ስብከት ኣቡነ መንግስተኣብ ፡ 8 ሚያዝያ 2018

መኑ ይመስለከ እምነ ኣማልክት እግዚኦ?

ፍቁራትን ፍቁራንን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡

ሎምዘመን እውን እንሆ፣ ምሥጢረ ፋሲካ ኣብ እነብዕለሉ ጊዜ በጺሕና። ምሥጢረ ፋሲካ ክበሃል ከሎ ንሕማማትን ሞትን ትንሣኤን መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዘጠቓልል። ካብ ጸሎት ሓሙስ ጀሚርና ክሳዕ ቀዳም ስዑር ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ቀብሩን ከንስተንትን ድሕሪ ቀኒና ለይቲ ፋሲካ፣ “ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን፣ በዐብይ ኃይል ወሥልጣን፣ ኣሰሮ ለሰይጣን ኣግኣዞ ለኣዳም፡ ሰላም፣ ይእዜሰ ኮነ ፍስሓ ወሰላም”፣ ክርስቶስ ብዓብይ ኃይልን ስልጣንን ካብ ሙታን ተንሢኡ፣ ንሰይጣን ኣሲሩዎ ንኣዳም ከኣ ሓራ ኣውጺኡዎ፣ ሕጂ ከኣ ፍስሓን ሰላምን ኮይኑ፣ እናበልና ኣብቲ ከኣል ኲሉ እግዚኣብሔር ዝፈጸሞ ትንሣኤ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እምነትና ክነሓድስ ንርከብ። ኣብ ምሥጢረ ፋሲካ ክርስቶስ ብብዙኅ ስቓይን ስቕለትን ድሕሪ ሞይቱ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ንሞቚሕ ሞት በጢሱ ሕያው ከምዝኾነ ንኣና ድማ ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ሞት ናብ ሕይወት ከምዘሳገረና የበሥረና። መዝሙር ፋሲካውን “ፋሲካ ብሂል ማዕዶት፡ እስመ ዐደወ እግዚእነ እሞት ውስተ ሕይወት”፣ መድኃኒና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ስለዝተሳገረ ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ ይብለና።

በቲ ሓደ ወገን ሰሙነ ሕማማት፣ ደቅ ሰብ ኣንጻር እቲ ንጹሕን ኣፉ ዘይከፍትን ገንሸል (ኢሳ 53፡7)ክፍኣቶምን እቲ ጊጉይ ኃይሎምን ዘርኣዩሉ መዓልታት እዩ። ኣብዚ መዓልታት እዚ ንጊዚያዊ ጥቕምኻ ኢልካ ንንጹሕ ሰብ ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ ብሓሶት ከሲስካ ኣብ ፍርዲ ምቕራብ፣ ንሰብ ፈሪህካ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ምፍራድ፣ ነቲ ድሮ ተኣሲሩ ዘሎ እሞ ክከላኸል ዘይኽእል፡ ብዘይ ምሕረት ምግራፍ፣ ምጽፋዕ፣ ኣብ ገጹ ጡፍ ምባል፣ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል እሾኽ ምድፋእ፡ ዓይኑ ሸፊንካ ዘይክዳኑ ኣልቢስካ ምልጋጽ፣ ዝስቀለሉ መስቀል ተሰኪሙ እናወደቐን እናተንሥአን ከምዝጐዓዝ ምግባር፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ኣብ መስቀል ምሽንካር፣ ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ ከሎ እንደገና ምልጋጽ፣ ብኲናት ጐድኑ ምውጋእ፣ ከም ዓወት ቆጺሮሞ ተዓዊትና ኢሎም። ምናልባት ደቀ መዛሙርቱ ካብ መቓብር ሰሪቖም ወሲዶም ደሓር ተንሲኡ ከይብሉ ካብ ጲላጦስ ወተሃድራት ለሚንካ ብጽኑዕ ምሕላው ኣብ ኣፈ መቓብር ከኣ ዓብይ ደንጎላ ምዕጻው ከም ሰብኣዊ ጥበብን ዓወትን ተሓሲቡ ይኸውን። መድኃኒና ግን ነዚ ኲሉ ዝጾረ ከምቲ ነቢይ ኢሳያስ “ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፣ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፣ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፣ ንሓና’ውን ብስምብራቱ ሓዌና”(ኢሳ 53፡5)ዝበሎ ንሕና ድኅነትን ሓርነትን ምእንቲ ክንረክብ እዩ። ኃይሊ ሰብ ግን ነባሪ ኣይኮነን።

ቀዳም ስዑር መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ ገና ኣብ መቓብር ከሎ እታ ሃገር ሙታን ዝኾነት ሲኦል ደንጊጻ “ወትቤ ሲኦል ኣይ ውእቱ ዝንቱ ዘእምሥልጣንየ ሥጋ ለቢሶ ዘሞዐኒ፣ መኑ ውእቱ ዝንቱ ዘምድረ ለብሰ፣ ውእቱኬ ሰማያዊ ውእቱ፣ በኣሓቲ ምክር ምስለ ኣቡሁ ሰማያተ ገብረ” መን እዩ እዚ ሥጋ ለቢሱ ካብ ሥልጣነይ ዝሰዓረኒ? መን እዩ እዚ ሰማያዊ እንከሎ ናይ ምድሪ ለቢሱ ብሓንቲ ምኽሪ ምስ ኣቡኡ ንሰማያት ዝፈጠረ(ሥርዓት ቀዳም ስዑር)ክትብል ንርኢ። እቲ ብሓንቲ ቃል ንዓለም ዝፈጠረ ኣምላኽ ብሓንቲ ቅጽበት ነቲ ኲሉ ኃይሊ ሞትን ክፍኣትን ኣሸኒፉ ሕያው ኮነ። በዚ ምኽንያት ኢና ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴና ካብ ወንጌል ቅዱስ ሉቃስ ምስ ተነበልና፣ “ኦ እግዚኣብሔር ካብ ኣማልኽቲ ንኣኻ ዚመስል የልቦን፣ ከም ግብርታትካውን ዝገበረ ከቶ የልቦን። –ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ፡ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ” (መዝ 86፡8.10)ዝብል መዝሙር ዳዊት ብምጥቃስ ነዚ ዝስዕብ ዓብይ ናይ እምነትን ናይ ምሥጋናን ስራሕ ንደግም፣“መኑ ይመስለከ እምነ ኣማልክት እግዚኦ? ኣንተ ውእቱ ዘትገብር መንክረ፣ ኣርኣይኮሙ ለሕዝብከ ኃይለከ፣ ወኣድኃንኮሙ ለሕዝብከ በመዝራዕትከ። ሖርከ ውስተ ሲኦል ወኣዕረገ ጼዋ እምህየ፣ ወጸጎከነ ምዕረ ዳግመ ግዕዛነ፣ እስመ መጻእከ ወኣድኃንከነ። ኦ ጐይታ! ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ መን እዩ? ተኣምራት እትገብር ንስኻ ኢኻ፣ ንሕዝብኻ ኃይልኻ ኣርኣኻዮም፣ ብቕልጽምካ’ውን ንሕዝብኻ ኣድኃንካዮም። ናብ ሲኦል ከድካ፣ ካብኡ እውን ምርኮ ኣውጻእካ፣ ሓንሳእ’ውን ዕጽፊ ሓርነት ሃብካና፣ መጺእካ ስለዘድኃንካና ነመስግነካ ኣሎና።

