አስትንትኖ ቃል አምላኽ መስከረም – 10.2018

 

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ሉቃ. 6:6-11

ብኻሊእ ሰንበት ድማ ኢየሱስ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ መሃሪ፥ አብኡ ኸአ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብአይ ነበረ። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከአ መኽሰሲ ምእንቲ  ኪረኽቡሉ፥ ብሰንበት እንተ አሕወዩ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ። ንሱ ኸአ ሓሳቦም ፈሊጡ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብአይ “ተንሥእ እሞ አብ ማእከል ደው በል” በሎ። ንሱውን ተንሥኡ ደው በለ። ኢየሱስ ከአ “ እስከ ክሓተኩም ፦ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድኃንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ፧” በሎም። ንኹሎም እቶም አብ ዙርያኡ ዝነብሩ እናጠመተ ኸአ  ነቲ ሰብአይ “ ኢድካ ዘርግሕ” በሎ፥ ንሱ ኸአ ዘርግሓ፥ እታ ኢዱውን ሓወየት። ንሳቶም ግና አዝዮም ነደሩ፥ ንኢየሱስ እንታይ ከም ዚገብርዎ ድማ ንሓድሕዶም ተማኸሩ።

  • አስተንትኖ

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰንበት ከመይ ክነሕልፋ ከምዘለን ይምህረናን ይሕብረናን። እቲ ሓቅነት ናይ አምልኾ ናይ አገልግሎት ይምህረና።  ጸሎትና ስር ዓት አምልኾና አብ ሕይወትና ሕይወት ሓውናን ኃፍትና ፍትሕን ዕርቅን ፍቕርን ዘይምጽእ እንተኮይኑ ኩሉ ልምዲ ኮይኑ ይተርፍ። ብኻሊእ ሰንበት ድማ ኢየሱስ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ መሃሪ፥ አብኡ ኸአ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብአይ ነበረ። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከአ መኽሰሲ ምእንቲ  ኪረኽቡሉ፥ ብሰንበት እንተ አሕወዩ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ።

አብታ  ዝነቐጸት የማነይቲ ኢድ ኩሉ እቲ ድኻምነት ሕመቕን ኃጢአትን ወዲ ሰብ ኢና   እንርኢ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከአ ነዚ ድኻምነትንና ኃጢአትናን አብ ርእሱ ብምሽካም ንኽፍውሰናን ከሕውየናን ካብ ኃጢአትና ነጻ ክገብረና ናብዚ ዓለም እዚ ይመጽእ።   እቲ ሓቀና ሰንበት ንነፍሲ ወከፍና ነቲ ዝመጽእ መዓልታት  ጽቡቕ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ንኽንሰርሕ ነኅዋትና ምኽኒያት ድኅነቶም ኮይና ክንርከብ ዝሕግዘና መዓልቲ – ሰናይ ነገር ናይ ፍቕሪ ስራሕ እንፍጽመሉ መ ዓልቲ ኢዩ  ክኸዊን ዘለዎ። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  መኽሰሲ ምእንቲ  ኪረኽቡሉ፥ ብሰንበት እንተ አሕወዩ ኢሎም ይጸናጸንዎ አብ ዝነበሩሉ ግዜ  ሓሳቦም ፈሊጡ፤  ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብአይ “ተንሥእ እሞ አብ ማእከል ደው በል” በሎ። አብ ቅድሚ ክርስቶስ ወዲ ሰብ ቀዳምነት ቦታ ሒዙ ይርከብ። ንሱ ምድኃን ደቂ ሰባት ልዕሊ እቲ ደጋዊ ሕጊ ይሰርዖ። ምኽኒያቱ ንሱ ልዕሊ ህጊ ስለዝኾነ፡ ንሱ እቲ ሓቀኛ አምላኽ ፈቃር አምላኽ ናይ ምሕረት አምላኽ ጎይታ ስለዝኾነ። ከምዚ እናበለ ከአ ክሓቶም ይርከብ፦ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድኃንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ፧” እናበለ ኸአ ነቲ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብአይ “ ኢድካ ዘርግሕ” በሎ፥  ንሱ ኸአ ዘርግሓ፥ እታ ኢዱውን ሓወየት። ብሰንበት ጽቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድኃንዶ ወይ ምቕታል

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን እግዚአብሔር አምላኽና ንነፍሲ ወከፍና ንምድኃን ናብዚ ምድሪ እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወዱ ለአኸ። ንኹሉና ከአ ምስ ኩሉ ክፍአትናን ሓጢአትናን ኢዱ ዘርጊሑ ይምሕረና ይቅበለና።  ነቲ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብአይ“ ኢድካ ዘርግሕ” ክብሎ ንርኢ፡ ሎሚ እዚ ቃል እዚ ንነፍሲ ወከፍና – ክርስቶስ ንዓይ ከምዚብሎ ዘሎ ጌረ ክወስዶ ይግበአኒ። ነዚ “ ኢድካ ዘርግሕ” ዝብል ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝሓመሙ አብስቅያት ንዝርከቡ አኅዋትናን አኃትናን  ጎረባብቲናን አእዳውና ክንዝርገሓሎም፡ ሓገዝና ክንልግሰሎም፡፤ ተስፋ ጸግዒ ክንኮኖም።  ነቶም ድኻታት ሓገዝና ዘድሊዮም አእዳውና ክንዝርገሓሎም ክንዕንግሎም ፍቕርና ክንልግሰሎም፡ እግዚአብሔር ሓኪምና ኢዩ ንሕና ከአ ፈውሱ ዘድሊየና ሕሙማቱ ኢና እምበአር ነቲ ሰማያዊ አቦና ምእንቲ ካብ ሓጢአትና ክምሕረና ይቕረ ክብለልና አቅድሚኡ ቀውሪብና አእዳውና ንዝርገሓሉ – ምሕረቱ ፈውሱ ምእንቲ ክህበና።

ስብሓት ንኣብን ንወልድ ……………………

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 03.2018

አቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ……………
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ማር.6:30-34

