ነዚ ዕላማ’ዚ ብቅዕቲ ኮይና ምእንቲ ክትርከብ ከአ ማርያም መንቅብን ጕድለትን ዘይብላ ብጸጋ ሃብታም ኮይና ተፈጥረት። በዚ ምኽንያት  ኸኣ እግዚኣብሔር ንኢየሱስ ክትወልድ እንከላ ድንግልናኣ ብተኣምር ኪሕሎ ዝመረጸ። ከምኡውን ድኅሪ ሞታ ሥጋኣ ከይበስበሰ ንሰማይ ኪፈልስ ዓቀቦ። በዚ መንገዲ እግዝእትነ ማርያም ኣብ መደብ ደኅነት ፍሉይ ግደ ከምዝተዋህባ እዩ ዜርኢ።

ግዝእትነ ማርያም፡ ንኢየሱስ ብሥጋ ከምዝወለደቶን፡ ኢየሱስ ከኣ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ከምዝኾነን፡ ስለዚውን ንሳ ኣደ ኣምላኽ ከምዝኾነትን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ት አምን። ቀዳሞት ኣበው ቤተክርስቲያን  እግዝእትነ ማርያም ሓዳስ ሔዋን ከምዝኾነት የስተምህሩ። እዞም ኣበው፡ ሔዋን ብሕጊ ተፈጥሮ ናይ ኵሉ ዓሌት ሰብ ኣደ ከም ዝኾነት፥ እግዝእትነ ማርያም ከኣ ብሕጊ ጸጋ ናይ ኵሉ ዓሌት ሰብ ኣደ ምዃና ይርእዩ።

ለ ካብ  መንፈሳዊ ጸሎት ቁዱሳትና፤ ናይ ቅዱስ በርናርዶስ ጸሎት እስከ እንተረአና፥ “ኦ ፍጽምቲ ኅያወይቲ ድንግል ማርያ፡ ናብ ሓለዋኺ እንካብ ዝተማህለሉ ረድኤትኪውን እንካብ ዝለመኑ፥ ልመናኺውን እንካብ ዝደለዩ፥ ካብ እዚኣቶም ሓደኳ ዝጠፍአ ከም ዘይተሰምዐ ሕሰቢ፥ ኦ ድንግል ተደናግል ኣደና! ንሕና’ውን በዚ እምነት እዚ ጸኒዕና እናተጨነቕናውን ኣብ ቅድሜኺ ደው ንብል ኣሎና፥ ኦ ኣደ ቓል ንጸሎትና ብሕያውነትኪ ስምዕዮ፥ ኣሥምርዮ እምበር ኣይትንዓቕዮ።” እናበለ ዝደረሶ ጸሎት መቕድም ኮይኑ፥ ቀዳሞት ክርስቲያን ነቲ ናይ እኖና እግዝእትነ ማርያም መንፈሳዊ እናትነት ይአምኑን የኽብሩ ከምዝነበሩ የመልክት።

የሱስ ንምሉእ ዓሌት ሰብ ስለ ዘድኃነ፥ እግዝእትነ ማርያም ከኣ ኣዲኡ ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ናይቶም ዘድኃኖምን ኣኅዋቱን ኣኃቱን ዝገበሮምን፡ ናይ ኵሉ ዓሌት ሰብ ኣደ ምዃና ንኣምን። ብፍሉይ መገዲ ኸኣ ኣደ ቤተክርስቲያን እያ። እዚ ከአ ባዕሉ አብ መስቀል ንወዲ መዛሙርቱ ዮውሃንስ ዝበሎ ክንዝክር ንኽእል። ነቲ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙሩ እነሄት አደካ ክብሎ እንከሎ ነታ ዘፍቅራ አዲኡ ከአ “አቲ ሰበይቲ እንሆ ወዲኺ” እናበለ ናይ ነፍሲ ወከፍና አደ ንኽትከዊን ሃበና።

ዝለዚ ንሕና ነፍሲ ወከፍና ማሪያም አደ ኢየሱስ፤ አደ ነፍሲ ወክፍና ምኻና ክንአምንን ክንቅበልን ይግበአና፡፡ ማርያም ኣደ ኢየሱስ እያ፥ ኢየሱስ ከኣ ኣምላኽ እዩ፥ ምእንትዚ እግዝእትነ ማርያም ኣደ ኣምላኽ እያ።

ሓደ ክርስቲያን፡ እግዝእትነ ማርያም ኣደ ኣምላኽ ምዃና እንተ ደኣ ዘይተቐቢሉ፥ ን ንምስጢረ ሥጋዌ ( ናይ ኢየሱስ ሰብ ምዃን) ይኽሕድ።  ማርያም ከመይ ኢላ እያ ፍጥርቲ እንከላ ኣደ ፈጣሪ እትኸውን ኢሎም ንዝሓቱ፧ እቲ ዘለዓለማዊ ወልደ እግዚኣብሔር ሰብ ምስ ኮነ፡ ባህሪሰብ እዩ ለቢሱ። ምእትዚ ሰብ ብምዃኑ፡ ካብ ሰበይቲ ብምላድ ከአ ልክዕ ሓደ ከማና ኾይኑ፡ ምልኣት ጊዜ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ሓደ ወዱ ለኣኾ። ገላትያ፡ 4፡4

ኸበርኩም ምእመናን እምበአር ወቕቱ ንማሪያም ዝተወፈየ ወቕቲ ኢዩሞ፤ ሃየ ምስ ማሪያም ፍሉይ ዕርክነት ንፍጠር። አብአ ብተስፋ ንማህለልን አማልድነታ ንሕተትን። ንሳ ከአ እቲ ዘድሊየና ጸጋ ክተማልደልና ኢያ። ንሳ እታ ዝበለጸት ናይ ቤተክርስቲያን መራሒት ኢያ።  ከመይ ብእምነታ ብጽዕቲ ምኻና ዝተመስከረላ እያ። ብተአዝዞአ “ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ”፡ ብምባል ንፍቓድ እግዚአብሔር አብአ ክፍጸም ዝለዝተቐበለትን ዘፍቀደትን ንሳ መምህር ናይ እምነት ኢያሞ ንስዓባ አሰራ ንከተል።

እግዚአብሔር ስለ ኩሉ ነገር ዝተመስገነ ይኹን!

ኣባ ሓጎስ ተፍስጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

 

ሓቀኛ ሓዋሪያ ክርስቶስ

ሓቀኛ ሓዋሪያ ክርስቶስ

(2ቆሮ።11:1-15)

መን ኢዩ ሓቀኛ ሓዋሪያ ዝበሃል? ኩሉ እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን: “ ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እንዳ ኣጠመቁም ደቂ መዛሙርተይ ግበሩዎ።  ሓዋሪያ  ኣበሳሪ ቃል ኣምላኽ: ቃል ሕይወት  ኢዩ። ብትሕትናን ፍቕርን ከኣ ናይ ጸዋዕታኡን ተልእኾኡን ተበግሶ ዚወስድን እግዚኣብሔር ባዕሉ ምዃኑ ይፈልጥ፡ ብወገኑ ከኣ ነቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ዚመደበሉ ብቕሩብነት ከም ዚተቐበሎ በተግባር የፍልጥ ።

“ገለ ቑሩብ ዕሽነት ክዛረብ እየ እሞ ክትዕገሱኒ ምደሌኹ፥ እወ፥ ተዓገሱኒ ደኣ። ብኣምላኻዊ ቕንኢ እቐንኣልኩም እየ እሞ ከም ሓንቲ  ንጽሕቲ  ድንግል  ምእንቲ ከቕርበኩም ንሓደ ሰብኣይ እሕጽየኩም ኣሎኹ፥ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ። ግናኸ ኸምቲ ተመን ብጉርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም ካብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ምሉእን ንጹሕን ፍቕሪ ከይትርሕቁ እፈርህ ኣለኹ። ምኽንያቱ ሓደ እካ ንሕና ዘይሰበኽናዮ ኻሊእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸልኩም፥ ወይ ካባና ዘይተቐበልኩምዎ መንፈስ ካሊእ መንፈስ እንተተቐበልኩም፥ ወይ ቅድሚ ሕጂ ዘይተቀበልኩምዎ ኻሊእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፥ ስቕ ኢልኩም ትዕገስዎ ኣለኹም።

ኣነ ካብዞም “ ኣዚና ብሉጻት ኢና ዚብሉ ሓዋሪያት ብሓንቲ እካ ዝንእስ ኣይመስለንን። ክእለት ኣዘራርባ እካ እንተዘይብለይ ፍልጠትሲ ኣይጎድለንን። እዚ ኸኣ ብብዙሕ መገዲ ገሊጽናልኩም ኢና። ንስካትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ኃጢኣት ግይረ እየ። ንኣኻትኩም ምእንቲ ከገልግል ኢለ ኻብተን ካልኦት ኣብያተ ክስትያን ሓገዝ ብምቕባለይ በዝቢዘየን ኢየ። ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ፥ እሞ ኸኣ ምስ ሰኣንኩ፥ ንሓደ እካ ኣየሰከፍኩን፥ ከመይ እቶም ካብ መቆደንያ ዝመጹ ኣሕዋት ዜድልየኒ ኹሉ ገይረሙለይ እዮም። ስለዚ ንሓደ እካ ኣየሰከፍኩን ድሕሪ ሕጅውን ከየሰክፍ ክጥንቀቕ ኢየ።

ኣብ ሃገረ ኣካይያ ነዛ ትምክሕቲ እዚኣ ሓደ እካ ኼሕድገኒ ዚኽእል ከም ዘየልቦ በቲ ኣባይ ኃዲሩ አሎ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ዘየፍቀረኩም ስለዝኾንኩ ድየ ነዚ ዝብል ዘለኹ! ከም ዘፍቅረኩምሲ ኣምላኽ ይፈልጥ ኢዩ። ኣብዚ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ . . . ሓደ ንጹር ዝኮነ ተልአኾ ሓደ ሓዋሪያ ይምህረና። ካብ ሓሰውቲ ናይ ግዜና ሓዋሪያት ኢና በሃልቲ ከይንታለል ከኣ እቲ ሓቀና መገዲ ይምህረና።  ጳውሎስ ነቶም ሓዋሪያት ኢና ዚብሉ “ ከምቲ ማሕበር ኣመንቲ ቆሮንጦስ ኣብኡ ክኣስሮም ኣይደሊን ነሩ። በዚ ምኽንያት ኢዩ ኣብ ቁጽሪ 2. ብኣምላኻዊ  ቅንኢ እቐንኣልኩም እየ እሞ ከም ሓንቲ  ንጽሕቲ  ድንግል  ምእንቲ ከቕርበኩም ንሓደ ሰብኣይ እሕጽየኩም ኣሎኹ፥ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ።

እዚ ድካ ሰብኣይ እንታይ ነይሩዎ ዝሓዞ ኣብ ቅድሚ ሰብ ቆሮንጦስ ከምዚ ኢሉ ብትብዓት ዝዛረብ! እቲ  ብስብከተ ወንጌል  ስተመስረተ ማሕበር ኣመንቲ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ወላሓደ ዝሓዞ ኣይነበሮን ።  ኣብዚ  መሬት እዚ ኣለዎ  እንብሎ፥ እምነትን: ፍቕርን  ኣብቲ ከም መድሕኑ ዝተቐበሎ ዝምከሓሉን ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኔሩ። ንሱ ኣብ ኣገልግሎት ከም ሽምዓ ክመክኽ ነይሩዎ። ኣብነት ናይቲ ዝተጸዋዓሉ  ፍቕሪ: እምነት: ጻዕሪ: ድካም ብምልባስ  ምስክርነት ናይ ሓዋርያነት ንማሕበር ኣመንቲ  ክህብ ነይሩዎ። ጳውሎስ ኣብዛ ካልኤይቲ መልእኽቱ ንደቂ ሰብ ቆሮንጦስ እንክጽሕፍ: ኣብ ቅድሚ እቶም ሓሰውቲ  ሓዋሪያት: መዳናገርቲ: መገልገልቲ ሰይጣን : ናይ ክርስቶስ ኢና ብዝብል  ዘደናግሩ ኢሉ ዝጽውዖም ሰባት ብርቱዕ ቃላት ይጥቀም።

እዚ ክብል ከሎ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም  ንገዛእ ርእሶም ኣገልገልቲ ወይ ብሉጻት ሓዋሪያት ክርስቶስ ኮይኖም ዝቐርቡ ኢዩ  ዝዛረብ ። ግና ከምዚ ኣይነበሩን፣ እዚኣቶም ካብቲ ሰብ ቆሮንጦስ ዝተቀበልዎ መንፈስ ስተፈልየ ፈንፈስ ዝነበሮም ኢዮም ዝነበሩ። ካብቲ ሰብ ቆሮንጦስ ዝተቐበሉዎ ወንጌል ዝተፈልየ ወንጌል ዝሓዙን ዝሰብኩን ሰባት ኢዮም ነሮም። ግና ኩሎም ኣመንቲ ቆሮንጦስ  ክቕበሉዎ ተረኽቡ: ወላሓንቲ ክብሉ ኣይተረክቡን። ከም ፈላጣትን ንፉዓትን ሓዋርያት ይቕበሉዎም ነበሩ። ብሰብ ቆሮንጦስ ተቐባልነት ረኸቡ። እዞም ሓሰውቲ ሓዋርያት ኢሉ ዝጽውዖም ጳውሎስ ኢዚኦም  ካብ ጳውሎስ ስተፈለዩ ነበሩ። ንሱ ንወንጌል ብነጻን ፍቕርን ተወፋይነትን እምነትን ይሰብኮ ነበረ።

ኣብ ቅድሚ እዞም ሓሰውቲ ሓዋሪያት ኢሉ ዝጽውዕም ሱቕ ክብል ይኽእል ኣይነበረን: ንደቂ ሰብ ቆሮንጦስ መንነት ናይዞም ሰባት ክሕብሮም ነይሩዎ።  ነሕዋቱ ነዚ ጌጋ ዝኾነ ትምህርቲ ብምቅባል ዝከዱዎ ዝነብሩ መንገዲ ጥፋኣት ከኣ ይሕብሮም። ግናኸ ኸምቲ ተመን ብጉርሑ ንሔዋን ዘስሓታ ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም ካብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ምሉእን ንጹሕን ፍቕሪ ከይትርሕቁ እፈርህ ኣለኹ። እንዳበለ ጥርጠራኡ ይገልጽ። ጳውሎስ እምበኣር ካብዚ ተበጊሱ ብትብዓት እዞም ከም ፈላጣት: ሓቀኛታት ሓዋሪያት ክርስቶስ ኮይኖም .. ካብ ሰብ ቆሮንጦስ  ኣድናቖትን ተቕባልነትን  ረኺቦም ዝነበሩ ሰባት:   መን ምኻኖም እቲ ሓቀኛ መንነቶም የጋልጾም። ሓሰውቲ ሓዋሪያት  ምካኖም ካብ ክርስቶስ ወላሓንቲ ጸዋዕታ ይኹን ተልእኮ ከምዘይብሎም ንሰብ ቖረንጦስ ይሕብር። ነዚኦም ኣገልገልቲ ሰይጣን ንእዳበለ ኸኣ ይገልጾም።

ኣብ ወንጌል ከምዚ ነንብብ፦ ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ በሎም፦ “ ሓደ እኮ ኸየስሕተኩም ተጠንቐቁ። ኣነ ክርስቶስ እየ፥ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም፥ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም ማቴ: 24:9-13  ጳውሎስ ኣብዚ ካልኣይ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣንጻር እቶም ሓሰውቲ ሓዋርያት ኢሉ ዝሰምዮም ክቃልስ ንረኽቦ። እዚኣቶም ኣብ ገዛእ ርእሶምን ሓይሎምን ብምትእምማን: ሓደ ፍሉይ ሕያብ መንፈስ ቅዱስን ጸዋዕታን ከምዘለዎም ኮይኖም ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰባት ዝቐርቡ ዝነበሩ ኢዮም። እቲ ናቶም ስእሊ ወይ መንነት  ፍሉያት ሰብ ጸጋ: ሰብ ህያብ … ሃብታማት: በጸጋ እግዚኣብሔር ዝሃብተሙ: ኮይኖም ይቐርቡ ነበሩ። ኣብዚ ኣብቲ ሰብ ቆሮንጦስ  ዝተቐበሉዎ ሓቀኛ መልእኽቲ ወንጌል ዕንቅፋትን ምትላልን ይፈጥሩ ነበሩ። ስለዚ ብሓጺሩ ኣብ ቅድሚ እቶም  ኣመንቲ ይኹኑ: ዘይኣመንቲ መንፈሳዊያን ኮይኖም ይቐርቡ ነበሩ። ቤተክርስቲያን ቆሮንጦስ ከኣ ኣብቲ መጀመሪያ ጉዕዞኣ .. ካብዚ ትምህርቲን ምትላልን  ተላዒላ ናይ ሓያላትን ሃብታማትን ቤተክርስቲያን ክትከውን ማለት ኢዩ። ጳውሎስ ግና ነዚ ኣይፈቅድን: ሱቕ ኢሉውን ኣይርእን።

ቤተክርስቲያን ቆሮንጦስ  ሓቀኛ  መንነታን እንታይነታን ክተጥፍእ ትርከብ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ኢዩ እምበኣር ጳውሎስ ነዛ ቤተክርስቲያን ካብ ሓሰውቲ ሓዋሪያት ንምድሓን እዛ መልእክቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዝተረኽበ። ጳውሎስ ካብቲ ትምህርትን ስብከትን ናይቶም ሓሰውቲ ሓዋሪያት ኢሉ ዝሰምዮም ዝፈልዮ እንታይ ኢዩ ነሩ እንተበልና፦ እቶም ሓሰውቲ ሓዋሪያት ስብከቶም ኣብ ሓይሎምን ሃብቶምን: ክእለቶምን ፍልጦቶምን  ዝተመርኮሰ ኢዩ ነሩ። ጳውሎስ ግና ኣምላኻዊ ቅንኢእንተዘይኮይኑ .. ናይ ገዛእ ርእሱ ዝሕበነሉ ፍልጠት ወይ ሓይሊ ኣይነበሮ። እካ ደኣ ከም ሓደ ድኹም ሰብ: ድኹም ፍጥረት: ንሰባት ብኽእለቱን ፍልጠቱን ሰባት ክስሕብ ክእለት ዘይብሉ ኮይኑ ይቐርብ።  ኣነ ካብዞም “ ኣዚና ብሉጻት ኢና” ዚብሉ ሓዋሪያት ብሓንቲ እካዝንእስ ኣይመስለንን።  ክእለት ኣዘራርባ እካ እንተዘይብለይ ፍልጠትሲ ኣይጎድለንን። እዚ ኸኣ ብብዙሕ መገዲ ገሊጽናልኩም ኢና። ኣቀዲሙ ኣብ 10:17-18