ብዙኅ ዘፍርሃና ነገራት ኣሎ። ልዕሊ ኲሉ ግን ሞት እያ ተፍርኃና። በቲ ሓደ ወገን ምድራዊ ሕይወትና ስለዘቋርጽ ፈተውትና ስለንሓድግ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፣ ድሕሪ ሞት እንታይ ከምዝጽበየና ብርግጽ ስለዘይንፈልጥ ንሞት ኣዚና ንፈርኃ። እዚ ፍርሂ እዚ ግን ባሕርያዊ እዩ። ጐይታ ከኣ ካብዚ ፍርሃት እዚ ሓራ ምእንቲ ከውጽኣናን መንገዲ ሕይወት ምእንቲ ክኸፍተልናን ኢሉ እዩ ሞይቱ ዝተንሥአ። “ሞተ ዘኢይመውት፡ ሞተ ከመ ይስዐሮ ለሞት፡ ሞተ ከመ ያሕይዎሙ ለሙታን” እቲ ዘይመውት ሞተ፣ ንሞት ምእንቲ ክስዕሮ ሞተ፣ ንሙታን ሕይወት ምእንቲ ክህብ ሞተ(ቅዳሴ፡ እምቅድመ ዓለም)። በዚ ምኽንያት፣ በእንተ ዝንቱ ንሴብሓከ፣ ወንጸርሕ ኃቤከ እንዘ ንብል፣ ቡሩክ ኣንተ እግዚኦ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እስመ መጻእከ ወኣድኃንከነ”፣ ‘ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ መጺእካ ኣድኂንካና ኢኻ እሞ ብሩኽ ኢኻ’ እናበልና’ነመስግነካ ኣሎና፣(መጽሓፈ ቅዳሴ፡ ድሕሪ ወንጌል ሉቃስ) ብዝብል ድምጺ፣ ዓሚቚ ናይ እምነትን ኣምልኾን ስራሕ ንገብር። ሓደ ጥንታዊ ስብከት ብዛዕባ ናይ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን፡ ምቕባርን፡ ናብ ሲኦል ምውራድን ትንሣኤን ዓብይ መግለጺ ይህበና። ካብ ትርጉም ቀዳም ስዑር ተበጊሱ እቲ ሰባኺ ከምዚ ይብል፣ “ሎሚ ኣብ ምድሪ ከቢድ ሱቕታ፣ ረዚን ጸጥታ ብሓቂ’ውን ከቢድ ከውታ ነጊሡ ይርከብ። እቲ ንጉሥ ደቂሱ

ስለዘሎ ዓብይ ጸጥታ ሰፊኑ። ኣምላኽ ብመደብ ሥጋ ደቂሱ፣ ነቶም ኲሎም ዓለም ካብ ዚፍጠር ኣትሒዞም ዝደቀሱ ከኣ ስለዘተንሥኦም—መሬት ኣንቀጥቂጣ፣ ብሱቕታ ከኣ ተዋሒጣ ትርከብ። ንዝጠፍአት በጊዕ ከምዘናድዩዋ፣ ነቲ ቀዳማይ ኣቦና ኣዳም ከናዲ ከደ። እቲ ብሓደ ወገን ኣምላኾም፣ በቲ ሓደ ከኣ ወዲ ሔዋን ዝኾነ፣ ነቲ ኣብ መቑሕ ዝነበረ ኣዳምን፣ ምስኡ ምርኮይና

 

ንዝነበረት ሔዋንን ካብ ሓዘን ሓራ ምእንቲ ከውጽእ፣ ነቶም ኣብ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ይነብሩ ዝነበሩ ንኪበጽሖም ብባህጊ ናብኦም ከደ። ‘–ኣነ ምእንታኹም ክብል ውሉድኩም ዝኾንኩ ኣምላኽኩም እየ—ስለዚ ኣታ ትደቅስ ዘሎኻ እእዝዘካ ኣሎኹ፣ –ተንሥእ (ንቓሕ)። ናይ ሲኦል ሙቁሕ (ሕቡስ)ኮይንካ ክትነብር ኢለ ኣይፈጠርኩኻን። ካብ ሙታን ተንሥእ፣ ከመይሲ ኣነ ሕይወተ (መንሥኤ)ሙታን እየ”(መ.ሃ.ቊ 635)። “ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና፣ ምስኡ ድማ ብሕይወት ከምእንነብር ንኣምን ኢና፣ ከመይ እቲ ካብ ምውታት ዝተንሥአ ክርስቶስ መሊሱ ከምዘይመውት ንፈልጥ ኢና” (ሮማ 6፡8)።

እቲ ኣዝዩ ዓሚቚ ምሥጢር ዝሓዘለ መዛሙር ናይ ዘመነ ትንሣኤ እውን ብዝተፈላለየ መንግዲ ነቲ ኣብ ለይቲ ፋሲካ ብመድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ዓብይ ተኣምርን ኃያል ተግባርን ክገልጹ ንረኽቦም። ንኣብነት፣ “ተንሥኣ ወኣንሥኣ ኲሎ ሙታነ፡ ተንሥኣ ወፈትሖሙ ለሙቁሓን”፣ ተንሢኡ ንኲሎም ዝሞቱ ኣተንሥአ፣ ንእሱራት ከኣ ፈትሐ። “ኣርኣየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት፡ ገባሬ ሕይወት ክርስቶስ” እቲ ፈጣሪ ሕይወት ክርስቶስ፣ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣኑ ኣርኣየ። “ትንሥኤሁ ገብረ በሰንበት፣ ወሰበረ ኆኃተ ብርት፣ እግዚኣ ለሰንበት፣ ኣመ ሣልስት ዕለት ሞዖ ለሞት ገብረ ትንሣኤ በሰንበት” ትንሣኤኡ ብሰንበት ገበረ፣ መዓጹ ሓጺን ሰበረ፣ ጐይታ ሰንበት ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ፣ ትንሣኤ ከኣ ብሰንበት ገበረ(መዛሙር ዘዘመነ ትንሥኤ)ዝብሉ ይርከብዎም። እቲ “መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ”(ዮሓ 14፡6)ዝበለና መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብትንሣኤኡ ኣብ ልዕሊ ሞት ምሉእ ሥልጣን ከምዘለዎ ኣርእዩና። በዚ ምኽንያት ኢና፣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክንሳተፍ ከሎና፣ ብዝተሓደሰ እምነትን ብትብዓትን፣ ዕለት ዕለት “ንዜኑ ሞተከ እግዚኣ፣ ወትንሣኤከ ቅድስተ፣ ነኣምን ዕርገተከ ወዳግመ ምጽኣተከ፣ ንሴብሓከ ወንትኣመነከ፣ ንስእለከ ወናስተበቊዓከ፣ ኦ እግዚእነ ወኣምላክነ”፣ ኦ ጐይታ! ሙማትካን ቅድስቲ ትንሣኤኻን ነበሥር ኣሎና፣ ዕርገትካን ዳግማይ ምጽኣትካን እውን ንኣምን ኢና። ነመስግነካን ንእመነካን፣ ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ንልምነካን ንምሕጸነካን ኣሎና (ቅዳሴ ሓዋርያት)እናበልና ከየቋረጽና ነቲ ክሳዕ መጨረስታ ንዝኽረይ ግበርዎ ዝበለና መስዋዕቲ ሞቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ዳግማይ ምጽኣቱን ነተግብር። ብሓቂ “ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚብልዎ፣ ክርስቶስ ምእንቲ ኃጢኣትና ሞተ፣ ተቐብረ፣ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚብልዎ ከኣ ‘ብሣልሳኣይ መዓልቲ ተንሥአ፣ ንኬፋ ተራእዮ፣ ደኃርውን ነቶም ዓሠርተው ክልተ ተራእዮም። ብድኅሪኡ ካብ ኃሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝኁ ኣሕዋት ብሓደ ጊዜ ተራእየ” (1ቆሮ 15፡3-6)። እዚ እዩ እቲ ነቕ ዘይብል እምነት ቤተክርስትያን፣ እዚ እዩ እምነት ነፍስወከፍና!!