ሓዋሪያት ድማ ናብ ኢየሱስ ተመሊሶም ዝገበሩዎን ዝመሃሩዎን ኩሉ ነገሩዎ። እቶም ዝመጹን ዝኸዱን ብዙኅት ነበሩ እሞ ንምብላዕውን ጊዜ ክሳዕዚስእኑ ስለ ዝኾኑ ኢየሱስ “ ንበይንኹም ቁሩብ ከተዕርፉ ኣብ ጽምዊ ቦታ ንዑናይ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ንበይኖም ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። ኺኸዱ ኸለዉ ብዙኅት ሕዝቢ ረአይዎምን አለለይዎምን። ካብ ኩለን ከተማታት ብእግሪ ናብኡ ጎየዩ። ቀዲሞምዎም ድማ ናብኡ በጽሑ። ኢየሱስ ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ብዙኅ ሕዝቢ ረአየ። ጋሳ ኸም ዘይብለን አባጊዕ ነበሩ እሞ ደንገጸሎም፥ ብዙኅውን ኪምህሮም ጀመረ።

  • አስተንትኖ

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ኣብ ብሉይ ኪዳን ግኣብሔር ንሕዝቡ ዝጓስዩ ጓሶት መረSu፡ ብኢድ ሙሴን ነቢያትን ከም ዘጓስዩ ከምዝገበረን የዘንትወልና። አብዚ ናይ ሎሚ ዘንበብናዮ ቃል አምላኽ ሓዋሪያት ካብ ሓዋሪያዊ ተልእኾኦም ክምለሱ ንርኢ። ነቲ ካብ መምህሮም ዝተቐበሉዎ ሓቂ ብእምነት ከመሓላልፍን ብሕይወቶም ክምስክሮን ድኅሪ ጸኒሖም ተመሊሶም ኩሉ ዝገበሩዎን ዝመሃሩዎን ኩሉ ንመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከዘንቱው ንርኢ። ሓዋሪያ ዝበሃል ነቲ ካብ መምህሩ ዝተቐበሎ ሓቂ ብእምነት ከመሓላልፍን ብሕይወቱ ክምስክርን ዝተጸውዓ ሰብ ኢዩ። አሰር እቲ ሃቀኛ ጋስ ዝኾነ ክርስቶስ ዝሰዕብ ኢዩ። እቲ ሓቀኛ ጋሳ እምበአር እቲ ዝእክብ – ዝቕበል – ዘናዲ – ዝመርሕ ኢዩ። አሰር ክርስቶስ ብምስዓብ ሕይወትካ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰባት ምውፋይ ምሕላፍ ማለት ኢዩ ሓዋሪያነት።
ክርስቶስ እምበአር ንሓዋሪያቱ ቃል አምላኽ ንኸበስሩ ንኽምህሩ ድኅሪ ልኢኩዎም “ንበይንኹም ቁሩብ ከተዕርፉ ኣብ ጽምዊ ቦታ ንዑናይ” እናበለ ክጽውዖምን ክዕድሞምን ንርኢ። ስለምንታይ እቲ ምስ ክርስቶስ ዝነበሮም ሕብረት፡ ፍቅሪ፡ ንምሕዳስ። ብዝተሓደሰ መንፈስን ሓይልን ከአ እንደገና ናብ ሓዋሪያዊ አጎልግሎቶም ክብገሱ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብዚ ንዕረፍቲ ነቲ ተልእኾኦም ንምቑራጽ አይኮነን ዝዕድሞም ዘሎ፡ እንታይ ደአ ብዝተሓደሰ መንገዲ እንደገና ንሓዋሪያዊ አገልግሎት ምእንቲ ክብገሱ። ክርስቶስ ንድሕሪት ንኽምለሱ ከዕርፉ ይዕድሞም።
ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ሎሚ ንሕናውን አብዚ ምድራዊ ጉዑዞና ብዛዕባ ክርስቲያናዊ ሕይወትና፡ ምስ እግዚአብሔር ዘለና ርክብ፡ ቃል አምላኽ አብ ምስማዕ ዘለና ትግሃት፡ አብ ምስጢራት፡ አብ ስርዓት አምልኾ ዘለና ተሳትፎ፡ አብ ቃል ኪዳንና ዘለና ተአማንነት፡ ፍቕሪ፡ ሓድነት ንምግምጋም – ካብዚ ናይ ዓለም ጫውጫውታ ፍልይ ኢልና ናብ ጽምው ዝበለ ቦታ ኬድና ምስ ክርስቶስ አምላኽና ንብሕትና ክንራኽብን ምሱ ክነስተንትንን። ካብዚ ተበጊስና ኸአ ብዝተሓደሰ ምንፈስ ክርስቲያናዊ ጉዑዞና እሙናት ኮይና ክንብገስ የድሊየና። “ኢየሱስ ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ብዙኅ ሕዝቢ ረአየ። ጋሳ ኸም ዘይብለን አባጊዕ ነበሩ እሞ ደንገጸሎም” ይብለና። እዞም ሰባት ኢዚኦም ጋሳ አይነበሮምን፡ መራሒ አይነበሮምን፡ ናብቲ ብርሃን ዝመርሕ አይነበሮምን፡ ስለዚ ምስኦም ይተርፍ፡ ኢቲ ሓቂ፡ እቲ መንገዲ፡ ኢቲ ብርሃን፡ ክምህሮም ይርከብ። ብሓቒ ናብቲ ንሱ ዝደሊዮ፡ መንገዲ ሓቂ፡ መገዲ ድኅነት ክሕብሮም ይርከብ። ሎሚውን ንነፍሲ ወከፍና “ንበይንኹም ቁሩብ ከተዕርፉ ኣብ ጽምዊ ቦታ ንዑናይ” እናበለ ብዛዕባ እመንትና፡ ብዛዕባ ድሕነትና ክንሓስብ፡ ካብቲ ናይ ዓለም ነገራት ውጽእ ኢልና ምስ ክርስቶስ፡ ምስቲ አምላኽና፡ ምስቲ ሕይወቱ ስጋብ ምሕላፍ ዘፍቀረና አምላኽ፡ ንኹሉ ጉዑዞና፡ ምስጢራዊ ሕይወትና ክነስተንትን እሞ፤ ነቲ ኩሉ ዝገበርናዮ ሰናይ እናዘከርና ንአምላኽ ክነዘንትወሉ፡ ነቲ አብቲ ክርስቲናዊ ሕይወትና ጎዶሎታት ኮይና ዝተረኸብናሉ ከአ ናብኡ ተመሊስና ብንስሓ ተሓጺብና፡ ብምስጢራት ተመጊብና፡ ሓደ ኢልና ምስ ክርስቶስ ቅዱስ ሕይወት ክንጅምር ክርስቶስ ጎይታ ይዕድመና አሎ። ስለዚ ዳዊት ኮይና ኸአ “እግዚአብሔር ጋሳይ ኢዩ፥ ዚጎድለኒ የብለይን። ንሱ ሓድሽ ኃይሊ ይህበኒ፥ ከምቲ ዘተስፈወኒ፥ በመገዲ ጽድቂ ይመርሃኒ። ግብ ዝበለ ጸልማት ብዘለዎ ርባ እካ እንተ ኸድኩ፥ እግዚብሔር ምሳይ ኢኻ እሞ ኽፋእ አይፈርህን እየ፥ በትርኻን ምርኩስካን ይሕልዋኒ እየን።” መዝ. 23,1.3-5 እናበልና መዓልትና ምስ እግዚአብሔር፡ ብቃል አምላኽ ተመጊብና ንቕድስና እንጎ ዓዘሉ ሓድሽ ሕይወት እንጅምረሉ እግዚአብሔር ብአማልድነት ድንግል ማሪያም ጸግኡን ሓይሉን ይሃበና። አሜን!