እቲ ዝምካሕ ብእግዚኣብሔር ደኣ ይምካሕ ” ከም ዚብሎ፥ እቲ እግዚኣብሔር ዚንእዶ እምበር እቲ ንገዛእ ርእሱ ዚንእድ ሰብ ኣይኮነን ተምስኪሩሉ ዚወጽእ። 2ቆሮ4:5 ንሱ ሓይሉን ክእለቱን ኣብ ወንጌል ዝተመርኮሰ ኢዩ  ኔሩ። ንገዛእ ርእሱ ኣይሰብኽን: እንታይ ደኣ ነቲ ምእንቲ ድሕነት ኩሎም  ደቂ ሰባት ደሙ ኣብ መስቀል ዘፍሰሰን ሕይወቱ ዝሃበን ክርስቶስ ይሰብኽ ነበረ።  ንሱ ከኣ  ኣብነትን ትምህርትን  ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምኽታል ብትሑት መንፈስ: ትሑት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኮይኑ ይቀርብ።  ነዚውን ባዕሉ ኣብ ቆሮ 3:5 ገሊጹዎ ይርከብ። ዝኾነ ነገር ንምግባር ብቕዓት ዝሃበና ኣምላኽ እዩ እምበር፥ ካብ ገዛእ ርእስና ዘምጻእናዮ ብቕዓት የብልናን” እናበለ ኣብ ክእለቱን ሓይሉን ዘይኮነስ ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽን ጸጋ ኣምላኽን ይእመን። ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ኸም ዝኾነ፥ ንሕና ኸኣ ብምኽንያት ክርስቶስ ገላዉኹም ከም ዝኾና እምበር፥ ባዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣይኮናን እንሰብኽ »።

ቀንዲ ወይ ማእከል ናይዚ መልእኽቲ እዚ .. ንሕና እቶም ብኽርስቶስ እንኣምን: ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደን ልዕሊ ኩሉ ክምለኽን ክስገደሉን ዘሎዎ ኣምላኽ: መድሓኒን ኢየሱስ ክርስቶስ .. ሓደ ሰብ ወይ ስልጣን ናይ ደቂ ሰባት ወይ ማሕበር ድርጅት ክህልወና ከምዘይኽእል ኢዩ። ንሕና ብስሙ ሕያዎት ኮይና ናይ ውልድነት መሰል ተቐቢልና ደቂ ኣምላኽ ክንበሃል በቒዕና። “ ዉሉድ ኣምላኽ  ተባሂልና ምእንቲ ክንጽዋዕ እግዚኣብሄር ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ከም ዝለገሰልና እሞ ርኣዩ! ውሉድ ኣምላኽውን ኢና። ዓለም ንእኡ ስለ ዘይፈለጠቶ ንኣና ዘይፈለጠትና። ኣቱም ፍቑራተይ! ሕጂ ዉሉድ ኣምላኽ ኢና። 1 Gv 3, 1-2) ስለዚ ከም ደቂ ኣምላኽ .. ከም ሓዋሪያቱ ንዕኡ ክንሰብኽን ክንምስክርን ዝተጸዋዕና ኢና። ኩሉ ግና ብክእለትና ብሓይልናን  ዘይኮነስ ብሓይሊ ኣምላኽን በጸጋ ኣምላኽን እዩ። ንኽልተ ጎይቶት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኻ የልቦን፥ ከመይ ነቲ ሓደ ኺጸልእ፥ ነቲ ሓደ ኼፍቅር እዩ፥ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ኼኽብር፥ ነቲ ሓደ ኬሕስር ኢዩ እምበኣር ንኣምላኽን ንገንዘብ ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኩም”። ማቴ6:24

ኣብዚ  ካልኣይ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ስተጻሕፈ: ጳውሎስ  ብብዝሒ ብዛዕባ ድካምነቱ ይዛረብ። ብዛዕባ ሓደ ዓቢ ህያብ ናይ ወንጌል፥ ብዛዕባ ቀጻሊ ስቕያቱ፥ ጸገማቱ: ጸገማትን ኣብ ስብከተ ወንጌል: ተልእኹኡ ኣብ ግራት እግዚኣብሔር ብብዙሕ መንገዲ ዕንቅፋታት ከምዝረኸበ: የዘንቱ።  እዚ ነቲ ቃልን ትምህርትን  መድሓኒና  ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዮው. 15:20 ዝበሎ ንኽንዝክር ይሕግዘና።

ጊልያ ካብ ጎይትኡ ኣይዓብን እዩ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ኣሳዲዶሙኒ እንተ ኾይኖም ንኣኻትኩምውን ኬሳድድኹም እዮም”። ስብከተ ወንጌል እምበኣር  ዕንቅፋት: ድኻም: ትሕትና ዝሓትት …. ካብኡ ሓሊፉውን ዉርደትን ምስዳድን መስዋዕትን ከምዘኸትል ምፍላጥ የድሊ። እዚ ጳውሎስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኔሩ። ንሕናውን ሎሚ ነዚ “ ጊልያ ካብ ጎይትኡ ኣይዓብን እዩ ዝብል ቃል ጎይታና ተ ተዓጢቅና ካብ ስብከት ወንጌልን ኣግልግሎትን   ንድሕሪት ኣይንበል፡ ኣዚ ግና ብሓይልና ዘይኮነ ብሓይሊ ኣቲ ካብ ሙታን ዝተንስኣ ኣምላኽናን ጎይታናን። ሎሚ ነቶም ብሓቂ ንኣምላክናን ጎይታናን ክነገልግል ዝተዓተቅና እዚ ስደት እዚ ከምዝወርደና ክንፈልጥን ክንቅበልን ይግበኣና። ብስመይ ከሳድድኹም  ናብ መጋባባኣያታቶምው ከወስድኹም ኢዮም” ይብል መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ . . . ስለዚ ነዚ ከም ዝተጸዋዓናውን ክንፈልጥ ይግበኣና። ማለት ኣብ ሓዋሪያዊ ጉዕዞና ብሓሶት ክኸሱና ከሳዱዱና ምኻኖም – ከምቲ ባዕሉ ጎይታ ዝብሎ ግና “ እቲ ስጋብ መወዳኣታ ዝዕገስ ክድሕን ኢዩ”።

እቲ ሓቀኛ ምስክርነት ተልእኾ ናይ ሓደ ሓቀኛ ሓዋሪያ እምበኣር ዓወት ምጉንጻፍ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ዝኾነ ኩነትን እዋንን ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ብምእማን .. ኣብ ጸዋዕታ ኣምላኽን ኣገልግሎቱ እሙን ኮይንካ ምርካብኢዩ።  በዚ ሓቂ እዚን: በዚ እምነት እዚን  ዝጋዓዝ ኢዩ እምበኣር  እቲ ሓቀኛ ናይ ክርስቶስ ሓዋሪያ ዝበሃል። ስለዚ እቲ ሓቀኛ ሓዋሪያ ዝበሃል ነቲ ሓቀኛ ናይ ክርስቶስ ሕይወት ክለብስ ኣብ መዓልታዊ ሕይወቱ ዝጽዕር ኢዩ። ንሱ ይቀበሉዎ ኣይቀበሉዎ ብድካምነቱ ከም ሓደ ድኹም: ኣብ መስቀል ውዒሉ።

ከም ሰብ ብትሕትና ብድኻም ስጋ ተሰቒሉ: ብኃይሊ ኣምላኽ ግና ሕያው ኮይኑ ተረኺቡ። ጉዕዞና ጉዕዞ እምነትና እምበኣር ኣሕዋት: ዕንቅፋታት ዝምልኦ … ድኻም ዝብዝሖ: መስዋዕቲ ከምዝሓትት ምፍላጥ የድሊ። ኣብዚ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ምስ ሓሰውቲ ሓዋርያት ከዋዳድር ከሎ ነቲ ናቱ ዕብየት ክገልጽ ዘይኮነስ: እቲ ሓቀኛ ስእሊ ናይ ሓደ ሓቀና ሓዋሪያ ክርስቶስ ንምሃብ ኢዩ።

ክርስቲያናዊ ምስክርነት… ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰባት ከምዝሞተ ምስባኽ ጥራይ ኣይኮነን። ካብ ጳውሎስ ክንመሃር ንኽል፡ ጳውሎስ ንኽርስቶስ ከም ጎይታ ይሰብኮ: እቲ ሰማያዊ ዓወቱ ይሰብኽ: ምስሊ ናይቲ ዘይረኣ ኣምላኽ ምኻኑ ይገልጽ። ክርስቶስ ነቢ ምካኑ ጥራይ ምስባኽ እኹል ኣይኮነን: ሙሉእ ምስክርነትውን ኣይኮነን። ናይ ነፍሲ ወከፍና  ጸዋዕታ ኣብ ሕይወትና ስእሊ ኢየሱስ ክርስቶስ  ኮይና ክንርከብ: ማለት ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ከነጸባርቕ ይግብኦ ። እዚ ኩውን ዝኸውን ግና  ክርስቶስ ብትሕትናን ተኣዝዞን ከምዝተዓወተ ኣሚና: ንሕናውን ኩሉ ተልእኮና ሓዋሪያዊ ተግባርና ኣብ ትሕትናን ተኣዝዞን ምስዝምርኮስ ጥራይ ኢዩ።

በዚ መንገዲ ጥራይ  ኢና ኣብ ከውሒ ዝተሰረተ እምነት ….. ከነጥሪ ንኽእል። በዚ ጥራይ ኢና  ሓቀኛታት ሓዋሪያት ናይ ክርስቶስ ክንስመ .. ማህበራትናን ቁምስናታትናን ክንሃንጽ እንኽእል። ኣብ ቃል ኣምላኽን ትሕትናን ተ ኣዝዞን ተመርኪስና። ኣብ ሓወይ ሓውኻ ወገነይ ወገንካ ዝህነጽ ቤተክርስቲያን ማሕበር ኣመንቲ የለን። ኣብ ከምዚ ዝምስረት ማሕበር፡  ቤተክርስቲያን – ኣብቲ ከውሒ ስለዘይተሰረተ  ይፈርስ።

እግዚአብሔር ስለ ኩሉ ነገር ዝተመስገነ ይኹን!

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና።

ኣባ ሓጎስ ተፍስጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

 

ስለምንታይ ደአ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧”

 

ስለምንታይ ደአ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧”

“ ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስን ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንን ይጾሙ ኢዮም። ስለምንታይ ደአ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧” ድማ በሉዎ። ኢየሱስ ከአ፦ “ አዕሩኽ መርዓዊ ደአ እቲ መርዓዊ ምስ አቶም ከሎ ኺጾሙዶ ይከአሎም እዩ፧ መርዓዊ ምስአቶም ከሎስ ኪጾሙ አይከአሎምን ኢዩ። እንተኾነ ግዳ መርዓዊ ካብአቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲአ ኪጾሙ እዮም። ማር. 2:18-20

እቲ ዝጸውም ንገለ ስተወሰነ ግዜ ካብ ገለ መግቢ ይኽልከል። መጽሓፍ ቁዱስ ብዛዕባ እዚ አብ ዝተፈላለይ ምዕራፋት ይዛረብ። ጾም አብ ብሉይ ኪዳን ዝተፈላለይ ናይ ጾም አብነታት ወይ ሓቅታት የቕርበልና። ንአብነት ሙሴ፦ ክልተ ግዜ አርባዓ መዓልትን አርባዓ ለይትን ከምዝጾመ የዘንትወልና። አዚ መጀመርያ ነተን ሕግታት ዝሓዛ ጽላተ እምኒ ንኽቕበል አብቲ ጎቦ ምስ እግዚአብሔር አብ ዝተረኸበሉ ግዜ ኢዩ። ከምዚ አንዳበለ ከኣ የዘንቱ “ ነተን ጽላት እምኒ፥ ናይቲ እግዚአብሔር ምሳኻትኩም ዝአተዎ ኺዳን ክቕበል ናብቲ እምባ ደየብኩ። አብኡ ብዘይ እንጌራን ማይን አርባዓ መዓልትን አርበዓ ለይትን ተቐመጥኩ”። ዘዳ.9: 9:9

ካልአይ ግዜ ነተን ናይ ሕግታት ጽላት ሒዙ ካብቲ ጎቦ ምስ ወረደ፥ እስራኤላውያን አንጻር እግዚአብሔር ከም ዝተንስኡ፤ ንምራኽ ወይ ጣዖት ከምልኹ ከምዝጀመሩ ምስ ፈለጠ፡ ሙሴ ነቲ ናይ ጣዖት እግዚአብሔር ክሰብሮ ተረኽበ። እግዚአብሔር በዚ ተቖጢዑ ንሕዝቡ ከየጥፍኦም ከአ አምሪሩ ይልምን። እቲ ሕርቃኑን ጋህኡን ከአ ናብ ጾም የብጽሖ። ነተን ኽልተ ጽላት ከአ ኻብቲ እግዚአብሔር ዝአዘዘኩም መገዲ ቐልጢፍኩም ከም ዝበደልኩም ድማ ረአኹ፥ ዝፈሰሰ ምራኽ ጌርኩም ጣዖት ሠራሕኩም፥ ስለዚ ኻብቲ እግዚአብሔር ዝአዘዘኩም መገዲ ቀልጢፍኩም አልገስኩም። ነተን ክልተ ጽላት ከአ ኻብ ክልቲአን ኢደይ ደርብየ አብ ቅድሜኹም ሰበርኩወን። ከም ብሓድሽ ድማ አርባዓ መዓልትን አርበዓ ለይትን አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተደፋእኹ። በቲ ኹሉ ዝገበርኩምዎ ኃጢአት፥ አብ ቅድሚ አምላኽ ኽፉእ ብምግባር ዘቖጣዕክምዎ አርበዓ መዓልትን ለይትን እንጌራ አይበላዕኩን፥ ማይውን አይሰቴኹን። በቲ እግዚአብሔር ብአኻትኩም ነዲሩዎ ዝነበረ ኹራ ኸየጥፍአኩም ፈራህኩ። ግናኸ በታ ጊዜ እቲአ እውን እግዚአብሔር ሰምዓኒ። ዘዳ.9:17-19

ዝኸበርኩም ምእመናን አብ ብሉይ ኪዳን ከምዚ ኣብ ዝሓለፈ ንባባትና ዝረኣናዮ፡ ጾም መግለጺ እምነት፤ መግለጺ ንስሓ ከምዝነበረ ቃል አምላኽ ብንጹር ይገልጸልና። ስለዚ ንሕና አብዚ ግዜ እዚ ክንጸውም ከለና በዚ መንፈስ ክንገብሮ ንዕደም። ጾምና ናብ ንስሓ፤ ናብ ዕርቂ ዘምርዝሕ ወይ ዘብጽሕ ክኸውን አለዎ። ጾም ማለት ብኃጢኣትካ ተኣሚንካ ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሔር ምሕረት ምልማን ኢዩ። በቲ ዝገበርካዮ ጉድልነት ኣበስኩ ኢልካ ምኽኣል ማለት ኢዩ።

ልአይ አብነት ናይ እዝራ ክንርኢ ንኸል፦ እዝራ ብእግዚአብሔር ዝተሓርየ፥ ንሕዝበ እስራኤል ካብ ባቢሎን ናብ ዓዶም ኢየሩሳሌም ንኽምለሱ ንኽመርሖም ዝተመርጸ ሰብ ኢዩ ነሩ። ብዓቢ ሓጎስ ካብ ጸቕጢ ናይ ንጉስ ነጻ ኮይኖም ጉዑዞኦም ጀመሩ፡ ቀጺሎም ግና እቲ ብዓመጽትን ሰረቕትን ዝተዓብለለ ምድረበዳ ክሰግሩ ነይሩዎም። አብ ግዕዞኦም ወላሓንቲ ንመከላኸሊ ዝኸውን መጋበሪ አይነበሮምን። እዚ አብ ጸሎትን ጾምን ክጽመዱ ገይሩዎም። እዝራ. 8:21-23.