ኢየሱስ ብምትንሣኡ “ናይቶም ዝሞቱ ቦዂሪ ትንሣኤ ኮነ። ስለዚ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፣ ከምኡ ከኣ ትንሣኤ ሙታን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ኲላቶም ብኣዳም ዝሞቱ ከምኡ ድማ ኲላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ክኾኑ እዮም” (1ቆሮ 15፡20-22)። እዚ እዩ እምነትና፣ እዚ ከኣ እዩ ተስፋና። ከምቲ ምእንቲ ሙታን እንገብሮ ጸሎት ዝብሎ፡ “እስመ ኣልቦሙ ለኣግብርቲከ ሞት ኣላ ፍልሰት” ንኣገልገልትኻ ካብዛ ምድሪ ምግዓዝ እምበር ሞት የብሎምን(መስተግቊዕ ዘሙታን፣ እጊዚኣ ሕያዋን)። ድሕሪ ትንሣኤ ክርስቶስ፣ ሞት ንኣና ንኣመንቲ ከተፍርሃና ወይ ክተርዕደና የብላን። ምስ ክርስቶስ ኮይንና እንተገጢምናያ ንሞት ክንብድሃ ንኽእል ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፎ ንኣና’ውን ሎሚ ዘበራትዕን ዘጸናንዕን እዩ። “እቲ በራሲ ዘይምብራስ፣ እቲ መዋቲ’ውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፣ ሽዑ፣ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ ዚብል ቃል ጽሑፍ ኪፍጸም እዩ። ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ዓወትካ? ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ምውጋእካ? ሞት ብኃይሊ ኃጢኣት ገይራ ትወግእ፣ ኃጢኣት ከኣ ካብ ሕጊ ኃይሊ ትረክብ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይዂኖ (1ቆሮ 15፡54-57) ክንብል ኢና። ኢየሱስ “ምእንቲ ኃጢኣትና በጃ ዝኾነ፣ ንኣና ንከጽድቕውን ካብ ሞት ዝተንሥአ እዩ”(ሮማ 4፡25)። ተስፋ ኣይንቊረጽ፡ እምነትና ደኣ ነሓድስ። ትንሣኤ መድኃኒና ኣብ ልዕሊ ሞትን ክፍኣትን ዝተፈጸመ ወሰን ዘይብሉ ዓወት እዩ። ንሕናውን ሳላኡ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ክፍኣት፣ ኣብ ልዕሊ ሓሶትን ተንኮልን፡ ብልሽውናን ሕማቕ ልማድን ከነሸንፍ ከምእንኽእል ርጉጻት ኢና። ክርስቶስ “ንጸላእቱ ሃዲሞም ንድኅሪት ክሳዕ ዚምለሱ ሰዓሮም፣ ንሓዋሩ ከኣ ተነዊሮም ከምዚተርፉ ገበሮም”(መዝ 78፡66)። ቀዳሞት ጸላእትና ከኣ፣ ሰባት ዘይኮኑ፣ እቶም ኣብ ውሽጥና ዘለው ትዕቢት ስስዕቲ ቅንኢ ሃኬት ርኽሰት ዛሕሊ እዮም።

ንኣና ንክርስትያን በዓለ ትንሣኤ መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓንዲ ማእከል እምነትናን ኣምልኾናን እዩ። ስለዚ እቲ ቀዳማይ መዝሙርና “ኣማን በኣማን ኣማን በኣማን ተንሥኣ እምነ ሙታን” ብሓቂ ብሓቂ ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ገለ ምሥራቓዊ ሥርዓት ዝኽተላ ሃገራት፣ ኲሎም ኣመንቲ ካብ ፋሲካ ክሳዕ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘሎ መዓልታት፣ ኣብ ክንዲ “ ሓደርካ፡ መዓልካ” ምባል “ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲኡ”፣ “እወ ብሓቂ ተንሲኡ” ብምባል ሰላምታ ይለዋወጡ። ንኣና ንክርስቶሳውያን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ “ክርስቶስ ዘይተንሥአ እንተኮይኑ ስብከትና ከንቱ እዩ፣ እምነትኩም’ውን ከንቱ እያ” 1ቆሮ 15፡14)። እምበኣር “ምሥጢረ ፋሲካ ክልተ ገጽታ ኣለዎ። በቲ ሓደ ክርስቶስ ብሞቱ ካብ ኃጢኣት ሓራ የውጽኣና፣ በቲ ካልእ ድማ ብትንሣኤኡ ናይ’ታ ሓዳስ ሕይወት መንገዲ ይኸፍተልና”(መ.ሃ.ቊ 654)። እዚ ከኣ እቲ ዝዓበየ ኃይሊ እዩ። ምስባክ ናይ በዓለ ትንሣኤ ናይ ኣሸናፊ መዝሙር እዩ፣ “ወተንሥኣ እግዚኣብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፣ ወከመ ኃያል፣ ወኅዳገ ወይን፣ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ” ሽዑ እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዚትንሥእ ሰብ ተንሥአ፣ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥአ(መዝ 78፡65)። በዚ ምኽንያት ኢና ነቲ ኲሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ነቲ ንሞት ኣሸኒፉ ዝተንሥአ ክርስቶስ “መኑ ይመስለከ እምነ ኣማልክት እግዚኦ?” እናበልና ንውድሶ። ብሓቂ ከኣ ኣብዚ ዘመነ ትንሣኤ ነቲ ፈጺሙ ዘይንዓቐና፣ እኳ ደኣ፣ ኣዝዩ ዘኽበረና ዘፍቀረናን ኣምላኽና ከነኽብሮ፣ ነቲ ንሱ ዝብለና ክንሰምዕ፣ ንሱ ዝኣዘዘና ክንፍጽም ንተዓጠቕ። ነኢ ካብ ሙታን ዝተንሥአ ኢየሱስ “ብዘይካኻከ መንዶ ኣሎና እዩ? ትንሣኤከ ለእለ ኣመንነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ፣ ንኣና ኣብ ትንሥኤኻ ንዝኣመንና ብርሃንካ ፈንወልና” ንበሎ። ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት ካብ ኮነ፣ ኣብ ሕይወትና ለውጢ ከነርኢ ኣሎና። ኣብ ጸልማት ዝነበርና ናብ ብርሃን፡ ባራዩ ኃጢኣትን ሕማቕ ልማድን ዝነበርና ናብ ምሉእ ናጽነት፣ እቶም ሞይትና ዝነበርና ከኣ ናብ ሓዲስ ሕይወት ክንሳገር ብኃይሊ ሞቱን ትንሣኤኡን ይሓግዘና። ኃቢርና ከኣ “መኑ ይመስለከ እምነ ኣማልክት እግዚኦ?” ኦ ጐይታና!ብስቓይካን ሞትንካን ትንሣኤኻን ስለዘድኃንካና ነመስግነካ ኣሎና! “ኦ እግዚኣብሔር፣ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቅድስና ከማኻ ዝኸበረ፣ ብግርማ ከማኻ ዝተፈርሀ፣ ገባር ተኣምራት መን ኣሎ?(ዘጸ 15፡11)። ሳላኻ፡ መዝሙር ዓወት ክንዝምር ክኢልና!ንበሎ።