ስብሓት ንአብን ንወልድን ………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት-02.2018

አቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ……………
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ሉቃ. 2:22-40

ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ናይ ምንጽሖም እዋን ምስ ኣኸለ፥ ነቲ ሕፃን ናብ እግዚአብሔር ኼቕርብዎ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ። እዚ ኸአ ኸምቲ አብ ሕጊ እግዚአብሔር “ ምኅፀን ወላዲቱ ዚኸፍት ዘበለ ወዲ ኹሉ ን እግዚአብሔር ዝተቐደሰ ይበሃል” ዚብል ተጻሒፉ ስለዝነበረ እዩ። …….. እንሆ ድማ አብ ኢየሩሳሌም ስምዖን ዚብሃል ሰብ ነበረ። እዚ ሰብ እዚ ምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበ ጻድቅን ና ምላኽ ዚፈርህን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኃዲርዎ ነበረ። ነቲ መሲሕ እግዚአብሔር ከይረአዮ ከም ዘይመውት ከአ ብመንፈስ ቅዱስ ተነጊሩዎ ነበረ። ንኢየሱስ ሕጻን፥ ዮሴፍን ማሪያምን ከም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ናብ ቤት መቕደስ ምስ አእተዉዎ፥ ስምዖን ብመንፈስ ቅዱስ ናብኡ መጸ። ንሱ ድማ አብ ሕቕፊ ተቐቢሉ ንአምላኽ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ አመስገኖ፦ ኦ ጎይታይ, ደጊም ንባር ያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ። ከመይ ኣዒንተይ ነቲ ምድህሃንካ ርእየናኦ እየን። እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ሕዝቢ ዘዳሎኻዮ ድኅነት እዩ። ንሱ እቲ ንኣሕዛብ ብርሃን ንሕዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ ዚገልጽ እዩ ………….።

  • አስተንትኖ

ኣብዚ ናይ ሎሚ ቃል ኣምላኽ ማሪያምን ዮሴፍን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ፵ መዓልታት ምስ ኮነ ከም ሥርዓት አይሁድ ንቤተ መቕደስ ከወፍይዎ ናብ ኢየሩሳሌም ከምዝኸዱ የዘንትወልና። አብዚ ከአ ስምዖን ዝተባህለ ሰብአይ ይቕበሎም። ስምዖን ማለት ከአ እቲ ዝሰምዕ ዝእዘዝ ማለት ኢዩ። አብዚ ዛንታ እዚ ከአ እቲ ታሪኽን ተስፋታትን እስራኤላውያን ክፍጸም ንርእዮ። ስምዖን ምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበ ጻድቅን ንምላኽ ዚፈርህን ሰብ ስለዝነበረ ነቲ ሕጻን ተቐቢሉ ሃቆፎሞ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ነቲ ዘደንቕ ነገራት ቃል ነቢያት ክፍጸም ስለዝረአየ ኦ ጎይታይ, ደጊም ንባር ያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ። ከመይ ኣዒንተይ ነቲ ምድህሃንካ ርእየናኦ እየን። እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ሕዝቢ ዘዳሎኻዮ ድኅነት እዩ። ንሱ እቲ ንኣሕዛብ ብርሃን ንሕዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ ዚገልጽ እዩ እናበለ ንአምላኽ ከምስግን ተረኽበ። ናይ እምነቱ ተመክሮ ብመዝሙር ክገልጽ ተረኽበ። ሎሚውን እዚ ተመክሮ እዚ አብ ሕይወትና ክርአ – ክርስቶስ ብዝተፈላለየ መገዲ ይበጽሓና። ክርስቶስ ነቶም ዝደሊዩዎን ዝረኽብዎን ልቢ ሰባት ዘብርህ ሓይሊ ዘለዎ ወዲ አምላኽ ኢዩ። ሕጂውን እንተኾነ እዚ ብርሃን እዚ ንነፍሲ ወከፍና የወፍየልና አሎ።