አነ ድማ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አምላኽና ርእስና ክነትሕት፥ ንአናን ንህጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን አብ ጉዑዞናን ምእንቲ ኺሕልወና ክንልምን ኢለ፥ አብ ርባ አሃዋ ጾም አወጅኩ። “እግዚአብሔር አምላኽና ንዚአምንዎ ይባርኾም ኢዩ፥ ነቶም ዚኽሕድዎ ግና ኩራኡ የውርደሎም እዩ” ኢለ ንንጉሥ ነጊረዮ ነበርኩ። ስለዚ አብ መገዲ ኻብ ጸላእትና ዜድኅኑና ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሓፈርኩ። አምላኽና ምእንቲ ኺሕልወና ኸአ ጾምናን ጸሌናን። ንሱ ድማ ሰምዓና። እዝራ፡ 8:21-23. ስለዚ ነቲ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብልብን ብእምነትን ዝጾምን ዝጽልን እግዚአብሔር ይሰምዖ። በቲ ዘይሕሱ ቃላቱ “ ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾውን ካሕካሕ አብሉ ኪኽፈተልኩም ኢዩ” ሉቃ.11፡9 ለምኑ ክትረኽቡ፥ ካሕክሑ ክኽፈተልኩም እዩ፤ ኢሉና ኢዩ። እዚ ነቲ አቀዲምና አብ እዝራ. 8:21-23 ዘንበብናዮ ሓቂ እዚ ይገልጽ።

ልሳይ ነህምያ እዚ ሰብ እዚ በቲ አብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝወረደ ዕንወት ጉህዩ አብ ቅድሚ አምላኽ ብዓቢ ሓዘንን ጋህን ይቐርብ።: ሓናኒ ሓደ ኻብ አሕዋተይን ገለ ሰብን ካብ ይሁዳ መጹ። አነ ድማ ብዛዕባ እቶም ካብ ምርኮ ዝመለቑን ካብ ምርኮ ዝተመልሱ አይሁድን ብዛዕባ ኢየሩሳሌምን ሓተትክዎም። ንሳቶም ድማ “ እቶም ካብ ምርኮ ዝደኃኑን እቶም ካብ ምርኮ ስተመልሱን፥ አብ ሃገሮም ብብዙኅ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። መካበብያ ኢየሩሳሌም ከአ ፈሪሱ እዩ፥ አፍ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ እዩ” ኢሎም ነገሩኒ። እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፥ ሓያሎ መዓልቲ ኃዚነ እናበኼኹ ተቐመጥኩ። አብ ቅድሚ አምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ።

ከምዚ ኸአ በልኩ፡- ኦ እግዚአብሔር አምላኽ ሰማይ፥ ዓቢይን እትፍራህን አምላኽ፥ ነቶም ዚፈትውኻን ትእዛዝካ ንዚሕልዉን ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ንሕና ደቂ እስራኤል ከም ዝበደልናካ እእመን አሎኹ። አነን አቦታተይን በዲልና ኢና እሞ፥ እዚ አነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤል ለይትን መዓልትን አብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘሎኹ ጸሎት ጽን ኢልካ ስምዓኒ፥ ቁሊሕ እውን በለኒ። ንሕና አዚና በዲልናካ ኢና። ነቲ ብሙሴ ብርያኻ ጌርካ ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕግታትን ሥርዓታትን ድማ አይሓሎናዮን። ንህምያ. 1:2-4

ነህምያ አብ ክንዲ ሕዝቡ ይጸውምን ይጽልን። ነቲ እግዚአብሔር ብሙሴ ዘረከቦምን ዝሃቦምን ትእዛዛት ከምዘፍረሱ ከአ ይእመን። ብኃጣአቱን ብኃጥያት ሕዝቡን ይጠዓስን ምሕረት ይልምንን። እዚ ዓይነት ንስሓ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተሰማዕነት ይረክብ። እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ አብ ጉዑዞና፡ አብ ጾምና ክንገብሮ ዘለና ከአ በቲ ጉድልነትና ተአሚና አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምቕራብ ኢዩ።

ብዓይ መጽሓፍ አስቴር እንተረአና ሃማን ንአይሁዳውያን ኬጥፍእ ምስ ሓሰበን ምስ አወጀን፥ አስቴር ናይ ህዝባን ናይ ገዛእ ርእሳን ሕይወት አብ ሓደጋ ስለዝወደቐ ጾም ከምዚ እንዳበለት ትእውጅ። “ ኪድ እሞ፥ አብ ሱሳን ንዘለዉ ኹሎም አይሁድ አኪብካ ኽሳዕ ሠለስተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን ከይበላዕኩምን ከይሰተኹምን ምእንታይ ጹሙ፥ አነ ድማ ምስ አግራደይ ኮይነ ኸምኡ ገይረ ኽጸውም እየ። ሽዑ ሕጊ እካ ዘይፈቐዶ እንተ ኾነ ናብ ንጉሥ ክአቱ እየ፥ እንተ ሞትኩ እሙት።” ከአ በለቶ። አስቴር. 4:16

ዝኸበርኩም ምእመናና ጾም ምስ እግዚአብሔር ዘራኽበና፡ ሕብረት ንኽህልወና ዝገብር ቁዱስ ነገር ኢዩ። ዝለዚ ብሓጺሩ ጾም ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ዝቐራርበና ኢዩ፡ ከምቲ ዳኒኤል ዝገበሮ። “ማቅ ተኸዲነን አብ ሓሞኽሽቲ ደቂሰን እናጾምኩ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አምላኸይ እልምንን እምህለልን ነበርኩ። ናብ እግዚአብሔር አምላኸይ እናለመንኩ ኃጢአት ሕዝበይ ከምዚ ኢለ ጽለኹ፡ “ኦ እግዚአብሔር! ንስኻ ንዚፈትውኻን ትእዛዝካ ንዚሕልውን ኪዳንካ እትጽንዕ፥ ምሕረትካ እውን እትገልጽ ዓቢይን ክቡርን አምላኽ ኢኻ። ንሕና ኃጢአት ገበርና፥ አበስና፥ ሓጥአንን ዓለውትን ኮይና፥ካብ ትእዛዛትካን ካብቲ ቅኑዕ መገድኻን አልገስና። ዳን. 9:3

አብ ብሉይ ኪዳን ኣሕዛብ አብ ግዜ ጽገሞም ሕማሞም ጉድልነቶም   እንክርከቡ ክጾሙ ንርእዮም። ናታን ናብ ቤቱ ተመልሰ፥ ነቲ ሰበይቲ ኦርዩ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቖልዓ እግዚአብሔር ከቢድ ሕማም አውረደሉ። ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቑልዓ ናብ አምላኽ ጸለየ፥ ጾም ጾመ፥ አትዩ ድማ አብ ምድሪ በጥ ኢሉ ኃደረ። 2ሳሙኤል12:15-16. አብ ሓዘን አብ ውግእ ስለዝሞቱ፥ ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንሕዝቢ እግዚአብሔርን ንቤት እስራኤልን ኃዘኑሎምን በኸዩሎምን፥ ክሳብ ምሸት ጾሙ። 2ሳሙ.1:12

በቲ ናይ መንፈስ ሕጊ ሙሴ ጾም እንተረአናዮ ሓደ ወዲ ሰብ ትሕትናኡ ዝገልጸሉ መጋበሪ ኢዩ ነይሩ። ኩሉ ግዜ ብጾሎት ተሰንዩ ይኸይድ ነበረ። እዚ ዝስዕብ ሕጊ ንዘለዓለም ዚጸንሕ ሕጊ ይኹንኩም፦ በታ ዓሥረይቲ መዓልቲ ናይታ ሳብዓይቲ ወርኂ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ አብ ማእከልኩም ዚቕመጥ ስደተኛ፥ ኩሉኹም ጹሙ፥ ገለ እካ ዕዮ አይትዕየዩ። ዘሌ.፩፮.፳። ድሒሩ ግና ጾም እቲ ሓቀኛ ትርጉሙ ይሃስስ። ጻዕሪ ናይ ነቢያት ከአ ኮንቱ ኮይኑ ይተርፍ። እንተጾሙ ጥርዓኖም አይክሰምዕን፥ ዚሓርር መሥዋዕቲ ብብልዕን እካ እንተ አቕረቡለይ አይክፈትወሎምን እየ። እካ ደአ ብውግእን ንጥሜትን ብፌራን ከጥፈኦም ኢየ በለኒ።” ኤር.14:12 አናበለ ኤርምያስ ይዛረብ። ምክንያቱ እቲ ሓቀኛ ጾም ትርጉሙ ምስ ዝለወጥ፡ ካብ አግዚኣብሔር ተቀባልነት ኣይረክብን።

ጾም አብ ግዜ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ

እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ‘ ኦ አምላኽ! ከምቶም ካልኦት ሰባት፥ ከተርቲ፥ ዓመጽቲ፥ ዘመውቲ፥ ወይ ከምዚ ተቐባል ቀረጽ እዚ ስለ ዘይኮንኩ አመስግነካ አለኹ። አብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፥ ካብ ኩሉ ገንዘበይ ከአ ዕሽር አውጽእ እናበለ ጸለየ። እቲ ተቀባል ቀረጽ ግና አብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቓሕ ኬብል እካኸይደፈረ፥‘ኦ አምላኸይ! ንአይ ንኅጥእ ምሓረኒ’ እናበለ አፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ። 18:11, 12

ሓዋሪያት ብዙሕ ግዜ ክጸሙ አይርከቡን ስለዚ ኢዮም ፈሪሳውያን ንመድኃኒን ኢየሲስ ክርስቶስ ከምዚ እንዳበሉ ክሓትዎ ዝተረኽቡ። ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ነበሩ። ገለ ሰባት መጺኦም ከአ ንኢየሱስ ሓተትዎ፥ “ ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስን ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንን ይጾሙ ኢዮም። ስለምንታይ ደአ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧” ድማ በሉዎ። ኢየሱስ ከአ፦ “ አዕሩኽ መርዓዊ ደአ እቲ መርዓዊ ምስ አቶም ከሎ ኺጾሙዶ ይከአሎም እዩ፧ መርዓዊ ምስ አቶም ከሎስ ኪጾሙ አይከአሎምን ኢዩ። እንተኾነ ግዳ መርዓዊ ካባቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፤ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲአ ኪጾሙ እዮም። ማር፡2:18-20

ኣብ ማቴዎስ አንተረኣና፡ ሽዑ ደቂ መዛሙርቱ ዮውሓንስ ናብ ኢየሱስ መጺኦም “ ንሕና ፈሪሳውያን ብዙኅ ንጸውም፥ ደቀ መዛሙርትካ ደአ ስለምንታይ እዮም ዘይጾሙ፧” በልዎ” ኢየሱስ ከምዚ በሎም፦ “ መርዓዊ ምስ አቶም ከሎዶ አዕሩኽ መርዓዊ ኪኃዝኑ ይኽእሉ እዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ካብ አቶም ዚውሰደላ መ ዓልቲ ኽትመጽእ እያ‹ ሽዑ ኸአ ኪጾሙ እዮም። ማቴ.9:14,15

እዚ መጀመሪያ ናይ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መልሲ ወይ ምሳሌ ብዛዕባ ሓጎስ ወይ መርዓ ይዛረብ። ሓዘንን ጾምን አብዚ ግዜ እዚ ቦታ አይነበሮን። ስለዚ ሓዋሪያት አብዚ ግዜ እዚ ክሕጎሱን ክፍስሁን ነይሩዎም። ምኽንያቱ ኢቲ መራዓዊ ክርስቶስ ምስአቶም ስለዝነበረ። እንተኾነ ግዳ ይብል ቀጺሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “መርዓዊ ካብአቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ክትመጽእ እያ፤ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲአ ኪጾሙ እዮም። ማር፡ 2:19,20 እንዳበለ ብዛዕባ ምትሓዙን ስቕለቱን ትንሳኤኡን ይዛረብ። አብዚ ግዜ እዚ ሓዋሪያት ብርግጽ ኪሓዝኑ ኢዮም። እንተኾነ ድሕሪ እቲ ስቓይን ሓዘንን ሓዋሪያት ዘለዓለማዊ ሓጎስ ከምዝጽበዮም ከአ የብረሃሎም። ሰበይቲ ክትወልድ ከላ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝበጽሓ ትጭነቕ፥ ቁልዓ ምስ ወለደት ግና፥ ሰብ አብ ዓለም ስለ ዝተወልደ፥ ተሓጊሳ ነቲ ጻዕራ አይትዝክሮን ኢያ። እምበአርከ ንስኻትኩምውን ሎሚ ጋሂ አሎኩም፥ ግናኸ ከም ብሓድሽ ስለ ዝርእየኩም ልብኹም ኪሕጎስ ኢዩ፥ ንሓጎስኩም ድማ ኻባኻትኩም ዚወስዶ ሓደ እካ የልቦን። ዮሓ. 16:21,22

ድሕሪ ብዙሕ ስቕያትን ሓዘንን ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳእ ንሕይወቶም ሓጎስ መልኦ። ንሓድሕዶም ከአ “እቲ አብ መገዲ ኺዛረበናን ነተን ጽሑፋት ኪትርጉመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና አይነበረን፧” ሉቃ.24:32 እናበሉ ከአ በቲ ዘደንቕ ተመክሮኦም ይምስክሩ።

ካልአይ ምሳሌ

“ሓድሽ ቁራጽ ዓለባ አብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ከቶ የልቦን። እንተዘይኮነስ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፥ ምቅዳዱ ኸአ ዝገደደ ይከውን። ማር. 2:21. እቲ ብላይ ክዳን ነቲ ደጋዊ ዝኾነ ምህላው ሕግታት የመልክት። እዚ ድሮ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓቀኛ ጾም፥ ሓቀኛ ምሕላው ሕጊ እግዚአብሔር ደጋዊ ዘይኮነ ውሻጣዊ ለውጢ ዝሓትት ምኻኑ ኢዩ። ተልእኾ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከአ እዚ ኢዩ ነሩ። ነቲ ብሉይ ከሐድስ፡ አብ ሓቅን ፍቕርን ዝተመርኮሰ ጉዑዞ ንኽተክል ኢዩ ዝመጸ። ሕይወት ወዲ ሰብ ብወንጌል ክሕደስ ነሩዎ። ብትምህርትን ምስክርነትን ክርስቶስ ክሕደስ ኔሩዎ። ስለዚ ጾምና ነዚ ዘንጸባርቕ ክኸውን የዲሊ። ጾምና ኣብቲ ሓቀኛ ቃል ኣምላኽ መሰረት ዝገበረ ጾም ክንጸውም። ከምቲ ተቀባል ቀረጽ አብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቓሕ ኬብል እካ ኸይደፈረ፥ ‘ኦ አምላኸይ! ንአይ ንኅጥእ ምሓረኒ’ እናበለ አፍልቡ ዝወቅዕ ዝነበረ፡ ንሕናውን ብኃጢኣትና ብውሽጢና ተጣዒስና ‘ኦ አምላኸይ! ንአይ ንኅጥእ ምሓረኒ” ኢልና ክንክእል ኣለና።

ሳልሳይ ምሳሌ

“ንሓድሽ ወይኒ አብ ሓደስቲ አሕርብቲ ደአ የዕርቖዎ እምበር፥ ንሓድሽ ወይንስ አብ አረገውቲ አሕርብቲ ዜዕርቖ የልቦን”፡ እንተዘይኮይኑስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ አሕብርቲ ይቐዶ፥ እቲ ወይኒ ኸአ ይፈሥስ፥ እቲ አሕርብቲውን ይባላሾ” በሎም”።” ማር. 2:22 ክርስቶስ እምበአር ሓድሽ ወይኒ ኮይኑ ይቐርብ፡ ክርስቶስን እቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉን ምስቲ አረጊት አተሓሳስባ አነባብራ ደቂ ሰባት ክነወዳድሮ አይንኽእልን። ምጽአት ናይቲ መርዓዊ ዝኾነ ክርስቶስ፡ ወዲ ሰብ ንምሕዳስ ኢዩ ነሩ። ስለዚ ኩሎም እምነታት፦ ዕብራውያን፥ መዛሙርቲ ደቂ ዮሓንስን ነዚ ሓድሽ ሓቂ ንኽቅበልዎ አይክአሉን። ነቲ ሓድሽ ሕይወት ምስ ክርስቶስ ንምጉዓዝ ይጽግሞም። ስለዚ አብዚ ግዜ ጾም እዚ ብዝተሓደሰ መንፈስ ናብቲ አምላኽና ጎይታናን ዝኾነ ክርስቶስ ተመሊስና፤ ሓደሽ ሕይወት ብመንፈስ ቅዱስ እንጅምረሉ ግዜን ወቕትን ኢዩሞ፤ ድንግል ማሪያም ወላዲተ አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ትሓግዘና! አሜን።

ኣባ ሓጎስ ተፍስጋቢር

 

ቁዱስ ቁርባን

 

መልእኽቲ ቆሞስ ሕዳርን – ታሕሳስን 2016

ቁዱስ ቁርባን

. ቁርባን አብ ትምህርተ ክርስቶስ

ቅዱስ ቁርባን ጎታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ መግቢ ነፍስና ምእንቲ ክኾነና ቢሉ ብመልክዕ ህብስትን ወይንን ስጋኡን ደሙን ዝሃበና ምሥጢር ኢዩ። ስለዚ ቅዱስ ቁርባን ማለት ክርስቶስ ብርእሱ አብ ህብስትን ወይንን ብመልከእ መስዋዕቲ ናብ አብኡ ምእንታና እንክስዋዕ ንዓና ንአመንቲ መንፈሳዊ መግቢ ክኾነና ብምልአት ህልው ይኸውን ማለት ኢዩ።

እዚ ናይ ክርስቶስ ህላዌ አብ ቅ.ቁርባን እንክስዋዕ ብዘይካ ናይ አገባብ ፍልልይ ብኩነቱን ቁምነገሩን ልክዕ ከምቲ ናይ መስዋዕቲ ቀራንዮ ኢዩ። ቁዱስ ቁርባን ካብ ኩላቶም ምሥጢራት እቲ ዝዓበየን ዝለዓለን ምሥጢር ኢዩ። ምኽንያቱ፦ ቅ.ቁርባን ከም ካልኦት ምሥጢራት ዓዳሊ ጸጋ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኮነስ ቁዱስ ቁርባን ብርእሱ ክርስቶስ ኮይኑስ ምንጪ ናይ ጸጋታት   ኢዩ። ካልኦት ምሥጢራት ኩላቶም ናብ ቅ.ቁርባን ማለት  ክርስቶስ ብርእሱ ንምቅባል ቀረብትን አሰናደውትን ኢያቶም። ቅ.ቁርባን ድሕሪ ምቅባልና ግን ምስ ክርስቶስ ሙሉእ ሱታፌ ኢና ንረክብ።

ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ አብዚ ምድሪ እዚ ቅ.ቁርባን ክሰርዓልና ከሎ ኢቲ ዝለዓለ ፍቅሩ ንምግላጽ ክንሱ እቲ ዝለዓለ ክግበር ዝከአል ኢዩ ገቢሩልና።  ክርስቶስ ንዓና ንደቂ አዳም ዝላዓለ ህያብ ዝሃበላ ማለት እቲ ዓርቢ አብ ቀራንዮ ምእንታና ዝተሰውዔን ዝተበጀወን ሰውነቱ ወትሩ ምእንቲ ድሕነትና አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክስዋዕ ብአምሳል ህብስትን ወይንን ቅ.ቁርባን አቀዲሙ ሰርዓልና።