ንኩልና ድማ ዝተባረኸ ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ትንሣኤን ይኹነልና። ኣሜን።

 

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋ ማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ

“ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” (ማር 8፡29)

መልእኽቲ ንበዓለ ልደት ካብ ሊቀ ጳጳሳት ዘበአስመራ (ኤርትራ) ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም’ 2017

ኣብ ንእስነትና፡ ትምህርተ ክርስቶስ ክንመሃር ከሎና፡ “ምሥጢረ ሥጋዌ እንታይ ማለት እዩ?” ንዝብል መሠረታዊ ሕቶ፣ ብሓጺሩ፡ “ወልደ እግዚኣብሔር ሰብ ኮነ ማለት እዩ”፣ ወይ ከኣ ብንውሕ ዝበለ ኣገባብ፣ “ወዲ ኣምላኽ ምእንታና ምእንቲ ድኅነትናን ቢሉ ኣብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ። እዚ ማለት ድማ ንኣና ንኃጢኣተይናታት ምስ ኣምላኽ ከተዓርቕ፣ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣምላኽ ክገልጸልና፣ ናይ ቅድስና ኣርኣያ ኪኾነና፣ ‘ተሳተፍቲ መለኮታዊ ባህርዩ’ ምእንቲ ክንከውን (2ጴጥ 1፡4)) ክርስቶስ ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ” (ጥርኑፍ መዝገበ ሃይማኖት ቊ 85) ብምባል ኢና እንምልሶ። እዚ መልስ’ዚ ብብዙኅ ዘመናት ቤተክርስትያን ዘማዕበለቶን ዘዕሞቖቶን ናይ እምነት መልሲ እዩ።

መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፊሊጶስ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ? ዝብል ንሓዋርያቱ ዘቕረበሎም ሕቶ ግን ቀሊል ኣይነበረን። ሃንደበታዊ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ ከቢድ ሕቶውን እዩ ነቢሩ። በዚ ምኽንያት እዩ ኢየሱስ ነቲ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ”(ማቴ 16፡16)፡ ማለት፡ ቅቡእ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ብምባል መልሲ ክህብ ዝፈተነ ቅዱስ ጴጥሮስ እኳ፡ “ስምዖን ወዲ ዮና እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ ብፁዕ ኢኻ” (ማቴ 16፡17) ቢሉ እዩ ዝመለሰሉ። እምበኣር ብመሠረቱ፡ ንክርስቶስ ምፍላጥ፡ ምሥጢር ትስብእቱን (ሰብ ምዃኑ)፡ ስብከቱን፡ ሕማማቱን፡ ሞቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ንምርዳእ እምበኣር ህያብ ኣምላኽ እምበር ፍረ ጻዕሪ ሰብ ኣይኮነን ማለት እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ኣብርሂሉኳ ሽዑ ነዚ ዝተጠቕሰ መልሲ እንተሃበ ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ከጋጥሞ ዝነበሮ ሕማማትን ሞትን ምስ ገለጸሉ ግን ፍልጠቱን ርድኢቱን ኣዝዩ ድሩት ከምዝነበረ ኣረጋጊጹ እዩ። ፈሊጠ ኢሉ ንኢየሱስ “ ጐይታ የድኅንካ እባ ደኣ፣ እዚ ነገር’ዝስ ከቶ ኣባኻ ኣይውረድ እናበለውን ኪገንሖ ጀመረ። ኢየሱስ ግና ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ‘ካባይ ረሓቕ ሰይጣን፣ ንስኻ ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ’ በሎ” (ማቴ 16 22 23)።

በዓለ ልደት ከነብዕል ከሎና ነዚ ባዕሉ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘቕረበሎም ሕቶ መልሲ ክንህብ ይግብኣና። እቲ ኣብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ኣብ ቤተልሔም ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ፡ ሰብኣ ሰገል ዝሰገዱሉ፡ ንጉሥ ሄሮድስ ክቐትሎ ምስ ደለየ ማርያም ኣዲኡን ዮሴፍ ጻድቕን ሒዞምዎ ንግብጺ ዝሃደመ ሕጻን መን እዩ ትብልዎ? እንተንበሃልከ ከመይ ዝበለ መልሲ ምሃብና?። ንእትፈልጦን እትጽበዮን ኢኻ እትቕበል እምበር ንዘይትፈልጦ ንዘይተጸባኻዮ ጋሻ ክትቅበል ትሽገር ኢኻ። እግዝእትነ ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ከም ትእዛዝ ኣጉስጦስ ቄሳር ክምዝገቡ ካብ ናዝሬት ናብ ቤተልሔም ምስ ተጓዕዙ፣ ዝፈልጥዎም ኣይረኸቡን። በዚ ምኽንያት ከኣ “ንኣኹም ዝኸውን መኅደሪ ኣጋይሽ የብልናን” ቢሎም መለሱሎም እሞ ካብቲ ከተማ ወጺኦም ኣብ መብልዕ ማል ክጽግዑ ተገደዱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከምዝበልዎ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝሓድረሉ ቦታ ሰኣነ። ካብ ከተማ ወጻኢ ተወሊዱ ካብ ከተማ ወጻኢ ድማ ኣብ ቀራንዮ ተሰቒሉ ሞተ። ወዮ ኢሳይያስ ነቢይ “ሕፃን ተወሊዱልና፣ ወዲ ተዋሂቡና እዩ። ንሱ ከኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ። ንሱ ግሩም መኻሪ፣ ብርቱዕ ኣምላኽ፣ ዘለዓለማዊ ኣቦ፣ መስፍን ሰላም፣ ተባሂሉ ኪጽዋዕ እዩ” (ኢሳ 9፡6) እናበለ ዝተነበየሉ ንጉሥ ደኣ ከመይ ኢሉ መኅደሪ ቦታ ይስእን?