ንማሪያም ድማ “ እንሆ እዚ ሕፃን እዚ አብ እስራኤል ንብዙሓት ምኽንያት ምውዳቖም ምትንሳኦምን፥ ከምኡውን ዘይቕበልዎ ምልክትን ኪኸውን ዝተመደበ እዩ። ንዓኺ ከአ ሓሳባት ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኪግለጽ ሓዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ኪስንጥቖ እይ” እናበለ እቲ ወዲ አምላኽ መድኅን ዓለም ናብ መከራን ስቓይን ገጹ ይጎዓዝ ከምዘሎ ተነበየላ። ማሪያም ግና ነዚ ትንቢት እዚ አብ ልባ ብምሓዝ ብእምነትን ትሕትናን ተጋዕዘት።
ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ንሕናውን አብ ጉዑዞና ጸበባ መከራ ከጋንፈና ናይ ግድን ኢዩ። ነፍሲ ወከፍና መስቀልና ክንጸውር ዝተጸዋ ዕና ኢና። ነዚ መስቀል እዚ ብትሕትና ክንጸሮ ይግበአና። በስቀልና ብምጻር ብፍርሃት እግዚአብሔር ብምምልላስ ካብቲ ርሕሩሕ አምላኽና ምጽንናዕ ክንደሊ ይግበአና።
ከምቲ አቀዲምና አብዚ አንይ ሎሚ ወንጌ ዘዘንትወልና ድንግል ማሪያም ንስምዖንን ንሃናን ትረክቦም። ንኽርስቶስ አብ አብ ሕቕፊ አዲኡ ምስረአይዎ እቲ ንሓቂ ክገለጽ ዘለዎ መሲሕ ምኻኑ ይምስክሩን ይአምኑን። እዚ በቲ ቅዱስ ህይወቶምን አገልግሎቶምን እግዚአብሄር መንፈስ ቅድስ እቲ ሓቂ እንታይነት ናይ ክርስቶስ ይገለጸሎም። ብሃቂ እቲ አብ እግዚአብሄር ብጽድቂ ዝመላለስ – እቲ አብ ቤት እግዚአብሄር ዝመላለስን ዘገልግልን እግዚአብሄር ይግለጸሎ፡
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ታኅሣሥ – 13.2017

አቱም ኹሉኹም እትጽዕሩ ጾር ዝኸበደኩምን፥ ናባይ ንዑ፥ አነ ኸአ ከዕርፈኩም እየ። አነ ለዋህ እየ፥ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ አርዑተይ ጹሩ፥ ካባይውን ተምሃሩ፥ ንነፍስኹም ከአ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይ አርዑተይ ልዙብ ጾረይ ከአ ፈኹሽ እዩ። ማቴ.11፡28-30

አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ መደኃኒና ኢየሱስ ብክርስቶስ “አቱም ኹሉኹም እትጽዕሩ ጾር ዝኸበደኩምን፥ ናባይ ንዑ፥ አነ ኸአ ከዕርፈኩም እየ እናበለ አምላኽ ከም ሓደ እሙን ዓርኪ ንኹሎም እቶም ብዝተፈላለየ ናይዚ ዓለም ነገራት ዝደኸምና ናብኡ ይጽወዓና። ወዲ ሰብ በዚ ናይዚ ዓለም ነገራት ተዋሒጡ ላዕልን ታሕትን ክብል ከሎ፡ አብ ነገራት ሓጎስ ሰላም ክደልያ ከሎ፡ እቲ ልዑል አምላኽ ግና ናባይ ንዑ ይብለና አሎ። ምኽንያቱ አብኡ ሰላም አሎ፡ አብኡ ሓጎስ፡ ዕረፍቲ አሎ። ስለዚ ናብኡ ክንከይድ ይግበአና። ምኽንያቱ እቲ ሓቀኛ ዕርፍቲ ስጋና ኮነ መንፈስና አብ ካሊእ ክንረኸቦ አይንኽእልን ኢና። ሰላም ዝህበና፡ ጽምእና ዘርዊ ንሱ ጥራይ ኢዩ። “አነ ለዋህ እየ፥ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ አርዑተይ ጹሩ፥ ካባይውን ተምሃሩ” እናበለ ትሕትና አምላኽ ብምልባስ፡ መስቀልና ብምጻር ክንስዕቦ ይዕድመና። ብመንገዲ ትሕትና ንሕና ምስ እግዚአብሔር ብሓደ ንነብር። ሓቀኛ ሰላም ከአ ንረክብ። አብ ትሕትና ከአ መሰረት ቅድስናና ንሃንጽ።

ደጊምና አብዚ ግዜ ምጽአት እዚ ግዜ ጸሎትን ትጽቢትን፡ ከም ማሪያም ሕይወትና አብ ቃል አምላኽ ተመስሪቱ መስርዕ ሒዙ ክኸይድ፡ በዚ ከአ ልባትና ንኽርስቶስ ንጉስ ንኽቅበል፡ ድልው ንኽኸውን ብለዋሃትን ትሕትናን ከም ሓደ ሕጻን ኮይና አብ ቅድሚ ጎይታ ንቅረብ። ነዚ ከአ አምላኽ ይሓግዘና። አሜን!

አባ ሓጎስ ተስፋግቢር

መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ እሞ ተነስሑ

መልእክቲ ቆሞስ በዓለ ልደት 2016

ኢየሱስ ኣብ ውንጌል ማቴዎስ ከምዚ እንዳበለ ይእውጅን ይምህርን፥ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጻሎም። ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ፥ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ እሞ ተነስሑ እናበለ ኪሰብኽ ጀመረ። ማቴ :16-17