ሓቀና ህላዌ ክርስቶስ አብ ቁዱስ ቁርባን

ቅ.ጳውሎስ እቲ ንሕና እንባርኾ ጽዋዕ በረኸት ምስ ደም ክርስቶስ እቲ እንቆርሶ እንጌራ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሓቀና ሕብረት ዘለዎ ኢዩ ይብል። 1ቆሮ.10:16 መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብግልጺ እካ እዚ ስጋይ ኢዩ፡ እዚ ደመይ ኢዩ እናበለ ብጸሎት ሓሙስ ገሊጹልናን ሰሪዑልናን እንተኮነ፡ ነዚ ናይ ክርስቶስ ህላዌ አብ ቁዱስ ቁርባን ካብ ጥንቲ ንሓቀና ህላዌ ክርስቶስ አብ ቅዱስ ቁርባን ዝኸሓዱን ዝተጠራጠሩን እካ እንተነበሩ ቤተክርስቲያን ካብ ጥንት ጀሚራ እተስተምህሮ ዓንቀጽ ሃይማኖት ክርስቶስ አብ ቅ. ቁርባን ብሓቂ ብኡነት ህያው ስጋን ደምን መድኃኒና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝኾነ ትአምንን ተስተምህርን። ስለዚ ክርስቶስ አብ ቁዱስ ቁርባን ብነፍሱን ብስጋኡን ብመለኮቱን ብሓቂ ብኡነት ህያው ኮይኑ ህሉው ይኸውን። ነዚ ዓቢ ምሥጢር ባዕሉ ክርስቶስ  እንክገልጸልና አብ ዮሓ.6:51-71 ክነንብብ ንኽኸል።

አብዚ ምዕራፍ እዚ  ብሕጽር ዝበለ እንመሃሮ፦ “ስጋይ ብሓቂ መግቢ ኢዩ፤ደመይ ክአ መስተ ኢዩ። ስጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ አባይ ይነብር አነ ከአ አብኡ”። እቶም ዝሰምዑዎ ዝነበሩ አይሁድ እካ እንተ አጉሮምሮሙ ብአምሳል ግዲ ኮይኑ እውን እንተበሉ ክርስቶስ ግን መሊሱ ብግልጺ “ ስጋይ እንተዘ በላዕኩም ደመይ እውን እንተ ዘይሰተኹም” እናበለ ብግልጺ ብጸሎት ሓሙስ ዝተሰርዔ ብሓቂ ስግኡን ደሙን ክምዝኾነ ገለጸ።

ሓቀና ህላዌ .ቁርባን አብ ትምህርተ አበው

ቅ. እግናጽዮስ ዘአንጾክያ : – ቅ. ቁርባን እቲ ምእንቲ ሓጢአትና ዝተሳቀየን እግዚአብሄር አብ ከአ ካብ ሙታን ዘተንሥኦን ህያው ስጋ ክርስቶስ ኢዩ ይብል። ቤተክርስቲያን ቦታ መስዋዕቲ ተባሂላ ኢያ እትጽዋዕ፡ ቅ.ቁርባን ከአ መስዋዕቲ መድኃኒና ዒዩ ይብል። ቅ.ቁርባን ብኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ምእንቲ ክነብር ከይንመውት ፈውሲ ሞት ማለት  ንከይንመውት ዘለዓለማዊ ሕይወት ኢዩ ይብለና።

ቅ. ጁስቲን ሰማዕት :- መአዲ ቅ.ቁርባን እንክበልዕን እንክሰትን ከምሓደ ተራ እንጌራ ተራ መስተን ዘይኮነስ እንታይ ደአ ነቲ ምእንቲ ድኅነትና ስጋ ዝለበሰ ኢየሱስ ክርስቶስ ብርእሱ ማለት ስጋኡን ደሙን ኢና እንቅበል ይብል።

ቅ. ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም :- ቅ. ቄርሎስ ንሓቀና ህላዌ ክርስቶስ አብ ቅ.ቁርባን እንክገልጽ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ አበው ብዝበለጸ አጸቢቁ ኢዩ ዝገልጾ፦1ቆሮ.11:23-25 ብምጥቃስ፤ ክርስቶስ ባዕሉ እዚ ስጋይ ኢዩ እዚ ከአ ደመይ ኢዩ ካብ በለና መን ኢዩ ክጠራጠር ዝግባእ? እናበለ የስተምህር። ስለዚ ብምሉእ ርግጽነትን እምነትን ነዚ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ኢና ንቅበል ይብል። ነዚ ምስተቀበልና ምሳኡ ምሉእ እሱታፌ ንገብር ይብል። ከም ናይ . ቄርሎስ አተሓሳስባን ትምህርትን እምበአርከስ ነዚ ሓቀና ህላዌ ክርስቶስ አብ ቅ. ቁርባን ንምግላጽ ንመጀመሪያ ጊዜ ናይ ባህርያዊ ምልውዋጥ …… ማለት ከምቲ አብ ቃና ዘገሊላ ማይ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ከምኡ ከአ ነዚ ተራ ህብስቲ ናብ ስጋኡነቲ ተራ ወይኒ ናብ ደሙ ክልውጦ ከምዝክእል ዘይእመን ምኽንያት እንታይ አሎና፧ ስለ ቅ.ቁርባን ሓቀና ስጋን ደምን መድኃኒናን ጎይይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ እናበለ የስተምህረና።

ቅ. ዮሓንስ አፈወርቂ :- ናይ ቅዱስ ቁርባን ዓቢ ሊቅ …. ብዛዕባ ሓቀና ህላዌ ክርስቶስ አብ ቅዱስ ቁርባንን ብዛዕባ መስዋዕቲ ቅዳሴን እንክገልጽ ከምዚ ዝስዕብ የስተምህር፦ ቅ.ቁርባን ዘንቀጥቅጥ ቅዱስ መአዲ ኢዩ ይብል። ዘርዕድን ዘፍርሕርን ምሥጢራዊ መአዲ ኢዩ። ቅ. ቁርባን ክብርን ፍርሓትን ዝግብኦ መሎኮታዊ ምሥጢር ኢዩ:: እቲ ዝተባረኸ ወይኒ ጽዋዕ ናይቲ ቁዱስ ገንሸል ኢዩ፡ እዚ ናይ መስዋዕቲ ገንሸል ብመስዋዕቱ ነቲ ክቡር ደሙን ስጋኡን ከም ዘፍርሕን ዘንቀጥቅጥን መስዋዕቲ ኮይኑ  እንክስዋዕ ክርስቶስ ብርእሱ አብቲ መሰውዒ ታቦት በጥ ኢሉ ከምዝተኸስተነ ገንሸል ( ማለት ከምዝተሓርደ በጊዕ ) መስዋዕቲ ምእንቲ ሓጢአትና ይቀርብ።

ስለዚ ንአና ንእንአምን ክርስቶስ ብአካሉ አብ ቅድሜና ማለት አብ መንበረ ታቦት ከምዝተሓርደ ገንሸል ተዘርጊሑ ኢዩ ዝርከብ። ምእንትዚ እቲ አብ ጽዋዕ ዘሎ ደም ክርስቶስ ልክዕ እቲ አብ መስቀል ከሎ ካብ ጎድኑ ዘፈሰሰ ደሙ ኢዩ። እቲ ንሕና እንቆርሶ ቅ.ቁርባን ከአ ልክዕ እቲ አብ መስቀል ተንጠልጢሉ ዝነብር ሰውነቱ ማለት ክርስቶስ ብርእሱ ኢዩ ይብል። ክርስቶስ አብ ቁዱስ ቁርባን ክንርእዮን ክንሰግደሉን ጥራሕ ዘይኮነ ብአእዳውና ክንሕዞ ወሲድና  ክንበልዖ፡ አብ ስቃይ መስቀል ክጸሮ ዘከአለ ምስባር አዕጽምቱ ንሕና ወሲድና ብስናና ንሰብሮ ይብል። እቲ መዓልቲ መዓልቲ ዝስዋዕ ክርስቶስ ሓደ ኢዩ። እቲ ሎሚ ዝስዋዕን ጽባሕ ዝስዋዕን ሓደ መስዋዕቲ ኢዩ፤ ሓደ ክርስቶስ አብ ኩሉ ቦታን አብ ኩሉ ጊዜን ዝስዋዕ ሐደ መስዋዕቲ ኢዩ። እቲ ንሕና እንፍጽሞ መስዋዕቲ ልክዕ እቲ ሓደ ጊዜ ዝተሰወዔ መስዋዕቲ ቀራንዮ ኢዩ … ጥራሕ አገባብ ኢዩ ዝፈላለ።

ህብስትን ወይንን ናብ ስጋኡን ደሙን ምልዋጥ

ክርስቶስ አብቲ መንበረ ታቦት ዝፍጸም ምሥጢረ መስዋዕት ወይ ቅዳሴ ነቲ ተራ ህብስትን ወይንን ናብ ስጋኡን ደሙን ብምልዋጥ ብምልአት ህልው ይኸውን። እዚ ማለት እቲ ተራ እንጌራ ዝነበረ ባሕሪ  ለዊጡ ናብ ስጋ ክርስቶስ፤ እቲ ተራ ወይኒ ዝነበረ ከአ ኩነቱ ለዊጡ ናብ ደም ክርስቶስ ይልወጥ። ጉባኤ ተረንቶ እቲ ምሉእ ኩነት ወይ ብህሪይ እንጌራ ናብ ስጋ ክርስቶስ ኢዩ ዝልወጥ እቲ ምሉእ ኩነት (ባህሪይ) ወይኒ ናብ ደም ክርስቶስ ይልወጥ እናበለ የስተምህር። እዚ ምልውዋጥ ፍጹም ምልዋጥ ይበሃል። ነዚ ምልውዋጥ እዚ ካህን እዚ ስጋይ ኢዩ እዚ ደመይ ኢዩ አብ ዝብለሉ ጊዜ እቲ ህብስትን ወይንን ብቅጽበት ናብ ስጋኡን ደሙን ይልወጥ። ስለዚ በቲ ሴፍ ዝኾነ ቃላት ምልውዋጥ ካህን ነቲ ገንሸል ሓዲስ ኪዳን ናብ ፍጹም መስዋዕቲን ስጋኡን ደሙን ይልወጥ።

ስግደት አብ ቁዱስ ቁርባን

አብ ቅዱስ ቁርባን ዘሎ ክርስቶስ ስግደትን አምልኾን ኢዩ ዝግብኦ። ስለዚ ምእመናን ክላቶም ሕዝበ ክርስቲያን ሓደካ ከይተረፈ – ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ጽኑዕ እምነት ተኸቲሎም ነዚ ቅዱስ ምሥጢር እዚ ብዝግባእ ክሰግድሉ ይግባእ፤ ከመይ ክርስቶስ አብዚ ምሥጢርዚ ብስውር ኩሉ ጊዜ ስለ ዝርከብ። ቅ. ጳውሎስ “አብ ሰማያትን ምድርን አብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኩሉ ብርኪ ብስም ጎ.ኢ.ክ ይምበርከኽ ይስገድ” ይብል ፊሊ.2:10. ቃል ኣምላኽ ንዑ ፍግም ኢልና ንሰግድ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ፈጣሪና ኽአ ንምበርከኽ፡ ከመይ ንሱ አምላኽና ኢዩ ክምዝብል፡  ቅ. ቁርባን አብ ሓንቲ ንእሽቶይ ሣጹን ወይ ሞሶብ ተዓጽዩ ዘሎ ንሕና ክንሰግደሉን ክነምልኾን ክንምገቦን እሞ ሕይወት ዘለዓለም መታን ክንወርስ ኢዩ።

ብዛዕባ አምላኾን ስግደትን ቅ. ቁርባን ካብ ጥንቲ ካብ መጀመሪያ ጊዜ ጀሚርና እንተ ተመልከትና ቀዳሞት አበው ከምዚ ይብሉ፡ ቄርሎስ ዘኢየሮሳሌም ፦ አብ ቅድሚ  ቅ. ቁርባን ንኽብሪ ቅዱስ ቁርባን አሜን አሜን እንዳበልና ፍግም ኢልና ንሰግድ ይብል። ቅ. አጎስጢኖስ ፦ ቅድሚ ዝግባእ አምልኾ ክብርን ምሃብ ሓደካ ቅ. ቁርባን አይብላ ዕይብል። ከም መደምደምታ ዝከበርኩም ምእመናን ካብዚ አስተንትኖ ተበጊስና እምበአር ንቕዱስ ቁርባን ብንጽሕና ኪንሰግደሉን ክነምልኾን፤ ክንምገቦን ይግበአና። ኣምላኽ ኣብ መንጎና በዚ ምሥጢር እዚ ህልው ኢዩ።

እግዚኣብሔር ስለ ኩሉ ነገር ዝተባረኸ ይኹን! ኣሜን

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

 

 

 

 

እቲ ዓቢ ፍቕሪ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀልን ቁዱስ ቁርባንን ተገሊጹ ይርከብ

 

መልእኽቲ ቆሞስ መስከረምን – ጥቅምትን 2016

እቲ ዓቢ ፍቕሪ  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀልን ቁዱስ ቁርባንን ተገሊጹ ይርከብ

ብምኽንያት እቲ አብ መስቀል ዝገለጸልና ፍቕሩ ስጋብ ክንደይ ኢዩ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣና ፍጡራቱ ክፍቐር ዝግብኦ?

ቅድስና፡ ምልአት ፍጽምናን ፍቕርን ናይ ሓንቲ ነብሲ ዝኸበርኩም ም እመናን አብቲ ጎይታና አምላኽናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለና ፍቕሪ ዝተወሰነ ኢዩ። ንስኻትኩም አነ ኻብ አምላኽ ከም ዘወጻእኩ ስለ ዝአመንኩም ዘፍቀርኩምንን አቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኢዩ። ዮሓ.16፡27ዮሓ.16፡27

ቅድስና አብቲ ንእግዚአብሔር ብምሉእ ልብካ አፍቅር ዝብል ትእዛዝ ኢዩ ዝርከብ። ቅ.ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ናብ ቆላሲያስ ክጽሕፍ ከሎ፤ እምበአር አምላኽ ከም ዝኃረዮም ቅዱሳንን ፍቁራትን ሕዝቢ ኮንኩም ምሕረት፤ ለውሃት፤ ትሕትና፤ ሕያውነት፡ ትዕግስቲ፤ ልበሱ። ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ፡ አብ መንጎኹም ቅር ዜብል ገር እንተሎ ይቅረ ተበሃሃሉ። አብ ልዕሊ እዚ ኹሉ ግና ንኹለን አሲራ አብ ፍጻሜ እተብጽሐን ፍቅሪ እያ እሞ ልበስዋ። ቆላ.3:12-14

ፍቅሪ እታ ንኹለን ሰናይ ተግባራት አሲራ እትርከብ ንወዲ ሰብ ከአ አብ ምልአት እተብጽሖ እንኮ መሳሪሒ ቅድስና ኢያ፡: ስለዚ ኢዩ ቅዱስ አጎስጢኖስ “ አፍቅር ድላይካ ግበር እንዳበለ ዝዛረብ። ምኽንያቱ እታ ንእግዚአብሔር  እተፍቅር ነብሲ፤ እታ ፍቅሪ እቲአ አብ ህይወትካ ሕማቅ ከይትገብር ትምህረካ። ብአንጻሩ ናብቲ ኩሉ ጹቡቅን ሰናይን ዘበለ መገዲ ትመርሓካ ።ስለዚ ሕዋተይ ንእግዚአብሔር ብምሉእ ልብናዶ ክነፍቅሮ አይግበአናን? ምኽንያቱ ንሱ ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ ምስአፍቀረና ኢዩ።  ኦ ሕዝቢ እስራኤል፡ ኩሉ ጊዜ ምስ አፍቀርኩኹም እየ፡ ስለዚ ቀጺለ ዘለዓለማዊ ምሕረተይ እገልጸልኩም አለኹ። ስለዚ አግዚአብሔር ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ከምዘፍቀረና … ካብ ገዛእ ርእሱ አብሊጹ ከም ዘፍቀረና ይዛረብ።ስለዚ ሕዋተይ ንእግዚአብሔር ብምሉእ ልብናዶ ክነፍቅሮ አይግበአናን? ምኽንያቱ ንሱ ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ ምስአፍቀረና ኢዩ።  ኦ ሕዝቢ እስራኤል፡ ኩሉ ጊዜ ምስ አፍቀርኩኹም እየ፡ ስለዚ ቀጺለ ዘለዓለማዊ ምሕረተይ እገልጸልኩም አለኹ። ስለዚ አግዚአብሔር ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ከምዘፍቀረና … ካብ ገዛእ ርእሱ አብሊጹ ከም ዘፍቀረና ይዛረብ።

ቂ ሰባት ብርሕራሔ አምላኽ ተሳሒቦም ተማሪኾምን፤ እግዚአብሔር ብኅያባቱ ናብቲ ፍቕሩ ክስሕቦም ደለየ። አነ ብርራኅን ብፍቕርን ናባይ ሰሓብክዎም፥ ነቲ አርዑት ካብ ክሳዶም አልዓልኩሎም፥ ደኒነ ድማ መገብኩዎም ይግብል ቃል ኣምላኽ።

ግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ናብ ፍቕሩ ክስሕብና ደለየ። ድሕሪ ነብስን ስጋን ሂቡ ብናቱ አምሳል ድሕሪ ፈጢሩና፤ ሰማይ ምድርን ካልኦትን ብፍቕሪ ፈጠረ። ኩሉ ዓይነት ፍጥረታት ንአገልግሎት ደቂ ሰባት ተፈጥረ።

ማይን ምድርን ኩሉ ነገራት አብዚ ዓለም ዘለዉ ንዓኻ ንኸፍቅር ይምህሩኒ ወይ ይእዘዙኒ ይብል ቁዱስ አጎስጢኖስ። ቀጺሉ ኦ እግዚአብሔር ኩሉ ነገር አብዚ መሬትን አብ ልዕሊ እዚ መሬትን እዚን ዝሕዞን ዝጭብጦን፥ ኩሎም ንዓኻ ንኸፍቅር ይሕብሩኒ። ምኽንያቱ ኩሎም እዞም ዝፈጠርካዮም ምእንቲ ፍቕረይ ከምዝፈጠረካዮም የረድኡኒ ይብል። ግዚአብሔር ነዚ ኩሉ ነገር ብምፍጣር ፍቅሩ እካ እንተገለጸልና፡ ንኹሉ ነዚ ናይ ዓለም ነገር ንኽንስዕርን ዝያዳ ፍቕሩ ንምግላጽን ግና ካብዚ ሓሊፉ እታ እንኮ ዘፍቅራ ሕይወቱውን አወፈየልና።“በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፥ አምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳብ ዚህብ ክሳብ ክንድዚ ንዓለም አፍቀራ። ዮሓ.3፡16