ቅዱስ ወንጌል፣ ንመድኃኔ ዓለም ብእምነትን ብክፉት ልብን ካብ ዝተቐበልዎ ሰባት፣ ብፍላይ ፣ እኖና እግዝእትነ ማርያም፣ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ፣ ዘካርያስ፡ ዮሓንስ መጥምቕ፣ ቅዱስ ዮሴፍ፣ እቶም ጓሶት ቤተልሔም፣ ካብ ርሑቕ ኮኾብ መሪሑዎም ክሰግዱሉ ዝመጹ ሰብኣ ሰገል፣ ኣብ ቤተ መቕድሰ ዝተቐበልዎ  ስምዖን ነቢይን፡ ሃናን ነቢይትን ይጠቅስ። እዚኣቶም ልቦም ከፊቶም ብተስፋ ንመድኃኔ ዓለም ዝጽበዩ ዝጸንሑ ምዃኖም ብተግባርን ብቃልን መስኪሮም እዮም። ብፍላይ ስምዖን ነቢይ~ “ኦ ጐይታ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ። ከመይ ኣዕይንተይ ነቲ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን። እዚ ከኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ኲሉ ሕዝቢ ዘዳሎኻዮ ድኅነት እዩ። ንሱ እቲ ንኣሕዛብ ብርሃን፣ ንሕዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ ዚገልጽ እዩ። ኣቦኡን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ ዝተባህለ ነገራት ተገረሙ” (ሉቃ 2፡29-33)። እቶም ብትሕትናን ብተስፋን ዝጽበዩ፡ ከም ማርያምን ዮሴፍን፡ ከምቶም ኣብ በረኻ ዝሓድሩ ዝነበሩ ጓሶትን ይግረሙ፡ የመስግኑ፡ ይሰግዱ፡ የምልኹ። ንሕናውን ኣብዚ ልደተ ጥምቀት እነብዕለሉ ዘሎና ጊዜ፡ “ብሓቂዶ ንክርስቶስ እፈልጦን እፈትዎን እኽተሎን እየ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ንርእስና ክንሓትት፣ ልብና ከፊትና ብምግራምን ብታሕጓስን ክንቅበሎ ድልዋት ምዃናን ዘይምዃናን ክንምርምር ንጽዋዕ ኣሎና። ሎሚውን ‘ንስኻኸ መን እዩ ትብለኒ? ንስኺኸ መን እዩ ትብልኒ?’ ዚብል ሕቶ ይቐርበልና ኣሎ ማለት እዩ። ንፈልጦዶ ንኸውን? ነፍቕሮዶ ንኸውን? ፣ በቲ ንሱ ዝደልዮ መንገዲዶ ንጓዓዝ ንኸውን? ኣብ ወንጌል ቅዱስ ዮሓንስ፣ ቶማስ ሓዋርያ ንኢየሱስ “ጐይታ ናበይ ከምእትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ነቲ መንገዲ ደኣ ከመይ ገይርና ኢና እንፈልጦ?” ቢሉ ምስ ሓተቶ፣ ኢየሱስ

“መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ፡ ብዘይ ብኣይ ሓደኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ ፈሊጥኩምኒ እንተትኾኑስ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም” (ዮሓ 14፡5-7)ዝብል ንጹር መልሲ ሃቦ። ንወዲ ኣምላኽ እንተ ተቐቢልናዮ፡ እንተፈሊጥናዮ፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦና ንርእዮን ንረኽቦን ማለት እዩ። ኢየሱስ ናይቲ ዘይርአ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝርአ መልክዑን ዝስማዕ ድምጹን እዩ።  ብሓቂ ከኣ ኢየሱስ ናብ ነፍስወከፍና ክመጽእ ከሎ ድኅነትን ሕውየትን ሒዙልና እዩ ዝመጽእ።

ኣብዚ፡ እቶም ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ክውለድ ከሎ ዘይተቐበልዎን ማዕጾ ልቦም ዘይከፈቱሉንከ እንመን እዮም ዝብል ሕቶውን ከይተላዕለ ኣይተርፍን እዩ። ብመጀመርታ እቶም ዋናታት መዕረፍ ኣጋይሽ ኮነ ዝበዝሕ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም ክቕበሎ ፍቓደይና ኣይነበረን። ንጉሥ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ናብኡ መጺኦም “ኮኾብ መሪሑና ኢና መጺእና ነቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣርእየና” ምስ በልዎ ኣይተሓጐሰን። በንጻሩ ፈሪሁን ሰንቢዱን። ከምኡውን እቶም ትንቢት ነቢያት ዝፈልጡ ዝነበሩ ካህናትን መማህራን ሕግን ንኢየሱስ ክቕበልዎ ድሉዋት ኣይነበሩን። ሎሚውን ዝጐድለና ከምዘይብልና ብትዕቢትን ብኣነነትን ተመሊእና ምቕባል እንተኣቢናዮ ነዚ ኣብ ራእይ ዮሓንስ ዝህበና ተሪር ማዕዳ ንስማዕ፣ “ሃብታምን ፈሳስን እየ፣ ሓንቲ ኳ ዝጐድለኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ ሕሱርን ዜደንግጽን ድኻን ዕውርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ (ራእ 3፡17)። ድኻታት ክንስና ሃብታማት ኢና እንተበልና ንርእስና ኢና ነታልል። ዕውራት ክንስና ንርኢ እንተበልና ኣብ ጸልማት ኢና ንነብር። ዕሩቓት ክንስና ክዳን ኣሎና እንተበልና ንርእስና ኢና ነተዓሻሹ። በዚ ምኽንያት እዩ መድኃኔ ዓለም ባዕሉ ካብ ዕሽነትና ክንወጽእ ካብ ዑረትና ክንሓዊ ዝመኽረናን መዋጽኦ ዘርእየናን ዘሎ። ከመይ፡ ሓቀይና ሃብቲ፣ ሓቀይና ክዳን፣ ሓቀይና ጽርየትን ንጽሕናን፣ ኣብ ኢየሱስ ካብ ዝርከብ ጸጋታትን ረድኤትን እዩ ዝርከብ። “ምእንቲ ክትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ኅፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ከይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ክዳውንቲ ፣ ምእንቲ ክትርኢ ነዕይንቲኻ ክትኰሓለሉውን ኲሕሊ ካባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ” (ራእ 3፡18)። ነዚ ንምግባር ግን ኣዕሚቑና ንኢየሱስ መድኃኒና ክንፈልጦን ክንቅበሎን ክንክተሎን ኣድላዪ እዩ። ኢየሱስ ነቶም ድኽነትናን ዕራቖትናን ዑረትናን ተኣሚንና ናብኡ ዝቐረብና፡“እንታይ ክገብረልካ ተደሊ” (ማር 10፡51) ቢሉ ይሓተና እሞ ከም ባርጢመዎስ “መምህር ክርኢ” (ማር 10፡51) እናበልና ብእምነት ክንምልስ ኢና። ኢየሱስ ከኣ ንነፍስ ወከፍና “ኪድ እምነትካ ኣሕወየትካ” (ማር 10፡52) ዝብል ዘተባብዕ መልሲ ክህበና ኣዩ። እውነተይና ጸጸትን ንስሓን ንዓይኒ ኅሊናና ይኸፍተልና። በቶም ሾብዓተ ኣርእስቲ ኃጢኣት፣ ማለት ትዕቢት ንፍገት፡ ፍትወት ሥጋ፡ ቊጥዓ፡ ስስዐ፡ ቅንኢ፡ ትህኪት፣ ልብና ዓዊሩን ደንዚዙን እንተ ተረኽበውን፣ ኢየሱስ ባዕሉ፣ “ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖምን እቐጽዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳሕ።  እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ ማዕጾ ኳሕኳሕ ኣብል ኣሎኹ። ሓደኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፣ ናብኡ ክኣቱ ምስኡ ኣብ መኣዲ ክቕመጥ እየ፣ ንሱውን ምሳይ ኪቕመጥ እዩ” (ራእ 3፡19-20) እናበለ ዓብይ ተስፋ ክህበና ይርከብ። እግዚኣብሔር ብዝተፈላለየ መንገዲ ገኒሑና እንተኾነውን ስለዘፍቅረና እምበር ስለዝጸልኣና ከምዘይኮነ፡ ከሕውየናን ከበርትዓናን እምበር ክፈርደናን ከዳኽመናን ከምዘይኮነ ብቓሉ የረጋግጸልና ኣሎ።