ዝኸበርኩም ምእመናን ብጸጋ እግዚኣብሔር እንሆ ነዚ በዓለ ልደት 2016 ክነብዕል በቒዕና። ነዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዝተወልደ ክርስቶስ ሎሚ በቲ እንፍጽሞ ስርዓት  ኣምልኾና፡ ኣነባብራ ሕይወትና ኣብ መንጎና ህልው ንገብሮ፥ ኣብ ልባትና ከምዝውለድ ንገብሮ።  ግዜኡ ምስበጽሐ ግን፤ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ከድሕን፤ ንሕናውን ናይ ውልድነት መሰል ምእንቲ ኽንረክብ፤ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ: ኣብ ትሕቲ ሕግውን ዝሓደረ ወዱ ለኣኾ። እዚ ኸኣ እቲ ነቦታትና  ነብርሃምን ንዘርኡን ዝኣተወጀሎም ቃል በዚ ልደት እዚ ክፍጸም ንረኽቦ።  የውሃንስ እንታይ ይብል ..” እቲ ቃል ስጋ ኮነ፤ ጸጋን ጽድቅን መሊኡዎ፤ ኣብ  ምንጎና ሓደረ፤ ሓደ ወዱ ነቡኡ ዝኾነ: መጠን ዚረኸቦ ክብሪ ዚኣኽል ክብሩ ረአና ንሕና ኹልና ካብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና

ኣብቲ ናይ ጸሎተ ሃይማኖትውን ውትሩ እንደግሞ … ንአና ንደቂ ሰብ: ምእቲ ድሕነትና ኢሉ ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ። ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ከም ተሰግወ፤ ሰብውን ከም ዝኾነ ኢልና ንጽልን ንደግምን። ስለዚ እግዚኣብሔር ንወድሰብ ናብቲ መሰረቱ ንምላስን .. ንምድሓንን ምእንቲ ካሕሳ ሓጥያትና ኣምላኽ ሰብ ኮነ። ናብ ዓለም መጸ .. ስጋና ከኣ ለበሰ። ብኣኡ ሕይወት ምእንቲ ክንረክብ፤ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ለኣኾ። በዚ ኸኣ ኣሕዋት ፍቕሪ ኣምላኽ ኣባና ተገልጸ። 1የው. 4:9 ስለዚ ነዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘለና ልደት ወይ ክነብዕል ከለና መጀመሪያ ነቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ዝገበረልና ጸጋ ክነመስግንን ክንውድስን ይግበኣና። ንሱ ኣምላኽ እካ እንተኾነ ነቲ ኹሉ ኣምልኽነቱ ብምግዳፍ   ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ማርያም ብምላድ ሰብ ብምኻን ንዓለምና ድሕነት ዘበሰረላ መዓልቲ.. ንነፍሲ ወከፍና  ፍቕሩ ዝገለጸላ መዓልቲ ኢያ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ሎምውን ክርስቶስ ጎይታ ኣባይን ኣባኹምን ክውለድን ክንጸግን ከምዝኽእል ምርዳእ የድሊ።

ዮውሃንስ ነዚ ክምስክር ንረኽቦ። ብዛዕባቲ ካብ መጀመሪያ ዝነበረ፤ ንሕና ዝሰማዕናዮ፤ ብዕይንትና ዝረኣናዮ ዝጠመትናዮ፤ በኣእዳውና ዝረምሰስናዮ ቃል ሕይወት ንነግረኩም ኣለና። ሎሚውን እዚ ቃል እባይን ኣባኹምን ተሰማዕነት ክረክብ የድሊ። ቃል ኣምላኽ ዝብለና .. ቤተክርስቲያና .. ትብለና ክንሰምዕ።  እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፦ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዚነብሩ ደማ ብርሃን ወጸሎም። ሕጻን ተወሊዱልና፦ ወዲ ተዋሂቡና እዩ፦ንሱ ኸኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ። ነሱ “ ግሩም መኻሪ ”“ ብርቱዕ ኣምላኽ ” “ ዘለኣለማዊ ኣቦ ” “ መስፍን ሰላምተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ።

ሎሚ ቃል እግዚኣብሔር ቦታ ሲኢኑ ….. ትምህርቲ ክርስቶስ ናይ ድኹማትን ሕማቓትን ኮይኑ ክፍአትን ንዓይ ይጥዓመንን ነጊሱ ኣብ ዘለወሉ ጊዜ ….. እዞም ኣብ ክርስቶስ እንኣምን ብሓቂ ክነስተንትንን ክንጽልን – መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍሉይ መገዲ   ንነፍሲ ወከፍና እጽውዕ። ቃለይ ኪትሰምዑ ኣብ ጽምው ዚበለ ቦታ ውጹ’ሞ ኣዕርፉ ሽዑ ድምጸይንድለይተይን ከተለልዩ ኢኹም ይብለና ኣሎ።- ካብ ምድረ በዳ ወሲዳ ኣብ ልብኹም ክዛረበኩም ኣብኡ ዘተቐረበ እንጌራን ዚተዳለወ ማይን ክትበልዑን ክትሰትዩን ኢኹም ክትመስግኑ ድማ ኢኹምበኣይ ዚኣምን ኣይጠምን ኣይክጸምእን ድማ” ይብለና ኣሎ …. በል እዚ እንተኾይኑ ጸዋዕታይ ጸዋዕታኹም “ምሳኻ ምዃን ጥዑም’ዩ – ድንኳናት ንትከል” “ንስኻ ንኩሉ ግዜ ምሳና ትረፍ – እንጌራ ከኣ ባሪካ ሃበና’ሞ ሕይወት ክንረክብ ኢና” እንበሎ ነቲ መድሓኒና።

ንዓለም ከኣ – ምስቲ ዘማራይ ኮይንና እግዚኣብሔር ሠናይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን ኣብኡ ዚውከል ሰብ ዕዉት ብጹዕ እዩ እንዳበልና ነሕዋትና ንመስክር።  ነቶም ዝእዘዝዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ። ደቀየ ንዑ ስምዑኒ ኣነ ከኣ ፍርሓት እግዚኣብሔር ክምህረኩም እየ። ጽቡቕ ኪነብር ዚደሊ መን’ዩ – ሓጎስ ዘይመልኦ ነዊሕ ዕድመ ኪረክብ ዚደሊ መን እዩ? ካብ እከይ ርሓቕ ሠናይ ከኣ ግበር – ንሰላም ድለያ ሰዓባ’ውን ይብለና መዝሙር 34 እሞ ንሕናውን ብፍላይ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝተባህለና ነዚ ናይዚ ዓመት እዚ ኣዋጅ ቅዱስ ኣቦና ፍሉይ “ዓመተ ኢዮቤል – ዓመተ ምሕረት” ተቐቢልና ብትሑት መንፈስ ንሰናይ ተግባራትን ዕርቅን ሰላምን ክንሰርሕ ይግበኣና።