ግዚአብሔር ብተግባራትና ምውታት ኮይና ምስ ረአየና፥ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ ከምቲ ቁዱስ ጳውሎስ ዝብሎ፤ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩ ተደሪኹ ነቲ ሓደ ዘፍቅሮ ወዱ ለአኸልና፤ ምስ አቦ ምእንቲ ከተዓርቀናን ናብቲ ናይ መጀመሪያ ክብርና ንኽመልሰና። « ናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ አምላኽ ምእንቲ እታ ብእአ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥ ንአና፥ ብበደልና ምውታት እካ እንተ ነበርና ምስ ክርስቶስ ሕያዋን ገበረና »፡ኤፌ.2፡4-5 እቲ ዘፍቅሮ ወዱ ሃበና፤ ምስኡ ኩሉ ጸጋታቱ ዓደለና። « እቲ ንወዱ እካ ምእንቲ ኹላትና አኅሊፉ ዝሃቦ እምበር ዘይነሓፎ፥ ከመይ ደአኸ ምስኡ ኹሉ ዘይህበና» ሮሜ.8፡32 ለዚ ወልድ ምስ ኩሉ ድኻምነቱ ብፍቕሪ ጸይሩና፡ ኩሉንተናኡውን አወፊዩልና። « ደጊም ክርስቶስ እዩ አባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ አነ አይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከአ ንርእሱ በጃ ዝሃበ ወዲ አምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ» ገላ.2:20

ብቲ ናይ መወዳእታ ሞት ንምድሓን፤ ነቲ ብድኻምነትና ዘጥፋእናዮ ጸጋ እንደገና ንምዕዳል ሰብ ኮነ፥ ከማና ስጋ ለበሰ። « ኢቲ ቓል ሰብ ኮነ፥ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸአ ምሳና ነበረ» ዮሓ. 1፡14 « ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት፥ አረ እካ ደአ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት፥ ተአዘዘ።» ፊሊ.2፡8 ግና ስለምንታይ ወዲ አምላኽ በዚ ዓይነት ሞት ክመውት መሪጹ? ብኻሊእ መገዲ ከድሕነና አይከልን ዲዩ ነሩ? ስጋብ ክንደይ ከምዘፍቅረና ንኸረየና። ቲ መሰረት ፍቕሪ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አባና፡ አብ ደቂ ሰባት ዘርአዮ፡ እቲ አብ እግዚአብሔር አብ ዘለዎ ፍቕሪ ኢዩ። ስለዚ ኢዩ ከአ አብቲ ናይ መጨረሻ ድራር፤ ከምዚ ክብል ዝተዛረበ « እንተኾነ አነ ነቦ ከም ዘፍቅሮ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ከምቲ አቦ ዝአዘዘኒ እፍጽም አለኹ።» ዮሓ. 14፡31

ብካልኣይ ደረጃ እነስተንትኖ’፥ ብምክንያት እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩ፤ ምስጢረ መንበረታቦት ብምስርዑ፡ ስጋብ ክንደይ ኢዩ ጎታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብነፍሲ ወከፍና ክፍቀር ዝግብኦ?”

የሱስ ቅድሚ በዓለ ፋሲካ ካብዛ ዓለም እዚአ ናብ አቡኡ ዚኸደላ ሰዓት ከም ዝበጽሐት ፈሊጡ፡ ነቶም ዘፍቅሮም አብዛ ዓለም እዚአ ዘለዉ ናቱ፡ ክሳዕ መወዳእታ አፍቀሮም ይብለና የውሓንስ ወንጌላዊ። ዮሓ.13፡1 ለት ካብዚ ዓለም እዚ ዝፋነወሉ ግዜን ሰዓትን ስለዝአኸለ እቲ ዝዓበ ናይ ፍቕሩ ምልክት ክገድፈልና ደለየ። እዚ ከአ ምስጢረ ቁዱስ ቁርባን ኢዩ።

ድስቲ በርናርዲኒ  ነቲ ዘፍቅሩና ኣዕሩኽትና ኣዝማድና ወለድና ኣብ ግዜ ሞቶም ዝገድፉልና ህያባት ወይ ምልክት ናይ ፍቕሪ ብጽቡቕ ንሕዞን ንዕቕቦን ትብል። መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ቅድሚ ካብዚ ዓለም እዚ ምሕላፉ ሓደ ክቡር ነገር ኢዩ ገዲፉልና ትብል።  ቃለቤት ወይ ወርቂ ኣይገደፈልናን። ስጋኡን፡ ደሙን፡ መለኮቱን፡ ክሉንትናኡ ኣወፊዩልና ሓሊፉ ትብል። ቅዱስ ጳውሎስው አብ ቀዳማይ መልአኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ክጽሕፍ ከሎ ነዚ ሓቂ እዚ ይምስክር።

ቲ ንአኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም ነቲ ኻብ ጎይታ ዝተቐበልክዎ እየ-፡ ጎይታና ኢየሱስ በታ ዝተታኅዘላ ለይቲ እንጌራ አልዓለ። አመስጊኑ ቆረሰ እሞ-፡“ውሰዱ-፡ ብልዑ-፡ እዚ ምንታኻትኩም ዝውሃብ ሥጋይ እዩ-፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ’’ በለ። ከምኡ ኸአ ድኅሪ ድራር ነቲ ጽዋዕ አልዓለ እሞ “ እዚ ጽዋዕ እዚ ብደመይ ዚኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ። ብትሰትይዎ ግዜ ኹሉ ንመዘከርታይ ግበርዎ-፡” በለ። 1ቆሮ.11፡23-25

ለዚ እዩ  ቅዱስ ቶማስ  ንምስጢረ ቅዱስ ቁርባን “ናይ ፍቕሪ ምሥጢር” ኢሉ ዝጽውዖ። ምኽንያቱ ፍቕሪ ጥራይ ኢዩ ንመድኅኒና ኢየሱስስ ክርስቶ ስግኡን ደሙን ክንበልዕን ክንሰትን ከፍቅድ ዝተረኽበ። ይ ፍቕሪ ፍቕሪ ኢላ ትጽውዖ ቅ. በርናርዲና ምኽንያቱ ኩሉ እቲ ዘደንቕ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኣምላኽ ኣብዚ ህያብ እዚ ስለዝፈጸሞ።

ቢ ኢሰያስ ዓለም ብሙልአ እቲ ፍቕሪ ዝመልኦ ሓገዝ እግዚአብሔር ፍቕሪን አምላኽ ክትርኢ ከምዘለዋን፡ በታ መዓልቲ ኢቲአ ሰባት ከምዚ ዝሰዕብ ኢሎም ኪዝምሩ ኢዮም ይብል ፥ “ ንእግዚአብሔር አመስግንዎ፥ ኪረድአኩም ስሙ ጸውዑ። ንኹሎም አሕዛብ ግብሩ አፍልጥዎም፥ ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ። ኢሳ 12፡4 ርስቶስ ሰብ ኮይኑ አብ መንጎና ተረኺቡ ….. አብ መጨረሻ ከአ ስጋኡን ደሙን ክንምገብ ሓደገልና። እዚስ ጽላለዶ አይኮነን? ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋሪያቱ ምስጢረ ቁርባን ክሓድገሎም ምስገለጸሎምን ነገሮምን፤ ገሊኦም ካብ ሓዋሪያት ክአምንዎ አይከአሉን።

እዝስ ሥጋኡ ኽንበልዕ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧” እንናበሉ ንሓድሕዶም ተኸታዑ። ዮሓ.6፡52 ዙሓት ካብ ደቂ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም “ እዚ ዘረባ እዝስ፥ ዕጹብ እዩ፥ መን ክስዕቦ ይኽእል፧ በሉ።  ግና እቲ ወዲ ሰብ ክሓስቦን ክርድኦን ዘይኽእል ዓቢ ዘደንቕ  ተግባር አምላኽ ክፍጸም ተረኽበ። ውሰዱ ብልዑ፤ ኢሉዎም ንሓዋሪያቱ፣ ብመንገዶም ከአ ንኹሉና ነቶም አብ ፍቕሩን አምላኽነቱን እነአምን ነዚ ሰማያዊ መግቢ እዚ ክንምገብ ይዕደመና።

ኸበርኩም ምእመናን ደብረ መድሃኔ ዓለም “ንዑ፥ እንጌራይ ብልዑ፥ ዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ። ብሕይወት ክትነብሩስ ዕሽነት ኅደጉ፥ ብመገዲ ምስትውዓል ከአ ተመላለሱ ምሳ 9፡5 ይብለና ኣሎ ቃል ኣምላኽ እሞ፡ ሎሚ እዚ ቃል እዚ ኣብ ኣእዛናን  ልባትና ቦታ ክረክብ ክንሰምዖ ይገበኣና። ምስ ክርስቶስ ጎይታና ብሕብረት ምእንቲ ክነብር ካብ ዕሽነት እዛ ዓለም ክንወጽእ፡ በቲ ቅኑዕ ሕግታት ኣምላክ ተመሪሕናን ተኣዚዝናን ክንከይድ ሎሚ ንዕደም። ብፍሉይ መገዲ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት በዚ መንፈስ እዚ ክንቀባበሎ የድሊ፡፡

እግዚኣብሔር ኣብዚ ዓመት እዚ ንዝሓለፉ ኣቦታት ኣዴታት ኣሓት ኣሕዋት ኣብ መንግስቱ ይዘከረልና ፡

ርሑስ ሓድሽ ዓመት፡ ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ይግበረልና! ኣሜን።

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Aba Hagos Tesfagbir

 

ተልአኾና ኣብ ቤተክርስቲያን እንታይ ይመስል፧

መልእኽቲ ቆሞስ ሓምለን – ነሓሰን 2016

ቀንዲ ተልአኮ ቤተክርስትያን ድሕነት ኣሕዛብ ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብ ክርስቶስ ብምእማን ብሓይሊ ጸጋኡ ይርከብ። ስለዚ ተልእኮ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቤተክርስቲያን፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ መልእኽቲ ወንጌል ብምእማን ብቓልን ብግብርን ንዓለም ምግላጽ ኢዩ።  በቲ ሓደ ወገን ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ማለት እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ኸኣ እቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ዜውጽኦ መደብ ድሕነት ተቐቢልካን ኣሚንካን ነሕዋት ምክፋል እዩ። ኣምላኽ ንወድሰብ ስለ ዜፍቅሮን ኣብ መደብ ድሕነቱ ስለ ዘእተዎን ኣብ ዓወት ኪበጽሖ ስለ ዚደልዮን ኩሉ ግዜ ብልብን ብሕጉስ መንፈስን ፍቓድካ ኣብ ሰማይ …. እናበለ ንኺጽሊ ይዕድም። እዚ ማለት ከኣ ፍቕርን ሓልዮትን ኣምላኽ ኣብ ዓለምና ኪስፍን ብዘይምቁራጽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣማናይ ጸሎትን ተወፋይነትን ይሓትት ማለት ኢዩ።

ኣብ ክርስቲያናዊ ጉዑዞና ተልእኮና እንታይ ምኻኑ ንክንፈልጥን፡ ክንርዳእን፡ ንኽንፍጽምን፡ ንክርስቶስ ምፋልጥ ኣዝዩ ኣድላዪ ኮይኑ ይርከብ። ጴጥሮስ ግርማኡን እንታይነቱን ምስርኤን ምስጠዓመን  ኣብዚ “ምሳኻ ምዃን ጽቡቕ እዩ (ማቴ.17᎓4) ይብሎ። ኩሉ ጸጋ ክርስቶስ ዝተቐበለ ሰብ ክብሎ ዘለዎ ቃል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እምበኣር መድኃኒና ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ወንጌል ነዚ ጥዑም ዜና ንዓለም ከበሱሩ ክእዝዞም ንረኽቦ.. ምኽንያቱ ዓለም ክትፈልጦ ነሩዋ። ፈሊጣ ብእኡ ክትኣምን … ኣሚና ብእኡ ክትድሕን። ፍልጠት ክርስቶስ ካብ ምስማዕ ይብገስ፡  ብሓቂ ምስ ክርስቶስ ምትራፍ፣ ንእኡ ምምሳል፤ ሕይወት ንእኡ ጥራይ ምውፋይ ክንደይ ሠናይ እዩ። እታ ናብ ክርስቶስ ዝተወፈየት ነፍሲ “ንስኻ ካብ ኵሎም ደቂ ሰባት ትጽብቕ” ንዓኻ እንተ ዘይኮይኑስ ካልእ ዝደልዮ ነገር የብለይን ትብል’ሞ – ቃል ሰሚዓ ትምለስ፣ ትልኣኽ – ኣብ ዝተላእከቶ ከኣ ትኸይድ። እቲ እትሰምዖ ቃል እተብጽሖ መልእኽቲ ናይ’ቲ እትፈትዎ ጐይታ እምበር ናታ ኮይኑ ከኣ ኣይርከብን ።

ኣብ ክርስትያናዊ ጸዋዕታ ኣቲና ክንዛረብ እንከሎና ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ እንክጽሕፍ “ናብ’ቶም ብክ.ኢ. ዝተቐደሱ ምስቶም ኣብ ኩላ ሥፍራ ስም እቲ ጐይትኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢ.ክ. ዚጽውዑ ኵሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተጸውዑ እዮም። (1ቆሮ. 1᎓2) ስለዚ ነቲ ዝተጸዋዕኩምሉ ጽዉዓ ብቁዓት ኬንኩም ክትነብሩ እልምነኩም ኣሎኹ። (ኤፌ.4᎓1) እቲ ናብ መዓሙቕ ዝወረደ ከኣ ንኩሉ ብህላዌ ምእንቲ ክመልእ ልዕሊ ኩሉ ንሰማያት ዝዓረገ ንሱ እዩ። ንሱ ከኣ ንገሊኦም ሓዋርያት ንገሊኦም ነቢያት ንገሊኦም ሰበኽቲ ወንጌል ንገሊኦም ናይ ነፍሳት ጓሶት ንገሊኦም መምህራን ገበሮም። (ኤፌ.4᎓10-11) እዚ ኸኣ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ምእንቲ ክትነጽሕ እቶም ቅዱሳን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍጹማን ምእንቲ ክኾኑ እዩ። (ኤፌ.4᎓12)

 “ድላይ ኣምላኽ አንታይ ምኻኑ ” ከመይ ጌርና ንፈልጥ?“ ጽን ምባል የዲሊ” ኣብ ውሽጥኻ ምእታው የድሊ፡ ድምጺ እግዚኣብሔር ንምስማዕ፡ ድላይ እግዚኣብሔር ኣብ ዝኾነ ግዜ ሰዓትን፡ ቦታን፡ ኩነታትን፡ ንነፍስ ወከፍና ዝግለጽ እዩ።  ብዓቢ’ዩ ድላይ እግዚኣብሔር ብኽርስቶስ ተገሊጹ እዩ። (ኤፍ.1 : 3) ከም ኣሕዋት መጠን ኣብ ቅድሚ ብዘይመንቅብ ክንቀውም ትእዛዛት ሂቡና’ዩ፣ እቲ ዝዓበየ ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ ከመሓላልፍ ከምቲ “ኣነ ዘፍቀርኩኹም ነንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትፋቐሩ ሓዲሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ (ዮሓ. 13:34)። “ከምቲ ኣብ ዘፍቀረኒ ኣነ’ውን ኣፍቅረኩም እየ፣ ኣብ ፍቕረይ ንበሩ ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ ኣብ ፍቕሩ’ውን ጸኒዐ ዝነብር ዘሎኹ፣ ከምኡ ከኣ ንስኻትኩም ትዛዛተይ እንተ ሓሎኹም ኣብ ፍቕረይ ጸኒዕኩም ክትነብሩ ኢኹም። (ዮሓ.15:9-10) ብፍቕርኹም ደቂ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኪፈልጡ እዮም፣ እናበለ ድላይ እግዚኣብሔር ሰብ ብጸጋ ኣምላኽ ተሓጊዙ ንድኻምነቱ ምስ ኩሉ ክፉእ ትምኒቱ እናኣወገደ ብሓቂ ውሉድ ኮይኑ ኣሰር ክርስቶስ ኪስዕብ ከም ዘለዎ የረድእ።

ክርስቶስ ድላይ ኣብኡ ክፍጽም ኣብ ዓለምና ኪኣቱ እንከ“መስዋዕትን መባእን ኣይደለኻን እንተኾነ ሰብነት ኣዳሎኻልይ። ብዝሓርር መሥዋዕትን በቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዚቐርብ መባእን ባህ ኣይበሉኻን። ሽዑ ከኣ ኣነ ኦኣምላኸይ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፣ እነሆ ፍቓድካ ኽፍጽም ወጺአ’ሎኹ በልኩ (ዕብራውያን 10:5-7) ብመንገዲ ክርስቶስ ምስዓብ ማለት መስቀልካ ምስካም ማለት ኢዩ። አብ መንገዱ ብጻይ ንኽትኮኖ፡ ንከተካይዶ። እዚ መንገዲ እዚ ግና ጡዑም መገዲ አይኮነን፤ ክብሪ ናይዚ ዓለም እዚ አይኮነን። እንታይ ደአ ናይዚ ዓለም እዚ ክብሪ ከምትንዕቅ ጥራይ ዘይኮነ ሕይወትካ እትክሕደሉ፤ ሕይወትካ ምእንቲ ክርስቶስን፡ መንግስተ አምላኽን፡ ወንጌልን እተወፍየሉን  ማለት ኢዩ።

እምበኣር ነቲ አገልጋሊ ነፍሲ ወከፍና ዝኾነ ክርስቶስ ክንክተል ሓደ ንጹር ዝኾነ ዕርክነት ምስኡ ክንፈጥር አለና። ስለዚ እታ መንገዲ ክርስቶስ መንገዲ ተስፋ ኢያ፤ እቲ ናትና ዓወት ዝርአ አብቲ ድኻምነትና ኢዩ፡ ማለት ምእንቲ መንግስተ አምላክ ኢልና ትሕት ክንብል ከለና፤ አገልግልቲ ክንኸውን ከለና።