እምበኣር ሎሚውን፣ ኣብዚ በዓላት ልደተ ጥምቀት፣ ኢየሱስ፣ ንነፍስወከፍና፣ “ንስኻ፡መን እዩ ትብለኒ ? ንስኺ መን እዩ ትብልኒ?” እናበለ ይሓተና ኣሎ። ከመይ ዝበለ መልሲ ንህቦ ንኸውን?። ከም ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ”(ማቴ 16፡16) ክንብል እንተተረኺብና፣ ነቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒና ብኽፉት ልቢ ተቐቢልናዮ ማለት ስለዝኾነ “ብፁዓን፡ ዕውታት ኢና”። በዓለ ልደተ ጥምቀት ድማ ብሓቂ በዓላት ኣስተርእዮ ወይ መለኮታዊ ግልጸት ይኾነልና። እቶም ኣብ በረኻታት ቤተልሔም ማሎም ዝጓስዩ ዝነበሩ ገረሀይናታት ጓሶት “ ነዚ እግዚኣብሔር ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ንቤተልሔም ንኺድ” (ሉቃ 2፡15) እናተበሃሃሉ ብምኻድ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕጻንን” (ሉቃ 2፡16) ከምዝረኸብዎም፣ ንሕናውን ብትሕትናን ብቅንዕናን ብእምነትን እንተ ተሰናዲውና ንመድኃኔ ዓለም ክንረኽቦን ክንቅበሎን ኢና። ንሱ ከኣ ኣብ ልብና ኣቲዉ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ክመልኣናን ክባርኸናን እዩ። ልብና እንተኸፊትናሉ ኢየሱስ ሕጻን ኣብዚ በዓላት ልደተ ጥምቀት፣ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ትዕግሥቲ፡ ልግስነት፡ ሕያውነት፡ ርኅራኄ፡ ተኣማንነት፡ ለወሃት፡ ርእስኻ ምግታእ፡ ተዓቅቦ ፡ንጽሕና (ገላ 5፡22-23 ረአ)፣ ክልግሰልና እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ብሓቂ “እቲ ቃል ሰብ ኮነ፣ ጸጋን ሓቅን መሊኡዎ ከኣ ምሳና ነበረ፣ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ወዱ ዝኾነ ዚረኽቦ ክብሪ፣ ዝኣክል ክብሩ ረኣና” (ዮሓ 1፡14)። “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፣ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዚሕጐሰሎም ሰባት” (ሉቃ 2፡14) እናበልና ብሓጐስን ብምግራምን ምስቶም መላእኽቲ ክንዝምር ኢና።

ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓላት ልደተ ጥምቀት ይግበረልና።

ምስ ብዙኅ ሰላምታን ቡራኬን

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ

 

 

 

“ኣቱም ጽሙኣት ኲልኻትኩም ናብ ማያት ንዑ”

፴፱ ታኅሣሥ ፴፻፱ ዓ ም ግ፥ 7 ጥሪ 2016 ዓ ም ፈ

ፍቁር ሕዝበ እግዚኣብሔር

ጒዕዞ ዓመት ምሕረት ካብ እንጅምር ድሮ ወርኂ ሓሊፉ፣ ብዕለት 12 ታሕሣሥ፡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት፡ ማዕጾ ምሕረት ከፊትና መስዋዕተ ምስጋና (ቅዳሴ) ኣብ ዘዕረግናሉ ንግሆ ዝተራእየ ብዝኂ ሕዝብን ዕዙዝ ተሳትፎን ናይቲ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍና ዘሎ ጽምእን ጥምየትን ምሕረት ኣምላኽ እዩ ገሊጹልና፣ ዓመት ምሕረት ብምውእዋጁ ከምቲ ኢሳይያስ ነቢይ ንሕዝቢ እስራኤል ዘስምዖ፡“ኣቱም ጽሙኣት ኲልኹም ናብ ማያት ንዑ። ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም ከኣ። ንዑ። ተሻየጡ እሞ ብልዑ፣ እወ ንዑ። ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ፣ ገንዘብኩም እንጌራ ኣብ ዘይኮነ። ጻማኹም ድማ ኣብ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡስ ስለምንታይ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ። ነቲ ዝጸበቐ ከኣ ብልዑ። ብጥዑም ብልዒ ድማ ባህ ኪብለኩም እዩ” (ኢሳ 55፡1-2) ዝብል ጸዋዒት ዝሰማዕና ኢና ንመስል ነቢርና፣

ከም ሓቁ እንተኾይኑስ፡ ከምሎሚ እዋን እኳ ብዛዕባ ገንዘብ ተዛሪብና ኣይንፈልጥን፣ ብሓደ ወገን ብዛዕባ ዝኣቱን ዝቕየርን ገንዘብ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣወጻጽኣኡ ብዙኅ ክንዛረብን ክንከራኸርን ቀኒና ኣሎና፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ከም ሎሚ’ኳ ገንዘብ ውሒዱና ኣይፈልጥን ክንብል ንኽእል፣ ንክዳንን ንመግቢ ዕለትን። ንትምህርትን ንደሞዝን-ንስራሕን። ንሕክምናን ንመንቀሳቐስን። ንሓጐስን ንሓዘንን። ንምትሕግጋዝን ንምክሳስን ክንብል እነጥፍኦ ገንዘብን ኃይልን ኣዝዩ ብዙኅ ከምዝኾነ ዕለታዊ መነባብሮና ዝምስክሮ እዩ፣ ኩሉ ዝግዛእን ዝሽየጥን ነገር ክብሪ ኮይኑ ከምዘሎውን ኣይጠፍኣናን፣ ስለምንታይ ደኣ እዩ ነቢዪ ኢሳይያስ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ እዋን። “ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም ከኣ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ- ገንዘብኩም እንጌራ ኣብ ዘይኮነ፥ ጻማኹም ድማ ኣብ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡስ ስለምንታይ?” እናበለ ዝሓትት? ከይከፈልካን ከይደኸምካን ዝርከብ መግብን መስተንከ ከመይ ዝበለ እዩ? ኣበይከ ይርከብ? እቲ ለጋሥ ወሃቢኸ መን ይኸውን? ዝብሉ ሕቶታት ንርእስና ክንሓትት ኣገዳሲ ይኸውን፣