መሓርቲ፥ ምሕረት ክርኽቡ ኢዮም እሞ ብጹኣን ኢዮም” ከምዝብሎ ማቴዎስ ኣብ ወንጌሉ፡ ምሕረት ናይ ንስሓ መግለጺ እዩ እሞ  ብንስሓ ቅድሚ ኵሉ፤ ንልባትና ናብኡ ንመለስ። መሠረታዊ ዝኾነ ውሽጣዊ ንስሓ ንግበር።  ብምሉእ ልብና ናብ ኣምላኽ ንመለስ።  ካብ ክሉ ክፍኣት ዘበለ መገዲን ሓሳባትን ገዲፍና ናብቲ ቅኑዕ ዝኾነ መገዲ ኣምላኽ ንመለስ። ኣምላኽና ኣምላኽ ምሕረት ኢዩ እሞ ኣብ ምሕረት-ኣምላኽ ብምትስፋው፤ ብሓገዝ ጸጋኡ ሕይወትና ንምልዋጥ ንጽዓር።  እቲ ንድሕነትና ነቲ ሓደ ወዱ እካ ዘይበቐቀልና ኣቦ ምሕረት ዝኾነ ኣምላኽ ከኣ ምሕረቱ ክሰደልና እዩ።  ዝኸበርኩም ምእመናን ዓመተ 2016 ዓመተ ምሕረትን፥ ዕርቅን፥ ሰላምን፥ ይትግበረልና።

እግዚኣብሔር ጉዕዞና ይባርኽን ይቐድስን! ኣሜን!!

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

እቲ ዓቢ ፍቕሪ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀልን ቁዱስ ቁርባንን ተገሊጹ ይርከብ

 

መልእኽቲ ቆሞስ መስከረምን – ጥቅምትን 2016

እቲ ዓቢ ፍቕሪ  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀልን ቁዱስ ቁርባንን ተገሊጹ ይርከብ

ብምኽንያት እቲ አብ መስቀል ዝገለጸልና ፍቕሩ ስጋብ ክንደይ ኢዩ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣና ፍጡራቱ ክፍቐር ዝግብኦ?

ቅድስና፡ ምልአት ፍጽምናን ፍቕርን ናይ ሓንቲ ነብሲ ዝኸበርኩም ም እመናን አብቲ ጎይታና አምላኽናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለና ፍቕሪ ዝተወሰነ ኢዩ። ንስኻትኩም አነ ኻብ አምላኽ ከም ዘወጻእኩ ስለ ዝአመንኩም ዘፍቀርኩምንን አቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኢዩ። ዮሓ.16፡27ዮሓ.16፡27

ቅድስና አብቲ ንእግዚአብሔር ብምሉእ ልብካ አፍቅር ዝብል ትእዛዝ ኢዩ ዝርከብ። ቅ.ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ናብ ቆላሲያስ ክጽሕፍ ከሎ፤ እምበአር አምላኽ ከም ዝኃረዮም ቅዱሳንን ፍቁራትን ሕዝቢ ኮንኩም ምሕረት፤ ለውሃት፤ ትሕትና፤ ሕያውነት፡ ትዕግስቲ፤ ልበሱ። ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ፡ አብ መንጎኹም ቅር ዜብል ገር እንተሎ ይቅረ ተበሃሃሉ። አብ ልዕሊ እዚ ኹሉ ግና ንኹለን አሲራ አብ ፍጻሜ እተብጽሐን ፍቅሪ እያ እሞ ልበስዋ። ቆላ.3:12-14

ፍቅሪ እታ ንኹለን ሰናይ ተግባራት አሲራ እትርከብ ንወዲ ሰብ ከአ አብ ምልአት እተብጽሖ እንኮ መሳሪሒ ቅድስና ኢያ፡: ስለዚ ኢዩ ቅዱስ አጎስጢኖስ “ አፍቅር ድላይካ ግበር እንዳበለ ዝዛረብ። ምኽንያቱ እታ ንእግዚአብሔር  እተፍቅር ነብሲ፤ እታ ፍቅሪ እቲአ አብ ህይወትካ ሕማቅ ከይትገብር ትምህረካ። ብአንጻሩ ናብቲ ኩሉ ጹቡቅን ሰናይን ዘበለ መገዲ ትመርሓካ ።ስለዚ ሕዋተይ ንእግዚአብሔር ብምሉእ ልብናዶ ክነፍቅሮ አይግበአናን? ምኽንያቱ ንሱ ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ ምስአፍቀረና ኢዩ።  ኦ ሕዝቢ እስራኤል፡ ኩሉ ጊዜ ምስ አፍቀርኩኹም እየ፡ ስለዚ ቀጺለ ዘለዓለማዊ ምሕረተይ እገልጸልኩም አለኹ። ስለዚ አግዚአብሔር ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ከምዘፍቀረና … ካብ ገዛእ ርእሱ አብሊጹ ከም ዘፍቀረና ይዛረብ።ስለዚ ሕዋተይ ንእግዚአብሔር ብምሉእ ልብናዶ ክነፍቅሮ አይግበአናን? ምኽንያቱ ንሱ ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ ምስአፍቀረና ኢዩ።  ኦ ሕዝቢ እስራኤል፡ ኩሉ ጊዜ ምስ አፍቀርኩኹም እየ፡ ስለዚ ቀጺለ ዘለዓለማዊ ምሕረተይ እገልጸልኩም አለኹ። ስለዚ አግዚአብሔር ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ከምዘፍቀረና … ካብ ገዛእ ርእሱ አብሊጹ ከም ዘፍቀረና ይዛረብ።