አብ ካልአይ ምዕርፍ ያዕቆብ ከምዚ እንዳበለ ይጽሕፍ – ሓደ ግና “ንስኻ እምነት አለትካ፡ አነ ኸአ ግብሪ አሎኒ” ይብል ይኸውን። እምበአር እምነትካ ብዘይ ግብሪ አር እየኒ፡ አለውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ያዕ.2:18 እዚ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና  ክትንክፈና ዘለዎ ምልአኽቲ ክኸውን ይግብኦ። ንዓና ክርስቲያን እዚ መልእኽቲ እዚ ሓቀኛታት መገልገልቲ ክርስቶስ ንኽንከውን የተባብዓና። “ከምቲ አነ ንዓካታትኩም ዝገበርክዎ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ አርአያ ሂበኩም አለኹ”። ዮው.13:15-17 እዚ መልክዕ ወይ መለለዪ ናይ ሓደ ሓቀኛ ክርስቲያን ወይ ሓቀኛ ሓዋሪያ ክርስቶስ ኢዩ።

ስለዚ እንታይ ኢዩ ተልእኾና አብ ቤተክርስቲያን እንተበልና? ተልእኾናን  ጸዋዕታናን አሰር ክርስቶስ ብምኽታል፡ ብትሕትናን፡ ሕያውነትን፡ ሓሊዮትን ዝመልኦ አገባባ ነሕዋትና ምግልጋል ኢዩ።  አገልግሎት ባህሪ፡ ጠባይ ወይ መለለዪ ናይ ሓደ ክርስቲያን፤ መሰረት ዓንዲ ናይ እምነትናን ተልእኾናን፤ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታናንኢዩ። ነፍሲ ወከፍ አማናይ በቲ ዝተዋህቦ ጸዋዕታ መጀመሪያ ንአገልግሎት እግዚአብሔርን አሕዋትን  ኢዩ ተጸዊዑ። እዚ መንፈስ እዚ ኢዩ አብ መንጎና ክነግስን ከንጸባርቕን  ዘለዎ።

Aba Hagos Tesfagabir

 

ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ

መልእኽቲ ቆሞስ ግንቦትን ሰነን 2016

                                             ሉቃ. 1:1,26-27

ዝኸበርኩም ምእመናን እዚ ወርሒ እዚ ንማሪያም ዝተወፈየ ወርሒ ኢዩ እሞ ማሪያም እቲ ዘድልየና ጸጋ ካብቲ ፍቁር ወዳ ክተማልደልና ሃየ ሓቢርና ንለምና። “ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብሪኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት አትበሃል ዓዲ ገሊላ፥ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእኸ። ንሳ ካብ ቤት ዳዊት ንዮሴፍ ዝስሙ ሰብኣይ ተሓጽያ ነበረት፣ ስም እታ ድንግል ከኣ ማሪያም እዩ።እቲ መልኣኽ ናብቲ ንሳ ዝነበረቶ ኣትዩ፥ “ ሰላም ንኣኺ ኦምልእተ ጸጋ፥ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፥ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” በላ። ንሳ ድማ ምስ ረኣየቶ በቲ ቓሉ ኣዝያ ሰንበደት፣ “ እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኮን ይኸውን?” ኢላውን ሓሰበት።

እቲ  ልኡኽ እግዚአብሔር ገብሪኤል መልአኽ “ሰላም ነዓኺ ኦማሪያም ወይ ተሓጎሲ ኦ ማሪያም ኣይብልን፡ እንታይ ደኣ “ሰላም ነዓኺ “ኦ ምልእተ ጸጋ” ኣብዚ ድንግል ማሪያም ስማ ተቀይሩ ንረኽቦ።  ኣብ ቁዱስ  መጽሓፍ እንተ ተመልከትና እግዚአብሔር  ኣስማት ደቂ ሰባት ክቅይር ክንርኢ ከለና፡ ሓደ ፍሉይ መጻኢ ተልእኾ  ከምዘለዎም የመልክት፡ ማለት እቲ ሓዲሽ ስም ነቲ ናይ መጻኢ ጸዋዕታኦም ወይ ተልእኾኦም የመልክት።

እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ከምዚ ይብሎ “ እንሆ ኣነ ኺዳነይ ምሳኻ ኣቕውም ኣለኹ፥ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ሕዝብታት ክትከውን ኢኻ። ኣቦ ብዙሓት ሕዝብታት ገረካ ኢየ እሞ፥ “ኣብርሃም” ደኣ እምበር፥ ደጊም ስምካ “ኣብራም” ኣይጸዋዕ፤ ዘፍ።17፡4-6 አንዳበለ አቦ ብዙሓት ምእንቲ ክገብሮ፤ ካብ ዓዱ፡ ካብ አዝማዱ፡ ካብ ቤት አብኡ  ንሓደ ፍሉይ ተለእኾ ይጽዎዖ።

ኢየሱስ ንስምዖን’ውን ከምዚ በሎ “ ንስኻ ስምዖን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ ኽትበሃል ኢኻ” በሎ። ትርጉሙ ከኣ “ጴጥሮስ” ማለት ኢዩ። ዮው. 1:42 እዚ ከኣ ነቲ ሓዲሽ ተልእኽኡ ንምሕባርን ንምርግጋጽን ዝበሎ ነበረ። ናይ ማሪያም ሓድሽ ስምውን “ኦ ምልእተ ጸጋ” ተባሂሉ ብገብሪኤል መልአኽ ተጸውዓ። እዚ ነቲ ናይ መጻኢ ተልእኽኣ ጸዋዕታኣን ዘመልክት ስም ነበረ። ማሪያም ክትፍጽሞ ዝነበራ ተልእኾ ነይሩዋ።  እግዚኣብሔር አደ እቲ ምንጪ ጸጋታት ዝኾነ ኣምላኽ ክትከውን ጸወዓን ሓረያን።

ማሪያም በቲ ብስራት ወይ በቲ ቓል  ገብሪኤል መልአኽ   ኣዝያ እካ እንተ ሰንበደት፣ “ “እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኮን ይኸውን?” ኢላውን አንተ ሓሰበት፤ ትሕትናን እምነትን ብዝመልኦ መንፈስ   ንናይ ጸዋዕታኣ ብሥራት መልሲ ክትረኽብ ግና  ግድን ነበረ። እቲ መልኣኽ ቀጺሉ “እግዚሔብሔር ምሳኺ ኢዩ “ ይብላ።  እዚ ቃል እዚ ኣብ መጻሓፍ ቁዱስ ብዙሕ ግዜ ተደጋጊሙ ንረኽቦ። ነብርሃም “ ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፥ ኣነ ምሳካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራህ” ይብሎ። ዘፍ. 26, 24 ንሙሴ “ናብ ንጉስ ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከ፥ ኣነ መን እየ?” በሎ። ኣምላክ ከኣ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ” በሎ። ዘጸ.3:11-12 በዘን ቃላት እዚኣተን ከኣ እግዚኣብሔር ነቶም ሕሩያት ኣገልገልቱ አብቲ ተልእኾኦምን ጽዋዕታኦምን   ሓገዙ ከምዘይፍለዮም የረጋግጸሎም።

ማሪያም ነዚ ብርሃን ዓለም ንኽትወልድ መልአኽ ምስ አበሠራ ብስራሕ አምላኽ ተገሪማ ነቲ ብባሕርያዊ መንገዲ ዘይከአል አብአ ክፍጸም ምስ ረአየቶ፡ ብመንፈስ ተለዓዒላ፡ “ ነፍሰይ ንግዚአብሔር ተዕብዮ፤ መንፈሰይ ከዓ ብአምላኸይ በቲ መድኃንየይ ባህ ይብሎ፡ ውርደት ብርያኡ ርአዩ እዩ’ሞ እንሆ ካብ ሕጂ ኹሎም ወለዶ ብጸዕቲ ኪብሉኒ አዮም፤ እቲ ኹሉ ዝኽእል ዓቢ ነገራት ገይሩለይ ኢዩ’ሞ ስሙ ቅዱስ እዩ..” እንዳበለት ክትንበ ጀመረት። ሉቃ. 1:46 “ኣነ ባርያ ወይ ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር ኢየ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ ብማለት ኩሉ ኣንነታ ንመደብ ድሕነት ኣወፈየት። ከምቲ “ እቲ ካብ እግዚአብሔር ዝተነግረኪ ቃል ከምዝፍጸም ስለ ዝአመንኪ ብጸእቲ ኢኺ” ዝብል ምስክርነት ናይ ናይ ኤልሳቤጥ፤ ብሓቂ ብምእዛዛ  ናይ ብጽዕና መዓርግ ተሸለመት።

ማርያም ብትሕትና ንቃል ኣምላኽ ስለ ዝተቐበለቶ ኣደ ኢየሱስ፤ አደ ኢቲ መድኅን ዓለም ኮነት። ብምሉእ ልባ ድላይ ኣምላኽ ብምቕባል ነቲ ናይ ወዱ ኣካልነትን ሥራሕን ብምሉእ ተወፈየት፡ ብትሕቲኡን ምስኡን ኮይና ብጸጋ  እግዚኣብሔር ተደጊፋ ነቲ ናይ ምስጢር ድሕነት ኣገልግሎት ተወፈየት። ብሰንኪ ቀዳማይ ኃጢአት ጸላእቲ እግዚአብሔር ኮይና ዝነበርና፡ በዛ አደ አምላኽ ክትከውን ዝተሓርየት ሰበይቲ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ወዳ ደቂ እቲ ልዑል አምላኽ ክንከውን መሰል ተዋህበና።

ጥዕምት በቃላ ወሰናይት ብምግባራ” ብቃላ ጥዕምቲ ብምግባራ ከአ ሰናይት”፡ ዝኾነት አደ አምላኽን አዴናን፡ ከምቲ አብ ቃና ዘገሊላ ተረኺባ ወይኒ እምበር ተወዲኢዎም እንዳበለት ካብ ወዳ ዘማለደት፤ ሕጂውን ንነፍሲ ወከፍና እቲ ዘድሊየና ጸጋ ክተማልደና ሓቢርና ንለምና። ብፍላይ ምእንቲ ሰላም ሃገርናን ዓለምናን ብግሊ ይኹን ብሓባር ብእምነት ናብአ ቀሪብና ክንልምን ጸዋዕታይን ዕድመይ  የቅርብ።

እግዚኣብሔር ስለ ኹሉ ነገር ዝተመስገነ ይኹን! ኣሜን

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

ዓመተ ምሕረት

ሓዲሽ ዓመት ኣብ ዓመ-ምሕረት ንጉዕዞ ንስሓን ምሕረት

ሓዲሽ ዓመት ወትሩ ዓቢ ህያብ ናይ እግዚኣብሔር ኢዩ፣ ብዝያዳ ከኣ ሎሚ ዓመት ምስ ዓመተ-ምሕረት ኣወሃሂድና ከነብዕሎን ከነስተንትኖን እንከላና ኣዚዩ ክቡርን ብሉጽን ህያብ ኮይኑ ንረኽቦ፣ ኣነን ንስካትኩምን ኣሕዋተይ ከም ወትሩ ብድኻምነትና ካብ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን ቁሩብ እልዪ ኢልና ስለእንነብር ንማልባት ከምግብርናስ ናብ ሓዲሽ ዓመት ክንሳገር ዝተገብእና ኢና ክንብል ኣይኽእልን ኢና። ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ግን ከምቲ ዘጽኣ.14 እንረኽቦ ንደቂ እስራኤል ብሓያል ኢዱን ዝርግሕቲ ቅልጽሙን ባሕሪ ኤርትራ ኣሳጊሩ ብጽኑዕ ተመኩሮ እምነቶም ከምዘደልደሉ ዝገበሮም። ንዓና’ውን ከም ግብርና ዘይኮነስ ጽኑዕ ድልድል ፍቕሩን ዓሚቕ ምሕረቱን ሓልዮቱን ተጠቒሙ ሓንጊሩ ናብ ሓዲሽ ዓመት ኣሳጊሩና፣ ኣጆኹም ብሰላም። ብሓጎስ። ብተስፋን ብጸጋይን ሓዲሽ ጉዕዞ ጀምሩ ይብለና ኣሎ። ምኽንያቱ ብሕይወት ምንባር ዕድመ ምውሳኽ ንዓቢ ዓላማን ዓቢ ተግባር እግዚኣብሔር ንምምስካር ስለዝኾነ:: ስለዚ ንመደብ እግዚኣብሔር እነኹ ንበል። ናብታ ተንቀሳቃሲት መርከብ ድሕነት ዝኾነት ቤተ-ክርስትያና/ቁምስናና ንእቶ’ሞ ዓይኒ እምነትና ኣብሪህና ኣብ ሓዲሽ ዓመት ሓዲሽ ሕይወት ብኽርስቶስ ነስተማቕር። ከም ህያው ክፍሊ ኣካላታ ኮይና እጃምና ከነበርክት ንዕደም ስለዘለና ዕሽሽ ኣይንበሎ። ጉዕዞና ኩሉ ከኣ ሰናይ ክኾነላና ኢዩ። ምሕረትን ጉስነትን ኣምላኽ ወትሩ ምሳና ስለዘሎ ብሓጎስን ህድእቱን ኣንጀርቢቡ ዕለታዊ ሕይወትና ባዕሉ ክመርሖ ኢዩ፣ ኣብዚ ዓመተ-ምሕረት ብፍላዪ ንናይ ምሕረት ገጹ ወትሩ ከነስተንትኖ ተጸዊዕና ኣለና፣ ከመይ ኣምላኽ ንዓና ከድሕን ምስ መደበ ብመላኮታዊ ምሕረቱ ኢዩ ተገሊጹ ንሕና ደቁ’ውን ናብኡ እንምለሰሉን ዕዉት ጉዕዞ ክርስትና ዛዚማና ንዘላእለም እንሕጎሰሉን ብኣኣ ብታ መለኮታዊት ምሕረቱ ኢዩ’ሞ ኣሕዋተይ “ምሕረቱ ዘላዓለማዊት ኢያ…” እናበልና መዝሙር ዳዊት 136 እናዘመርና ብመንገዳ ንጉዓዝ።
ኣብ መልእኽቲ ብዛዕባ ዓመተ-ምሕረት ር.ሊ.ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮ ቁ.12 ከም እንረኽቦ ነዛ ናይ ወንጌል ትርግታ ልቢ ዝኾነት ምሕረት ኣምላኽ ክትነብርን ከተበስርን ዝተመርጸ/ ዝተመዘዝት ቤተ-ክርስትያን ስለዝኾነት ጉዕዞና ኩሉ ኣብ ሕጽንኣ ይኹን፣ ከመይ ነዚ ከቢድ ናይ ሓዲሽ ስብከተ-ወንጌል መዝነታ።ብሓዲሽ ወንን ዝተሓደሰ ሓዋሪያዊ መደብን ንኸተተግብር ሎሚ ንዓይን ንዓኻትኩምን ተጠቒማ ስላዝኾነት ጽን ንበላ፤ ንለኣካ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ከማቲ ርእሳ ዝኾነ መስራቲኣ ክርስቶስ ቅዱስ ዝኾነ ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት ሕይወት ቅድስና ንምረጽ።