ብርግጽ እዚ ኢሳይያስ ዝዛረበሉ ዘሎ መግቢ እቲ ንሕና እንፈልጦ መዓልታዊ ሓላፊ መግቢ ኣይኮነን፣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቃል እግዚኣብሔር እቲ ነቢዪ እግዚኣብሔር ብነጻን ብብዝኅን ንሕዝቡ ብዛዕባ ዘዳልዎ ካልእ ሺሻይ እዩ ዝገልጽ ዘሎ፣ ምስ እዚ ናይ ሎምዘመን ዓመተ ኢዮቤል ኣተሓሒዝና እንተረኣናዮ ከኣ እቲ ቀዲሕካዮ ዘይነጽፍ በሊዕካዮ ዘይውዳእ ምሕረት ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ካልእ ሺሻይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ኣብዚ እንኣትዎ ዘሎና ዘመነ ልደተ-ጥምቀትውን ቅዱሳት መጻሕፍትን ሥርዓት ኣምልኾናን ብዛዕባ እዚ ምሕረት ኣምላኽ እዮም ዝዛረቡና፣ “እቲ ብምሕረት ሀብታም ዝኾነ ኣምላኽ” (ኤፈ 2:4)፥ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፥ ንዂራ ደንጓዪ፡በዓል ዓብይ ፍቕርን ሓቅን” (ዘፀ 34፡6) “ምሕረቱ ከኣ ንዘለዓለም እዩ” (መዝ 136) ዝብሉ ጠቕስታት ክንሰምዕ ከሎና፥ ምሕረት ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና መለለይን ዝዓበየ ስራሕን ከምዝኾነ ንርዳእ፣ ነዚ ምሕረቱን መደብ ድኅነቱን ብዝተፈላለዩ መንገድታትን፡ ኣብ ዝተፈላለ ጊዜን ዘመንን ክገልጽ ድሕሪ ጸኒሑ “ኣብዘን ዳኅሮት መዓልታት ግና ንኣና በቲ ወራስ ኲሉ ዝገበሮ ወዱ ብእውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፣ ወልድ ናይ ኣምላኽ ክብሪ ዘንጸባርቕ’—ፍጹም ኣርኣያ እግዚኣብሔር እዩ” (ዕብ 1: 2-3)፣ ንሱ፡ እዚ ፍቁር ወዱ ኣብ ማእከልና ምስ መጸ እዩ ነቲ ነቢይ ኢሳያስ ኣቐዲሙ ዘበሠሮ መኣዲ እንጌራ ጽድቅን ማይ ሕይወትን ዝሠርዓልና፣ ባዕሉውን ”ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ እየ፡ እቲ ናባይ ዚመጽእ ኣይክጠምን፡እቲ ብኣይ ዚኣምን ድማ ኣይክጸምእን እዩ”(ዮሓ6፡35)ኢሉና እዩ።

መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብኣና ብደቅሰብ ዝርአን ዝስማዕን፡ ገጽን ድምጽን፡ ናይ መሓሪ ኣቦኡ ኮይኑ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ካብ ድንግል ማርያም ሥጋና ለቢሱ ኣብ ቤተልሔም ተወልደ፣ ስለዚ ልደት ክርስቶስ ንርእሱ ዓብይ ተኣምርን ዓብይ ናይ ምሕረት ስራሕን እዩ፣ ወልደ እግዚኣብሔር ንኣና ክመስል ምምራጹ፥ ኣብ ማእከልና ምሕዳሩ እቲ ዝዓበየን ጭቡጥን ምልክት ፍቕርን ምሕረትን እዩ፣ “ቃል ሥጋ ኮነ ወኅደረ ላዕሌነ” ክንብል ከሎና፥ ብሓጺሩ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገጽ’ቲ መሓርን ርኅሩኅን ኣቦና ኮይኑ እዩ ክበጽሓና መጺኡ ማለት እዩ፣ ንሱ ጥራይ እዩ መልክዕ እግዚኣብሔር ብርግጽነት ክገልጽ፥ ክምስታ ኣቦናውን ከርእየናን ከጥዕመናን ዝኸኣለ፣ ወንጌል ዮሓንስ ከምዝብሎ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦ ዘሎ እቲ እንኮ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ” (ዮሓ 1:18፥ 6፡46)፣ ጐይታና ኢየሱስውን “እቲ ንኣይ ዝርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ እዩ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ከይነብር፥ ኣነ ብርሃን ኮይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣሎኹ” (ዮሓ 12:45-46) ይብለና፣ ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ “ብዛዕባ እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ በዕይንቲና ዝረኣናዮ። በእዳውና ዘረምሰስናዮ። ቃል ሕይወት ንነግረኩም ኣሎና፣

ሕይወት ተገሊጻ እያ፡ ንሕና ከኣ ርኢናያ ኢና ንምስክርውን ኣሎና፣ እታ ንኣና ዝተገልጸት ምስ ኣቦ ዝነበረት ዘለዓለማዊት ሕይወት ድማ ንነግረኩም ኣሎና” (1ዮሓ 1:1-2) ክብል ከሎ እቲ ርጉጽ ገላጺ መልክዕን ጠባይ ምሕረትን ሕይወትን እግዚኣብሔር መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፣

ኣብቲ “ገጽ ምሕረት-ኣምላኽ” ዝኣርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቶም፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ እውን መድኅኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝረአ ገጽ-ምሕረት ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሔር ኣቦ ምዃኑ ኣነጺሮም ይገልጹልና እዮም፣ እዚ ደረት ዘይብሉ መሓርነት ናይ እግዚኣብሔር ግን ካብ ምንታይ እዩ ዝፍልፍል? እንተበልና፥ ካብ እቲ ወሰን ዘይብሉ ዕብየቱን ክእለቱን ስልጣኑን ጥራይ እዩ ዝመጽእ፣ ኣብቲ ኣብ በዓላት ልደተ-ትምቀት እንጥቀመሉ ኣኰቴተ ቊርባን፡ “እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ኣምላኽ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ንጉሥ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ኲሉ ዝኃዝካ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መላኺ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መድኃኒ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ፈራዲ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መሕየዊ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መጋቢ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ሰሳዪ ኢኻ”፥ ብምባል ልዑል ኣምላኽና ዝሰኣኖ ከምዘይብሉ ምስ ተኣመንና፥ ቀጺልና ከኣ “ንኣና ንኃጥኣን እንተመሓርካና፡ ሽዑ ኢኻ መሓሪ እትብሃል፥ ንጻድቃንሲ ብምግባሮም ኢኻ እትምሕሮም፥ ከም ጽድቆምውን ትፈድዮም፣ ዝቐደመ በድልና ኣይትዘክር፥ ኦ ጐይታ ምሕረትካ ቀልጢፉ ይምጽኣና፣ ናባኻ ንጠርዕ ናባኻ ነእዊ ናባኻ ንምህለል ኣሎና፣ ንዘለዓለም ዓለም” (ሓዳፌ ነፍስ፥ እምቅድመ ዓለም (ዲዮስቆሮስ) እናበልና ኣብቲ ደረት ዘይብሉ መሓርነቱ ዘሎና ዓብይ ተስፋ ንገልጽ፣ ሰናይ ፍቓዱን ክእለቱን እንተዘይኮይኑ ምሕረት ከምጽኣልና ዝኽእል ካልእ ኃይሊ የልቦን፣ በዚ ምኽንያት ኢና መዓልቲ መጸ “በከመ ምሕረትከ እግዚኦ ወኣኮ በከመ ኣበሳነ” ከም ምሕረትካ ደኣ እምበር ከም በደልና ኣይትኺደና(መጽሓፈ ቅዳሴ)፥ “ኢትግድፈነ ኢትግድፈነ ወኢትመንነነ ኣምላከ ሰላም ተራድኣነ” ኣይትግደፈና ኣይትመንነና ኣምላክ ሰላም ተራድኣና(ሥርዓተ ዋዜማ) እናበልና ንልምኖ፣