ቂ ሰባት ብርሕራሔ አምላኽ ተሳሒቦም ተማሪኾምን፤ እግዚአብሔር ብኅያባቱ ናብቲ ፍቕሩ ክስሕቦም ደለየ። አነ ብርራኅን ብፍቕርን ናባይ ሰሓብክዎም፥ ነቲ አርዑት ካብ ክሳዶም አልዓልኩሎም፥ ደኒነ ድማ መገብኩዎም ይግብል ቃል ኣምላኽ።

ግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ናብ ፍቕሩ ክስሕብና ደለየ። ድሕሪ ነብስን ስጋን ሂቡ ብናቱ አምሳል ድሕሪ ፈጢሩና፤ ሰማይ ምድርን ካልኦትን ብፍቕሪ ፈጠረ። ኩሉ ዓይነት ፍጥረታት ንአገልግሎት ደቂ ሰባት ተፈጥረ።

ማይን ምድርን ኩሉ ነገራት አብዚ ዓለም ዘለዉ ንዓኻ ንኸፍቅር ይምህሩኒ ወይ ይእዘዙኒ ይብል ቁዱስ አጎስጢኖስ። ቀጺሉ ኦ እግዚአብሔር ኩሉ ነገር አብዚ መሬትን አብ ልዕሊ እዚ መሬትን እዚን ዝሕዞን ዝጭብጦን፥ ኩሎም ንዓኻ ንኸፍቅር ይሕብሩኒ። ምኽንያቱ ኩሎም እዞም ዝፈጠርካዮም ምእንቲ ፍቕረይ ከምዝፈጠረካዮም የረድኡኒ ይብል። ግዚአብሔር ነዚ ኩሉ ነገር ብምፍጣር ፍቅሩ እካ እንተገለጸልና፡ ንኹሉ ነዚ ናይ ዓለም ነገር ንኽንስዕርን ዝያዳ ፍቕሩ ንምግላጽን ግና ካብዚ ሓሊፉ እታ እንኮ ዘፍቅራ ሕይወቱውን አወፈየልና።“በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፥ አምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳብ ዚህብ ክሳብ ክንድዚ ንዓለም አፍቀራ። ዮሓ.3፡16

ግዚአብሔር ብተግባራትና ምውታት ኮይና ምስ ረአየና፥ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ ከምቲ ቁዱስ ጳውሎስ ዝብሎ፤ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩ ተደሪኹ ነቲ ሓደ ዘፍቅሮ ወዱ ለአኸልና፤ ምስ አቦ ምእንቲ ከተዓርቀናን ናብቲ ናይ መጀመሪያ ክብርና ንኽመልሰና። « ናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ አምላኽ ምእንቲ እታ ብእአ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥ ንአና፥ ብበደልና ምውታት እካ እንተ ነበርና ምስ ክርስቶስ ሕያዋን ገበረና »፡ኤፌ.2፡4-5 እቲ ዘፍቅሮ ወዱ ሃበና፤ ምስኡ ኩሉ ጸጋታቱ ዓደለና። « እቲ ንወዱ እካ ምእንቲ ኹላትና አኅሊፉ ዝሃቦ እምበር ዘይነሓፎ፥ ከመይ ደአኸ ምስኡ ኹሉ ዘይህበና» ሮሜ.8፡32 ለዚ ወልድ ምስ ኩሉ ድኻምነቱ ብፍቕሪ ጸይሩና፡ ኩሉንተናኡውን አወፊዩልና። « ደጊም ክርስቶስ እዩ አባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ አነ አይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከአ ንርእሱ በጃ ዝሃበ ወዲ አምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ» ገላ.2:20

ብቲ ናይ መወዳእታ ሞት ንምድሓን፤ ነቲ ብድኻምነትና ዘጥፋእናዮ ጸጋ እንደገና ንምዕዳል ሰብ ኮነ፥ ከማና ስጋ ለበሰ። « ኢቲ ቓል ሰብ ኮነ፥ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸአ ምሳና ነበረ» ዮሓ. 1፡14 « ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት፥ አረ እካ ደአ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት፥ ተአዘዘ።» ፊሊ.2፡8 ግና ስለምንታይ ወዲ አምላኽ በዚ ዓይነት ሞት ክመውት መሪጹ? ብኻሊእ መገዲ ከድሕነና አይከልን ዲዩ ነሩ? ስጋብ ክንደይ ከምዘፍቅረና ንኸረየና። ቲ መሰረት ፍቕሪ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አባና፡ አብ ደቂ ሰባት ዘርአዮ፡ እቲ አብ እግዚአብሔር አብ ዘለዎ ፍቕሪ ኢዩ። ስለዚ ኢዩ ከአ አብቲ ናይ መጨረሻ ድራር፤ ከምዚ ክብል ዝተዛረበ « እንተኾነ አነ ነቦ ከም ዘፍቅሮ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ከምቲ አቦ ዝአዘዘኒ እፍጽም አለኹ።» ዮሓ. 14፡31

ብካልኣይ ደረጃ እነስተንትኖ’፥ ብምክንያት እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩ፤ ምስጢረ መንበረታቦት ብምስርዑ፡ ስጋብ ክንደይ ኢዩ ጎታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብነፍሲ ወከፍና ክፍቀር ዝግብኦ?”