ሓዲሽ ዓመት ኣብ ዓመተ-ምሕረት ንጉዕዞ ንስሓን ምሕረትን
ኣሕዋተይ ምሕረት ኣምላኽ ወሰን ደረት ዘይብሉ ዘለኣለማዊ ኢዪ፣ እንተኾነ ንሕና ጊዚያውያንን ድኹማትን ስለዝኾና። እኖና መምህርናን ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ብጊዜን ወቕትን ፈላልያ። ብዝርድኣና ኣገባብ ተጠቒማ ወትሩ መነቓቕሕን መሐደስን መደባት ስለእትሰርዓልና ካብ ሕዳር 2015-ሕዳር 2016 ዓመተ-ምሕረት ኢላ ከምዝኣወጀትልና ንኹልና ስውር ኣይኮነን፣ እዚ ብኣቃጻጽራ ስርዓት ሃገርና እነብዕሎ ዘለና ሓዲሽ ዓመት 2009 ዓ.ም.ግእዝ ዘመነ-ማቴስ ኣብ ውሽጢ እዚ ምሩጽ እዋን ስለዝርከብ ብፉሉዪ ትግሃት መንፈስን ንስሓ ኣቲና ምሕረት ኣምላኽ ከነስትማቕር ይዕድመና፣ ኣብ ሓዲሽ ዓመትን ዓመተ-ምሕረትን ልብና ኣትሪርና ከይተልወጥና ከይንተርፍ ብሓቂ ከፍርሓናን ከሰክፈናን ኣለዎ፣
እስከ ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት ንዝገጥሙና ነገራትን ኩነታትን ብንስሓን እምነትን ፍቕርን ኣብ ምሕረትን ኣምላኽ ብሓድሽ ኩርናዕ ንርኣዮ’ሞ ኣብ ሕይወትና ዓቢ ለውጢ ክንርኢ ኢና፣ ኣሕዋተይ ዓለማውያን ስነ-ፍልጠታውያን ተመራመርቲ በብዓመቱ ንዝውህቦም ጊዜ ተጠቒሞም ሓደስቲ ምህዞታትን ፈጠራታትን ከቕርቡ እሞ ዝና ክረኽቡ ክንደይ ዘይባላሓቱ። ክንደይ ጊዜ ኸ ከይደቀሱ ዘይሓድሩ፣ እዚ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ናይ ተኽኖሎጂ ምዕባሌ’ውን ናይዚ ዘይሕለል ጻዕሪ ውጽኢት ኢዩ፣ ንሕና ክርስትያን ከድኣ ኣሕዋተይ ዝውሃበና ዘሎ ሓዲሽ ዓመትን ዓመተ-ምሕረትን ተጥቒምና ናብ ሓዳስ ኢዮርሳሌም ስማያዊት ሃገርና ንምብጻሕ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ከቓላጥፍ ዝኽእል ናይ ምሕረት ተግባራት እናፈጸምና ተሓድሶን ለውጥን ሕይወት ክንገብር ክንደይ ክንጽዕር ዘይግብኣና። ምኽንያቱ ክርስቶስ ዝማእከሉ። ዝመራሒኡን ዝቐላሲኡን ሕይወት ምምራሕ ቀሊል ስለዘይኮነ፣
እቲ ዝዓበየን ዝበርትዐን ቃልስና ከኣ ምስ ገዛእ ርእስና ኢዩ’ሞ ኣብ እንወድቀሉን እንደኽመሉን ጊዜ ብምስጢረ ንስሓ ሓዲሽ ሓይሊ እናኣከብና ስግኡን ደሙን እናተመገብና ከይተሓለልና ምስ እንቃለስ ሓደስቲ ፍጡራት ብምኻን ተቐበልትን ወሃብትን ምሕረት ኣምላኽ ከምእንኸውን ንእመን። ቅ.ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ምኽፋት ካልኣይ ጉባኤ ቫኣቲካን “ ሎሚ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ናይ ምሕረት ፈውሲ ክትጥቀመሉ ትደሊ ኣላ” ከምዝበሉ ሎሚ’ውን ምሕረትን ይቕሬታን ዝልማዱ ኣምላኽና ብንስሓን ተኣማማንነትን ናብኡ ክንምለስ’ሞ ዝተሓደሰ ሕይወት ክንመርሕ ቤተ-ክርስትያና ትዕድመና ኣላ። ምሕረት ኣምላኽ ዝቕበሉ ከኣ ምሕረት ዘዘውትሩ/ዝንስሑን ጥራይ ምኻኖም ቅዱሳት ጽሑፋትና ኣብ ማቴ.9።13 ,ሆሴ.6፡6 ወዘተ…የረድኣና፣ ናይ’ዚ ምሕረት ኣምላኽ ዝዕበየ ስራሕ ከኣ ሓጢኣትና ደምሲስካ ሓዲሽ ሕይወት ምጉንጻፍ ኢዩ፣ ምሕረት ኣምላኽ ዘስተማቐረ ወዲ ኣዳም/ክርስትያን ከኣ ንኻልኦት ምምሓርን ናብ ምሕረት ምዕዳም ፍጹም ኣይከብደምን ኢዩ፣ እምብኣር ከምቲ ናይ መድሓኒና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀንዲ ዓላማ ምድራዊ ሕይወቱ ምሕረት ምሃብን ናብ ምሕረት ምዕዳምን ዝነበረ። ናተይን ናትኩምን ከኣ ኣሕዋተይ ካብዚ ዝተፈልየ ክኸውን ፍጹም ኣይክእልን ኢዩ።
ሓዲሽ ዓመት ኣብ ዓመተ-ምሕረት ንሓዲሽ ጉዕዞ ሕይወት
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሓድሽ ዓመት ብሓዲሽ ሕይወት ክጅመር ከምዘለዎ ንኸረድኣና ኣብ ሉቃ.5።35-39) ከምዚ ይብል “… ሓዲሽ ቁራጽ ዓለባ ኣብ ብልይ ክዳን ክልገብ…ሓዲሽ ወይኒ’ውን ኣብ ብላዪ ኣሕርብቲ ክቕመጥ ኣክእልን ኢዩ … እንተ ዘይኮይነ እቲ ኣረጊ ክዳን ዳግም ይቕደድ እቲ ሓርቢ’ውን ይስበር”። እዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ንዓና ሓዲሽ ዓመት ነብዕል ንዘለና ዘመሓላልፈልና መልእኽቲ ብዘልማድ እናተጋዓዝና። ካብ ምሕረት ኣምላኽ ሪሒቕና። (ከተመሓርናን ከይማሓርናን ማለት ብምስጢረ ንስሓ ተሰናዲና ስግኡን ደሙን ከይተመገብና። ኣብ ገለ ናይ ምሕረትን ፍቕርን ስርሓት ከይትጸመድና። ኣብ ሓዋሪያዊ ግብረ-ተልእኮ ቤተ-ክርስትያና ከተሳተፍና ወዘተ… ንማልባት በጊዕ ስለዝሓረድና ምስ ፈተውትና ናይ ርሑስ ዓዲሽ ዓመት ሰናይ ትምኒትና ስለዝተለዋወጥና። ናይ ሃረርታ ሆየ ሆየ ስለዝበልና ወዘተ…ሓዲሽ ዓመት ዘብዓልና። ንእግዚኣብሔር ኣቦና ደስ ዘብልን ንእሕዋት ዝሃንጽን ጉዕዞ ሕይወት ንገርብ ዘለና ከይመስለና ተዘኻኽረና፣ እዛ መልእኽቲ ወንጌል ንጽርቲ ኢያ ንስሓ እተዊ ኣብ ሓዲሽ ዓመት ሓዲሽ ሕይወት ጀምሩ። ኣብ ማር.1 እንረኽቦ ስብከት ቅዱስ ዮውሓንስ መጥምቕ ኣስተንትኑን ኣተግብሩን መንገድኹም ኣቕንዑ ኢያ ትብለና ዘላና’ሞ ነስተውዕለላ። ስለዚ ኣሕዋተይ ንግላዊ ስድራ-ቤታዊ ማሕበራዊ፡ ቁምስናውን፡ ክርስትያናውን፡ ኣገልጉለትና ዝሕግዘና ፍጹም ንስሓ ክንገብርን ተግባራዊ ዝኾነ መደብ ንሓዲሽ ጉዕዞ ሕይወት ክንሕንጽጽ ግድን ኢዩ።
ቅ.ዮውሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1978 ዓ.ም. ጳጳስ ምስ ተመርጹ ኣብ መጀመሪያ ስብከቶም ንነፍሲ-ወከፍ ኣማናይ። ንመላእ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ….ኣይትፍርሑ ትብዑ ንኣምላኽ መዓጹ ልብኹም ክፈቱ። እቲ ጸጋ ኣምላኽ ዝዓግትን ንወዲ ሰብ /ንብጻይና ክንቅበል ዝኽልክለና ኩሉ መዓጹን መሳኹትን ይከፈት ፖለቲካዊ መደባትን መምርሕታትን’ውን ከይተረፈ ንፍትሕን ርትዕን ይከፈት ትብዑ እናበሉ ንቆራጽ ጉዕዞ። ንለውጢ ሕይወትን ንሰናይ ዓለምናን ዓዲሞም ቆሪጾም ዝተበገሱን ዝተዓወቱን ናይ ዘመና ምስሌነ ክርስቶስ ኢዮሞ፣ ሕጂ’ውን ንዓና ንጹር ኣብነት ይኾኑና። ንሕና እዞም ሓዲሽ ዓመት እሞ ኸኣ ኣብ ዓመተ-ምሕረት ከነብዕል ዕድል ተዋሂቡና ዘሎና ላንጋ ላንጋ ዝኾነ ሕይወት ኣወጊድና ተባዕ ቆራጽ ስጉምቲ ንመንፈሳዊ ለውጢ እንጅምረሉ ምሩጽ እዋን ሕጂ ኢዩ። እዚ ጉዕዞ እዚ ቀሊል ስለዘይኮነ ከኣ ከይፈራሕናን ከይሰጋእና ናብ እግዚኣብሔር ክንውከል መጽሓፍ ምሳሊ 3.5-6 ይምዕደና።
ኣሕዋተይ ሓዲሽ ሕይወት ክጅምር ኢየ። ህያው ኣባል ቁምስናይ/ቤተ-ክርስትያነይን ብምኻን ኣብ ተልእኾኣ ክሳተፍ ኢየ። ብመንገዲ ዕርቅን ንስሓን ብምጉዓዝ እሙን ውሉድ እግዚኣብሔር ክኸውን ኢየ ኢልና ምስ ተበገስና መጠኑ ብዙሕ ፈተናትትን መሰናኽላትን ከምዝገጥመና ርጉጽ ኢዩ። እንተኾነ እዚ ጉዕዞ እዚ መድሓኒና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝመራሒኡን ብዙሓ ቅዱሳት ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ዓበይትን፡ ነኣሽቱን፡ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ- ኣንስትዮን መነኮሳትን ነጋውስን ዝተዓወትሉ እንኮ ጉዕዞ ስለዝኾነ ንትባዕ ብቆራጽነት ንበገስ። እግዚኣብሔር ንኢያሱ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ትባዕ ኣይትፍራሕ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኩሉ ምሳኻ ኢየ ከምዝበሎ ኣምላኽና ወትሩ ምሳና ኢዩ ዝጉዕዝ። ቅ.ኣጎስጢኖስ ዝብሃል ኣፍሪቃዊ ቅዱስ ከምዚ ከማና ድኹም ሓጢኣተኛ ኣብ ዝነብረሉ እዋን ዕድመ ለውጢ ሕይወትን ቅድስናን ምስ ቀረበሉ ነቶም ቀዲሞምና ብዓወት ምድራዊ ሕይወቶም ዝዛሙ ቅዱሳት እንከስተን፤ እዚኦምን እዚኤንን እንተ ተቐዲሶምስ ኣነኸ ድኣ ስለምታይ ዘይቅደስ ኢሉ ብትብዓት ስለዝተበገሰ ኣብ ዓቢ ቅድስና ከምዝበጽሔ ኩልና ንፈልጥ። ሃየ እምብኣር ኣሕዋተይ መንፈሳዊ ቅንኣት ይሕደረና።
ንእግዚኣብሔር ጽን ኢልና ክሰምዖ ከም ሳሙኤል ባሪያኻ ይሰምዕ ኣሎ’ሞ ተዛረብ እንተኢልናዮ (1ሳሙ 3 )። ከም ኤርምያስ ነቢዪ ቆልዓ ኢየ ከይበልና ክንዛረቦ ዘላና ቃላት ኣብ ኣፍና ከንብረልና እንተ ኣፍቂድናሉ (ኢር.1.9..) ከም ቅ.ድንግል ማሪያም እኖና እንሆኹ ባሪያ እግዚእብሔር ኢየ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ ኢልና እንተተኣዚዝና (ሉቃ1.38 )፤ ከም ቅ. ጳውሎስ ጎይታይ እንታይ ክገብር ትደልየኒ (ግ.ሓ.9) ኢልና ስንድውነትና እንተገሊጽና፤ ሽዑ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ክንገብሮ ዘለና ባዕሉ ከብርሃልና ኢዩ። ንሕና ጥራይ ትሑዝ ኢየ፤ ኣብዚ ጊዜ እዚ ድኣ ለይትን ቀትርን ቀዳምን ሰንበት እንተ ዘይሰራሕካ ሕይወት መኣስ ይክኣል። ኣነስ እዝን እትን ክገብር መኣስ ዓቕሚ ኣለኒ። ንንስሓ ይኹን ንተልእኾ ወንጌል የርክበሉ ኢየ ወዘተ…ብዝብል ምስምስ ኣይንዛነ፣ ካብ ቤተ-ክርስትያናን ግብረ ሰናይን ኣይንርሓቕ; እግዚኣብሔርስ ከም ባህሪኡ ኣብ ሕይወት ነፍሲ-ወከፍና ተእምር ክገብር ሓዲሽ ሕይወት ሓዲሽ መደብ ክንመርሕ ክሕግዘና ወትሩ ስንድው ኢዩ።
ንእግዚኣብሔር ከነፍቅር ከነኽብርን ክንልኣኽን ንሱ ዝኣዘዘና ክንፍጽም ኣብ መወዳእታ ከኣ ምስኡ ክንነግስ እቲ ቀዳማይ ዓላማ ምፍጣርናን ሕይወትናን ምኻኑ ብንእስነትና እንከለና ኣብ መን ፈጠረና ዝተመሃርናዮ ሓቂ ኢዩ። እቲ ካልኣይን ንዕኡ ዝመስልን ከኣ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ጥንቲ ንሕዝቡ ዝሃቦ ትእዛዝን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ መድሓኒና ኣብ ወንጌል ዘብርሃልናን ኢዩ። ዝተሓደሰ ሕይወት ምጅማር ከኣ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣብ ሕጽኒ ቤተ-ክርስትያን ኮንካ ምትግባር እንተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን፣ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ብጻይን ክፈላለያ ዘይክእላ ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ኢየን፣ ኣብ ሕይወትና ከነተግብረን ቆሪጽና እንተተበጊስና ከኣ ንኽልቲኤን ክንፈላልየን ኣይንኽእልን ኢና። ከመይ ቅ.ዮውሓንስ ኣብ መልእኽቱ እቲ ንእግዚኣብሔር የፍቅር ኢየ ዝብል ንብጻዩ ግን ዝጸልእ ሓሳዊ ኢዩ (1ዮው.3) ኢዩ ዝብለና፣ ዓለምና ከኣ ሕጂ ንዓና ንኽርስትያን ነዚ ከነተግር ኢያ ትሓተና:: ንሕና ካቶሊካውንያን ወትሩ ሃብታም ዝኾነ ኣብነታዊ ውርሻ ሕይወት ቅዱሳት ኣለና፣ ኣብዚ ወርሒ እዚ ቅድስንኣን ዝተጸንበለ ቅ.ተረዛ በዓልቲ ካልካታ’ውን ናይ ጊዜና ህያው ኣብነት ኮይነን ከምዚ ትብላና። “እግዚኣብሔር ንዓለም ኣፍቂሩ ንሓደ ወዱ ሃባ ሕጂ’ውን የፍቅራ ኢዩ፤ ንዓይን ንዓኻትኩምን ከኣ ንኹሉ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዚዮም ድኻታት ንኸነገልግል ሰዲዱና” እናበላ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ፍቕሪ ብጻይ ከምዝግለጽን፤ ፍቕርን ምሕረት እግዚኣብሔር ዘስተማቐረ ከኣ ኣብ ኣገልጉለት ኣሕዋት ከምዝዋፈር ብግብሪ የስተምህራና።
ኣሕዋተይ ንሕና ደቂ ሰባት ብሕይወት ንኽንነብር ነንሕድሕድና ኣዚና ኢና እንደላለ፣ ንኣብነት ኣብ ሓደ ናይ መወለዳን ሆስፒታል ክልተ ማናቱ ቅድመ-ግዜ ተወሊደን ፍሉዪ ክንክን ይግብረለን ኣብ ዝነበረ እዋን ሓንቲ ካብኤን ደኺማ ምትንፋስ ኣቃረጸት። ሓካይም ክትመውት ኢያ ኢሎም ሕክምንኦም እቃረጹ’ሞ ሓንቲ ካብቶም ተሓጋገዝቲ እስኪ ብሙቐት ሓፍታ እንተደሓነት ኢላ ምስ ሓፍታ ኣተሓቓቑፋ ኣደቀሰታ፣። ሽዑ ወያ ሕጻን ከተትንፍስ ጀመረት’ሞ ሓወየት፣ ጉዕዞ ሓዲሽ ሕይወት ጉዕዞ ክርስትና ከኣ ነዚ ኢዩ ዝመስል፣ ነፍሲ-ወከፍና ኣብ ቅድስና ኣሕዋትና ዓቢ እጃም ኣለና፣ ነዚ ንኸተረድእ ብጽዕቲ ሮዛ መስራቲት ማሕበር ደቂ ቅ.ሓና ንኣሕልቕ ገዳማት። “ንስኺ ኣብ ቅድስና ደቀይ መሳርሒት ኢኺ” ትብለን ነበረት፣ ሕጂ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ከኣ ንወለዲ ኣብ ቅድስና ስድራ-ቤትኩም። ንውሉድ ኣብ ቅድስና ወለድኹም: ንቆሞስን ፈለስትን ኣብ ቅድስና ምእመናነይ ወዘተ… መሳርሕቲ ቅድስንኦም ኢኹም እሞ ንቕሑ ቅዱስ ሕይወት ምርሑ ኢዩ ዝብለና ዘሎ። ኣብ ስድራ-ቤት እቲ ዝነቐሐን ኣንጊሁ ዝተበራበረን ንድቃስ ዝወሰዶም ከምዘተንስእ: ብምሕረት ኣምላኽ ተባሪኹ። ዝውሃቦ ዓመታትን ሰዓታትን ተጠቒሙ ሓዲሽ ሕይወት ወትሩ ዝጅምር ትጉህ ክርስትያን ከኣ ንኣሕዋቱን ኣሓቱን ቤተ-ክርስትያኑን ኣዚዩ ደጋፊ ኢዩ። ከመይ እቲ ጉዕዞ ጽንክር ስለዝብል ብምስጢራት ተባራቲዕካ ናይ ብሓባር ኢዩ ዝፍጸም፣ ከምቲ መዝሙርና ዝብሎ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ንቐጽል መግሻና እናበልና ከም ሓደ ስድራ ክርስቶስ ናይ ሓባር ጉዕዞ እንጅምረሉ እንብኣር ሕጂ ኣብ ዓመተ-ምሕረትን ሓዲሽ ዓመትን ኢዩ።
ኣብ ተልእኾ ክርስቶስ ምስታፍን ወትሩ ብዝተሓደሰ ሕይወት ምጉዓዝን ነቲ ክንፍጽሞ ዘለና ጉዕዞ ቅድስና ኣነጺሩ፤ ክትግበር ዘለዎ መደብን ክስራሕ ዘልዎ ዕዮን ወንጌልን ኢዩ ዘመልክት። ብፍላዪ ኣብ ሕይወት ክርስትና ንስሓን ወንጌላዊ ተልእኾን ዝመለለዩኡ፤ ምድራዊ ጉዕዞና ጀሚርና ክሳብ እንዛዝም ክፍጸም ዘልዎ ጉዕዞ እምነት ኢዩ። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዘጋንፈና ኩሉ ከኣ ብኣጋጣሚ ዘይኮነስ ከምቲ (ሮሜ 8።29-30) ዝብለና ብመደብ እግዚእብሔር ኩሉ ንሰናይና ኢዩ። ስለዚ ንኹሉ ብምስትውዓል ንጠቐመሉ፣ ጸገማትን ተጻብኦታትን ክሳብ ሞት’ውን ብመራሒ ጉዕዞናን መድሓኒናን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሳዒሩ ኢዩ። ንሱ ባዕሉ ኣብ ወንጌሉ ኣጆኹም ንዓለምን ኩሉ ሕልኽላኻቱን ኣነ ቅድሜኹም ስዒረዮ ኢየ ዝብለና ኣብ (ዮው.16።33)፣ ንሕና ክርስትያን ስምና ከምዝሕብሮ ኣሰር ኣሰሩ ክርስቶስ ምስዓብ ኢዩ ጉዕዞና። መራሒናን ሓይልናን ከኣ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ፣ ኣብ ጉዕዞ ክርስትናና ንኽንዕወት ሕጂ’ውን ካብ ቅዱስ ወንጌል ኣብነት ዝኾኑና ክንጠቅስ ከም ማሪያም ሓፍቲ ማርታን ኣልኣዛርን ወትሩ ንቓሉ ጽን ክንብል። ከም ቅዱስ ጳውሎስ ዘይሕለል ሰባኺ ወንጌል ንምኻን ወዘተ ቀቅድሜና ተዓዊቶም ኢዮም’ሞ ንስዓቦም፣ ሽዑ ወትሩ ካብ ብሉጽ ናብ ዝበለጸ ሓጎስ፤ ካብ ንፈልጦ ሕይወት ናብ ዘይንፈልጦ ዘለኣለማዊ፤ ካብ ንርድኦ ናብ ዘይንርድኦን ብኣእምሮና ዘይንበጽሖን ምሕረትን ሰላምን ቅሳነትን ወዘተ… ተሳጊርና ምሕረት ኣምላኽ ከነስተማቕር ኢና። ምኽንያቱ ኣብ ጉዕዞ ክርስትናና ፍቕሪ ምሕረትን ሰላምን ኣምላኽ ንምስትምቓር ወሰን ኣልቦ ተኽሎታት ኣሎ። ንኣብነት ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ምስጢረ-ንስሓ፤ ቃል-ኣምላኽ፤ ተሳትፎ ኣብ ሓዋሪያዊ ግብረ -ተልእኾ ወዘተ…ስለዚ ኣብ ዝሓለፈ ሕይወትና ብዝገበርናዮ ጉዕዞ ብዘበርከትናዮ ኣገልጉሎት፤ ብዘዘውተርናዮ ናይ ፍቕሪ ስርሓት ወዘተ… ኣይንዕገብ፣ ገና ነዊሕ ጉዕዞ ቅድስናን ከነበርኽቶ ዘለና ኣገልጉለት ኣሕዋትን ተሪፉና ኣሎ። ነፍሳት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ/ ክርስቶስ ከነምጽእ መርበብና ኣሰናዲና ዕጥቂ እምነት ተዓጢቕና ዳግም ብዝተሓደሰ ሕይወት ንበገስ፣ ሕጂ’ውን ቃል ብጽዕቲ ሮዛ ጋቶርኖ መስራቲት ማሕበርና ክጠቅስ ኣፍቁዱለይ።- “ ኣብ ክርስትያናውን ማሕበራውን ኣገልጉለትና ነቲ ክግበር ዘለዎ ድኣ እንበር ንዝተገብረ ኣይንጠምት” ኢላ ስለእትምዕደና፣ ከመይ እግዚኣብሔር ሓዲሽ ዓመትን ዓመተ-ምሕረትን ኣብ ኢድና ዝህበና ዘሎ ገና ንኸነፍቅሮን ከነገልግሎን ዝብል ዓላማ ሕይወትና ንኸነተግብር ኢዩ።