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅውን ብዓብይ ክእለት፡ “ብምኽሪ ርጉም ተመን ትእዛዙ ምስ ኣፍረስና፡ ካብታ ናይ ደስታ ገነት ናብ ጥፍኣት ወጻእና። ካብ ሕይወት ናብ ሞት፡ ካብ ሓርነት ናብ ባርነት፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ኃጢኣት ተገዛእና፣ ንሱ ግና ንፍጥረቱ ኣይኅደገናን፡ ሸለልውን ኣይበለናን፣ ከምቲ ዝበደልናዮ ኣይተቐየመናን። ብኃጢኣትና ፈጺምና ክንጠፍእ ከኣ ኣይኃደገናን፣ እኳ ደኣ ኣፍቀረናን መሓረናን ራኅርኃልናን፣ ካብ ኢድ እቲ ዚገዝኣናውን ኣናገፈና፣ ነቦኡ መልኣኽ ምኽሩን የማናይ ኢዱን ኃይሉን ጥበቡን ተበጃውን መድኃንን ዝኾነ ወዱ ለኣኸልና” (ቅዳሴ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) ብምባል ነቲ ዘይሕለል ምሕረት ኣምላኽን ናይ ደቅሰብ ብዝኂ ኃጢኣትን የነጻጽሮ፣ ቅዳሴ እምቅድመ ዓለም ከኣ  ንልመናና ኣይንዓቖን፡ ኣይተቖጥዓናን፡ ምሕረቱውን ካባና ኣየርሓቐን፡ እሞ እግዚኣብሔር ኣምላኽና መሓሪ እዩ፣°እስመ ኢመነነ ወኢተቆጥዓ ስእለተነ። ወኢያርሐቀ ሣህሎ እምኔነ እስመ መሓሪ ውእቱ እግዚኣብሔር ኣምላክነ” እናበለ ምሕረት እግዚኣብሔር ጭቡጥ መግለጺ ፍቕሩን ትዕግሥቱን ለውኃቱን ከምዝኾነ ይገልጸልና፣

ኣብ መጨረስታ፡ ኢሳይያስ ነቢይ “ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ። ነቲ ዝጸበቐ ከኣ ብልዑ። ብጥዑም ብልዒ ድማ ባህ ኪብለኩም እዩ” (ኢሳ 55፡1-2) ይብለና፣ ንኣና እዚ ዝጸበቐ ጥዑም ብልዒ እዚ እቲ ገጽ ምሕረት ኣምላኽ ዝኾነ፥ ኣብ ማኅጸን ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ፡ ኣብ ቤተልሔም፡ ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ፥ ጓሶት ዝሰገዱሉ መላእኽቲ ሰማይ “ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ስምረቱ ለሰብእ” እናበሉ ዝዘመሩሉ ኢየሱስ ሕጻን እዩ፣ ልደት ኢየሱስ ሕጻን እምበኣር፥ ካብ ሰማይ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ነፍስ ወከፍና ኣውሪዱ ከምቲ ወትሩ መሓሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቦ ንእናውን መሓርቲ ይግበረና፣ ስለዚ ንኢየሱስ ሕጻን፡ መሓርቲ ኣዕይንቲ፡ መሓርቲ ኣእዛን፡ መሓሪት መልሓስ፡ መሓርቲ ኣእዳው፡ መሓርቲ እእጋር፡ መሓሪ ልቢ፡ ሀበኒ እናበልና ንለምኖ፣ ምሉእ ዓመተ ምሕረት ከኣ ምስ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ይኹነልና፣ “እቲ ምሕረት ዝገብር ብሓጐስ ይነብር” (ሮማ12፡8) ከምዝብል ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ሕጉስን በዓላት ልደተ-ጥምቀት ይግበረልና፣ ኣብዚ ዓመትዚ ንጉሥ ሰላም መድኃኔ ዓለም፡ “ምሕረትን ሓቅን ከምዝራኸባ ፍትሕን ሰላምን ከኣ ከምዝሰዓዓማ” (መዝ 85) ይግበረልና

ምስ ብዙኅ ሰላምታን ቡራኬን

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳስ ዘበኣሥመራ

 

 

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? (ዘፍጥ.4፡9) ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? (ዘፍጥ.4፡9)
ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ።

ሰላምታ
1.“ብእምነት ናይ ሓቂ ደቅና’’ ናብ ዝኾኑ ምእመናንን፣ ናብ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን፣
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፣ ካብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታናን፣ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን
ምሳኻትኩም ይኹን።1 ብትንሣኤ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣትን ሞትን ዓወት
ዝተረኽበሉ፡ በዚ ዘመነ ትንሣኤ ብጐይታ ኣብ ብርሃን ምእንቲ ክትህልዉ፡ፍረ
ብርሃን ዝኾነ ጽድቅን ሓቅን ክትለብሱ (ኤፌ.5፡8-9 ረአ) ሠናይ ትምኒትና ንገልጽ።
ፍቁራን ብኽርስቶስ ኣኅዋትን ኣኃትን! “እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም
እንረኽቦ ዜረጋግጽ፣ ነቲ ዘይረአ ነገር ከምዘሎ ዜረድእ….”ጥራሕ ዘይኮነ፣ “ዅሉ
ዓለማት ብቓል ኣምላኽ ከምዝተፈጥረ…” ዚገልጽ፣ ነቲ ዅሉ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ
ዚፍጸምን ዚኸውንን ዘበለ ከኣ ኡነተይና ትርጕሙን መልእኽቱን ብብርሃን “እምነት
ስለ እነስተውዕሎ”2፣ ካብ’ዛ እምነት’ዚኣ ተበጊስናን፣ በኣኣ ተንቀሳቒስናን ነዛ
ሓዋርያዊት መልእኽትና ነቕርበልኩም።

Read Full Content: Where is your Brother? (Gen.4:9) Pastoral letter Of the Catholic Eparchs of Eritrea Easter (2014)

ምሉእ ትሕዝቶ: ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? (ዘፍጥ.4፡9) ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ። ዘመነ ትንሣኤ (2014)

Letter from Eparchs of Eritrea to Eritrean Catholics of Wahsington DC, Maryland and Virginia

Catholic Faithful of the Geez Rite

Arlington Diocese, United States of America

Asmara 15 October 2014

Dear Christ’s faithful Catholics of the Geez Rite in Arlington Diocese, United States of America

“Grace and peace to you from God our Father and the Lord Jesus Christ” (2 Corinthians 1:2).

The faithful residing in Washington DC and Virginia had requested us for many years in the past for a priest providing pastoral care.  Your request for a priest and your great patience in waiting for our response is the fact known to all of us.

After many efforts and setbacks we are now ready to meet your pastoral needs in accordance to God’s will and collaboration of the bishop of the Arlington Diocese, Most Reverend Paul S. Loverde.  We are missioning Revered Abba Hagos Tesfagabir of the St. Anne congregation to you.  Abba Hagos will reside among you in the place prepared for him by the diocese and serve in accordance to the administrative policies of the Arlington Diocese.  He will serve you for five years in collaboration with you and us.  As a teacher, priest, and pastor Abba Hagos will serve you in Geez Rite the Holy Mass, the sacraments of the Church, Catechism for various groups, and visiting the elderly and sick.

Beloved faithful men and women, we have no doubt the great respect and love your will offer to your priest for you understand that respecting your priest is respecting yourselves.   Your initial support to Abba Hagos until he settles is particularly essential.  We implore you that you meet all his needs for livelihood in collaboration with the diocese of Arlington.  “The Christian faithful, for their part, should realize their obligations to their priests, and with filial love they should follow them as their pastors and fathers. In like manner, sharing their cares, they should help their priests by prayer and work insofar as possible so that their priests might more readily overcome difficulties and be able to fulfill their duties more fruitfully” (PRESBYTERORUM ORDINIS, 9).

We encourage you with paternal care as we say with St. Paul: “Now we ask you, brothers and sisters, to acknowledge those who work hard among you, who care for you in the Lord and who admonish you. Hold them in the highest regard in love because of their work.  Live in peace with each other” (1 Thessalonians 5:12-13).

With abundant greetings and blessings,

Read Letter in Tigrigna