የሱስ ቅድሚ በዓለ ፋሲካ ካብዛ ዓለም እዚአ ናብ አቡኡ ዚኸደላ ሰዓት ከም ዝበጽሐት ፈሊጡ፡ ነቶም ዘፍቅሮም አብዛ ዓለም እዚአ ዘለዉ ናቱ፡ ክሳዕ መወዳእታ አፍቀሮም ይብለና የውሓንስ ወንጌላዊ። ዮሓ.13፡1 ለት ካብዚ ዓለም እዚ ዝፋነወሉ ግዜን ሰዓትን ስለዝአኸለ እቲ ዝዓበ ናይ ፍቕሩ ምልክት ክገድፈልና ደለየ። እዚ ከአ ምስጢረ ቁዱስ ቁርባን ኢዩ።

ድስቲ በርናርዲኒ  ነቲ ዘፍቅሩና ኣዕሩኽትና ኣዝማድና ወለድና ኣብ ግዜ ሞቶም ዝገድፉልና ህያባት ወይ ምልክት ናይ ፍቕሪ ብጽቡቕ ንሕዞን ንዕቕቦን ትብል። መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ቅድሚ ካብዚ ዓለም እዚ ምሕላፉ ሓደ ክቡር ነገር ኢዩ ገዲፉልና ትብል።  ቃለቤት ወይ ወርቂ ኣይገደፈልናን። ስጋኡን፡ ደሙን፡ መለኮቱን፡ ክሉንትናኡ ኣወፊዩልና ሓሊፉ ትብል። ቅዱስ ጳውሎስው አብ ቀዳማይ መልአኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ክጽሕፍ ከሎ ነዚ ሓቂ እዚ ይምስክር።

ቲ ንአኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም ነቲ ኻብ ጎይታ ዝተቐበልክዎ እየ-፡ ጎይታና ኢየሱስ በታ ዝተታኅዘላ ለይቲ እንጌራ አልዓለ። አመስጊኑ ቆረሰ እሞ-፡“ውሰዱ-፡ ብልዑ-፡ እዚ ምንታኻትኩም ዝውሃብ ሥጋይ እዩ-፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ’’ በለ። ከምኡ ኸአ ድኅሪ ድራር ነቲ ጽዋዕ አልዓለ እሞ “ እዚ ጽዋዕ እዚ ብደመይ ዚኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ። ብትሰትይዎ ግዜ ኹሉ ንመዘከርታይ ግበርዎ-፡” በለ። 1ቆሮ.11፡23-25

ለዚ እዩ  ቅዱስ ቶማስ  ንምስጢረ ቅዱስ ቁርባን “ናይ ፍቕሪ ምሥጢር” ኢሉ ዝጽውዖ። ምኽንያቱ ፍቕሪ ጥራይ ኢዩ ንመድኅኒና ኢየሱስስ ክርስቶ ስግኡን ደሙን ክንበልዕን ክንሰትን ከፍቅድ ዝተረኽበ። ይ ፍቕሪ ፍቕሪ ኢላ ትጽውዖ ቅ. በርናርዲና ምኽንያቱ ኩሉ እቲ ዘደንቕ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኣምላኽ ኣብዚ ህያብ እዚ ስለዝፈጸሞ።

ቢ ኢሰያስ ዓለም ብሙልአ እቲ ፍቕሪ ዝመልኦ ሓገዝ እግዚአብሔር ፍቕሪን አምላኽ ክትርኢ ከምዘለዋን፡ በታ መዓልቲ ኢቲአ ሰባት ከምዚ ዝሰዕብ ኢሎም ኪዝምሩ ኢዮም ይብል ፥ “ ንእግዚአብሔር አመስግንዎ፥ ኪረድአኩም ስሙ ጸውዑ። ንኹሎም አሕዛብ ግብሩ አፍልጥዎም፥ ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ። ኢሳ 12፡4 ርስቶስ ሰብ ኮይኑ አብ መንጎና ተረኺቡ ….. አብ መጨረሻ ከአ ስጋኡን ደሙን ክንምገብ ሓደገልና። እዚስ ጽላለዶ አይኮነን? ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋሪያቱ ምስጢረ ቁርባን ክሓድገሎም ምስገለጸሎምን ነገሮምን፤ ገሊኦም ካብ ሓዋሪያት ክአምንዎ አይከአሉን።

እዝስ ሥጋኡ ኽንበልዕ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧” እንናበሉ ንሓድሕዶም ተኸታዑ። ዮሓ.6፡52 ዙሓት ካብ ደቂ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም “ እዚ ዘረባ እዝስ፥ ዕጹብ እዩ፥ መን ክስዕቦ ይኽእል፧ በሉ።  ግና እቲ ወዲ ሰብ ክሓስቦን ክርድኦን ዘይኽእል ዓቢ ዘደንቕ  ተግባር አምላኽ ክፍጸም ተረኽበ። ውሰዱ ብልዑ፤ ኢሉዎም ንሓዋሪያቱ፣ ብመንገዶም ከአ ንኹሉና ነቶም አብ ፍቕሩን አምላኽነቱን እነአምን ነዚ ሰማያዊ መግቢ እዚ ክንምገብ ይዕደመና።

ኸበርኩም ምእመናን ደብረ መድሃኔ ዓለም “ንዑ፥ እንጌራይ ብልዑ፥ ዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ። ብሕይወት ክትነብሩስ ዕሽነት ኅደጉ፥ ብመገዲ ምስትውዓል ከአ ተመላለሱ ምሳ 9፡5 ይብለና ኣሎ ቃል ኣምላኽ እሞ፡ ሎሚ እዚ ቃል እዚ ኣብ ኣእዛናን  ልባትና ቦታ ክረክብ ክንሰምዖ ይገበኣና። ምስ ክርስቶስ ጎይታና ብሕብረት ምእንቲ ክነብር ካብ ዕሽነት እዛ ዓለም ክንወጽእ፡ በቲ ቅኑዕ ሕግታት ኣምላክ ተመሪሕናን ተኣዚዝናን ክንከይድ ሎሚ ንዕደም። ብፍሉይ መገዲ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት በዚ መንፈስ እዚ ክንቀባበሎ የድሊ፡፡

እግዚኣብሔር ኣብዚ ዓመት እዚ ንዝሓለፉ ኣቦታት ኣዴታት ኣሓት ኣሕዋት ኣብ መንግስቱ ይዘከረልና ፡

ርሑስ ሓድሽ ዓመት፡ ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ይግበረልና! ኣሜን።

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Aba Hagos Tesfagbir

 

Sunday Pograms

ServiceStart Time

Rosary 2:00 PM Easter Time
Sunday Mass 2:30 PM Easter Time