ኩሉ ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን!ኣሜን
ሶር ለተኪዳን ብስራት

እቲ ብዙሕ ዘፍቅር ብዙሕ ኃጢኣት ይሕደገሉ

 

ሓደ ካብ ፈሪሳውያን ንኢየሱስ ምስኡ ኺበልዕ ሓተቶ። ናብ ገዝኡ አትዩ ድማ አብ መአዲ ተቐመጠ። አንሆ አብቲ ዓዲ ሓንቲ ኃጥእ ሰበይቲ ነበረት፤ አብ አንዳ አቲ ፈሪሳዊ አብ መአዲ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት ድማ ቕዱይ ቕብኢ ዝመልኦ ብአልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቓጥ አብምጽአት። ብድኅሪኡ አብ ጥቓ አግሩ ኾይና አናበኸየት በቲ ንብዓታ አግሩ ክተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸግሪ ራእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፤ ቅዱይ ቅብኢውን ትቐብኦ ነበረት።
እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርአዩ፤ “አዚ ነቢይ አንተ ዚኸውንሲ አዛ ትትንክዮ ዘላ ሰበይቲ ኃጥእ ኢያ አሞ አንታወይትን ከመይ ዝበለትን ምኻና ምፈለጠ ነይሩ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። ኢየሱስ ከአ “ ስምዖን ዝብለካ አሎኒ” በሎ፤ ንሱ ኸአ “ መምህር ተዛረብ በሎ፤ ንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፡ አብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ አብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዚፈዲዩዎ ስለዝሰአኑ ግና ንኽሊቲኦም ሓደገሎም። ካብአቶም አቲ አዝዩ ዜፍቅሮም መኖም ኢዩ፧ ስምዖን ከአ “ ንአይሲ እቲ ብዙሕ ዝተኃድገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ፡ ኢየሱስ ከአ “ ቅኑዕ ፈረድካ” በሎ።
ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ንስምዖን ከምዚ በሎ፤ “ነዛ ሰበይቲ እዚአስ ትርእያዶ አሎኻ፧ ናብ ቤትካ አትየ ንእግረይ እካ ማይ አይሃብካንን፧ አዚአ ግና ብንብዓታ አእጋረይ አጠልቀየት፡ ብጸግሪ ርእሳውን ደረዘት። ንስኻ አይተሳለምካንን፡ አዚአ ግና ካብ ዝአቱ ጀሚራ አእጋረይ ካብ ምስዓም አየቃረጸትን። ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ አይቀባእካንን፤ አዚአ ግና አእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ቐብአት። ስለዚ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት ንእአ ብዙሕ ኃጢአት ተሓዲጉላ ኢዩ፤ አብለካ አለኹ።
እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ግና ሒደት እዩ ዘፍቅር። ንእአ ድማ ፡ “ ኃጢአትኪ ተኃዲጉልኪ ኢዩ በላ። አቶም ምስኡ አብ መአዲ ተቀሚጦም ዝነበሩ ኸአ ብልቦም፡ “ እዚ ኃጢአት ኪኃድግ ዚኸእልስ መን ኮን ኮይኑ እዩ፧” ኢሎም ሓሰቡ። ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “ እምነትኪ እያ ዘድኃነትኪ፡ ብሰላም ኪዲ” በላ። “ፈሪሳውያን መሲሕ ምስ መጸ፣ ንሓጥኣን ኣጥፊኡ፣ ንጻድቃንን ቅዱስንን ሓዲሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘቅውም ይኣምኑን ይምህሩን ነይሮም። ኢየሱስ ግና “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን ኢዮም” ይብል። ንኢየሱስ ዘድልይዎ ኣነን ንስኹምን ኢና። ግና ብእምነት ናብኡ ክንቀርብ የድሊ። አነ ንጥዑያት ኪጽወዕ አይመጻኹን አንታይ ደአ ንሕሙማት… ዝብል ተልእኾ አምላኽ አብዚ ብግሊጺ ንረኽቦ።
ኢየሱስ ብስምዖን ተዓዲሙ አብ ገዝኡ ንኽምገብ አይነጽግን ድልውነቱ ይገልጽ። ብፍላይ ነቶም ንቃላቱን ምሕረቱን ዝጸምኡ ፍጡራት። ካብ ኩሉ ፍርዲ ነጻ ኮይኑ ይቀርብርና፡፤ ናይዚ ምስክርነት:- ምስ ሓጢአተኛታት ይበልዕን ይሰትንአብ ገዛ ናይ ማቴዎስ ይአቱ: ገዛ ናይ ዘካሪያስ: ገዛ ማርታን ማሪያምን: ነታ አብ ዙሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ይምሕር . . . ተጋባራት ናይ ወዲሰብ ብዘየገዲስ ብዘይ ፍልልይ ምሕረት ይአዝዝ።
ነቲ ዝሰብኮ ብተግባር አብ መንጎ አሕዛብ ብተአምራት ይፍጽም። አብዚ ግዜ ኢዩ አምበአር ብዘይተጸበይዎ መገዲ አዛ ሰበይቲ አብ መንጎኦም ትርከብ። ብሓቂ ብትብዓት ከአ ሓደ ዘይተጸበይዎ ትገቢር፡ ብትሕትና አብ አግሪ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምብርካክ ትበኪን ትነብዕን ብንብዓታ ድማ አግሪ መድኃኒና ተጠልቂ፥ ብጸግራ ረእሳ ድማ ትደርዝ። አዚ ብኽያትን ንብዓትን ግና ውሽጣዊ መለኽቲ ነበሮ።
ቅዱስ አምብሮዝዮስ ብዛዕባ አዚ ክዛረብ ከሎ፡ ከምዚ ይብል” አብ ቤተክርስቲያን ማይን ንብዓትን አሎ፤ ማለት ናይ ጥምቀት ማይን፡ ናይ ንስሓ፡ ጣዕሳ ንብዓትን። በዚ ቅዱስን – እምነትን ዝመልኦ ተግባር፤ ድኻምነታ ትግልጽት: ንስሓ ምሕረትን ዕርቅን ምስ አምላኻ ትሓትት::
ሓጥአትካ ምፍላጥን ምቅባልን ንምሕረት አምላኽ ንምቅባል ቁሩብ ምካን ማለት ኢዩ:: በዚ ድማ ንሕይወትካ ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋት ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ እዛ ሰብ እዚአ ብስጋ እካ ህልውቲ እንተነበረት ብመንፈስ ግና ምውቲ ነበረት። ናይቲ ጥፉእ ወዲውን ክንዝክር ንኽእል: ክምለስ ከሎ ገና ርሑቅ ከሎ ወዱ ከም ዝኾነ የለልዮ። ወንጌል “ረአዮ እሞ ራሕርሓሉ” ይብለና። ቀጺሉ “ስብሕቲ ላም ኣምጺእኹም ሕረዱ፡ ንብላዕ ንተሐጐስ። ምኽንያቱ እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ ኢዩ” ይብል። ካብ እግዚአብሔር ሪሒቃ ነበረት። ሕይወት አይነበራን .. ሕይወት ክትረክብ ምስ አምላኻ ክትዕረቕ ነበራ፡ ናብ ንስሓ ክትምለስ ነበራ። “ ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ አምላኽ ምእንቲ እታ ብአአ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንአና፤ ብበደልና ምውታት እካ እንተነበርና ምስ ክርስቶስ ሕያዋን ገበረና። ኤፌ. 2፡4-5 ንገዛእ ርእስኻ “ተጋግየ” ኢልካ ምውቃስ የዲሊ። በደሉ ዚፈልጥ ጥራይ’ዩ ንጌጋ መገዲ ሓዲጉ ናብ ቅኑዕ ዘምርሕ። አብቲ ምሕረት አምላኽ ዘስተማቀርናሉን ዝተቀብልናሉን ንኹላትና ሓደ ሓድሽ ሕይወት፤ መገዲ ይኽፈተልና።
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ተግባር ናይታ ሰበይቲ ከይተገረመ ሱቅ ይብላ ኩሉ ንኽትፍጽም ይቅበላ። ካብዚ ጀሚራ ሕይወታ ይልወጥ፤ ነጻ ትኸውን፡ ሓድሽ ሕይወት ብሓጎስን ተስፋን ትጅምር:: ስምዖን ግና በዚ ይዕንቀፍ … ምስ ሰበይቲ ብምዝራቡ እሞ ኸአ ምስ ሓንቲ ኃጢአተኛ “አዚ ነቢይ አንተ ዚኸውንሲ አዛ ትትንክዮ ዘላ ሰበይቲ ኃጥእ ኢያ አሞ አንታወይትን ከመይ ዝበለትን ምኻና ምፈለጠ ነይሩ” ስለዚ ነዛ ሰበይቲ ይፈርዳ፤ ይኹንና፡ አዚ እቲ አብ መዓልታዊ ህይወትና አንገብሮ እንፍጽሞን ተግባር ኢዩ።
– ክንደይ ኢና ነሕዋትና እንፈርድ፧
– ክንደይ ኢና ልባትና ነሕዋትና ካብ ኩሉ አራአእያናን አተሓሳስባናን ወጺና ብዓይኒ ፍቅሪ አንጥምት፧
መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ልቢ ወዲ ሰብ ዝምርምርን፤ ነዚ ሓሳባት ናይ ስምዖን ይበጽሖ።
“ ስምዖን ዝብለካ አሎኒ” በሎ፤ ንሱ ኸአ “ መምህር ተዛረብ በሎ፤
ንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፡ አብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ አብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዚፈዲዩዎ ስለዝሰአኑ ግና ንኽሊቲኦም ሓደገሎም። ካብአቶም አቲ አዝዩ ዜፍቅሮም መኖም ኢዩ፧ ስምዖን ከአ “ ንአይሲ እቲ ብዙሕ ዝተኃድገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ፡ ኢየሱስ ከአ “ ቅኑዕ ፈረድካ” በሎ።

አብዚ ነቲ ፈሪሳዊን ኢታ ሰበይትን ብሓደ ዓይኒ ይሪኦም፤ አብ ቅድሚ አምላክ ኩሎም ሓጢአተኛታት ምኻኖም ይገልጽ። ክሊቲኦም ብማዕረ ምሕረት አምላክ ከምዘድሊዮም ይገልጽ። አዛ ሰበይቲ ብልቢ አብ አግሪ አምላኽ ትወድቅ ምሕረት አምላኽ ንምሕታትን ምቅባልን፤ ብዙሕ ድማ ተፍቅር። ብዙሕ ኃጢአት ድማ ይሕደገላ።
ስለዚ ከምቲ አቀዲምና ዝበልናዮ ንሕናውን ከምዛ ሰበይቲ እዚ ብኃጢአትናን ድኻምነትናን ምስ እንቕበልን እንአምንን: አብ ሕይወትና ክርስቶስ ንኽአቱ ነፍቅድ። ካብቲ ልዑል ጎይታ ምሕረት ንኽንቅበል መገዲ ንኸፍት።
አብዚ ከአ እቲ ናትና ስራሕ ይፍጸም:: ብሰላም ኪድ/ዲ – እምነትካ/ኪ አድሒናትካ/ኪ ዝብል ቃል ከአ ንሰምዕ፡ ምኽንያቱ ሓያል ደፋር በዓል እምነት ኮይንካ ወይ ኮይንኪ ስለዝተረከብኪ: ልብኪ ወይ ልብኻ ንክርስቶስ ስለዝኸፈትካ . . ስለዚ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት ንእአ ብዙሕ ኃጢአት ተሓዲጉላ ኢዩ፤ አብለካ አለኹ። እምነትኪ እያ ዘድኃነትኪ፡ ብሰላም ኪዲ” በላ።
ስለዚ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ርሕሩሕ: ፈቃር: መሓሪ-ኣቦ ምኻኑ፤ ንሓጥአን ዝምሕርን ዘፍቅርን እምበር: ንሓጥአን ዝጸልእን ዝቀጽዕን ከም ዘይኮነ ንተዓዘብቱን ሰማዕቱን የረድእ።
እታ ደም ዝፈሳ ዝነበረት ሰብይቲ ፡ ናብ ኩሎም ሓኻይም ከይዳ ገንዘባ ወዲአ፣ ነዛ ሰብ እዚኣ ብሰብኣዊ መገዲ፣ ሞት እንተ ዘይኮኑ ዝኾነ ተስፋ ኣብዘይነበረሉ ግዜ፥ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናነበረት፣ ንሓጥአንን ተቀበልቲ ቀረጽን ዝቅበልን፣ ምስኦም ሕውነትን ዕርክነትን ዝፈጥር .. ኢየሱስ ምስ ረኣየት፣ ከምቲ ወንጌል ዝብለና ኸኣ ብውሽጣ ጫፍ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኪየ ክሓዊ ኢየ ትብል። “ኣጆኺ ጓለይ መዓረይ እምነትኪ ኣሕውያትኪ” ብኻልእ ኣዘራርባ ኢየሱስ ሎሚውን ንሕና ምስ ኩሉ ቁስልናን ሓጢአትናን ብእምነት ናብኡ ክንቀርብ የተባብዓና።
ንኢየሱስ ብእምነት ክንትንክፎ ከሎና፣ ናይ ኢየሱስ ንጽሕናን ፈዋሲን ሓይልን ናባና ይሓልፍ፣ ዘንጽሕን ዝፍውሰን ሕይሊ። ንኣምላኽ ምቅባልን ናብ ኣምላኽ ምቅራብን ኢዩ ካብ ሓጢኣትና ዘንጽሓናን ካብ ሕማምና ዘሕውየናን። ምኽንያቱ ንኢየሱስ ዘድልይዎ ሓጥኣን ደኣምበር ጻድቃን ኣይኮኑን። ንኢየሱስ ዘድልይዎ ኣነን ንስኹምን ኢና።
ስለዚ አብቲ ሓጢአት ዘለዎ – አብኡ ክርስቶስ አሎ። ምኽንያቱ ናብ ምሕረትን ንስሓን ንኽመልሰና: አብቲ ሕማም ዘለዎ – አብኡ ክርስቶስ አሎ ምኽንያቱ ክፍውሰና: አብቲ ውድቀት ዘለዎ – አብኡ ክርስቶስ አሎ ምኽንያቱ ከተሰአና።
እዚ ማለት ንክርስቶስ አብቲ ንደኽመሉ ብፍሉይ መገዲ ንረክቦ፤ ቁዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ አብቲ ካልአይ መለኽቱ ምዕራፍ 12፡9 ከምዚ ይብል “ ንሱ ከአ ኃይለይ አብ ድኻም ኢዩ ዝግለጽ አሞ፡ ጸጋይ ይአኽለካ” በለኒ። ስለዚ ኃይሊ ክርስቶስ አብ ልዕለይ ምእንቲ ኺኃድር ፡ ብብዙኅ ታሕጋስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። ‘ እምበአር እቲ ንጎይታ ዘሕጉሶ እንታይ ከም ዝኾነ መርምሩ” ኤፌ. 5:10
ስለዚ ከምቲ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኩሉ ዚነበሮ ክብሪ ገዲፉ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዚሃበ ንሕናውን ነቲ ኩሉ ኣባና ዘሎ ክፍኣት፡ ሕመቕ ጉድልነት ክንቀትሎ ክንመውት ኣለና ምእንቲ ዳሕራይ ክነብር። እግዚብሔር ነዚ ይሃግዘና! አሜን።
እግዚኣብሔር ስለ ኩሉ ነገር ዝተባረኸ ይኹን! ኣሜን::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

1 18 19 20